Thursday , May 16 2024

ሓበሬታ

ኣገዳሲ ሓበሬታ ንነበርቲ አስተርሹንድ

ቤት ንባብ አስተርሹንድ ንኣህጉራዊ መዓልቲ መጽሓፍ ንቴድሮስ ኣብርሃምን ገጣሚ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤልን ንዕለት 23 ኣብሪል 2019 ካብ ሰዓት 18-:00 – 20:00 ከም ዕዱማት ብምእንጋድን ክጽንብሎ ምኻኑ ተፈሊጡ። ብቴድሮስ ኣብርሃም ኣብ’ዚ ኣብ የምትላንድ እተመስረተ ኣሕታሚ እምኵሉ፡ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ የሕትም። ዮናስ ወልደሩፋኤል ካብ ኤርትራ ዝመጸ ጋዜጠኛ ኰይኑ፡ ናብ ሽወደን ድሕሪ ምምጻኡ ድማ ኣብ ኡምዮ ከም ተርጓሚን ፈጻሚ-ጕዳያት ኣብ ምውህሃድስደተኛታትን ይሰርሕ። ቅድሚ ሒደት …

Read More »

The Forgotten“ ናይ 60 ደቒቕ ዶክመንታሪ ፊልም”ብሳብሪና ኣማን ኣብ ስቶክሆልም ጽባሕ ክቀርብ እዩ።

The Forgotten“ ናይ 60 ደቒቕ ዶክመንታሪ ፊልም ኮይና፡ ብሓንቲ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብሓደገኛ መንገዲ ናብቲ ንኽትከዶ ኣሸጋርን ከቢድን ዝኾነ ናይ ኤርትራውያን መዓስከር ኣብ ምብራቕ ሱዳን ምብጻሕ እዛ ጓል ኣንስተይቲ ቦታ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘይተገልጸ መነባብሮ ዘንጸባርቕ እዩ። ኣብ መንገዳ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታትን ክሳብ ማእሰርቲ በቶም ናይ ጸጥታ ኣባላትን ተርኢ ፊልም እያ። ምስ ኩሎም እዞም ብድሆታት ግን ናብ ዓዳ ተመሊሳ እቲ …

Read More »

ትፈልጡዶ?

ኣብ ከባቢ 1930ታት እቲ ኣብ ኣስመራ ዚሽየጥ ዝነበረ ናይ ሚነራል ማይ ወይ ኣኳ ሚነራለ ኣብቲ ጥርሙዝ ብቛንቋ ጥልያን ከምዚ ዚስዕብ (label) ተለጢፉዎ ነይሩ። Fortemente Radioattiva ትርጉሙ፥ ኣዚዩ ናይ ኑክለሳዊ ጸርጊ ትሕዝቶ ኣለዎ ማለት እዩ። እቲ ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ንጥዕና ዚከታተል ዶቶር ጋስፓሪኒ፡ ነቲ ኣብቲ እዋንቲ ዝውቱር ዝነበረ ግን ግጉይ ርእይቶ እዩ ሒዙ ዝጎዓዝ ዝነበረ። ኣብቲ እዋንቲ፡ ኣብ ኤውሮጳ …

Read More »

ካርቱን 22

Read More »

ቴክኒካዊ ጸገም ምድንጓይ በረራታት የስዕብ።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ዝርከብ ኣገባብ መቆጻጸሪ ፓስፖርትታት ብልሽት ስለዘጋጠሞ ገያሾ ነዊሕ ሪጋ ክጽበዩ ከምዘገደደን ነፈርቲ እውን ኣብ ዝተወሰነለን ሰዓታት ክበራ ከምዘይከኣላ ተፈሊጡ። ወሃቢት ቃል ትካል ስወደቭያ (Swedavia) ዝኾነት ኢሊን ሎሬን ከምዝሓበረቶ ሰራሕተኛታት ምቁጽጻር ፓስፖርት ብሰንኪ ብልሽት ቴክኒክ ንዘጋጠመ ሽግር ንምፍታሕ ብናይ ቀደም ኣገባብ ክሰርሑ ስለዘተገደዱ ብዙሕ ምድንጋይ ከምተፈጥረ ሓቢራ።

Read More »

ኣብ ዓመተ 2019 5000 ናይ ኮታ ስደተኛታት ክትቅበል ምኻና ተፈሊጡ።

ኣብ ዓመተ2019 ሸወደን 5000 ስደተኛታት ብኮታ ደረጃ ክትቅበል ምኻና ሓላፊ ጉዳይ ምስግ ጋር ሰደተኛታት ኣብ በዓል መዚ ኢመግረሽን ዝኾነ ኦስካር ኤክብላድ (Oskar Ekblad) ሓቢሩ። ብዝሕን ዝመጽሉ ከባቢን ድማ ከምዚ ዝስዓብ ክኸውን ምኻኑ ተሓቢሩ ኣሎ። (ዝመጽሉ ከባቢ ) Uttagningsområde (ብዝሒ)Platserሶርያን ከባቢኡን / Syrien och dess grannländer2 000 ምብራቕ / ቀርኒኣፍሪቃ / Östra Afrika och Afrikas horn1 300ሰሜን ኣፍሪቃ (ማእከላይ ባሕሪ ተጓዓዝቲ …

Read More »

ካርቱን ቁ. 24 ጡሮታ

Read More »

ምንዋሕ ግዜያዊ ሕጊ ዑቕባ ዘይንዓቕ ሽግራት ከስዕብ እዩ ክብል ዳይረክተር ጀነራል ኢመግረሽን ገሊጹ።

ዳይረክተር ጀነራል በዓል መዚ ኢመግረሽን Mikael Ribbenvik ምንዋሕ ግዜያዊ ሕጊ ኣብ ኣመልከትቲ ዘይንዓቕ ሽግራት ከስዕብ ይኽእል እዩ ክብል ገሊጹ። እዚ ሽግራት ኣመልከትቲ ብዛዕባ ሕግታት ሓፈሻዊ ስእሊ ከም ዘይህልዎም ብምግባር ብፍላይ ድማ ቦርድ ስደተኛታት ናብ ሕሉፋት ጒዳያት እንክዝምብል ናብ ኣዝዮም ዝተሓላለኹ በደላታት (ምልውዋጣት) ከእቱ ዝኽእል ብምዃኑ እዩ። መንግስቲ ንዘቕረቦ እማመ ምንዋሕ ግዜያዊ ሕጊ ቦርድ ማይግሬሽን ዝሃቦ ግብረመልሲ ነዚ የረጋግጾ እዩ። እዚ …

Read More »

ትፈልጡዶ?

ስለምንታይ ኢና ከኒና ንብል? ኮካ መኣስ ተማሂዙ? ኣብ ሃገርና ንዝኾነ ዝወሓጥ መድሃኒት ከም ታብለት ወይ ካፕሱል፡ ከኒና ኢና እንብሎ። እንታይ እዩ ምኽንያቱ? ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ይገብር ሕማም ዓሶ ንወድሰብ ኪውድእ ከሎ፡ ገለ ተመራመርቲ ሓደ ኣዚዩ መሪር ዝኾነ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዚርከብ ልሕጺ ኦም፡ ንዓሶ ከም ዘሕዊ ወይ ከም ዘዐግስ ፈሊጦም። ምናልባት ካብቶም ደቀባት ወሲዶምዎ ይኾኑ። ስም ናይቲ ፈውሲ ክዋይናይን እዩ …

Read More »

20 ዝኾና በረራታት ከም እተኣጓጐላ ምምሕዳር መዓርፎ ነፈርቲ Arlanda ገሊጹ።

መዓርፎ ነፈርቲ Arlanda ስቶክሆልም ኣብ ልዕሊ ቦይንግ ማክስ 737 ብዝተገብረ እገዳ 20 ዝኾና በረራታት ከም እተኣጓጐላ ገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ምሕምሻሽ ኣውሮጳዊ በዓል መዚ በረራ ብሰሉስቦይንግ ማክስ 737 157 ሰባት ህይወቶም ድሕሪ ምስኣኖም ኣብ ዘውጽኦ እገዳ ብፍላይ ዓማዊል መንገዲ ኣየር ኖርዌይን TUI ይን ከም እተሃስዩ ይፍለጥ። ብፍላይ ኖርዌይ ሓደ ዕስሪት ካብ ነፈርታ ኣብ ጋራጅ ክጸንሓ ዝገብር ውሳነ ኮይኑ ናብ ካልእ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com