Thursday , May 16 2024

ሓበሬታ

ዝሃብተመት ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣመሪካ ንኸይትኣቱ ተኸልኪላ።

ኣመሪካ፡ ዝሃብተመት ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ምዃና ንዝንገረላ፡ ኤዛቤል ዶስ ሳንቶስ፡ ናብ ሃገራ ከይትኣቱ ከም ዝኸልከለት ተገሊጹ። እዚ ክልከላ፡ ብሰንኪ ገዚፍ ብልሽውና ኤዛቤል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኤዛቤል፡ ኣብ ዝርዝር እቶም ክፍሊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ብብልሽውና ብምውንጃል ናብ ዓዱ ከይኣትዉ እገዳ ዘንበረሎም ሰባት፡ ሓንቲ እያ። 48 ዓመት ዝዕድሜኣ፡ ኤዛቤል፡ ጓል ፕረሲደንት ኣንጎላ ነበር፡ ሆዜ ኤድዋርዶ ሳንቶስ፡ እያ። ሳንቶስ፡ ኣብ 2017 ካብ ስልጣን ቅድሚ …

Read More »

ሰልሳይ ብልቃጥ ክታበት፡ ንሓድሽ ጅር ኦሚክሮን፡ ክከላኸል ከም ዝኽእል ተገሊጹ

ክልተ ብልቃጥ ክታበት፡ ንሓድሽ ጅር ኦሚክሮን ንምክልኻል፡ እዂል ከም ዘይኮነ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደብሮም ተመራመርቲ ገሊጾም። ክልተ እብረ ክታበት ኦሚክሮን ኣብ ምክልኻል ውጽኢታውያን ከም ዘይኮኑ እዚ ኣብ ጅራት ኦሚክሮንን ደልታን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ’ሎ። እንተኾነ ግና ሳልሳይ ብልቃጥ ክታበት፡ ነዚ ሓድሽ ጅር ብ 75% ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክህልዎ ከም ዝኽእል ተመልኪቱ’ሎ። እዚ እናኾነ ጸሓፊ ለቨሊን ኣፕ ሚካኤል ጎቭ፡ ብሪጣንያ፡ ኣብ ዘሻቕል ኲነታት …

Read More »

ባህጊ! . . . ሓቐኛ ዛንታ . . . ብጸጋብርሃን ጎይትኦም . . . ቐዳማይ ክፋል

እቲ ፍጻመ ልክዕ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። እዋኑ ሄለን ኣብ ታኼላ ሓጐስ ተሸሚማ ንዓለም ኣይትጽረኒ ዝበለትሉ እዋን’ዩ። ኣብ እዋን ለይቲ ወትሩ እትሓልሞ፡ ብቐትሩ ድማ እትብህጐ ናይ ወትሩ ባህጋ፡ እዋኑ ኣኺሉ ናብ ናይ መዛዘሚ ፍጻመ እናተቓረበ ይኸይድ ብምንባሩ፡ ከም’ታ ወርሒ እቲኣ ገይራ ብሓጎስ ዘሕለፈቶ ግዜ ውሑድ’ዩ። እቲ ዘይጭበጥ ዝመስላ ዝነበረ ባህጊ ክትውንኖ ብምቕራባ። ነቲ ናይ ሓጐስ ፍጻመ ኣብ ሎሚ ኮይና ክትዝክሮ ከላ፡ …

Read More »

ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት፡ ናይ ክታበት ፓስፖርት ምሕታት ክተኣታቶ እዩ

መንግስቲ ሽወደን፡ ሰባት፡ ኣብተን ነዊሕ ጉዕዞ ዝኸዳ ህዝባውያን መጓዓዝያታት፡ ክጥቀሙ እንከለዉ፡ ናይ ክታበት ፓስፖርት ክሕተትሉ ዝኽእሉ መምርሒ ንኽተኣታቶ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ኣብ ዘመሓላለፎ መዘኻኸሪ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ዝተመሓላለፈ መዘኻኸሪ፡ ብሰንኪ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ለበዳ ሓድሽ ጅር ኮቪድ ከምዝኾነን፡ እቲ መምርሒ ዝጅምረሉ ዕለት ከምዘይጠቐሰን ተፈሊጡ። ብተወሳኺ፡ እዚ ዘሎ ኩነታት ለበዳ እናበኣሰ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ኣብ ኣዝዮም ነዋሕቲ ጉዕዞታት፡ መስርሕ …

Read More »

ኒውዚላንድ . . . ንዝመጽእ ወለዶ፡ መሸጣ ትምባኾ ክትእግድ መደብ ሒዛ

ኒውዚላንድ፡ ዝመጽእ ወለዶ፡ ካብ ትምባኾ ናጻ ክኸውን ብምባል፡ መሸጣ ናይዚ ባእታ፡ ብሕጊ ክትእግድ ምዃና ገሊጻ። ብመሰረት እዚ፡ ዝቕጽል ዓመት ኣብ ትግባረ ዝውዕል ሕጊ፡ ካብ 2008 ንደሓር ዝተወልዱ፡ ኣብ ህይወቶም ሽጋራ ይዂን ካልእ ፍርያት ትምባኾ ኣይክጥቀሙን እዮም። “መንእሰያት፡ ምትካኽ ሽጋራ ከይጅምሩ ክንሰርሕ ኢና” ክትብል ሚኒስተር ጥዕና፡ ዶክተር ኣየሻ ቨራል፡ ገሊጻ’ላ። እዚ ኣካል ናይቲ ብሚኒስትሪ ጥዕና ኒውዚላንድ፡ እተኣወጀ ሓፈሻዊ እገዳ ትምባኾ እዩ …

Read More »

ቻይና . . . ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዩጊር፡ ምጽናት ምፍጻማ፡ ሓደ ቤት ፍርዲ ወሲኑ

ቻይና፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዩጊር፡ ምጽናት ዓሌት ምፍጻማ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደብሩ ሓደ ዘይወግዓዊ ቤት ፍርዲ ወሲኑ። እዚ መጋባእያ፡ ህዝቢ ዩጊር፡ ብቐንዱ ነቲ ብመንግስቲ ቻይና ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ እተኻየደ ዘይሕጋዊ ናይ ወሊድ ምቊጽጻርን ምምካንን ስጒምቲታት ብምጥቃስ እዩ ናብዚ መደምደምታ ብጺሑ። ቻይና ኮነ ኢላ ብውዱብ ኣገባብ ነዚ ፖሊሲ ምጽናት ዓሌት ከም ዘተግበረትን ኣዕጋቢ ምኽንያታት ምርካቦም ነዚ ስምዕታ ቤትፍርዲ ዝመርሐ ህቡብ ናይ …

Read More »

Harmony Media News 10/12/2021

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብ ኣማኑኤል ሳህለ …. ጉዳም ኣተሓሳስባ (Weird Reasoning)

ተለቃሒ፥– ኣታ እልፉ ሓወይ፡ ቅሩብ ጸጊማትኒ ኮይናስ በጃኻንዶ ኣብዛ እትመጽእ ሰሙን ክመልሰልካ ዓሰርተ ቅርሺ ኣለቅሓኒ። ኣለቃሒ፥ — ዋይ’ዚ ገሪማ ሓወይ፡ ካን ኮይኑካ! ኣይትሓስብን ዲኻ? ተለቃሒ፥– ከመይ ማለትካ ኢኻ? ኣለቃሒ፥ — ዓሰርተ ቅርሺ እንተ ዚህልወኒ ደኣ 9990 ቅርሺ ወሲኸ ማኪና ዘይገዝእ! ተለቃሒ፥– ሓቅኻ ኢኻ፡ ኣነ እየ ተጋግየ።   ሓኪም፥ — እሺ ከመይ ኢዩ ዚገብረካ፡ እስክ ንገረኒ። ተሓካማይ፥ — ዋላሓንቲ ሓኪም፥ — …

Read More »

Harmony Media News Magazine 08/12/2021

Read More »

Harmony Media News 08/12/2021

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com