Wednesday , May 15 2024

ሓበሬታ

ሓደሽቲ ናይ መርመራ ሮቓሒታት፡ ንገያሾ ካብ መንገዶም ይመልሶም

ናብ ሽወደን ንምእታው ክማልኡ ዝግበኦም ናይ ኮቪድ መርመራ ሮቓሒታት ብግቡእ ብዘይምትግባሮም፡ ብዙሓት ገያሾ፡ ካብ ኦሬሱንድ ብሪጅ (Öresund Bridge)፡ ናብ ዝመጹሉ ቦታ ንኽምለሱ ከምዝተገደዱ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብዛዕባ እቶም ሓደሽቲ ሮቓሒታት ዘይፈለጡ ገያሾ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ እንደገና ክምለሱ ከምዝተገደዱ ተሓቢሩ። “ሎሚ ሰሉስ መዓልቲ፡ ካብ ትማሊ ዝበዝሕ ቁጽሪ ዘለዎም ገያሾ ክንመልስ ተገዲድና ኢና። ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ጥራሕ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ነፍሰ-ጾራት ዝግበር ኣድልዎ፡ ኣተክሮ ክግበረሉ ይግባእ ተባሂሉ

ንስራሕ ኣብ ዘመልክታሉ እዋን ኣብ ልዕሊኤን ኣድልዎኣዊ በደል ንዝተፈጸመን ወይ ድማ ብሰንኪ ኩነታተን ንኽሰርሓ ዘይተፈቐደለን ብዝሒ ዘለወን ነፍሰ-ጾር ደቂ ኣንስትዮ፡ ካሕሳ ክኽፈለን ከምዝግብኦ ተገሊጹ። ከምዚ ክብል ኣብ ዳጌንስ ኒሄተር (Dagens Nyheter) ተባሂሉ ዝፍለጥ ጋዜጣ ዘስፈረ ተሓላቒ መሰላትን ኣድልዎን (The Non-Discrimination Ombudsman) ላሽ ኣርሄኒዩስ (Lars Arrhenius) እዩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። “Do ብመሰረት እቲ  መምርሒ ፍቓድ ናይ ወለዲ (Parental Leave …

Read More »

Harmony Media News 29/12/2021

Read More »

ኣብ ኣመሪካን ፈረንሳን ቊጽሪ ሕሙማት ኮቪድ፡ ይውስኽ

ካብ ምጅማር ለበዳ ኮሮና ንደሓር፡ ኣመሪካን ፈረንሳን ኣብ መዓልቲ ዝበዝሑ ቊጽሪ ሕሙማት ጅር ኦሚክሮን የመዝግባ ምህላወን ካብተን ሃገራት ዝወጹ ጸብጻባት ኣመልኪቶም። ብመሰረት ማእከል ምክልኻልን ምቊጽጻርን ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ብሰኑይ ጥራይ፡ ልዕሊ 440 ሽሕ ሕሙማት ኦሚክሮን ከም ዝተረኽቡ ገሊጹ። እዚ ይዂንምበር፡ ብምኽንያት ክሪስማስ ጸብጻባት ይድንጒዩ ብምህላዎም እዚ ኣሃዝ ካብቲ ክዉን ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ይገልጹ’ለዉ። …

Read More »

ደቡብ ኣፍሪቃ . . . ቤት ፍርዲ፡ ዳህሳስ ነዳዲ፡ ደው ክብል ኣዚዙ

ኲባንያ መፍረ ነዳዲ፡ ሼል፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ደቡብ ኣፍሪቃ ዝገብሮ ዝነበረ ዳህሳስ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ክቋረጽ ከም እተገብረ ተገሊጹ። ተጣበቕቲ ሓለዋ ኣከባቢ፡ እዚ ዳህሳስ ንማያዊ ህይወት እቲ ከባቢ ክሃሲ እዩ ብምባል ነቲ ውሳነ ቤት ፍርዲ ብሓጎስ ተቐቢሎሞ’ለዉ። ኲባንያ ሼል፡ ብምኽንያት እዚ ውሳነ፡ ንዋኒኑ ከም ዝሰረዞ እኳ እንተገለጸ ሚኒስተር ጸዓት ደቡብ ኣፍሪቃ ግና “ሃገርና ዘለዋ ሃብቲ ነዳዲ ከይትጥቀም ኮነ ኢልካ ዝዋደድ …

Read More »

ናብ ዴንማርክ ንምእታው፡ ኣሉታዊ ምስክር መርመራ ኮቪድ ክሕተት ምዃኑ ተሓቢሩ

መንግስቲ ዴንማርክ፡ ናብ ሃገሩ ዝኣትዉ ክታበት ንዝወሰዱን ዘይወሰዱን ገያሾ፡ ካብ ኮቪድ ናጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ናይ መርመራ ወረቐት ከቕርቡ ንኽግበር ድሌት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብተወሳኺ’ውን መንግስቲ ዴንማርክ፡ ነቶም ኣብ ስፖርታዊ ኣደራሻት ንጥፈታቶም ዘካይዱ ሰባት፡ ብጉዳይ ኮቪድ፡ ኣስተምህሮ ክወሃቦም ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ብሚኒስተር ጥዕና፡ ማግኑስ ሄውኒከ፡ ዝቐረበ እማመ፡ ቅድሚ ምትግባሩ፡ Folketing’s Epidemic Committee ብዝባሃል ኣካል ኣቢሉ ክጸድቕ …

Read More »

ምትሕብባር ሃገራት ኖርዲክ . . . 2ይ ክፋል . . . ሚኒስትሪታት ቤት ምኽሪ ሃገራት ኖርዲክ

ምትሕብባር ሃገራት ኖርዲክ፡ ኣብ ዓመተ 1971 ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኖርዲክ ዝግበር ምትሕግጋዝ እዩ። እዚ ምትሕብባር ሃገራት ኖርዲክ፡ ሽሙ ከም ዘመልክቶ፡ ሓደ ቤት ምኽሪ ሚኒስትሪ ዘይኮነስ ብርክት ዝበሉ ቤት ምኽሪታት እዮም። እቲ ንሓደ ንጹር ፖሊሲ ዝምልከት ሚኒስትሪታት ሃገራት ኖርዲክ፡ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስትሪታት ኣብ ሓደ ዓመት ጥራሕ፡ ብርክት ዝበለ ግዜ ይእከብ። እዚ መስርሕ ዘይምልከቶም ቤት ጽሕፈታት፡ ካብዚ …

Read More »

ናይ ኮቪድ ፓስፖርት፡ ን 9 ኣዋርሕ፡ ዘገልግል ዕድመ ክህልዎ እዩ፡ ተባሂሉ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ድሕሪ ዘመሓላለፎ መምርሒ፡ ኤውሮጳዊ ኮሚሽን፡ ንጉዳይ ናይቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝጥቀምሉ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ብዝምልከት፡ ናይ ኣገልግሎት ዕድሚኡ፡ 9 ኣዋርሕ ንክኸውን እማመ ከምዘቕረበ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብደረጃ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝግበሩ ጉዕዞታት፡ ውሑስ ምእንቲ ክኾኑ፡ እቶም ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝዋሃቡ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት፡ ኣገልግሎት ዝህቡሉ ናይ ብቕዓት ግዜ ተመሳሳሊ ክኸውን ኣድላይ …

Read More »

ኒው-ዮርክ . . . ክታበት ዘይወሰዱ ሰባት፡ ካብ ስራሕ ተኣጊዶም

ከተማ ኒው-ዮርክ፡ ዘይተኸትቡ ሰባት ናብ ናይ ስራሕ ቦታ ምብጻሕ ክኽልክላ ንኩለን ናይ ግሊ ኩባንያታት ጠሊቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ ኣስታት 184.000 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ ከም ዝወሰዱ ዘረጋግጽ መርትዖ ከቕርቡ ከምዘለዎም ተሓቢሩ፡ ፡ እቶም ድሮ ሓደ ክታበት ጥራይ ዝወሰዱ ሰራሕተኛታት ድማ፡ ነቲ ካልኣይ እብረ ክታበት ኣብ ዉሽጢ 45 መዓልታት ክወስድዎ ከም ዘለዎም መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ፡፡ ኣስራሕቲ፡ …

Read More »

ዋጋታት ሃልኪ ኤሌክትሪክ፡ ኣብ ልዑል ደረጃ ይርከብ

ዋላኳ ዋጋታት ሃልኪ ኤሌክትሪክ ገና ብክብ ዝበለ ደረጃ ይቕጽል እንተሃለወ፡ ኣብ ንቡር ደረጃ ከም ዝርከብ እዩ ዝሕበር ዘሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። ሶኑይ መዓልቲ፡ መዓልታዊ ህይወት ከም ብሓድሽ ክጅምር እንከሎ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ኖርድፑል ዘሎ መምዘኒ ምልውዋጥ ዋጋታት ሃልኪ ኤለክትሪክ፡ ኣብተን ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ዝርከባ ክልተ ናይ ዕዳጋ ዞባታት ማለት ስቭያላንድን ደቡብን፡ ንሓደ ኪሎዋት ኣብ ሰዓት ዝግበር ወጻኢ 1.54 …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com