Wednesday , May 15 2024

ሓበሬታ

ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኣብ ማሊ ንዝተዋፈረ ዕሱብ ሰራዊት ሩስያ ኮኒነን።

ፈረንሳን 15 ኣውሮጳውያን መሻርኽታን ካናዳን ነቲ ኣብ ማሊ ክዋፈር ዝዳሎ ዘሎ ዕሱብ ሓይሊ ሩስያ ኮኒነን። ንሳተን እዚ ሓይሊ ነቲ ብሰንኪ ምንቅስቓስ ጂሃድ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ሕማቕ ጸጥታዊ ኲነታት መሊሱ ዘጋድ ክኸውን እዩ ክብላ ነቲ ፍጻሜ ገሊጸንኦ ኣለዋ። እዚ ዕሱብ ሰራዊት፡ ካብ ሞስኮ ሓገዝ ከም ዝገብረሉ ብምጥቃስ፡ እዘን ምዕራባውያን ሃገራት ንመንግስቲ ሩስያ ከሲሰን ኣለዋ። ሩስያ ብወገና ምስዚ ብሕታዊ ወተሃደራዊ ኲባንያ …

Read More »

ኣሳንጀ፡ ናብ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ፡ ይግባይ ይብል

ጠበቓታት ናይቲ መስራቲ ዊኪሊክስ ዝኾነ፡ ጁልያን ኣሳንጀ፡ ብዛዕባ’ቲ ብመንግስቲ ብሪጣንያ ዝተዋህበ፡ ንኣሳንጀ፡ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ምርካብ ብይን ኣመልኪቶም ናብ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ይግባይ ሕቶ ኣቕሪቦም፡፡ እቶም ጠበቓታት ንላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ብሪጣንያ ይግባይ ከም ዝበሉ ከኣ ናይ ኣሳንጀ ሕጽይቲ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡ ፡ ኣብ መጀመርታ ናይ ወርሒ ታሕሳስ፡ ሓደ ይግባይ ዝሰምዕ ላዕለዋይ ቤት- ፍርዲ፡ ብምኽንያት ኣእምሮኣዊ …

Read More »

ፈረንሳ፡ 3ይ እብረ ክትባት፡ ድሕሪ 3 ኣዋርሕ ክዋሃብ ድሌት ከምዘለዋ ገሊጻ

ፈረንሳ፡ ዕድሚኦም ንዓቕሚ-ኣዳም ዝበጽሑ ሰባት ብዝምልከት፡ ካልኣይ ክትባት ድሕሪ ምውሳድ፡ 3 ኣዋርሕ ስዒቡ እቲ 3ይ እብረ ክትባት ንኽውሰድ ምኽርታት ከምዘመሓላላፈት ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ክትባታት ንዝነበር ናይ 5 ኣዋርሕ ፍልልይ ብሰንኪ እቲ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ኦሚክሮን ጅር እቲ ግዜ ንኽሓጽር ገርይዎ ኣሎ ማለት’ዩ። እዚ ውሳኔ ዝመጸ ካብቲ ናይታ ሃገር ናይ ጥዕና በዓል …

Read More »

ቻይና … ተመራመርቲ ቅጫጫሕ ዝቐረበ ናይ ዳይናሶር እንቋቕሖ ረኺቦም

ምሉእ ብምሉእ እተዓቀበን ክጫጫሕ ሒደት ግዜ ጥራይ ተሪፍዎ ዝነበረ እንቋቚሖ ዳይናሶር፡ ከም እተረኽበ ተመራመርቲ ኣፍሊጦም። እዚ እንቋቕሖ፡ ኣብ ደቡባዊ ቻይና፡ ኣውራጃ ጋንዡ፡ ዝተረኽበ ኮይኑ ቅድሚ 66 ሚልዮን ዓመታት ዝነበረ ክኸውን ከም ዝኽእል እቶም ተመራመርቲ ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ። ሓደ ካብቶም ስኒ ኣልቦን ቴርፖድ ተባሂሎም ዝጽውዑን ዓሌት ምዃኑ ዝተነግረሉ እንቋቖሖ ዳይናሶር፡ ቤቢ ዪንግሊኣንግ ዝብል ስም ተዋሂብዎ’ሎ። ኣብ ምልላይ እዚ እንቋቖሖ ይሰርሑ ካብ …

Read More »

ስሪ ላንካ፡ ዕዳታታ ብቆጽሊ ሻሂ ክትከፍል ድሌት ከምዘለዋ ገሊጻ

ስሪ ላንካ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ካብ ኢራን ንዝዓደገቶ ነዳዲ ቅድሚ ሕጂ ብዘይተለምደ ሓድሽ ዓይነት ብዝኾነ ኣገባብ ክትከፍሎ ተስፋ ከምዘለዋ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ተስፋ’ዚ ድማ ኣብ ወርሒ 46 ሚልዮን ክሮኖር ዝግመት ዋጋ ዘውጽእ ቆጽሊ ሻሂ፡ ነቲ ዳርጋ 2.3 ቢልዮን ክሮኖር ዝበጽሕ ዕዳ ናይ ኢራን ንምኽፋል የኽእለኒ እዩ ትብሎ ተስፋ ምዃኑ ቢቢሲ ጸብጺቡ። ከም ቤት ምኽሪ ቆጽሊ ሻሂ …

Read More »

ደቡብ ኮርያ፡ መንግስታዊ ምሕረት ትገብር

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ፡ ሙን ዠ ኢን፡ ንፕረዚደንት ነበር፡ ፓርክ ግወን-ህየ፡ መንግስታዊ ምሕረት ከም ዝገበረላ ተፈሊጡ። ግወን-ህየ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብሰንኪ ዝፈጸመቶ ብልሽውናን ምስግዳድን ን 22 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዳ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። ግወን-ህየ ብዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ተመሪጻ ካብ ስልጣን እተኣልየት ፋልመይቲ ፕረዚደንት እታ ሃገር እያ። ንሳ ኣብዛ ዓመት ጥራይ ሰለስተ ሳዕ ብሕዱር ቃንዛ መንኲብን ታሕተዋይ ሕቖን ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ክትከታተል …

Read More »

ኣብ ጉዕዞ ዝግበሩ እገዳታት፡ ካብ ዕለት 28 ታሕሳስ ጀሚሮም ተግባራዊ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ

ካብ ታሕሳስ 28 ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ 150 ኪ.ሜ ርሕቀት ዘለዎም፡ ብህዝባውያን መጓዓዝያታት ንዝግበሩ ጉዕዞታት ብዝምልከት፡ ካብ ኮቪድ-19 ናጻ ምዃን ዘረጋግጽ ወረቐት ከም ሮቓሒ ክሕተት ከምዝኾነ ህዝባዊ ትካል ጥዕና ሽወደን ገሊጹ። ብህዝባውያን መጓዓዝያታት ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ንምውሳድ ዘድልይ ናይ ወንበር ይኹን መደቀሲ ቦታ ንምሓዝ እዚ ዝተጠቕሰ ሮቓሒ ምምላእ ካብ ድሮ ልደት ጀሚሩ እዩ ተግባራዊ ክኸውን ተሓሲቡ ዝነበረ። ካብ ታሕሳስ 28 ጀሚሩ …

Read More »

ዞባ ዳላርና ንሰራሕተኛታት ናይ ክታበት ፓስፖርት ክሓትት ምዃኑ ኣፍሊጡ፡

ምምሕዳር ዳላርና፡ ካብ 1 ጥሪ ጀሚሩ ንሰራሕተኛታቱ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ምሕታት ከተኣታቱ ምዃኑ ኣፍሊጡ ክብላ ጋዜጣታት ዳላርና ጸብጺበን ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓበሩ፡፡ ስለዚ ድማ እቲ ምምሕዳር፡ ካብ ሰራሕተኛታት ምስክር ወረቐት ክታበት ዝሓትት፡ ካብ መላእ ሃገር ናይ መጀመርታ ምምሕዳር ክኸውን እዩ ተባሂሉ፡፡ እዚ ብዛዕባ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ዝወሃብ መምርሒ፡ ንሓደስቲ ዝተቖጽሩን ንነባራት ሰራሕተኛታትን ዝምልከት ከም ዝኾነ እቶም ጻብጻባት …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡  ንሩስያውያን ዕሱባት፡ ኣምሪሩ ነቒፉ

ሽወደን ነቶም ኣብ ማሊ ዝዋግኡ ዘለው ዕሱባት ሩስያውያን ብዕሊ ከምዝነቐፈት ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዋግነር ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ሩስያ ኩባንያ፡ ናብታ ብናይ ጥቕሚ ግርጭት ትንኖ ዘላ ሃገር፡ ዕሱባት ከምዝሰደደ ምስተፈልጠ ናይ ብዙሓት ሃገራት ኩነኔ ካምዝበጽሓ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ፈረንሳ እያ ንኻልኦት ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ጎና ብምስላፍ ነቲ ዕላዊ መግለጺ ኩነና ኣብ ምውጻእ ርኡይ ተራ ትጻወት ዘላ። ካብተን ነዞም …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ርሑስን ተካልን መዓልቲ ልደት (Once Upon A Christmas)

እስከ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናትን ዓመታትን ንገለ ካብቶም ኣብ መዓልቲ ልደት ዘጋጠሙ ወይ እተፈጸሙ ነገራት ሓቢርና ንርኣዮም፥ ፈላምን ወግዓውን በዓል ልደት ብ 336 ዓ.ም፡ በዓል ልደት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ህዝበ ክርስትያን ብወግዒ ተባዒሉ። እዚ ድማ ሃጸይ ቆስታንቲኖስ ንክርስትና ከም ሃገራዊ ሃይማኖት ገይሩ ምስ ኣወጆ ኢዩ ተፈጺሙ። ክሳዕ ሽዑ ግን ካብ ልደት ንላዕሊ፡ ጥምቀት ኢዩ ዝያዳ ኣገዳስነት ዝነበሮ።   ኣብ ሃገር እንግሊዝ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com