Thursday , May 16 2024

ሓበሬታ

Harmony Media News 07/01/2022

Read More »

ህንዲ … 13 ኣጋይሽ ካብ መወሸቢ ቦታ ሃዲሞም

ካብ ኢጣልያ ናብ ህንዳዊት ከተማ ኣምሪስታር ዝኣተዉን ቫይረስ ኦሚክሮን ኣብ ደሞም ከም ዘለዎም እተፈልጡን 13 ሰባት ከይውሸቡ ብምባል ምህዳሞም ተፈሊጡ። ኣብታ ካብ ሚላኖ ናብ ህንዲ 125 ተጓዕዝቲ ሒዛ ዝኣተወት ነፋሪት ዝመጹ ኣጋይሽ፡ እቶም 9፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምልጡ እንከለዉ እቶም ኣርባዕተ ድማ ካብ ሆስፒታል እዮም ተሰዊሮም ክብል በዓልመዚ እታ ከተማ ንBBC ሓቢሩ’ሎ። ፖሊስ፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ሰባት ክሲ ክኸፍቱ ምዃኖም …

Read More »

ማእከል ምቁጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ዕጽዋ መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ይብል

ቫይረስ ኮሮና እንከላኸለሉ ዝበለጸ መንገዲ ዕጽዋ ኣይኮነን ክብል ማእከል ምቊጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ (Africa CDC) ገሊጹ። ቊጽሪ ለበዳ ንምንካይ መንግስታት ህዝባዊ ጥዕናን ማሕበራዊ ስጒምቲታትን ኣብ ምውሳድ ከም ዝርከባ እውን እቲ ትካል ወሲኹ ገሊጹ። ብዘይካዚ ክትባት ሓደ ካብዞም ናይ ምክልኻል ኣገባባት ምዃኖም እቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣመልኪቱ። ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቀንዲ ምኽንያት ምስፍሕፋሕ እዚ ለበዳ፡ ኦሚክሮን ዝተባህለ ሓድሽ ጅር ኮሮና እዩ …

Read More »

ሰራዊት ሩስያ፡ ናብ ኻዛኽስታን ይኣትዉ

ኣብ ኻዛኽስታን፡ ኣንጻር መንግስቲ ዘቕንዐ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብመሰረት መንግስቲ ዝገበሮ ጻውዒት፡ ሰራዊት ሩስያ ናብታ ሃገር ምእታዉ ተገሊጹ። ብምኽንያት ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ዝጀመረን ንመዓልታት ዝቐጸለን ህዝባዊ ናዕቢ፡ ዛጊት ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐትሉ ቢቢሲ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ሕቡራት ሃገራት፥ ብሪጣንያ፥ ኣመሪካን ፈረንሳን ኲሎም ወገናት ጎነጽ ካብ ምጥቃም ክቚጠቡ ኣተሓሳሲበን …

Read More »

ዴንማርክ፡ 28,000 ሓድሽ ቁጽሪ መልከፍቲ ተመዝጊቡ

ሃገረ ዴንማርክ: እዚ ለበዳ ካብ ዝተኣታቶ ንንጀው: ኣብ መዓልቲ 28,283 ዝኸውን ሓደሽቲ ሕሙማት – እቲ ዝዓበየ ቑጽሪ መልከፍቲ – ከም ዘመዝገበት ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ሓድሽ መዝገብ መልከፍቲ ኮቪድ: ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ ኣብ ልዕሊ ኣስታት 230,000 መርመራታት ናይ PCR (PCR tests) ብዝተገብረ መሰረት ዝተረኽበ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ማለት ካብዞም ዝተመርመሩ እቶም ካብ 12% ቁሩብ ዝዛይድ ቁጽሪ ዘለዎም ሰባት …

Read More »

 ዋጋታት ጸዓት ኤሌክትሪክ: ዓቢ ወሰኽ ኣርእዩ

ከም መዐቀኒ ዋጋታት ናይ ኖርዲክ ጸዓት ኤክስቸንጅ ኖርድ ፑል (Nordic electricity exchange Nord Pool) እንተኾይኑ፡ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ዋጋ ጸዓት ኤሌክትሪክ: እንደገና ይውስኽ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ምኽንያት ናይዚ ዋጋ ወሰኽ፡ ዝሑል ኩነታት ኣየር ምስ ዋሕዲ ዋሕዚ እቲ ካብ ሩስያ ናብ ኤውሮጳ ዝስደድ ጋዝ ተደሚሩ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ንማልመ ሓዊሱ እቲ ጨረታ ናይ ዞን SE4 ዋጋታት ጸዓት ኤሌክትሪክ፡ ካብቲ ብሮቡዕ 1.12 ክሮኖር ኣብ ሰዓት ዝነበረ …

Read More »

ኣብ ቤት መስተታት: ናይ ክታበት ፓስፖርት ክሕተት ምዃኑ ተፈሊጡ

መንግስቲ ሽወደን: ኣብ ቤት መግቢታትን ድኳናትን ናይ ክታበት ፓስፖርት ምሕታት ክጅመር ምዃኑ ኣፍሊጡ። በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ኣድላይነት ናይዚ ረቛሒ ብዝምልከት ሕጂ ክውስን ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ከም Aftonbladet & DN  እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ንምትእትታው ናይዚ ተገሊጹ ዘሎ ረቛሒ ብዝምልከት ንበዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን መምርሒ ከሕልፍ ከሎ ካብዚ ዝሰፍሐ ትርጉም ክህልዎ ብምሕሳብ ከምዝኾነ ተገሊጹ’ሎ። እቲ …

Read More »

በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን: ንኹሎም ተመሃሮ ምምርማር “ውጺታዊ ኣይኮነን” ይብል

ናይ ኖርወይ ተመሃሮ ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሩ ነቲ መልከፈቲ ንምዕጋት ንኽሕግዝ ተባሂሉ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ኽግበረሎም ከም ዝኾነ ተፈሊጡ። ይኹን እምበር፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን: ተመሳሳሊ ጅምላዊ መርመራ ንኽግበር ምክሪ ከምዘይሃበ ተፈሊጡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ናይ ኖርወይ ዳይረክተር ተመሓላለፍቲ ሕማማት (Director of Infectious Diseases) ዝኾነ ፍሮደ ፎርላንድ: ኣብ ቀረባ እዋን ን SVT ኒውስ ከምዝሓበሮ፡ ኩሎም ዕድሚኦም ንትመህርቲ ዝበጽሑ …

Read More »

ኣውስትራልያ: ንቪዛ ኮኾብ ተጻዋታይ ቴኒስ ሰሪዛ

ኮኾብ ሰርብያዊ ተጻዋያት ቴኒስ ኖቫክ ጆኮቪች ናብ ከተማ መልበርን (ኣውስትራልያ) ድሕሪ ምእታዉ ቪዛኡ ክስረዝ ከም እተገብረ ተፈሊጡ። ንሱ ንብርክት ዝበላ ሰዓታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ተዓጊቱ ድሕሪ ምጽናሕ: ሰብ መዚ ምክትታል ዶባት: ዘድሊ ናይ መእተዊ ረቛሒታት ስለ ዘየማልአ ክስጐጒ ወሲኖም ኣለዉ። ድሕሪዚ ጆኮቪች: ናብ ሓደ መንግስታዊ መሐየሪ ሆቴል ከም እተወስደን ጠበቓታቱ ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕሪቦም ምህላዎምን ተፈሊጡ። ጆኮቪች: …

Read More »

ካዛኽዝታን: ሓገዝ ሩስያ ሓቲታ

ኣብ ኻዛኽስታን ብሰንኪ እተኸስተ ዕግርግር: ሰራዊት ሩስያ: ናይ ምርግጋእ ሓገዝ ከበርክት ብመንግስቲ እታ ሃገር ጻውዒት ከም እተገብረሉ BBC ሓቢራ። ኣብ መላእ እታ ሃገር: ዕግርግር ሰፊኑሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን: ፕረሲደንት ቃስም-ዦማርት ቶካየቭ: ካብ ውድብ ኪዳን ሓባራዊ ጸጥታ ሓገዝ ሓቲቱ’ሎ። እዚ ዕግርግር ብምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ዝጀመረ ኮይኑ: ንሓፈሻዊ ፖለቲካዊ መረረታት ሒዙ ብዓቐን እናሰፍሐ ከይዱ’ሎ። ፕረሲደንት ቃስም ብወገኑ: ነዚ ዕግርግር ብድሕሪ መጋረጃ ዝመርሕዎ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com