Thursday , May 16 2024

ሓበሬታ

ጆ ባይደን፡ ብህቦብላዊ ማዕበል ንዝተሃስያ ስቴታት፡ ክሕግዝ ምዃኑ ቃል ኣትዩ

ፕረሲደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ነተን ብህቦብላዊ ማዕበል ዝተሃስያ ማእከላይ ስቴታት ኣመሪካ ንምሕጋዝ ኲሉ ዝኽእሎ ክገብር ድሉው ምዃኑ ገሊጹ። ንሱ ኣዋጅ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ፈደራል ብምኽታም ነታ በዚ ባህርያዊ ሓደጋ ኣመና ዝተሃስየት ኬንታኪ፡ ማዕከን ፈንዩላ’ሎ። እዚ ህቦብላዊ ማዕበል ንፋስ፡ ኣብ ኣመሪካ ካብ ዘጋጠሙ ተመሳሰልቲ ሓደጋታት እቲ ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብዚ ብቕድሚ ትማሊ ዘጋጠመ ማዕበል ኣብ ኬንታኪ ፋብሪካ ሽምዓ ዝነበሩ ልዕሊ …

Read More »

ጋና፡ ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ሃገራ ከይኣትዉ ትእግድ

ጋን፡ ዝኾነ ዘይተኸትበ እዂል ሰብ፡ ናብ ሃገራ ከይኣቱ ብምእጋድ ኣብ ዓለም እቲ ዝተረረ ሕጊ ጒዕዞ ከተተኣታቱ ምዃና ተገሊጹ። ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ዜጋታትን ነበርቲን ጋናውያን፡ ንኽልተ ሳምንታት፡ በዚ ሕሂ ከይተጸዉ ክጸንሑ ምዃኖም፡ እንተኾነ ግና ኣብ ምእታዎም ግድነት ክኽተቡ ምዃኖም እቲ ሓድሽ ሕጊ ደንጊጉ’ሎ። ምስ ምእታው በዓል ልደት፡ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ፡ ኣዝዩ ንኸይልዕል ብዘለዎም ስግኣት፡ ነዚ ተሪር ሕጊ ምትእትታዎም ሰብመዚ እታ ሃገር …

Read More »

ብሪጣንያ፡ ንሩስያ ተጠንቅቕ

ሩስያ ንዩክሬይን እንተወሪራ፡ ገዚፍ ቊጠባዊ ሳዕቤናት ዘለዎ እገዳታት ክወርዳ ከም ዝኽእል ጸሓፊት ጒዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፡ ሊዝ ትራስ፡ ኣጠንቂቓ። ሚኒስተራት ጒዳያት ወጻኢ 7 ሓያላት ሃገራት፡ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ሊቨርፑል ከም ዝተራኸቡ ዝገለጸት እታ ጸሓፊት፡ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ክወርድ ዝኽእል ወራር ሩስያ ብሓደ መንፈስ ንምዂናን ተዳልዮም ኣለዉ ክትብል ወሲኻ ኣተሓሳሲባ። ሩስያ፡ ካብ ከምዚ ዝበለ ወራር ክትቊጠብ ብሪጣንያ ምስ መሻርኽታ ሃገራት ብምዃን …

Read More »

ኖርወይ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምቡላንስ ሄሊኮፕተራት እገዳታት ኣመሓላሊፋ

ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኖርወይ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣምቡላንስ ሄሊኮፕተር ብዘጋጠመ ኩነታት እታ ሄሊኮፕተር ብህጹጽ ኣብ (an ant) —– ክትዓርፍ ተገዲዳ ነይራ። እዚ ድሕሪ ምዃኑ፡ ኣብ ኖርወይ ኣብ ግዜ በረድን ዛሕሊን ኣብ ልዕሊ ዝበራ ኣምቡላንስ ሄሊኮፕተራት፡ እገዳታት ተግባራዊ ክኾኑ ተገይሮም ከምዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። እዚ ውሳኔ’ዚ ኣብ ሽወደን ንዝግበር ናይ ኣምቡላንስ ሄሊኮፕተር በረራታት’ውን ዝምልከት ክኸውን ከምዝኽእል ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ሞንጎ ኖርወይን ሽወደንን …

Read More »

ሽወደን፡ ቀይድታት ኮቪድ-19፡ ከምእንደገና ኣብ ግብሪ ከውዕል እዩ

መንግስቲን በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደንን፡ ንምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮቪድ ኣመልኪቱ ሓደሽቲ ናይ እገዳታት መስርሕ ኣብ ምትእትታው ከምዝርከቡ ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ቀዳማይቲ ሚኒስተር ሽወደን፡ ማግዳሊና ኣንደርሾን፣ ናይ ማሕበራዊ ጉዳያት ሚኒስተር ሌና ሃለንግሬንን ናይ ገንዘብ ሚኒስተር፡ ማይክል ዳምበሪን ምስ ዋና ሓላፊ ናይ ህዝባዊ ትካል ጥዕና ሽወደን ካሪን ቴግማርክ ዊዘል ብሓባር ብምዃን ጋዜጣዊ መግለጺ ምሃቦም ተፈሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ …

Read More »

ሚስጢራዊ መዝገብ ኣፍጋናውያን ደቀንስትዮ

ኣብ ዝሓለፈ 15 ነሓሰ፡ ጣሊባን ናብ ከተማ ካቡል ድሕሪ ምእታዎም፡ ብርክት ዝበላ ደቀንስትዮ፡ ኣብታ ሃገር ዝነበረን መንግስታዊ ስራሕ ከም ዝሰኣና ዝፍለጥ እዩ። ጣሊባን ትርር ዝበለ ኣተራጒማ እስልምና ኣብ ትግባረ ከውዕል ዝፍትን ጒጅለ ምስ ምዃኑ፡ ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ብተዛማዲ ሊበራላዊ መንግስቲ ዘስተማቕራኦ ዝነበራ መሰላት ክስእና ተጌረን ኣለዋ። ሓሙሽተ ደቀንስትዮ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምምጻእ ጣሊባን ህይወተን ብኸመይ ክቕየር ከም ዝጀመረ ዘርኢ መዝገብ መዓልታዊ …

Read More »

ስቴፋና ሎቨን፡ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ሓቲቱ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ነበር፡ ስተፋን ሎቭን፡ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት መሕተቲ ምልክታ፡ ናብ ቦርድ ደሞዝ ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ከም ዘእተወ ዳገንስ ኢንዳስትሪ ዝተባህለ ጋዜጣ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ንሎቬን ክበጽሖ ዝኽእል ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት፡ ክሳብ 2.16 ሚልዮን ክሩነር ክበጽሕ ከምዝኽእል ይፍለጥ። ሚኒስተር ሲቪላዊ ጉዳያት ሽወደን ዝነበረት፡ ሊና ሚኮ፡ ከምኡ ውን ሚኒስተር ቁጠባዊ ጉዳያት ሽወደን ዝነበረ፡ ኢብራሂም ባይላን፡ …

Read More »

ትራምፕ፡ ንምስክርነት ተጸዊዑ

ናይ ቀደም ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንዕለት 7 ጥሪ፡ ብጉዳይ ብልሽውና ናይ ኮርፖረሽን ትራምፕ ኦርጋናይዘሽን ኣብ ዝግበር ዘሎ መርመራ፡ መብርሂ ክህበሉ ብላዕለዋይቲ ሓላፊ ክፍሊ ፍትሒ ኒውዮርክ፡ ለቲሽያ ጄምስ፡ ጻውዒት ቀሪብሉ ከምዘሎ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020፡ ሓደ ካብ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ናይቲ ኮርፖረሽን ዝሰርሕ፡ ወዲ ትራምፕ ዝኾነ ኤሪክ ትራምፕ፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት መጺኡ ቃሉ …

Read More »

ሓጽብታት ሃይድሮ ኤሌክትሪክ፡ ንዓሌት ነብሪ፡ ኣብ ሓደጋ የእትው ምህላዎም ተገሊጹ

ኣብ ዓለምና እናሰፍሐ ዝመጽእ ዘሎ ኣገልግሎት ሓጽቢ ሃይድሮ ኤሌክትሪክ፡ ኣብ መንበሪ ከባቢ ዓሌት ነብሪ፡ ኣዕናዊ ሳዕቤናት የምጽእ ምህላዉ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ብፍላይ ኣብ ኣህጒር ኤስያ፡ ዝህነጹ ዘለዉ ሓጽብታት፡ ንህይወት ናይዞም ቊጽሮም እናተጓደለ መጺኡ ኣብ ደረት ምጽናት ዝርከቡ ዓሌት ነብሪ፡ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ኣቃሊዕዎም ምህላዉ እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ኣብ ገሊኡ ጫካታት፡ ብሰንኪ ዝተሃንጹ ሓጽብታት፡ እዞም ዓሌት ነብሪታት ከም ዝጸነቱ ኣብቲ …

Read More »

ብራዚል፥ 242 ሰባት ብባርዕ ዝቐተሉ ሰባት ተፈሪዶም።

ኣብ ዓመተ 2013፡ ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት፡ ባርዕ ብምኽሳት፡ 242 ሰባት ንኽሞቱ ጠንቂ  ዝኾኑ ኣርባዕተ ሰባት፡ ንንውሕ ዝበለ ማእሰርቲ ከም ዝፈረደ ቤት ፍርዲ ብራዚል ገሊጹ። ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ከተማ ሳንታ ማሪያ፡ ኪስ፡ ኣብ ዝተባህለ ለይታዊ ትልሂት ዝሰርሑ ኣባላት ባንድ ንምዝንጋዕ ክብል ዝወልዕዎ ሓዊ፡ ንናሕሲ እቲ ኣዳራሽ ብምብራዕ ነቲ ሓደጋ ክስዕብ ከም ዝገበረ ናይ ሽዑ ጸብጻባት የመልክቱ። ዝበዝሑ በቲ ሽዑ ዝሰዓበ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com