Friday , April 26 2024

ሓበሬታ

ሰልፍታት ሽወደን፡ ፍቓድ መንበሪ ንምስራዝ ዘኽእሉ ዝተረሩ ሕጊታት ክተኣታተዉ ጸዊዖም

ኣመሓደርቲ ሰልፍታት እንተላይ ሰልፊ ዲሞክራትና፥ ፍቓድ መንበሪ ንምስራዝ ዝያዳ ተኽእሎታት ክህሉ ጸዊዐን። እዘን ውድባት ነዚ ጠለብ ዘቕርባ ዘለዋ ሃገራዊ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ክብ ዝበለ፥ ምስ ስደት ቀጥታዊ ምትእስሳር ስለዘለዎ እዩ ዝብል ምጒት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። ገለ ምስ ግብረሽበራያን ውድባት ወይ ምስ ስለያ ኮርፖሬሽናት ምትእስሳር ክህልዎም ይኽእል እዩ ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ሰባት፥ ፍቓድ መንበሪኦም ክስረዝ ዘኽእል ዝተረረ መምርሒታት ክተኣታቶ እየን እዘን …

Read More »

ተመሃሮ ወጻኢን ተመራመርትን ናይ ባንክ ሕሳብ ይኽልከሉ ኣለዉ

ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወጻእተኛታት ተማሃሮን ተመራመርትን ብዙሕ ግዜ ናይ ባንክ ሕሳብ ከም ዝኽልከሉ ብቤት ምኽሪ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሽወደን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። “እዚ ምኽልካል ሕሳብ ባንክ ነቶም ተመሃሮን ተመራመርቲን ጥራይ ዘይኮነ ነተን ትካላት ትምህርቲ እውን ብዙሕ ጸገማት የምጽእ ኣሎ” ክብል ማግነስ ሆርቦርተን ካብ ቤት ምክሪ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሽወደን ይገልጽ። “እዚ ኲነታት ሽወደን ኣብ ኣህጒራውያን ተመሃሮን ተመራመርቲን ዝጸንሓ ጽቡቕ ስም ዝብርዝ እዩ” …

Read More »

ምስ ምውሳኽ ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ኣብ ህዝቢ ዝእከበሎም ቦታታት ቦርሳ ምሓዝ ክኽልከል እዩ

ምስ ምውሳኽ ደረጃ ስግኣታት ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ፖሊስ ሽወደን ኣብ “ዓበይቲ ኣጋጣሚታት” ቦርስታት ከይተሓዙ ጊዶም ኣለዉ። እቲ እገዳ ንኹሉ ዓይነት ቦርሳታት ዝሽፍን ኮይኑ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ንሕክምናኢ ጒዳያት ጥራይ ክፍቀድ እዩ። ኣካያዲ ጸጥታ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ማልሞ ኤፍ ኤፍ ፒተር ናርቤ፡ እቲ እገዳ ኣብ ብዙሕ ህዝቢ ዝእከበሉ ኣጋጣሚታት ስግእታት ጸጥታ ከቃልል ከምዝኽእል እኳ ዝቕበል እንተኾነ ብዛዕባ እቲ እገዳ ዘይፈልጡ ኣጋይሽ ዘይድሊ …

Read More »

Aktuellt ኩነተ ህላወ no.2 ማሕበራዊ ሽግራትናን መፍትሒኡን

Read More »

ሓደ ሰዓት ንቕድሚት ብምምዕርራይ ሰዓትና ምቕያር ኣይንረስዕ።

ሎሚ ለይቲ ዕለት 25   ናብ ዕለት 26 መጋቢት ዘዉግሕ፣ ሰዓታት ክረምቲ ( ዊንተር ) ፣ ናብ ሰዓታት ሓጋይ ( ሳመር ) ክቕየር ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። በዚ መሰረት ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ ሓደ ሰዓት ንቕድሚት ናብ ሰዓት ሰለስተ ሰዓትካ ብምምዕርራይ ምቕያር ይካኣል። ኣብ ሞባይል ተሊፎናት ይኹን ኤሊክትሮኒካዊ መሳርሕታት እንተኾይኑ ኸኣ፣ ኩሎም መስርሕታት ባዕላቶም ክቕየሩ እዩም።

Read More »

ሰዓትኩም ሓደ ሰዓት ንድሕሪት ምምላስ ኣይትረስዑ።

ካብ ጽባሕ ንግሆ ሰዓት 02:00 ወጋሕታ ጀሚሩ ናይ vintertid  ኣቆጻጽራ ስለዝጅምር ሰዓትኩም ሓደ ሰዓት ንድሕሪት ምምላስ ኣይትረስዑ። ልክዕ ሰዓት ሰለስተ  ወጋሕታ ምስኮነ ናብ ሰዓት ክልተ ክትቅይርዎ ነዘኻኽር።

Read More »

ሽግር ኣባይቲ ሽወደን ሕጂ’ውን ይቕጽል ምህላዉ ተገሊጹ።

ልዕዒ ክልተ ሲሶ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን፡ ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝለወን፡ ብፍላይ ድማ ሓደስቲ መጻእቲ ኣባይቲ ንምርካብ ከም ዝሽገሩ፡ ሃገራዊ ቦርድ ኣባይቲ ውጥንን ህንጻን ሽወደን ኣብ ቀረባ ኣዋን ዘሳለጦ ሓደ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ሬድዮ ሽወደን፡ ኣብ ቦርድ ምምሕዳር Västra Götaland ሰራሕተኛ ክፍሊ ኣሃዱ ስደተኛታትን ምውህሃድን፡ ከምኡ’ውን ኣካያዲት ናይቲ ኣብ ምድላይ ኣባይቲ ምኽሪ ዝህብ መርበብ ሓበሬታ ዝኾነት፡ ፒያ ሰቨሪንሰን ቃለ ምሐትት ኣካዪዳ …

Read More »

ብምኽንያት ምቊራጽ ቀረብ ጋዝ ሩስያ፡ ዋጋ ኤለትሪክ ሽወደን ክኸብር እዩ ተባሂሉ።

ሩስያ፡ ሃገራት ፖላንድን ቡልጋርያን ዋጋ ጋዝ ብሩብል ክኸፍላ ንዘቕረበቶ ጠለብ ብዘይምቕባለን፡ ናብዘን ሃገራት እተቕርቦ ዝነበረት ጋዝ ምቚራጻ ተፈሊጡ። እዚ ድማ፡ ሽወደን እትኸፍሎ ዋጋ ቅብሊት ንክውስኽ ምኽንያት ከም ዝኸውን፡ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ። ኣብ ዕዳጋ ጸዓት ክኢላ ትንተና ELS ሳምኤል ሲዙክ፡ እዚ ምዕባለ ኣብ ዋጋ ጸዓት ድሮ ናይ ባዕሉ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኣብ ዘሎ ስጡም ዓለማዊ ዕዳጋ ዓብዪ ዘይምጥርጣር ክህሉ ዝገብር እዩ ክብል ገሊጽዎ’ሎ። ሳዕቤናት …

Read More »

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ብሪጣንያ ሓድሽ ጅር ኮቪድ ተረኺቡ።

ኣብ ብሪጣንያ ‘XE’ ዝተሰምየ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮቪድ-19 ከም እተረኽበን እዚ ጅር ቫይረስ ካብቲ BA.2 ዝተባህለ ዓሌት ብዝያዳ ፍጥነት ናይ ምልባዕ ዓቕሚ ከም ዘለዎን ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣመልኪቱ።  እዚ ጅር ናይ (XE) ናይ BA.1 ከምኡውን BA.2 ንኡስ ዓሌታት ኮቪድ ምውሳብ ዝፈጠሮ እዩ ክብል ፊንላንድ እንግሊሽ ኒውዝ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ።  “እዚ ሓድሽ ጅር ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ጥሪ 19 ናይዚ …

Read More »

ሰደድ ሃብቲ ዓሳ ኖርወይ ገዚፍ ዕቤት ኣርእዩ ተባሂሉ። 

ምስ ናይ ዓመተ 2021 እንክወዳደር ናይ ሎሚ ዓመት ሰደድ ሃብቲ ዓሳ ኖርወይ ዓብዪ ወሰኽ ምምዝጋቡ ጸብጻብ ርብዓዊ ዓመት ኣመልኪቱ።.  ሰደድ ሃብቲ ዓሳ ኖርወይ ከም ናይ ሎም ዓመት ጌሩ ዓብዩ ከም ዘይፈልጥ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ ኣብ ወርሓት ጥሪ ለካቲትን መጋቢትን ኖርወይ ካብዚ ሰደድ ናይ 34 ቢልዮን ክሮና ኣታዊ ምርካባ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ምስ ዓሚ ኣብ ተመሳሳሊ ኣዋርሕ ዝተረኽበ ናይ 6.2 ቢልዮን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com