Monday , April 29 2024

ሓበሬታ

ስቶክሆሎም፡ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ክወሃቡ እዮም

ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሮም፡ ኩሎም ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ተቐማጦ ስቶክሆሎም፡ ጸረ ኮቪድ-19 ዝኾነ ሳልሳይ እብረ ክታበት ክወሃቡ ምዃኖም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሳልሳይ እብረ ክታበት ንኽወስዱ ዝደልዩ ሰባት፡ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ቆጸራ ክሕዙ ከምዝኽእሉን ንብዙሓት ሰባት ዝኸውን ናይ ቆጸራ ዕድላት ከምዘሎን ኣወሃሃዲ ክታበት ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ማግኑስ ቲበሪ፡ ገሊጹ። ሳልሳይ እብረ ክታበት ክወስድ ዝደሊ ሰብ፡ ካብታ ካልኣይቲ እብረ …

Read More »

ማግዳሊና፡ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት፡ ካብ`ዛ ሃገር ክስጎጉ ኣለዎም

ኣብ ሃገረ ሽወደን፡ ገበን ዝፈጸሙ ናይ ወጻእ ሃገር ዜጋታት፡ ክስጎጉ ከም ዘለዎም ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን፡ ማግዳሌና ኣንደሾን፡ ምስ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሀተር ኣብ ዝገበረቶ ቃለ- መሕትት ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ገበን ዝፈጸሙ ወጻእተኛታት፡ ናብ ሃገሮም ክስጎጉ ከም ዘለዎም`የ ዝኣምን፡፡ ብወገንና ድማ፡ ገበነኛታት ክንሰጉግ ኢና፡፡ እዚ ካኣ ብመሰረቱ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ- ሕጊ ሽወደን ዘለዎም እምነት እዩ ዝገልጽ ክትብል ማግዳሌና ኣብሪሃ፡፡ …

Read More »

ደገፍ ሰልፊ ስቨርያ ደሞክራትና ይውስኽ ከምዘሎ ተፈሊጡ

ቁጽሪ ደገፍቲ ሰልፊ ስቨሪያ ዲሞክራትና ዝኾኑ ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ብቐጻሊ ኣብ ምውሳኽ ከምዘሎን ብተመሳሳሊ፡ ሰልፊ ሶሻል ደሞክራተና ዝረኽቦ ዘሎ ደገፍ ውን ካብ ናይ ቅድሚ ሎሚ ብዝበለጸ እና ወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሽወደን ዝተገብረ ሰፊሕ ናይ ዓበይቲ ሰልፍታት ናይ ምርጫ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ 38.8% ናይ ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ንሰልፊ ሶሽያል ደሞክራተና …

Read More »

ኤውሮጳዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ሓሙሻይ ክታበት ከፍቅድ እዩ

ኣብ ምጅማር ናይ ዝቕጽል ዓመት፡ ኤውሮጳዊ በዓል መዚ መድሃኒት (The European Medicines Agency-EMA) ሓሙሻይ ፍርያት ክታበት፡ ከጽድቕ ትጽቢት ከምዝግበረሉ፡  ሰበ-ስልጣን እቲ በዓል መዚ ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ፍርያት ኖቫቫክስ ዝኾነ ክታበት፡ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዕዳጋ ቐሪቦም ዝነበሩ ካልኦት ክታበታት ፍልይ ብዝበለ ዓይነት ቴክኖሎጂ እዩ ተሰሪሑ። ከም ጸብጻብ Pharmaceutical World, እዚ ክታበት’ዚ ካብ ፕሮቲናዊ ነገራት ዝተሰርሐ ኾይኑ፡ …

Read More »

ውድድር ቊንጅና . . . ወይዘሪት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ተዓዋቲ ሳልሳይ ደረጃ ኮይና

ኣብ እስራኤል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሚስ ዩኒቨርስ፡ ወይዘሪት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ላሌሳ ምስዋነ፡ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዋቲት ኮይና። ኣብዚ ውድድር፡ ህንዳዊት ሃርናዝ ሳንዱ፡ ቀዳመይቲ ፓራጐያዊት ናዲያ ፈሬራ፡ ኸኣ ኻልአይቲ ኮይነን ተዓዊተን ኣለዋ። ሃገረ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ብሰንኪ እትኽተሎ ኣድልዎ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ንወይዘሪት ምስዋነ ዝገብሮ ሓገዝ ደው ምባሉ ተፈሊጡ። እንተኾነ ግና ኣዳለውቲ እቲ መደብ እዚ ውድድር ብዓይኒ ፖለቲካ ክጥመት ኣይምተገብአን …

Read More »

ፕረዚደንት ደብብ ኣፍሪቃ፡ ብኮቪድ ተለኺፉ

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሲሪል ራማፎዛ፡ ብኮቪድ ከም እተታሕዘን ኣብ ሕክምና ከም ዝርከብን ተገሊጹ። ዛጊት ፍዂስ ዝበለ ምልክታት ጥራይ ከም እተራእዮ BBC ወሲኻ ኣረዲኣ። ራማፎሳ፡ ትማል ሰንበት ኣብ ዘመነ ኣፓርታይድ ፕረዚደንት እታ ሃገር ንዝነብረ ደ ክለርክ ዝተዳለወ ናይ ዝኽሪ ፕሮግራም እናተኻፈለ ተጸሊኡኒ ኢሉ ከም እተሰናበተ እቲ ዜና ጸብጺቡ። በዚ ድማ ኣብ ስነስርዓት እቲ ዝኽሪ እተሳተፉ ኲሎም ናብ ሕክምና ብምኻድ መርመራ ክገብሩ …

Read More »

ቦሪስ ጆንሰን፡ ብዛዕባ ለበዳ ኦሚክሮን ኣጠንቂቑ

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ቦሪስ ጆንሰን፡ ንለበዳ ኦሚክሮን ኣመልኪቱ ናይ ህጹጽ እውን ኣዋጅ ድሕሪ ምትሕልላፍ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኲሉ ልዕሊ 18 ዝዕድሜኡ ክኽተብ ምዃኑ ገሊጹ። “ማዕበል ለበዳ ኦሚክሮን ይመጸና ምህላዉ ማንም ክጠራጠር የብሉን” ክብል ጆንሰን ብመንገዲ ተሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ ኣመልኪቱ። ኲሎም ክኽተቡ ዝደልዩ ሰባት እዚ ክትባት ንኽበጽሖም ከም ሸቶ ተታሒዙ ኣሎ ዝበለ ጸብጻብ ቢቢሲ ገሊኡ ሕክምናዊ ቆጸራታት ነዚ ተባሂሎም ክውንዘፉ …

Read More »

ኣመሪካ . . . ቁጽሪ ግዳያት ህቦብላዊ ማዕበል፡ ካብ 100 ክሓልፍ ከም ዝኽእል ተገሊጹ

ብሰንኪ ኣብ ከተማታት ኬንታኪ ዘጋጠመ ሓያል ህቦብላዊ ማዕበል፡ መጠን ሞት፡ ካብ ሚእቲ ክሓልፍ ከም ዝኽእል ኣመሓዳሪ እታ ስቴት ገሊጹ። እዚ እናኾነ፡ ብህይወቶም ዝተረፉ ሰባት ናይ ምርካብ ተስፋ እናተጸንቀቐ ምምጽኡ እቲ ኣመሓዳሪ ወሲኹ ኣረዲኡ። እዚ ኣብ ታሪኽ እታ ስቴት ዝተመዝገበ ዝኸፍአ ባህርያዊ ሓደጋ ምዃኑ ዝገለጸ፡ ኤንዲ በሽር፡ ብውሕዱ 80 ሰባት ምሟቶም ከም እተረጋገጸ ወሲኹ ኣረዲኡ። ንሱ “ኣብ ቅድሚ እቲ ማዕበል ደው …

Read More »

ተጠቀምቲ ህዝባውያን መጓዓዝያታት፡ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ምርኣይ ክጅምሩ እዮም

ነዊሕ ጉዕዞ ዝንቀሳቐሳ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ዝግልገሉ ተሳፈርቲ፡ ናይ ክትባት ወረቐት ምስክር ንከቕርቡ ዘገድድ ኣሰራርሓ ከተኣታተው፡ ሓድሽ መንግስታዊ እማመ ቀሪቡ ከምዘሎ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ግዴታዊ መስርሕ፡ ተግባራዊ ዝኾነሉ ኩነት ድማ እቲ ቫይረስ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ መጠን እንዳተጋወሐ እንድሕር ቀጺሉ እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ፡ እዚ መስርሕ ብዛዕባ ዝተኣታተወሉ ዕለት፡ ንጹር ግዜ ከምዘይተቐመጠ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።  እቲ ኩነታት እንዳተጋደደ እንድሕር …

Read More »

ምርግጋጽ ኣቦውነት ብኤለክትሮኒካዊ ኣገባብ ክኸውን’ዩ ተባሂሉ

እቶም ካብ መርዓ ወጻኢ ዝወለዱ፡ ወላድነቶም ንምርግጋጽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከምቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ኣገባብ ማለት ናብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ባኣካል ምኻድ ከምዘየድልዮም ተሓቢሩ፡፡ እቲ ካብ 1 ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኣገባብ ምርግጋጽ ወቦነት፡ ኣብቲ ብሽወደናዊ ትካል ቀረጽ ዝወሃብ ኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ብምጥቃም ጥራይ ክሳለጥ ከም ዝኸእል ብተወሳኺ ተሓቢሩ፡፡ ኣብቲ ዝወሃብ ኤለክሮኒካዊ ኣገልግሎት፡ ክልቲኦም ወለዲ ኤለክትሮኒካዊ መንነት ብምጥቃም ከረጋግጹን ክፍርሙን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com