Thursday , May 16 2024

ሓበሬታ

ሽወደን፡ ዴኒማርክን ኖርወይን ሓድሽ ወተሃደራዊ ሽርክነት ክገብራ ምዃነን ተገሊጹ

ሎሚ ዓርቢ፡ ሽወደን ምስ ዴኒማርክን ኖርወይን፡ ሓድሽ ስምምዕ ወተሃደራዊ ሽርክነት ክፍርማ ምዃነን ንጸብጻባት TV4 ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሰለስቲአን ሃገራት፡ ንኸጋጥመን ዝኽእል ስግኣታትን ጥሕሰታትን ንኽብደሃ፡ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ንኽገብራ፡ ዝፍርመኦ ዘለዋ ስምምዕ እዩ። ኣብ እዋን ቅልውላው፡ ብቅልጡፍ ስጉምቲ ንኽንወስድን ወይ ድማ ንዝረኣዩና ስግኣታት፡ ኣቐዲምና እንታይ ክንገብር ከምዘለናን ብኸመይ ኣገባብ ክንብደሆ ከምዘለናን ዘይተጸንዑ ስጉምታት ንኸይንወስድ ዝሕግዝ ስምምዕ እዩ ክብል፡ ሚኒስተር …

Read More »

ሆስፒታል ስኮነ፡ ሕጽረት ጸባ ጡብ ኣደ፡ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ሓቢሩ

ኣብ ሆስፒታል ስኮነ፡ ንቅድሚ ግዜኦም ዝተወልዱ ህጻናት ዝኸውን ጸባ ጡብ ኣደ ከም ዝተሳእነን፡ ኣማራጺ ስለዘይተረኽበ ድማ ካብተን ሓደስቲ ሓራሳት ኣዴታት ተረፍ ጸባ ንኽረክብ የተባብዐን ከምዘሎ ጸብጻብ ጋዜጣ ሲድስቨንስካን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ማልመ፡ ሉንድን ይስታድን ዝርከባ ሆስፒታላት ውን ተመሳሳሊ ሕጽረት ጸባ ጡብ ኣደ ኣጋጢምወን ከምዘሎ ውን ተገሊጹ። ሆስፒታል ስኮነ፡ ካብ ኣዴታት፡ ናይ ሓደ ሰሙን ክሳብ ሰለስተ ወርሒ …

Read More »

ናይ ስራሕ መንበሪ ፍቓድ ዝወሃበሉ ኣገባብ ክተርር፡ እማመ ቀሪቡ

ብናይ ስራሕ ፍቓድ፡ ናብ ሃገረ ሽወደን ንምእታው ዘድልዩ ረቛሒታት፡ ዝተረሩ ንኽኾኑ፡ ብቦርድ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ሓድሽ እማመ ምቕራቡ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ናይ ስራሕ ፖሊሲ፡ መሰረት መፍትሒ ናይ ኩሎም ማሕበራዊ ጸገማት እዩ ክትብል፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ማግዳሊና ኣንደሾን፡ ገሊጻ። እዚ ብቦርድ እቲ ሰልፊ ዝቐረበ እማመ፡ ብጉባኤ እቲ ሰልፊ ተቐባልነት ምስ ዝረክብ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ሃገራዊ ምርጫ፡ ከም ኣካል ናይቲ …

Read More »

ኣኒ ሎፍ፤ ዳግማይ ከም መራሒት ሰልፊ ክትከውን ተመሪጻ

ሰልፊ ሰንተር፤ ዳግማይ ንኣኒ ሎፍ፤ ንዝቕጽል ክልተ ዓመታት፤ ከም መራሒት ሰልፊ ኮይና ንኸተገልግል መሪጽዋ ከምዘሎ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣኒ ሎፍ፤ ካብ ዓመተ 2011 ከም ምራሒት ሰልፊ ሰንተር ኮይና ተገልግል ዘላ እያ። ንሳን መራሒ ሰልፊ ስቨርያ ዲሞክራትና፤ ጂሚ ኦኪሶንን፤ እቶም ንሰልፍታቶም ዝነወሐ እዋን ዝመርሑ ኮይኖም ኣለዉ። ካብ ዓመተ 2006 ጀሚራ፤ ኣኒ፤ ከም ኣባል ባይቶ ኮይና ካብ ምምሕዳር ከተማ …

Read More »

Harmony Media News Magazine 23/09/2021

Read More »

ጀርመን፣ ንዘይተኸትቡ ዝወሃብ ካሕሳ የለን ትብል

ጸረ ኮቪድ-19 ዘይተኸትቡ ሰባት: እንድሕሪ ኣድላዪ ኮይኑ ናብ መወሸቢ ክኣትዉ ተጌሮም ደሞዞም ኣይክከሓሱን እዮም ክትብል ጀርመን ኣፍሊጣ’ላ። እዚ ኣብ ዘይተኸትቡ ሰባት ጸቕጢ ንምፍጣር ዝግበር ዘሎ ዝመስሎም ኣለዉ፥ ነዚ ጒዳይ ብኻልእ ሸነኽ ክንርእዮ ይግባኣና፥ እዚ ናይ ፍትሒ ሕቶ እዩ ክብል ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን: ሀንስ ሽፓህን: ገሊጹ። መንግስቲ: ነቶም ምስ ሕሙማት ብውሕዱ ንሓሙሽተ መዓልታት ርክብ ዝነበሮም ከምኡውን ካብ ልዑል ሓደጋ ለበዳ ዘለወን …

Read More »

ንድኻታት ሃገራት: ክልተ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት: ክወሃበን ተጠሊቡ 

ክሳብ ምዝዛም እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት: ክልተ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት: ንድኻታት ሃገራት ክዕደል: ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል: ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝበዝሐ ሰብ ጸረ ኮቪድ ክትባት ከም ዝወሰደ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ ግና ኣብ ኣህጉራት ኣፍሪቃ ደቡብ ኣመሪካን ክፋላት እስያን መጠን ክትባት ዛጊት ታሕቲ ምህላዉ ወሲኹ ገሊጹ። ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም እተዘርግሐ 5.76 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት: ዛጊት 0.3% ናብ ዝወሓደ ኣታዊ …

Read More »

ትራምፕ ን ጓልሓብቱ ይኸስስ

ፕረሲደንት ኣመሪካ ነበር: ዶናልድ ትራምፕ: ንጋዜጣ New York Times ንጓል ሓዉ ዝኾነት ጸሓፊትን ተመራማሪት ስነኣእምሮ: ሜሪ ትራምፕ: ናይ 850 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኽፈሎ ክሲ ምቕራቡ ተፈሊጡ። ኣብዚ ኣብ ዳቸስ ካውንቲ ኒውዮርክ እተኸፍተ ክሲ: ዶናልድ ትራምፕ: ኣብ ልዕሊኡ ውዲታት ቀረጽ ከም እተፈጸመ ምግላጹ AFP ጸብጺቡ’ሎ። ኣብ 2019 ጋዜጣ New York Times ብዛዕባ ቢዝነሳት ስድራቤት ትራምፕ ሓደ መርመራዊ ጸብጻብ ምግባሩን በዚ ድማ …

Read More »

ኣምባሳደር ፈረንሳ: ናብ ኣመሪካ ተመሊሱ 

ኣብ ዝምድና ኣመሪካን ፈረንሳን ተኸሲቱ ዝነበረ ወጥሪ እናፎኸሰ ምምጽኡን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣምባሳደር ፈረንሳ ናብ ዋሺንተን ክምለስ ምዃኑን ተገሊጹ። ፕረዚደንት ኣመሪካ: ጆ ባይደን: ምስ መዘናኡ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ትማል ረቡዕ ድሕሪ ዘካየድዎ ልዝብ እዩ እዚ ዝምድና ናብ ንቡር ዝምለስ ዘሎ ተባሂሉ’ሎ። ብሰንኪ ኣመሪካን ብሪጣንያን ምስ ኣውስትራልያ ዝገበራኦ ወተሃደራዊ ውዕል: እታ ሃገር ሳብማሪናት ፈረንሳ ናይ ምህናጽ ስምምዕ ብምስራዛ ፈረንሳ ኣብ ዋሺንተንን  …

Read More »

ኣሜሪካ፡ 500 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ ሓገዝ ክትህብ ኢያ

ኣሜሪካ፡ ንድኻታት ሃገራት ዝኸውን፡ ተወሳኺ 500 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ፋይዘር፡ ሓገዝ ክትህብ መደብ ከምዘለዋ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ፡ ኣሜርካ፡ 1.1 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ከም ሓገዝ ሂባ ከምዘላ ይፍለጥ። ኣሜሪካ፡ 500 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ሓገዝ ክትህብ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ድሕሪ ምግላጻ፡ ነቲ ሓገዝ  ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክትጽዕኖ ከምዝጀመረት ይዝከር። ብምልኡ ሓገዝ ክታበት፡ ክሳብ ወርሒ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com