Tuesday , May 7 2024

ሓበሬታ

ዩክሬይን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሩስያ ከቢድ ክሳራ ኣውሪደ ትብል።

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊኣ ካብ ዝካየድ ኣትሒዙ ዩክሬይን ኣስታት 800 ወተሃደራት ሩስያ ምቕታላ ሚኒስተር ምክልኻል ዩክሬይን ገሊጹ። ብዘይካዚ ልዕሊ 30 ታንክታት ሩስያ ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኾና እንከለዋ 7 ነፈርቲ ኲናትን 6 ኤሊኮፕተራትን ሰራዊት ሩስያ ከም እተባርዓ ን ሚኒስተር ምክልኻል ዩክሬይን ብምጥቃስ CNN ጸብጺቡ’ሎ። ሰራዊት ሩስያ ነዚ መሰረት ዘይብሉ እዩ ኢሉ ነጺግዎ’ሎ። እዚ ክሳራታት ሩስያ ብናጻ ሚድያ ክረጋገጽ ከም ዘይተኻእለ ኖርዌይ …

Read More »

ሽወደን ን ወራር ሩስያ ኮኒና።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሰን ን ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ወራሩን ኣበርቲዓ ከም እትዂንን ገሊጻ። ቭላድሚር ፑቲን ሰራዊት ሩስይ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ንኽፍጽም ትማሊ ምእዛዙን ኣብ ዩክሬይን ሓያል ኲናት ይቕጽል ምህላዉን ዝፍለጥ እዩ። “ፕረሲደንት ፑቲን ኣብ ዩክሬይን ዘካይዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ብቕጽበትን ብዘይቅድመ ኲነትን ደው ኣቢሉ ሰራዊት ክስሕብ ንጠልብ” ክትብል ንዩክሬይን ዘለዋ ደገፍ ገሊጻ’ላ። ብዘይካዚ ወራር ሩስያ ንኽቕልበስ ን …

Read More »

ጆሃንሰን፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ስደተኛታት ዩክሬይን ንምቕባል ተዳልዩ’ሎ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ብሰንኪ ወራር ሩስያ ካብ ዓዶም ንዝፈናቐሉ ስደተኛታት ዩክሬይን ንምቕባል ድሉው ምህላዉ ኮሚሽነር ሽወደን ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዪልቫ ጆሃንሰን ገሊጻ። እንተኾነ ግና ኣብዚ ዘሎ ዝዓበየ ብድሆ ዩክሬናውያን ኣብ ክንዲ ናብ ምዕራብ ኣውሮጳ ገጾም ዝስደዱ ኣብ ውሽጢ ዩክሬይን እንድሕሪ ተመዛቢሎም እዩ ክትብል ጆንሰን ዘለዋ ስክፍታ ገሊጻ’ላ። ብመሰረት ጆሃንሰን ኲለን ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ስደተኛታት ዩክሬይን ንምቕባል ቊሩባት ምህላወንን መንግስታት ኣውሮጳ ኣብዚ …

Read More »

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያን ቤላሩስን ሓድሽ ማዕቀብ ክግበር ተሰማሚዑ።

ትማል ሓሙስ መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያን ቤላሩስን ትርር ዝበለ እገዳታት ኣንቢሮም ኣለዉ። ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብሩስያ ዝግበር ዘሎ ወራር ብምሉእ ፍቓድን ምትሕብባርን ቤላሩስ ይግበር ብምህላዉ ቤላሩስ እውን ኣብዚ ኣገዳታት ክትኣቱ ተጌራ’ላ። እዚ እገዳታት  “ንጽላታት ፋይናንስ፡ ጸዓት፡ መጓዓዝያ፡ ምቊጽጻር ሰደድ፡ ፋይናንስ ሰደድን ፖሊሲ ቪዛ’ ዝምልከት ኮይኑ  ብዘይካዚ ዝርዝር ገለ ሩስያውያን ዜጋታት እውን ዘጠቓልል እዩ ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ምስ ምልዓል መምርሒታት ኮቪድ ካርኒቫላት ይበራበሩ ኣለዉ።

ካርኒቫላት ኣብ መላእ ዓለም ዳግማይ ይጅመር ኣሎ። ብፍላይ ኣብተን ኩነታት ለበዳ ኮሮና ህድእ ዝበለለን ዓዲታት እተኸትቡ ዜጋታት ብናጽነት ኣብዚ ዝፈትዉዎ በዓል ካርኒቫል ይሳተፉ ምህላዎም ተገሊጹ። ንኣብነት ብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ቦሊቭያ ላ ፓዝ ኣብ ዝተጸንበለ በዓል ካርኒቫል ንግስቲ ካርኒቫል ዳያና ሞሊና ከም ዘድመቐቶ ጸብጻብ ዶቸቬለ ኣመልኪቱ።

Read More »

ሚኒስተር ምክልኻል ኖርዌይ፥ “ህላወ ጥሙር ሓይሊ ኣገዳሲ እዩ”

ኣብዚ ሰሙን ኤኖክሰን ንጸጥታዊ ኲነታት ኣውሮጳ ኣመልኪቱ ምስ ብርክት ዝበሉ ኣውሮጳውያን መሻርኽቲ ተዛትይ’ሎ። “ሓባራዊ ስላምን ጸጥታን ከባኢና ንምሕላው ኣብ እንገብሮ ዘሎና ጻዕሪ ህላወ ጥሙር ሓይሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምርኻብ፡ ከምኡውን ምስቶም ኣብ ጥሙር ሓይሊ ዝሳተፉ ኣብ ሰሜን ኣውሮጳ ዘለዉ መሻርኽቲና ብዛዕባ ኲነታትና ምዝታይን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። “ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ኲነታት ኣዝዩ ተኣፋፊ እዩ፡ ጸጥታዊ ኲነታት …

Read More »

ስታቲስቲክስ ኖርዌይ : ሰደድ ፍሬሽ ሳልሞን ዝለዓለ ዋጋ ኣመዝጊቡ። 

ኣብ ሻብዓይ ሰሙን  ዋጋ ፍሬሽ ሳልሞን ን ኪሎ 87.60 ክሮና ኖርዌይ ምንባሩን ምስታ ቅድሜኣ ዝነበረት ሰሙን እንክነጻጸር ናይ 13% ወሰኽ ምርኣዩን ትማል ረቡዕ ዝወጸ ስታቲስቲክስ ኖርዌይ ኣመልኪቱ። ብመሰረት E24, እዚ ሓድሽ ክብረወሰን ዋጋ እዩ፡ ዋጋ ሳልሞን ሕጂ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ብ 72% ዝለዓለ እዩ። ዝሓለፈ ዝለዓለ ዋጋ ቀዳማይ ሰሙን 2020 ንሓደ ኪሎ 78.20 ክሮና ኖርዌይ እዩ ኔሩ። . …

Read More »

ናብ ዳዕሽ ክጽንበሩ ዝጓዓዙ ሰባት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተታሒዞም።

ዝሓለፈ ቀዳም ክልተ ናብ ዳዕሽ ንምጽንባር ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሰብኡት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዮተበሪ ላንድቬተር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ኣዞም ጥርጡራት በቶም ፍቓድ መቐየዲ ዝሓዙ ሓይልታት ጸጥታ ሽወደን SÄPO እዮም ተታሒዞም። እዞም ኣብ ክሊ ዕድመ ኣርዓታት ዝርከቡ ሰብኡት ኣብ ምኽታብ፡ ምስትምሃርን ግብረሽበራ ተዋፊሮም ምጽንሖም ዝገለጸ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ምስ ግብረሸራውያን ጒጅለታት ርክብ ከይሃለዎም ኣይተርፍን ብዝብል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ …

Read More »

ዩክሬናውያን ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ሩስያ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

ትማል ረቡዕ ዩክሬናውያን ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ብምእካብ እት ሃገር ን ተገንጸልቲ ዞባታት ዩክሬይን ኣፍልጦ ብምሃባን ወተሃአራዊ ሓገዛት ትገብር ብምህላዋን ተቓዎሞኦም ብሰልፊ ኣስሚዖም። ቅድሚ 20 ዓመታት ወዲ 13 ዓመት እናሃለወ ናብ ሽወደን ዝኣተወ ዩክሬናዊ ሄንሪካ ካሹር “ብ 2001 ካብ ዩክሬይን ንብ ሽወደን እንተዘይኣቱ ሕጂ ምስ ደቀይ ኣብኡ ምሃለኹ ኢለ እንክሓስብ ፍርሒ ይስማዓኒ” ይብል። ን 7 ዓመታት ኣብ ሽወደን …

Read More »

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝጽዕኖ ኣገዳ ኣብ ሽወደን ንእሽቶ ጽልዋ ኣለዎ ተባሂሉ።

ሩስያ ንክልተ ተገንጸልቲ ምብራቓውያን ዞባታት ዩክሬይን ከም ናጻ ሃገራት ከም እትፈልጠን ኣዊጃ፡ ናብተን ዞባታት ሰራዊታ ድሕር ምውፋራ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊኣ ተወሳኺ እገዳታት ከንብር ምዃኑ ዝሓለፈ ሰሉስ ገሊጹ ኔሩ እዩ። ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ ኣብ ማሕበራዊ መራኽቢ ብዙሃን ኣብ ዝለጠፈቶ ሓበሬታ እዚ ተጻብኦ ንሩስያ ዓብዪ ዋጋ ከኽፍላ እዩ ኢላ’ላ። እዚ እገዳ ነቶም “ሩስያ ነዘን ኣውራጃታት ኣፍልጦ ክትህበን ኣለዋ” …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com