Wednesday , May 15 2024

ሓበሬታ

ሰባት ብምስቓይ ተኸሲሱ ዝነበረ ጀነራል፡ ፕረዚደንት ኢንተርፖል፡ ኮይኑ

ሓደ ዜጋ ኢማራት ዓረብ ዝኾነ ጀነራል፡ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ናይ ምስቓይ ተግባር ተሓባባሪ ኔርካ ተባሂሉ ተኸሲሱ እኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ፕረዚደንት ዓለማዊ ወኪል ፖሊስ (ኢንተርፖል) ክኸውን ተመሪጹ ኣሎ። እዚ ኣሕመድ ናስር ኣልረኢሲ ዝተባህለን ዋና ኢንስፐክተር ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጒዳያት ኢማራትን ብምዃን ዘገልገለ ዜጋ ኣብዚ ትካል ናይ ኣርባዕተ ዓመት ናይ ትርፊ ግዜን ዘይክፈሎን ኣገልግሎት ክህብ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ሚኒስተሪ ውሽጣዊ ጒዳያት እታ …

Read More »

ኣውስትራልያ. . . ተጣበቕቲ መሰል ግብረሰዶማውያን (LGBTQ) ንሓድሽ ኣዋጅ ይነቕፉ

ኣውስትራልያ፡ ሃይማኖታውያን ትካላት ንግብረሶዶማውያን (LGBTQ) ካብ ቀጽረን ክሰጓ ዘፍቅድ ሓድሽን ኣከራኻሪን ኣዋጅ ኣሕሊፋ ምህላዋ ተገሊጹ። ብመሰረት እዚ ኣዋጅ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊክ “ጽሬት ሃይማኖታዊ ሃዋሁ” ንምሕላው ብዝብል መማህራን ን ግብረሰዶማዊ ተመሃራይ ክሰጒ ክኽእሉ እዮም። እዚ ኣዋጅ ሃይማኖታዊ ተነጽሎ እንድሕር ኣብ ግብሪ ክውዕል ተጌሩ ሃይማኖታውያን ትካላትን ሰባትን እምነቶም ንኽሕልዉ ከኽእሎም እዩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስኮት ሞሪስን፡ ገሊጹ’ሎ። እዚ ኲነታት ሚዛኑ ዝሓለወ …

Read More »

ብሪጣንያ . . . ስደተኛታት ክትወስደላ፡ ንፈረንሳ፡ ትጽውዕ

ካብ ፈረንሳ ተበጊሶም መርበብ እንግሊዝ ብምስጋር ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝበጽሑ ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ክምለሱ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ቦሪስ ጆንሰን፡ ናብታ ሃገር ጻውዒት ኣቕሪቡ። ጆንሰን ን ፕረሲደንት ፈረንሳ፡ ኢማኑኤል ማርኮን፡ ኣብ ዝጸሓልፈሉ መልእኽቲ ብረቡዕ ዘጋጠመን 27 ሰባት ዝቐዘፈን ትራጀዲ ንኸይድገም ብፍጥነት ክንቀሳቐሱ ተማሕጺኑ’ሎ። ሰብመዚ ብሪጣንያ ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ካላይ ክጋብኡ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጒዳያት ብሪጣንያ፡ ፕሪቲ ፓተል፡ እዚ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብ ኣማኑኤል ሳህለ …. ተኣምራትን ምስጢራቱን (The Anatomy Of The Miraculous) ….ካልኣይ ክፋል

ኣብ ዩኒቨርስ እንተ ተመልከትና፡ ኩሉ ብሕጊ እዩ ዚኸይድ። ኩሉ ፍጥረት ወይ መስርሕ ወይ ክስተት ነናቱ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ኣለዎ። ብፋሉላዊ መገዲ ዚምራሕ የልቦን። ቃሕ ከም ዝበሎ ዚነጥፍ ነገር የልቦን። እቲ ሕግታት ገሊኡ ክትርድኦ ቀሊል ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ግን እተሓላለኸ እዩ። ይኹንምበር፡ ካብቲ ሕጊ ገለ ምስ ዚጥሓስ፡ ሕንፍሽፍሽ (chaos) እዩ ዚፍጠር። ገለ ካብቲ ባህርያት ፈጣሪ ድማ፡ ሕግን ስርዓትን ቀጻልነትን እምበር ሕንፍሽፍሽን ዕንወትን …

Read More »

Harmony Media News 26/11/2021

Read More »

ፈረንሳ፡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ትገብሮ ዝነበረት ናይ መራኽብ ኣገልግሎት፡ ኣቋሪጻ

ፈረንሳውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ብመትረብ እንግሊዝ (ኢንግሊሽ ቻነል) ኣቢሎም ናብ 3 ወደባት ዓዲ እንግሊዝ ዘካይድዎ ዝነበሩ ኣገልግሎት ይኹን ብመንገዲ መራኽብ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ኣቕሑት ምምልላስን ጉዕዞታትን፡ ክቋረጽ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ መንግስቲ ፈረንሳ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ድሕሪ ምውጻኣ፡ ናይ ፈረንሳ፡ ዓሳ ናይ ምግፋፍ መሰላት ገደብ ስለዝተገብረሎም፡ እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ውሳነ ድማ፡ ነዚ ዘሎ ወድዓዊ …

Read More »

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኽበ ሓድሽ ጅር ቫይረስ፡ ኣሻቓሊ ኮይኑ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኽበ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሃገራ ኣብ ልዕሊ ዝግበሩ ጉዕዞታት፡ እገዳ ከተንብር ምዃና፡ ካብታ ሃገር ዝተረኽቡ ምንጭታት ይገልጹ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመንበሪኦም ተመራመርቲ፡ ሻቕሎት ዘላዓዕል ሓድሽ ጅር ቫይረስ ረኺቦም። እቲ B.1.1.529 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓይነት ጅር ቫይረስ፡ ኣዝዩ ዘይልሙድ ኣቃውማ ናይ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ዘለዎ ኾይኑ፡ ምናልባት’ውን …

Read More »

ኣብ እዋን በዓል ልደት፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ከይውስኽ፡ ስግኣት ከምዘሎ ተገሊጹ

ብዝሒ ናይቶም ምሉእ እብረ ክታበት ወሲዶም እንከለዉ ናብ ኣገልግሎት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል፡ ዝኣትዉ ዘለዉ ሕሙማት ኮቪድ፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎን ጋዜጣ ዳገንስ ኒሀተር ገሊጹ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮ፡ ነቲ ክልተ እብረ ክታበት፡ ዝህቦ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ፡ ይደክም ከምዘሎ ዘርኢ ክኸውን ከምዝኽእል በዓል መዚ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ነዞም ተርእዮታት ተገንዚብና፡ ኣብ እዋን በዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን፡ ለበዳ …

Read More »

ማግዳሌና ኣንደርሾን ብወለንትናኣ መዝነታ ኣረኪባ

እታ ብረቡዕ መዓልቲ፡ ሓዳሽ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ናይ ሽወደን ዝኾነት፡ ማግዳሌና ኣንደርሾን፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት፡ ስልጣና ብድሌታ ሓዲጋቶ። ነዚ ከም ዋና ምኽንያት ዝቐረበ ድማ፡ እቲ ንሳ ዝተጸበየቶ ባጀት ስለዝተነጽገን ብተወሰኺ’ውን መላፍንቲ ናይቲ መንግስትነት ዝነበረ ሓደ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ፡ ካብቲ መንግስቲ ብምልቃቑ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ንሳ፡ ከም መራሒት ናይ ሓደ ውድብ ጥራሕ ኮይና ክትምለስ ድልየት ኣለዋ። ኣንደርሾን፡ “ብመሰረት ቅዋማዊ ልምዲ፡ እንድሕር …

Read More »

ሓደጋ ሞት፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ መትረብ እንግሊዝ

ድሕሪ እቲ ኣብ መትረብ እንግሊዝ (ናይ እንግሊዝ ካናል) ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ቁጽሪ ናይ ምውታት እንዳወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። ብውሑዱ 27 ዝኾኑ ስደተኛታት ካብታ ካላይስ ተባሂላ እትጽዋዕ ናይ ፈረንሳይ ወደብ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ቦታ ከምዝጠሓሉ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ሓደጋ’ዚ ስደተኛታት ካብ ፈረንሳይ ናብ ሃገረ እንግሊዝ ክስደዱ ካብ ዘጋጠሙ ፈተነታት እቲ ዝዓበየ እዩ። እቶም ኣብቲ ዝሑል ዝኾነ መትረብ እንግሊዝ ብሰንኪ ምጥሓሎም ዝሞቱ ሰባት፡ ብሓደ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com