Monday , April 29 2024

ሓበሬታ

ማሊ፡ እገዳታት ይወርዳ

ኣብ ወርሒ ለካቲት ክካየድ እዩ ተባሂሉ ተወጢኑ ዝነበረ ምርጫ እታ ሃገር ብወተሃደራዊ መንግስቲ እታ ሃገር ድሕሪ ምንዋሑ፡ መራሕቲ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ ማሊ እገዳታት ምጽዓኖም ተፈሊጡ። ትማል ሰንበት ኣብ ኣክራ፡ ጋና፡ ዝተጋብአ ዞባዊ ቀጽሪ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኤኮዋስ) ምስ ማሊ ዘለዎ ዶባት ክዓጹን ዝተፈላለዩ ቊጠባዊ እገዳታት ክጽዕን ምውሳኑን ተመልኪቱ። ወተሃደራዊ መንግስቲ ማሊ ብወገኑ ከም ግበረ መልሲ ናይዚ ውሳነ ኣምባሳደራቱ ካብ ኣባል …

Read More »

ኣብ ትግራይ፡ ስደተኛታት ብድሮናት ተደብዲቦም

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ሃዲሞም ኣብ ሓደ መዕቆብ ስደተኛታት ተዓቚቦም ዝነበሩ ተጋሩ ኣደዳ መጥቃዕቲ ናይ ድሮናት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ። ካብ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ዝወጹ ዘለው ጸብጻባት ከምዝሕብሩዎ፡ ዛጊት 50 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተፈሊጡ’ሎ። ከም ጸብጻብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (TPLF) እንድሕር ኮይኑ፡ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ እዩ ብዛዕባ እዚ ናይ ድሮን መጥቃዕትታት ዝተጋወሐ። በቲ መጥቃዕቲ ድማ 56 ንጹሃን ዜጋታት ተቐቲሎም ክብል …

Read More »

ጀርመን፡ ንመደብ ግዴታዊ ክታበት ተወንዝፍ

መንግስቲ ጀርመን፡ ክታበት ናይ ኮሮና ቫይረስ ግዴታዊ ዝገብር መምርሒታት ከም ዘወንዘፈቶም ገሊጻ። እቲ ምኽንያት ድማ እቲ ናብ ውሳኔ ንምብጻሕ ኣጸጊሙሎም ዘሎ እቲ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዘሎ ናይ ሞራል ፍልስፍና ዘስዓቦ ሰፊሕ ክትዕ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ባይቶ ጀርመን ምኽትል መራሒ ጉጅለ ሶሻል ዲሞክራተና ዝኾነ ደሪክ ወይዝ ጠቒሱ ጋዜጣ በርሊን ታጌስፒገል ከምዝበሎ፡ እቲ ክርክር ክሳብ መጀመርታ ርብዒ ናይዚ ዓመት ክቕጽል ከምዝኽእል ትጽቢት ከምዘሎ …

Read More »

Säpo፡ ኣብ ናይ ጽሬት ድሕሪ ዘጋጠመ ፍጻሜ፡ ሕግታት ክፍትሽ ምዃኑ የተሓሳስብ

ኤክስፕሬሰን (Expressen’s)  ዝባሃል ማዕከን ዜና ድሕሪ ዘውጾ ሓበሬታ፡ ትካል ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን (Swedish Security Service)፡  ኣብ ሓደ ሓደ ሕግታት ለውጢ ንምግባር ‘የድልይ ድዩ ኣየድልን’ ይዛራረበሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። እዚ ዕላዊ ዝኾነ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓንቲ ንኽትጥረዝ ትእዛዝ ዝወጸላ ስደተኛ ሰበይቲ ዝምልከት ኮይኑ፡ ንሳ ኣብትሕቲ ሓደ ናይ ጽሬት ስራሓት ዘካይድ ትካል ተቖጺራ፡ ነበር መንበሪ ገዛ ናይ ቀዳመይቲ ሚኒስቴር ማግዳሊን ኣንደርሾን ከተጽርይ ከላ ብፖሊስ …

Read More »

ኩነታት ኣየር ብሃንደበት  ክለዋወጥ ትጽቢት ይግበር

ከም ክኢላ ሜትሮሎጂ ማግኑስ ዮኤልሶን እንተድኣኾይኑ፡ እዚ ሰሙን ብዘይ ብዙሕ ምልውዋጥ፡ ብልሙድ ኩነታት ኣየር ዝጅምር ከምዝኾነ ጸብጺቡ። ኣብ ዳርጋ ብምልእታ እታ ሃገር፡ ህዱእ ኩነታት ኣየር ንኽፍጠር፡ ልዑል ድፍኢት ኣየር ምኽንያት ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ከምዚሉ ከሎ፡ ኣብ ሰሜን ግና  ዝሑል ኩነታት ኣየር ከምዝህሉ ማግኑስ ገሊጹ። ብሰንበት፡ ኣብ ምምሕዳር ዮክሞክ ትሕቲ 35 ዲግሪ ሰልሲየስ ኩነታት ኣየር ከምዝተመዝገበ ተፈሊጡ’ሎ። ዝመጽእ ሰሉስ፡ ኣብ ብዙሕ …

Read More »

ሓሳኹ: መግቢ ናይ ጠፈርተኛታት ከኾኑ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሉ

ኣብ መጻኢ፡ ኣብ ልዕሊ ዝነበሮም ዝርዝር ዓይነት መግቢታት፡ ጠፈርተኛታት: ዘይልሙድ ወሰኽ ናይ ምግቢ ክግበረሎም ከምዝኽእል ተሓቢሩ። ከም ናይ ሕርሻ ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ ሽወደን (SLU) ካብ ዝኣመሰሉ ተመራመርቲ ዝርከቡዎም ኣብ ዝገብሩዎ ዘለዉ መጽናዕቲ፡ ሓሳኹ ኣብ ጠፈር ከመ ሃናጺ መግቢ ኮይኖም ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ዝኽእሉ እንድሕር ኮይኖም ክፍትሹ ምዃኖም ራድዮ ሳይንስ (vetenskapsradion) ጸብጺቡ። “ኣብ ናይ ነዊሕ ናይ ጠፈር ጉዕዞታት ኮምኡ’ውን ናብ ካልኦት ፕላኔታትን ንምብጻሕ …

Read More »

ብኮቪድ ንዝተለኽፈ ወዳ: ኣብ ድሕሪ መኪና ትዓጽዎ

ሓንቲ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሃሪስ – ቴክሳስ (Harris County, Texas) ነባሪት ዝኾነት ኣሜሪካዊት ሰበይቲ፡ ብኮቪድ ንዝተለኽፈ ወዳ: ኣብ ናይ መኪናኣ መቐመጢ ኣቕሑት ዓጽያቶ ስለዝተረኽበት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከም ዝኣተወት ናይ ውሽጢ ዓዲ ዜና ማዕከን ጸብጺቡ። እታ ጓል 41 ዓመት ዝኾነት ብምምህርና ትማሓደር ሰበይቲ፡ ‘ህይወት እቲ ቆልዓ ንሓደጋ ብምቅላዕ’ ብዝብል ዕላዊ ክሲ ተኸሲሳ ከምዘላ ተፈሊጡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እታ ሰበይቲ: …

Read More »

ብርክት ዝበሉ ናይ ማይ ጎብየታት: ኣብ ባሊ: ናጽነቶም ስለዝረኸቡ ብዙሓት ሓጎሶም ይገልጹ

ኣብ ኢንዶኔዥያ: ባሊ: ኣብ እትባሃል ደሴት: 33 ጎብየታት ማይ ናብቲ ባሕሪ ተፈንዮም። እቶም ሃለዋቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ዘርኢ ናይ ሓምለዋይ ባሕሪ ጎብየታት (green sea turtles) ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣንጻር ዘይሕጋውያን ሃደንቲ ብዝተገብረ ስርሒት ካብ ኢድ እቶም ሃደንቲ ዝተናገፉ ከም ዝኾኑ ሮይተርስ ጸብጺቡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዞም ጎብየታት፡ ኩታ: ኣብ ዝባሃል ገምገም ባሕሪ ክፍነው ከለው: ብዙሓት ቱሪስትታት ፊልም እንዳሰኣሉ ሓጎሶም ከምዝገለጹ …

Read More »

ኣብ E4: ንሓደ በዓል መኪና ክሕግዝ ዝፈተነ ሰብኣይ: ንባዕሉ ተገጭዩ

ሓደ ኣብ ክሊ ዕድመ 20 ዓመት ዝርከብ ሰብኣይ: ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ቬርናሞን ዮንሾፒንግን ዝርከብ መንገዲ መስመር E4 ተባሂሉ ዝፍለጥ ጎደና ብመኪና ድሕሪ ምውቅዑ ናብ ሕክምና ከምዝተወስደ ፖሊስ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ሓደጋ: ብቐዳም: ኣጋ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቕተሪ ኣቢሉ እዩ ኣጋጢሙ። እቲ ሰብኣይ ንሓደ ካብ ካሊእ ቦታ ናይ ዝመጸ በዓል መኪና ንኽሕግዞ ኣብ ዝፍትነሉ እዋን እዩ እቲ ሓደጋ …

Read More »

ዝተመሓየሹ ክታበታት ክሳብ ቀውዒ ክጸንሑ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሉ

ኣንጻር እቲ ናይ ኮሮና ቫይረስ ጅር ዝኾነ ኦሚክሮን ቫይረስ፡ ሓደሽቲን ዝተማሓየሹን መድሓኒታትን እንተቐልጠፈ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሚያዝያ ክጅምር ከምዝኽእል ኣታሓባባሪ ክታበት ሽወደን ዝኾነ: ሪቻርድ ቤሪስትሮም: ንክፍሊ ራድዮ ሳይንስ ናይ ሽወደን ሓቢሩ። ኮይኑ ግና፡ ኣብቲ ተገሊጹ ዘሎ ግዜ’ውን እንተኾነ፡ ሽዑ ንሽዑ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጅመር ርግጸኛ ምዃን ዘይተኸኣለ ኮይኑ፡ ምናልባት’ውን ንኻሊእ እብረ ክትባት ምጽባይ ዝሐሸ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግለጽ ዘሎ። “እቲ ምክልኻል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com