Friday , April 26 2024

ሓበሬታ

ጒጅለ ሰብኣዊ መሰላት: ኣብ ሩስያ “ኣሰካፊ ዓፈና” ይፍጸም ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብሩስያ ዝካየድ ዘሎ ወራር ብኲናት ዝወርድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምስዓቡ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሩስያ እውን ዓፈና መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ብሰፊሑ ንኽካይድ ምኽንያት ኮይኑ ምህላዉ ሓደ ኣብ ስቶክሆልም ዝመደብሩ ኣህጒራዊ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት ኣቃሊዑ። ኣብ ዩክሬይን ኣብ ምክትታል ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ሕጂ ናይ ድሕነት ስግኣት ስለ ዘለዎም ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ግዜኦም ኣብ …

Read More »

ኦስሎ፡ ኣብያተ ትምህርትታት ብዛዕባ ኲነታት ዩክሬይን ኣስተምህሮ ክወሃባ እየን።

ኲለን ኣብያተ ትምህርቲ ኦስሎ ብዛዕብቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲነታት ን ቆልዑ ብኸመይ ከረድእዎም ከም ዘለዎም ኣስተምህሮ ይወስዱ ኣለዉ። ብተመሳሳሊ ኣብያተ ትምህርቲ ዘለወን ብዝሒ ኣዮዲን ኣብ ምትዕርራይ ምህላወን ኖርዌይ ቱደይ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ። “ብዙሓት ቆልዑን ኮተቲርን እዚ ኣብ ዩክሬይን ዝግበር ዘሎ ነገራት የፍርሆም እዩ። ኣብ ዩክሬይን ሰባት ብሰንኪ ኲናት ኣብ ተስፋ ዘቚርጽ ኲነታት ወዲቖም ዘርኢ ሓጸርቲ ቪድዮታት ይርእዩ ኣለዉ። …

Read More »

ክልተ ሚልዮን ኖርዌጃውና ናይ ቀረጽ ካርዶም ኣይተመልከቱን ኣለዉ።

ካርድ ቀረጽ ካብ ዝወጽእ ክልተ ኣዋርሕ እኳ እንተመልአ ክልተ ሚልዮን ዝኮኑ ኖርዌጃውያን ኣብ ካርዶም ዘሎ ናይ ቀረጽ ሓበሬታ ቅኑዕ ድዩ ኣይኮነን ንምፍላጥ ገና ኣይተመልከቱን ኣለዉ ክብል ምምሕዳር ቀረጽ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። “ልክዕ መጠን ቀረጽ ትኸፍል ምህላውካ እንድሕር ክተረጋግጽ ደሊኻ እቲ እንጥቀመሉ ዘሎና ሓበሬታ ቅኑዕ ምዃኑ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ” ክትብል ኣብ ምምሕዳር ቀረጽ ዳይረክተር ዲቪዥን ማርታ ዮሃን …

Read More »

ሽወደን፡ ሰብመዚ ጥዕና ዞባታት ድልዉነቶም ይውስኹ።

ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ጽልዋኡ እንተስፊሑ ብምባል ሰብመዚ ጥዕና ዞባታት ሽወደን ዘድሊ ዝበልዎ ምቅርራባት ይገብሩ ምህላዎም ተገሊጹ። ኣብ ምዕራብ ሽወደን እትርከብ ዞባ ቫስትራ ጉትላንድ ነዚ ምድላው ከተጻፍፍ ሓላፍነት ዝወሰደ ኤሪክ ላንግስትረን ብርክት ዝበለ ተነቃፊ ቦታታት ምልላዮም ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። እዞም ከም ተነቀፍቲ እተራእዩ ከባቢታት ምናልባት መጥቃዕቲ እንተተፈጺሙ ስርዓተ ሕክምናኦም ንምክልኻል ከምኡውን ተወሰኽቲ ፍርያት መድሃኒት ምኽዛን ዘድልዮም …

Read More »

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተረረ ስጒምቲታት ክወስድ ሽወደን ጸዊዓ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ልሂቃን ሩስያ ትርር ዝበለ ስጒምቲ ክወስድ ሚኒስተር ሽወደን ኣብ ኣውሮዓዊ ሕብረት ሃንስ ዳልግረን ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ጸዊዑ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትግበሮም ይግባእ ብምባል ሽወደን እትጽበዮም ሰለስተ ኣማራጺታት ምህላዎም ድማ ገሊጹ። እዚኣቶም ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገርን ሃብታማት ሩስያ እገዳ ምጽዓን፡ ምእጋድ ደቂተባዕትዮን ደቀንስትዮን ስፖርተኛታት ሩስያ ካብ ጸወታታት ምእገዳ እዮም።

Read More »

ቀ/ሚ ኣንደርሾን: “ወራር ሩስያ ዘይሕጋዊ፡ ተዂታዂን ዘይስነመጎታዊን እዩ”።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን ብዛዕባቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣመልኪታ ብተሌቪዥን እተመሓላለፈ መግለጺ ሂባ። ናብ ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ዝያዳ ገንዘብ ክትስልዕ ምዃና ዝገለጸት ኣንደርሾን እዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት  ንናእሽቱ ቢዝነሳትን ሽቕለትን ሽወደን ሃስያ ከውርድ ከም ዝኽእል ኣመልኪታ። “እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኲለን ዕድለን ባዕለን ናይ ምውሳን መሰል ዘለወን ሃገራት ዝተኣወጀ እዩ” ክትብል ምግላጻ ሬድዮ …

Read More »

ስሙያት ሰባት ኲናት ዩክሬይን ደው ክብል ጸዊዖም’’

ልዕሊ 100 ዝኾኑ ጸሓፍቲ፡ ንነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝጣበቑ ኣክቲቪስት፡ ከምኡውን ተሸለምቲ ኖቤል ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ዝጽውዕ ክታሞም ኣንቢሮም። እዚ ጻውዒት ብማሕበር ደረስቲ ፔን ኢንተርናሽናል እዩ ተዳልዩ። ፕረሲደንት ፑቲን ንዩክሬይን ክወርር ምውሳኑ ኣብ ኣህጒር ኣውሮጳ ኣብ ወለዶታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝኸፍአ ቅልውላው ክፍጠር ጠንቂ ኮይኑ ምህላዉ እቶም ጸሓፍቲ ኣብቲ ክታም ጥርዓኖም ገሊጾም ኣለዉ። ካብዞም ከተምቲ ተሸላሚ ኖቤል ዝኾነ ሳልማን …

Read More »

ኤጀንሲ ስደተኛታት–ዛጊት ውሑዳት ዩክሬናውያን ጥራይ ኣብ ሽወደን ሕቶ ዕቚባ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ብምክንያት ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣስታት 370000 ዩክሬናውያን ካብታ ሃገር ምስዳዶም ላዕለዋይ ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት UNHCR ሓቢሩ። እንተኾነ ግና ዛጊት 127 ዩክሬናውያን ጥራይ ብዕሊ ሕቶ ዕቚባ ኣቕሪቦም ምህላዎም ዳይረክተር ጀነራል ወኪል ስደተኛታት ሽወደን ሚካኤል ሪበንቪክ ኣመልኪቱ። ናይዚ ምኽንያት ኣብ ሽወደን ሒደት ዜጋታት ዩክሬይን ስለ ዝቕመጡን ሰባት ናብቲ ኣዝማዶም ዘለዉዎ ሃገራት ክኸዱ ዝመርጹ ብምዃኖምን ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገለጸ …

Read More »

ፋርማሲታት ኖርዌይ፡ “ሰባት ብጌጋ ከኒናታት ኣዮዲን ይገዝኡ ኣለዉ”

ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ሃገርና ሰባት ናብ ፋርማሲታትና ይመጹና እዮም። ኣብ መንጎ ድሉው ዓይነት ኣዮዲንን ናይ ኣዮዲን ተወሰኽቲ ከኒናታትን ዘሎ ፍልልይ ኣይፈልጥዎን እዮም። ናይ ኑክሌር መጥቃዕቲ ምስ ዘጋጥም ሰባት ዘድልዮም ጻዕቂ ዘለዎ ባእታ ኣዮዲን እምበር እቲ ከም መግቢ ዝውሰድ ኣዮዲን ኣይኮነን” ክብል ኣካያዲ ርክባት ሰርስቲ ሶልበርግ ኦፍስታድ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ። ምናልባት ናይ ኑክሌር ሓደጋ ወይ ንዕኡ ዝመስል ምስ ዝወርድ ሰባት …

Read More »

ሚኒስተር ስፖርት ሽወደን ንፊፋ ዘሊፉ።

ኣህጒራዊ ማሕበር ኲዕሶ እግሪ-ፊፋ-ንሃገራዊት ጋንታ ሩስያ ካብ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ ግዜያት ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ክእገድ ብዘይምውሳኑ ሚኒስተር ስፖርት ሽወደን ኣንደርስ ይገማን ወቐሳ ኣቕሪቡሉ። ብምኽንያት ወራር ሰራዊት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብርክት ዝበላ ማሕበራት ኲዕሶ እግሪ እንተላይ ሽወደን ሩስያ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክትሳተፍ የብላን ዝብል መርግጺአን ምግውሐን ዝፍለጥ እዩ። ውሳነ ፊፋ ዘርእዮ ነገር እንተሎ መሪሕነቱ ሞራል ዝጐድሎ ምዃኑ እዩ–ኢሉ’ሎ ሚኒስተር ይገማን።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com