Monday , April 29 2024

ሓበሬታ

ደቡብ ኣፍሪቃውያን: ብሞት ደዝመንድ ቱቱ: ሓዘኖም ይገልጹ

ብምኽንያት እቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድሜኡ ካብዛ ዓለም ብሞት እተፈልየ መራሒ ቃልሲ ጸረ ኣፓርታይድ: ሊቀጳጳስ ደዝመንድ ቱቱ: ደቡብ ኣፍሪቃውያን ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ሓዘን ፕሮግራም ምድላዎም ተገሊጹ። ባሕቲ ጥሪ ኣብ ከተማ ኬፕታውን ግብኣተ መሬቱ ክፍጸም ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ፕሮግራም: ሬሳ ቱቱ ንኽልተ መዓልታት ናይ ክብሪ ምብጻሕ ክፍጸመሉ ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ን ጳጳስ ፍራንሲስ፥ ጆ ባይደንን ንግስቲ ኤልሳቤጥን …

Read More »

ትራምፕ፡ ሰነዳቱ ከዕቀበሉ፡ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይሓትት

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ብ 6 ጥሪ ኣብ ዋሽንግተን ዘጋጠመ ፍጻመ ንኽምርምር  ቤት-ምኽሪ ዝጠለቦ ሰነዳት ውሕስነቱ ከዕቀበሉ ንላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ሓቲቱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ ገለ ካብኡ፥ እቶም ናይ ቀረባ ተሓጋገዝቲ`ቲ ፕረዚደንት ነበር ብፕረዚደንት እተዋህቦም መዘኻኸሪታት ናይ ዋይት ሃውስ ጋዜጣዊ መግለጺ ጸሓፊ መዘኻኸሪታትን ከምኡ ውን እቲ ዝነበረ ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ቀቅድሚ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ምኽሪ …

Read More »

ቱርኪ፡ “ንግብረ ሽበራ” ሓገዝ ይገብሩ እዮም ዝበለቶም ናይ ባንኪ ሕሳባት ተደስክል 

ቱርኪ፡ ንግብረ ሽበራዊ ንጥፈታት ይሕግዙ እዮም ብዝብል ጥርጠራ ንርእሰ-ማል ናይ 770 ሰባትን ሰረቶም ካብ ኣሜሪካ ንዝኾኑ ትካላትን ተደስክል ከምዘላ ተሓቢሩ። እዚ ውሳኔ’ዚ ኣብቲ ናይቲ መንግስቲ ዕላዊ መጽሄት እዩ ተሓቲሙ ወጺዩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። በዚ መሰረት ድማ፡ ምስ ፈትሑላህ ጉለን፡ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሃይማኖታዊ ሰባኺ ርክባት ዘለዎ ንብረት ናይቲ ኣብ ቺካጎ ዝመደበሩ ኒያጋራ ፋውንዴሽን ከምዝደስከለ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ትካል’ዚ ነቲ ኣብ …

Read More »

ሽወደን ኣብ ዓለም . . . 2ይ ክፋል . . . ሽወደንን ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምምስራቱ፡ ሓደ ዓመት ጸኒሓ፡ ሽወደን፡ ኣብ ዓመተ 1946፡ ኣባል ናይዚ ውድብ ክትከውን በቒዓ። ካብቲ እዋን እቲ ጀሚራ ድማ ሸወደን፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እተካይዶ ንጡፍ ተሳትፎ፡ ከም ቀንዲ ኣገዳሲ ባእታ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ገይራ ትቕጽል ኣላ። መንግስቲ ሽወደን፡ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝግበር ምትሕግጋዝ፡ ካብ ባይቶ ሽወደን፡ ዓቢ ድጋፍ ዝረክብ ኮይኑ፥ ኣብ ናይ ዓለምለኻዊ መድረኻት ብዛዕባ …

Read More »

ሱዳን፡ ሓደሽቲ ተቓውሞታት ኣንጻር እቲ ወታሃደራዊ ጉጅለ  

ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ኣብ ዋና ከተማ ናይ ሱዳን፡ ካርቱም፡ ኣብ ልደት መዓልቲ፡ ኣንጻር እቲ ወታሃደራዊ ጉጅለ ዘቐንዐ ተቓውሞ ንምግባር ተኣኪቦም፡ እቶም ወታሃደራት “ናብ መዓስከራቶም ንኽምለሱ” ኮምኡ ድማ እቲ ስርዓት ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንኽምለስ ጸዊዖም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሓይልታት ጸጥታ፡ ናብቶም ባንዴራ እንዳ ኣምበልበሉ፣ ከብሮ እንዳወቕዑን ጭርሖታት እንዳስመዑን ወጽዮም ዝቃወሙ ዝነበሩ ሰባት፡ መንብዒ ጋዝ ብምንጻግ ክብትንዎም ከምዝፈተኑ ተሓቢሩ’ሎ። …

Read More »

ማሊ፡ ሩስያውያን ዕሱባት፡ ኣብ ሃገረይ የለውን ክትብል ክሒዳ

ናይ ማሊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ነቲ ምስቲ ጸይቀ-ዕሉል ጉጅለ ዋግነር ርክብ ዘለዎም ሩስያውያን ዕሱባት ኣብ ሃገራ ከምዘለው ዝወጸ ጸብጻብ፡ ‘ኣሉ’ ክትብል ምኽሓዳ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ዝተባህለ፡ ኣብ ማሊ፡ ወታሃደራዊ ህልውና ዘለወን ከም ካናዳ፣ ጀርመን፣ ፈረንሳ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ሽወደንን ዝኣመሰላ 15 ምዕራባውያን ሃገራት ንንጥፈታት ናይ ጉጅለ ዋግነር ዝኹንን ክታመን ዘንበርራሉ መግለጺ ድሕሪ ምውጽአን እዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ ሩስያ …

Read More »

ደለይቲ ስራሕ፡ ብናይ ርሕቀት ስራሕ ይማረኹ

ብርክት ዝበሉ ወሃብቲ ስራሕ፡ ንደለይቲ ስራሕ፡ ናይ ርሕቀት ስራሕ ዝሰርሑሉ ዕድላት እንዳ ፈጠሩ ከም ዝመጹ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ሽወደን 6.2% ዝኸውን ናይ ስራሕ ዕድላት ናይ ርሕቀት ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ቅድሚ እቲ ብዓለም ደረጃ ተፈጢሩ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ቅድሚ ምምጽኡ ካብ ዝነበረ መጠን፡ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝበዝሕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት ሓደ ኢንዲድ (Indeed) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓለምለኻዊ …

Read More »

ዝቕጽል ጀምስ ቦንድ (James Bond) መን እዩ ክኸውን፧

ን 16 ዓመታት ገጸ ባህርይ ጄምስ ቦንድ ተላቢሱ ክዋሳእ ስጸንሐ፡ ዳንኤል ክሬግ፡ ዝሓለፈ ዓመት ስርሑ ድሕሪ ምውዳኡ ቀጻሊ ጄምስ ቦንድ ዝውክል መን ክኸውን እዩ ዝብል ዛዕባ ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ። ዳንኤል ክሬግ፡ ኣዝዩ ንጄምስ ቦንድ ካብቲ ዝነበሮ ዝያዳ ተፈታዊ ክኸውን ኣብ ምግባር ዕዉት ዝኾነ ናይ ምውሳእ ስራሕ ፈጺሙ እዩ፥ እዚ ድማ ነቲ ዝቕጽል ጄምስ ቦንድ ዓብዪ ብድሆ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዝጸንሐ ናይ ቦክስ …

Read More »

ኣውስትራልያ፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ዝውሰደሉ ግዜ ተሕጽር

ኣውስትራልያ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ እቲ ካልኣይ እብረ ክትባት ናይ ኮቪድን ሳልሳይ እብረ ክትባት  ዝዋሃበሉ ናይ ግዜ ፍልልይ ክሓጽር ከምዝገበረት ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ቅድም ክብል፡ ኣብ ሞንጎ ክትባታት ናይ 5 ወይ 6 ኣዋርሕ ፍልልይ ክህሉ ከምዝግባእ ክሕበር እኳ እንተጸነሐ፡ ካብ መፈለምታ ናይቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ግና ሳልሳይ እብረ ክትባት ንምውሳድ፡ 4 ኣዋርሕ ጥራሕ ፍልልይ ክህሉ ከምዘድልይ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። …

Read More »

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንፍሊፒን ዝኸውን ሓገዝ የተኣኻኽብ

ኣብ ድሮ ልደት፡ ኣብ ፍሊፒን፡ ራይ ተባሂሉ ብዝፍለጥ ሓያል ህቦብላ (Typhoon Rai) ንዘጋጠመ ሓደጋ፡  ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት 1 ቢሊዮን ዶላር ዝኸውን ህጹጽ ረዲኤት ነቶም ግዳያት ዝበጽሖምን እንተዋሓደ 375 ንዝኾኑ ህይወቶም ንዝሓለፉን ሓገዝ ዝውዕል ገንዘብ ናይ ምትእኽኻብ ወፍሪ ኣሳሊጡ። እቲ ሸቶ ናይዚ ወፍሪ፡ ልዕሊ 970 ሚልዮን ክሮኖር ዝግመት 106.5 ሚልዮን ናይ ኣሜሪካ ዶላር ንምእካብ ዝዓለመ እዩ። እቲ ገንዘብ ኣብቲ ኣዝዩ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com