Thursday , May 16 2024

ሓበሬታ

ውሳኔ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ንስድራቤት ኣፍጋን ይመቅል።

ቦርድ ኢሚግሬሽን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳነ ንኣቦን ክልተ ደቁን (ሓዲኦም ወዲ ሓሙሽተ ወርሒ ኮይኑ ኣብ ሽወደን እዩ ዝውለድ) ክሰጒግ እንከሎ ንኣደ’ቶም ደቂ ግና ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ ሽወደን ሂቡ’ሎ። ኣደ’ቶም ቆልዑ 20 ዝዕድሜኣ ኣፍጋናዊት ጃቫሄር ረዛይ ብኣዋጅ ላዕለዋይ ትምህርቲ ግዜያዊ መንበሪ ፍቓድ ምርካባ ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሃን ሽወደን የመልክቱ። እቲ ሕጊ ንገለ መንእሰያት ሓተትቲ ዕቚባ ትምህርቶም ንኽዛዝሙ ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ …

Read More »

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ኣብ ጒዳይ ዕዮ ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኡ!!

ሓደ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ግዜያዊ ስራሕ ተዋፊሩ ጸኒሑ ፍቓድ መንበሪ እንድሕሪ ተኸሊኡ ንሽወደን ክለቅቕ ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ 7 ዓመት ንስራሕ ከመልክት እውን ኣይፍቀዶን እዩ። እዚ ማለት እዚ ፍቓድ ስርሑ ምሕዳስ እተኸልኤ ወጻእተኛ ናብ ሽወደን ተመሊሱ ናይ ስራሕ ፍቓድ ከመልክት ብውሕዱ ሰለስተ ዓመታት ክጽበ ኣለዎ ማለት እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ተወከሱ። https://shorten.alkompis.se/8qsk2

Read More »

መጠንቀቅታ ካብ ትካል ሜትሮሎጂ ስዊድን (SMHI)

ኣብ ከባቢ ቫርምላንድ ትነብሩ ሰባት ኣብቲ ከባቢ ክሳብ 36 ሚሚ ዝዓቀኑ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝናብ ንሎሚ ሓሙስ 23 ግንቦት 2019 ክዘንብ ምካኑን እዚ ኸኣ ዕልቅልቅ ከኸትል ከምዝኽእል ካብ ትካል ሜትሮሎጂ ስዊድን (SMHI)ሓቢሩ ስለዘሎ ኣብቲ ከባቢ ትነብሩ ጥንቃቐ ክትገብሩ ንሕብር።

Read More »

ሚኒስተር ዕዳጋ ዕዮ ሽወደን ቤትጽሕፈታ ብሰንኪ ባጀት ተቓወምቲ ምንቊልቋሉ ገሊጻ!!

ሚኒስተር ዕዳጋ ዕዮ ሽወደን Elva Johansson ንስራሕ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሰንኮፍ ባጀት ዓቃባውያምን ክርስትያን ዴሞክራስን ዘሰዓቦ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ መንግስታ ንዝመጽእ ኣመት ካልእ ባጀት ክስልዕ ምዃኑ ኣሚታ’ላ። እታ ሚኒስተር ሎሚ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ኣብ ቤትጽሕፈት ዕዮ ዝተጻዕነ ምጒዳል ባጀት ክሳብ 3 ቢልዮን ክሮነር ከም ዝበጽሕን እዚ ድማ ኣዝዩ ገዚፍ ኣሃዝ ምዃኑን ኣመልኪታ’ላ። ቤትጽሕፈት ዕዮ ብምኽንያት ምጒዳል ባጀት …

Read More »

ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብ

ካብ መርበብ ሓበሬታ በዓል መዚ ኢመግረሽንFamiljeåterförening – tigrinska ስድራኻ ናብ ሽወደን መጺኦም ምስኻ ንኽቕመጡ ዘሎካ ዕድል፤ በቲ ዝተዋህበካ መቐመጢ-ፍቓድን፤ ናይ ዑቕባነት-ደረጃ ዓይነትን ዝተመስረተ እዩ። ምስ ስድራኻ ዳግመ-ምትእኽኻብ ክትገብር እንተ ተፈቒዱልካ፤ እቲ ”ነብስኻ ናይ ምንባይ ጠለብ” (försörjningskrav) ይምልከተካ እዩ። ዋላኳ ንስኻ መቐመጢ-ፍቓድ ረኺብካ እንተዄንካ፤ ስድራቤትካ ናባኻ ናብ ሽወደን መጺኦም ንኽቕመጡ ዘሎዎም ዕድል፤ ርጉጽ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ። እንተደኣ ቀዋሚ ዝዀነ መቐመጢ-ፍቓድ ረኺብካ …

Read More »

ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ንምቅዋም ኣብ 8 ከተማታት ሽወደን ሰልፊ ተጌሩ።

ቀዳም 18 ግንቦት ሰዓት 1 ድሕሪ ቐትሪ “Bensinupproret 2.0” ዝተባህለ ናይ ፈለማይ ናይ ፌይስቡክ ጒጅለ ንናህሪ ዋጋ ነዳዲ ብምቅዋም ምጒዳል ክግበር ጸዊዑ። ቀዳማይ ሚኒስተር Stephane Leuven ነቲ ሰልፊ ከም ዝርድኦ ብምጥቃስ እቲ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ምስ ቀረጽ ዘራኽብ የብሉን ኢሉ’ሎ። “ኣነ ንባዕለይ ዕባይ ገጠር እየ። ኣድላይነት መኪና ኸኣ ብግቡእ እርዳእ እየ። ግና ምውሳኽ ቀረጽ ነዳዲ ምስ ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ዝተኣሳሰር …

Read More »

ነፈርቲ ሑቲ ቱቦታት ነዳዲ ስዑዲ ኣጥቂዖም።

የመናዊ ጒጅለ ሑቲ ኣብ ዒላማታት ስዑዲ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ፈንዮም። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ክልተ መደበራት ቱቦታት ነዳዲ ዘተኮረ እዩ። እዞም መደበራት ቱቦታት ነዳዲ ዋንነቶም ናይ Aramco ቊ. 8 ን 9 ኮይኖም፡ነዳዲ ካብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ሃገር ናብታ ካብ ከተማ ሪያድ 380 ኪ.ሜ ርሒቐን ዝርከባ ዳዋድሚን ዓፊፍን ዝወስድ እዩ ክብል ኣልጀዚራ ሓቢሩ።

Read More »

ፍልስፍናን ሓርነትን ቀዳማይ ክፋል

“ቅኑዕ ንዘበለ ሕጊ ነብስኻ ተገዛኢ ምግባር ሓርነት እዩ” ዣን ዣኽ ሩሶ ሓርነት ካብቶም ኣዝዮም ዝዝውተሩን ትርጉሞም ዝተዛበዐን ኣምራት ሓደ እዩ፡፡ ንምዃኑ ሓርነት እንታይ ማለት እዩ? በቲ ኣዝዩ ልሙድ ኣተራጉማኡ ሓርነት ከም ድላይካ ምዃን፤ ካብ ዝኾነ ዓጋቲ፤ ደራቲን ባርያኡ ዝገብረካን ሓይሊ ናጻ ምዃን ማለት እዩ፡፡ ቶማስ ሆበስ እተባህለ ፈላስፋ ብዛዕባ ሓርነት እንክጽሕፍ ከምዚ ይብል–ሓርነት ክትብሮ ካብ እትደሊ ዘታርፈካ ግዳማዊ ዕንቀፋት ወይ …

Read More »

ቛንቋ ሽወደን ንጀመርቲ ምስ ደጀን ከሰተ

Read More »

ኣብ Rinkeby ኣብ ምርጫ ባይቶ ኣውሮጳ ዝህሉ ተሳታፍነት ንምዕዛዝ ፈተነ ተጌሩ ።

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ስቶክሆልም ከባቢ Rinkeby ተሳትፎ ምርጫ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክዛይድ ብውድባት ሲቪካዊ ማሕበራት ጻዕሪ ይካየድ ምህላዉ ተፈሊጡ። እዞም ምርጫታት ካብ 23 ክሳብ 26 ግንቦት ዝካየዱ ኮይኖም 400 ሚልዮን ዜጋታት ክሳተፍዎም እዮም ዝብል ትጽቢታት ምህላዉ ተፈሊጡ’ሎ። ውድባት ማሕበረሰብ ሶማል ንተቐማጦኡ ኣብ ዝገበሮ ጐስጓስ ሰሚናራት ክልተ ሕጹያት ምርጫ ክከታተሉ ምዕዳሙ ይዝከር። ኣብ 2014 ኣብ ዝተገብረ ምርጫ Rinkby ዝወሓደ መራጺ ከም እተራእየላ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com