Friday , May 17 2024

ካብዝን ካብትን

ካብ ሎሚ ጀሚሩ፡ ቀዳማይ ማዕጾ ናይ ኣውቶቡሳት ምኽፋቱ ተሓቢሩ

ካብ ሎሚ ረቡዕ፡ ዕለት 20/01/2021 ጀሚረን፡ ኣብ ስቶክሆልም ዝርከባ ኣውቶቡሳት፡ ቀዳማይ ማዕጾአን ከምዝኸፈታ ተፈሊጡ። በዚ መሰረት፡ ኩሎም ተጓዓዝቲ፡ ናይ SL ካርድታቶም ክጥቀሙ ክጅምሩ ምዃኖም ሓላፊ መስመር መጓዓዝያ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ካብ ዝጅምር፡ ቀዳማይ ማዕጾ ናይ ኣውቶቡሳት ከምዝተዓጽወ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ 90 ካብ 280 ኣውቶቡሳት፡ ኣብ ከባቢ መራሒ መኪና፡ መከላኸሊ ቬትሮ ክስራሓለን ከምዝኸኣለ ተሓቢሩ።   እዚ …

Read More »

ኣብ እዋን መገሻ፡ ምስክር ወረቐት ክታበት፡ ንኽረአ ይጥለብ

ግሪክን ፖርቱጋልን ዝርከበአን ብዙሓት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣብ ውሽጢ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝግበር መገሻታት ብዝምልከት፡ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ከም ቅጥዕታት መገሻ ክኸውን ይጠልባ። እዚ ቀሪቡ ዘሎ ጠለብ ከም ቅጥዕታት መገሻ እንተድኣ ተወሲዱ፡ መንግስታውያን ትካላት፡ ንገያሾ ብቀሊሉ ክረኽብዎ ከምዝኽእሉ ክገብር ይግባእ ክብል፡ ሽወደናዊ ማሕበር ናይ ጉዕዞ ኤጀንስታት፡ ኣዘኻኺሩ። እዘን መንግስታውያን ትካላት፡ ክታበት ኮሮና ከምዝወሰዱ ዝሕብር ምስክር ወረቐት ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን፡ ንገያሾ …

Read More »

ካብን ናብን ዮምትላንድ ዝግበር ምንቅስቓስ ናይ ባቡር፡ ካብ ረቡዕ ምሸት ክሳብ ዓርቢ ከቋርጽ ምዃኑ ተፈሊጡ

ካብን ናብን ዮምትላንድ ዝግበር ምንቅስቓስ ናይ ባቡር፡ በረድ ዝዓብለሎ ህቦብላ ክነፍስ ከምዝኽእልን ኣብ ደቡብ ኖርላንድ ድማ ገዚፍ መጠን በረድ ክወርድ ከምዝኽእልን ገምጋማት ሓበሬታ ኩነታት ኣየር ብምግላጹ፡ ካብ ረቡዕ ምሸት ጀሚሩ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ከቋርጽ ምዃኑ ኩባንያ መጓዓዝያ ባቡራት SJ ሓቢሩ። እዚ ውሳኔ፡ ነተን ኣብ እዋን ቀትርን ምሸተን፡ ካብን ናብን ከተማ ስቶክሆልም ዝንቀሳቐሳ ባቡራት ዝምልከት ምዃኑ ተሓቢሩ። ብዛዕባ ኣብ …

Read More »

ኤሲ ሚላን ብሸቶታት ዛላታን ትደምቕ

ሎሚ ምሸት ከም መቐጸልታ ጸወታ ሰሪ ኣ ጥልያን ኣብ ዘምሰይሉ ኤሲ ሚላን ብሸቶታት ዛላታን ኢቭራሂሞቪች ቅድሚ ዕረፍትን፡ድሕሪ ዕረፍትን  ብዘመዝገበን ሽቶታት ኣብ ልዕሊ ካግሊያሪ 2ብ0 ብምዕዋት ምስ ኢንተር ዘለዋ ፍልልይ ናብቲ ዝነበሮ ብምምላስ ብ 43 ነጥቢ መሪሕነታ  ትዕቕብ።  39 ዓመት ንዘላታን ቁጽሪ ሙዃኑ ብግብሪ ዘመስከረ ብድምር 12 ሸቶታት ብምምዝጋብን ምስ ሉካኩን ላውታሮ ማርቲኒዝ ብምስራዕ  ብሓንቲ ሸቶ ካብ ክርስትያኖ ሮናልዶ ድሒሩ ብምህላዉ …

Read More »

Harmony News 18/01/2021

Read More »

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ካብ ሞራላዊ ውድቀት የጠንቅቅ

ድኻታት ሃገራት ዓለምና እንዳ ተሳቐያ፡ ሃብታማት ሃገራት፡ ንክታበት ኮሮና ንኽውንና ላዕልን ታሕትን ምባል እንተድኣ ቀጺለን፡ ዓለምና፡ ናብ ሓደገኛ ዝኾነ ሞራላዊ ውድቀት ገጻ ክተምሕ ምዃና ኣቦወንበር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ገሊጹ። ሃብታማት ሃገራት ዓለምና፡ ንውልቀን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ እተን ድኻታት ዝኾና ሃገራት ክሓስባ ኣለወን። ብተወሳኺ፡ መድሃኒት ክታበት ናብ መላእ ዓለም ብመንገዲ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣቢሉ ንኽፍቀደለን ዝጽዕራ፡ ነተን ክታበት …

Read More »

ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ፡ ንገበነኛታት መንእሰያት፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክሰጋገሩ ይድግፉ

መብዛሕትአን ኣባላት ባይቶ ሽወደን ዝኾና ሰልፍታት፡ ነቶም ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ገበነኛታት መንእሰያት፡ ካብቲ ዝእለይሉ ቦታታት፡ ናብ ቤት ማእሰርታት ክሰጋገሩ ንዝብል ሓሳብ ከምዝድግፉ ውጽኢት ዳህሳስ ጋዜጣ ዳግኒዝ ኒሄተር ሓቢሩ። እዚ ሓሳብ፡ ከም እማመ ኮይኑ ኣብ ባይቶ ሽወደን እንተድኣ ቀሪቡ፡ ድጋፍ ናይ 205 ካብ 349 ኣባላት ክረክብ ምዃኑ እቲ ዳህሳስ ይሕብር። ነዚ ሓሳብ፡ ብጀካ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ሚልዮፓርትየትን ቬኒስተርን ካልኦት ኩለን ሰልፍታት …

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ልዕሊ 41 ሽሕ መምርሒ ፍቓድ ወረቐት ተመንጢሉ

ኣብ ዓመተ 2020፡ ልዕሊ 41 ሽሕ ሰባት፡ መምርሒ ፍቓድ ወረቕት ከምተመንጠሉ ካብ በዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን ዝወጹ ጸብጻባት ሓቢሮም። እዚ ቁጽሪ’ዚ፡ እቲ ዝለዓለ ኣብ ሓደ ዓመት፡ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ይንገር። ካብቶም ዘጋጠሙ ጥሕሰታት ሕጊ ትራፊክ፡ እቶም 30%፡ ብሰንኪ ናህሪ ዘጋጠሙ ምንባሮም በዓል መዚ መጓዓዝያ ይሕብር። ፖሊስ ትራፊክ፡ ነቲ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ንቡር ኣገባብ፡ ብዲጂታላዊ ኣገባብ ብምቕያሩ፡ ብዝሒ ጥሰታት ሕጊ ክምዝገቡ ከምዝኸኣሉ ኣብ …

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 1555 ስራሕ ደው ናይ ምባል ምልክታ ተመሓላሊፉ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ 1555 ስራሕ ደው ናይ ምባል ምልክታ ከምዝተቐበለ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሓቢሩ። እዚ ቁጽሪ’ዚ፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ንደሓር፡ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ ተፈሊጡ። ብኻልእ ወገን፡ ብዝሒ ናይቶም ካብ ስራሕ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፡ 465 ሽሕ ብምብጽሑ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 8.9% በጺሑ። ጠንቂ ብዝሒ ስራሕ ደው ናይ ምባል ምልክታታት፡ እቲ ብመንግስቲ ዝተበየነ፡ ዝተረረ ሕግታት ኮሮና ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ …

Read More »

ወረቐት መንነቱ ዝጠፈኦ ሰብኣይ. . . . . . . ብገበን ጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሱ

ኣብ ከተማ ካልማር፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺምካ ተባሂሉ ብጌጋ ተኸሲሱ ዝነበረ ወደ 30 ዓመት ዝኾነ ሰብኣይ፡ ድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ማእሰርቲ፡ ብቤት ፍርዲ’ታ ከተማ፡ ነጻ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ ሓቀኛ ፈጻሚ ናይቲ ገበን፡ ኣቐድም ኣቢሉ ብፖሊስ ተታሒዙ ከምዝነበረ’ኳ እንተተፈልጠ፡ ፖሊስ፡ ነቲ ጉዳይ ክምዝግብ እንከሎ፡ በቲ ኣብ ኢድ’ቲ ገበነኛ ዝነበረት፡ ኣቐድም ኣቢላ ካብቲ ወዲ 30 ዓመት ሰብኣይ ዝጠፍአት ወረቐት መንነት፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com