Friday , May 17 2024

ሓበሬታ

ብርክት ዝበሉ ሽወደናውያን፡ ዝተተምየነ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት፡ ሒዞም ተረኺቦም

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት፡ ብርክት ዝበሉ ሸወደናውያን፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኮፐንሃገን፡ ዝተተምየነ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ሒዞም ከምዝተረኽቡ ተፈሊጡ። ፖሊስ ኮፐንሃገን፡ እዞም ሰባት እዚኦም ብትምየና ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ይርከቡ ኣለዉ ክብል ንማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ ከምዘሎ ተገሊጹ። ብሰሉስ መዓልቲ፡ 4 ሰባት፡ ብቕድሚ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ ድማ 5 ሰባት ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣብ ትሕቲ ከምዝኣተዉ ይዝከር፡፡ ካብዚኦም ድማ ክልተ ስድራ ቤታት ምስ …

Read More »

መንግስቲ ዴንማርክ፡ ኣብ ኮሶቮ፡ ቤት ማእሰርቲ ተኻርያ

ዴንማርክ፡ ንቤት ማእሰርቲ ዝኸውን 300 ቦታታት ኣብ ኮሶቮ ብኽራይ መልክዕ ክትውንን ድሌት ከምዘለዋ ተገሊጹ። እዚ ኣካል ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ስምምዕ ኮይኑ ኣስታት 1000 ዝበጽሕ ሓደሽቲ ቤት ማእሰርቲታት ንምውናን ዝዓለመ እዩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ነዚ ሓድሽ ስምምዕ ዝተሰማምዕሉ፡ እቲ ብሰልፊ ሶሻል ዶሞክራተና ዝምራሕ መንግስቲ፣ ህዝባዊ ሰልፊ ዴንማርክ፣ ማሕበራዊ ሰልፊ ዴኒማርክን ዓቃባዊ ሰልፊ ዴኒማርክን ይርከቡዎም።  ብ2025 ዓ.ም፡ ክሳብ 1000 ዝበጽሑ …

Read More »

ማሕበራዊ ሞዴል ሃገረ ሽወደን . . . 5ይ ክፋል . . . ጾታዊ ማዕርነት

ንጾታዊ ማዕርነት ብዝምልከ፡ ሽወደን፡ ኣብዚ ጉዳይ ነዊሕ እዋን ዝሰርሐት ሃገር እያ። ጾታዊ ማዕርነት ማለት ጓል ኣንስተይቲ ኾነት ወዲ ተባዕታይ፡ ኣብ ኩሎም ናይ ህይወት ኣጋጣሚታት ማዕረ ዕድል ኣለዎም ማለት’ዩ፥ ንኣብነት ማዕረ ስራሕ ኣብ ምርካብ፣ ኣብ ዕዮታት ገዛን ቆልዑት ምዕባይን ኣብ ዝህልዎም ናይ ስራሕ መቐሎ፣ ቁጠባዊ ማዕርነትን ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ። ዓመተ 1921፡ ኣብ ታሪኽ ሽወደን ፍሉይ ዝኾነ ክብሪ ኣለዋ። ኣብቲ እዋን’ቲ …

Read More »

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንቁጽጽር ዶባት ኪከታተሎ ይደሊ ከምዘሎ ሓቢሩ

ኣብ ዝመጽእ ግዜ፡ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ብለበዳ ወይ ቅልውላው ፍልሰት ኣብ ዝጥቃዓሉ እዋን፥ ኣብ ዶባተን ዘጋጥም ሕንፍሽፍሽን ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮጳ ዘሎ ዕጹው ርክባትን ክውገድ ይግባእ ክብል ኤውሮጳዊ ኮሚሽን ከምዘዘኻኸረ፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ ስለዚ ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ ኣብ ውሽጢ ክሊ ኣባላት ሃገራት ሸንገን፡ ምትሕብባር ንምፍጣር ተኸታታሊ ናይ ምተዕርራይ እማመታት የቕርብ ኣሎ፡፡ ገለ ካብኡ ኻኣ፥ ንኣብ ግዝያዊ ጉዕዞ ዝግበር ቀይድታት ኣብ …

Read More »

ካብ ሃገራት ኖርዲክ ዝመጹ ገያሾ፡ ምስክር ክታበት፡ ክሕተቱ እዮም

ካብ ሰሉስ ጀሚሩ፡ ኩሎም ካብ ሃገራት ኖርዲክ ዝመጹ ገያሾ፡ ምስክር ክታበት ክሕተቱ ምዃኖም ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሌና ሃለንግረን፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብሰንኪ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮቪድ፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ብወገኑ፡ ዝጸንዑ ቀይድታትን መምርሒታት ኮቪድን ከተኣታቱ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ቅድሚ ክሪስትማስ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ተወሰኽቲ ቀይድታትን መምርሒታት ኮቪድን ኣይክተኣታተዉን እዮም። ይኹን እምበር፡ …

Read More »

ክልተ ኣባላት ፖሊስ፡ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ብምሃቦም፡ ተኸሲሶም

ክልተ ኣብ ምምሕዳር ስኮነ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ፡ ንሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም፡ እቲ ሰብ ብቅትለት ከምዘፈራርሆም ዝብል ሓበሬታ ኣብቲ ጸብጻቦም ኣስፊሮም። ድሒሩ ብተቖጻጸርቲ ካሜራ (surveillance camera) ከም ዝተረጋገጸ፡ እዞም ኣባላት ፖሊስ፡ ነቲ ብቕትለት ምፍርራህ ዝበልዎ ዛንታ ባዕላቶም ከምዝሰረሕዎን፡ ክልቲኦም፡ ብዘይቅኑዕ ሓበሬታ ምሃብ፡ ዘይግቡእ ቀይዲ፡ መጥቃዕቲ፡ ዜቤታዊ ዓመጽን ስርሰራ ኮምፕዩተርን ተኸሲሶም ከምዘለዉ ጋዜጣታት HD ን ሲድስቨንስካን ገሊጸን ክብል ማዕከን …

Read More »

መንግስቲ…ኣብ ልዕሊ ሰኪሮም ተሽከርከርቲ ዝዝውሩ፡ መቕጻዕቲ ክውስክ ወሲኑ

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ መስተ ሰትዮም ተሽከርከርቲ ዝዝውሩ መራሕቲ መካይን፡ ዝተረር መቕጻዕቲ ክብየነሎም ዘኽእል እማመ ይነድፍ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ዘሎ ኩነታት ቅቡል ኣይኮነን ክብል፡ ሚኒስተር ፍትሕን ውሽጣዊ ጉዳያትን ዝኾነ ሞርጋን ዮሃንሶን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ፡ መስተ ሰቲኻ መኪና ምዝዋር፡ ከም ከቢድ ገበን ክቑጸር ክብል ኣቕሪብዎ ኣሎ። “ገለ መራሕቲ መካይን፡ ብተደጋጋሚ …

Read More »

Read More »

WHO: ኦሚክሮን ብዘገርም ፍጥነት ይላባዕ ኣሎ

ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና ዝኾነ ኦሚክሮን፡ ናብ መላእ ዓለምና ብዘገርም ፍጥነት ይላባዕ ምህላዉ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣጠንቂቑ። ዛጊት፡ ኣብ 77 ሃገራት፡ ቫይረስ ኦሚክሮን ተራእዩ’ሎ። ኣብቲ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ሕጂውን እዚ ቫይረስ ዘይተራእየለን ሃገራት ከም ዝበዝሓ እኳ እንተገለጸ ነዚ ቫይረስ ንምቅላስ እኹል ቃልሲ ይግበር ዘይምህላዉ ከም ዘሻቕሎ ኣመልኪቱ። ርግጽ’ዩ፡ ነዚ ቫይረስ ሸለል ምባል ከም …

Read More »

ኣመሪካ፡ ግዳያት ሞት ኮቪድ፡ 800 ሽሕ፡ በጺሑ

ዛጊት 800 ሽሕ ኣመሪካውያን፡ ብሕማም ኮቪድ ከም ዝሞቱን እዚ ድማ ዝበዝሐ ሰባት ዝቐተለ ሃገራዊ ለበዳ ከም ዝገብሮን ተጸብጺቡ። ኣብ ኣመሪካ፡ ቊጽሪ ተለከፍቲ ኮቪድ፡ 50 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝተገልጸ ኮይኑ፥ ዝበዝሑ ግዳያት ሞት እዚ ሕማም፡ ዘይተኸትቡን ምዃኖምን እዚ ሞት ድማ ኣብ ዓመተ 2020 ከምኡውን 2021 ከም እተኸስተ ተመልኪቱ። እዚ እናኾነ፡ መጠነ ሞት ግዳያት ኮቪድ፡ ሕጂውን ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ተገሊጹ። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com