Friday , May 17 2024

ካብዝን ካብትን

ሓንቲ ዓለም: ሓሳባትን ሳዕቤናቶምን (The Power of Ideas)

ኣማኑኤል ሳህለብተመክሮታትን ተምሳላትን ምስልታትን፡ ብምግንዛብን ምዝማድን ምንጽጻርን፡ ከምኡውን ብእተጠላለፈ ህዋሳዊ ፈትልታት ሓንጎል ወድሰብ፡ ካብ ምሕሳብ ኣየዕርፍን። ሰብ፡ ምሕሳብ ደው ምስ ዘብል፡ ምንባሩውን ኣይፈልጥን። በዚምኽንያትዚ ኸኣዩ ደካርት እተባህለ ፈረንሳዊ ፈላስፋ፡ እሓስብ፡ ስለዚ ኣለኹ፡ (cogito ergo sum) ዝበለ። ሓሳባት ወድሰብ፡ ሓድሓደ ግዜ ህድኣትን እምነትን ዘሕድረልና፡ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ብጭንቀትን ስግኣትን ዝመልኣና ኤለክትሮ- ማግነታውን ከሚካላውን ዋሕዚ እዩ። እንስሳታት ከም ሰብ ኣገናዚቦምን ኣዚሮምን ኣስፊሖምን …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på Tigrigna 23 October 2020

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på Tigrigna 21 Oktober 2020

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på Tigrigna 21 Oktober 2020

Read More »

ዋንጫ ክለባት ኤውሮፓ

ዋንጫ ኤውሮፓ ትማሊ ምሸት ፈሊሙ ። ኣርሰናል ምስ ራፒድ ቬና ዘካየደቶ ጸወታ 2 ብ 1 ተዓዊታትሉ። ኣርሰናል ካብ ኣትለቲኮ ዘምጸኣቶ ቶማስ ፓርቴይ ምሉእ ጸወታ ተጻዊቱ ክርእይዎ ባህጊ ደገፍቲ ኣርሰናልን እዩ ኔሩ።  ከም ትጽቢቶም ድማ ፓርቴይ ንናይ ቀደም ተጻዋታዮም ፓትሪክ ቬራ ዘዘኻኸሮም ክመስል ኣዝዩ ድንቂ ብቅዓት ኣንጸባሪቁ። ካብ ብዙሓት ተንተንቲ ስፖርት ድማ ውዱእ ኣከፋፋሊ፡ ኣብ መጀምርያ ጸወትኡ ልዑል ብቕዓት ዘርኣየ ተጻወታይ …

Read More »

ኩባንያ ስካንያ፡ 300 ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ክቖጽር መዲቡ

ዋላ’ኳ ቫይረስ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው እንተሃለወ፡ ዓርሞሾሽ ኩባንያ ስካንያ፡ ንጠለባት ዓማዊል ንምምላእ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ክቖጽር መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣመሓላሊፉ። ኣብ ሶደርቴልያ ዝርከብ ዝዓበየ ጨንፈር ኩባንያ ስካንያ፡ ኣስታት 300 ዝበጽሑ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ክቖጽር መዲቡ ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ብዙሓት ዓማዊል፡ ካብ ኩባንያ ስካንያ፡ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ክገዝኡ ጠለብ ብምቕራቦም እዩ። ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ናይዚ ዘለናዮ …

Read More »

ቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሽወደን፡ ንፈለማ ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ዝወሓደ ኮይኑ

ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ዝወሓደ ቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ከመዝግብ ትጽቢት ይግበር። እዚ ቁጽሪ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ 20 ዓመታት እቲ ዝወሓደ ምዃኑን ወጻኢታት ኢሚግሬሽን ድማ ብኡ መንጽር ክጎድል ከምዝኽእል እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ ቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተገምገመ ቁጽሪ (13000) ብቑሩብ ብምዝያድ ክሳብ 13,500 …

Read More »

ንድሕነት መምህራን፡ ካብ መንግስትን ሕብረተሰብን ዝግባእ ደገፍን ሓገዝን ኣይተረኽበን ተባሂሉ

መምህራን፡ ብዛዕባ ዲሞክራስን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን (Yttrandefrihet) ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ኣብ ዝምህርሉ እዋናት፡ ውሕስነት ንኽስመዖም፡ ካብ መንግስትን ሕብረተሰብን ዝግባእ ደገፍን ሓገዝን ስለዘይረኽቡ ዘለዉ፡ ዝሓሸ ሕጋዊ ውሕስነት ክግበረሎም፡ ማሕበር መምህራን ሽወደን፡ ጸዊዑ። ሓደ ካብ ሓላፍነት ናይ መምህራን፡ ንዲሞክራስን ናይ ማዕርነት ክብርታትን ምጥባቕ እዩ። ነዚ ሓላፍነት ንምትግባር ንሓደጋ ኣብ ዝቃልዕሉ እዋናት፡ ግቡእ ዝኾነ ውሕስነት ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም፡ ብቐሊሉ ክትቅበሎ ዘይትኽእል ምኽንያት እዩ ክትብል …

Read More »

ሓንቲ ህጻን ናብ ስቴፋን ሎቪን፡ ኣብ ሽወደን ዓሰርተ ዓመት ተቐሚጠ ንኽሰጉኒ ይዳለዉ ኣለዉ ዝብል ደብዳቤ ጽሒፋ

ጓል 14 ዓመት ህጻን፡ ሄልያ፡ ኣብ ሽወደን ዓሰርተ ዓመታት ተቐሚጣ እኳ እንተኾነት፡ ስድራኣ ዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ፡ ብኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ስለዝተነጽገ፡ ናብ መቦቆል ዓዶም፡ ኢራን፡ ክምለሱ ምዃኖም ዝሕብር ውሳነ ተዋሂብዎም ኣሎ። ሬድዮ ሽወደን ንስቅያት እዛ ዝበዝሐ ዕድሜኣ ኣብ ሽወደን ዝተቐመጠት ህጻን ኣመልኪቱ ሓደ ጻብጻብ ኣዳልዩ ኣሎ። ኣብ ሽወደን እየ ተማሂረን ዓብየን። ቋንቋ ፐርሺያ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣብ ኢራን ክቕመጥ እኽእል እየ ዝብል …

Read More »

ኣብ ናይ ጊኒየስታ (Gnesta) ባቡር፡ ኣጠራጣሪ ነገር ብምርካቡ፡ ብምልኡ ምንቅስቓሳት ናይ ባቡር ኣቋሪጹ

ኣብ ጊኒየስታ ዝርከብ ናይ ባቡር ተርሚናል፡ ዘይተፈልጠ ኣካል ከምተረኽበን፡ ምምሕዳር’ቲ ተርሚናል ድማ ነቷጒ ክኸውን ከምዝኽእል ብምሕባሩ፡ ፖሊስ፡ ናብቲ ቦታ መጺኦም፡ ንኩሎም ምንቅስቓሳት ናይ ባቡር ደው ክብሉ ድሕሪ ምሕባር፡ ዓቢ ዝኾነ ስርሒት ፈተሻ የካይዱ ምህላዎም SVT ሓቢሩ። ፖሊስ፡ ሰዓት 11፡37 ቅ.ቐ.፡ ብመንገዲ ሓደ ተሳፋሪ፡ ነቲ ሓበሬታ ከምዝተቐበሎ፡ ወሃቢት ቃል ፖሊስ፡ ኣንጀሊካ ሲልቬሪ፡ ገሊጻ። ብምልኦም ተሳፈርቲ፡ ካብቲ ባቡር፡ ብሰላም ከምዝወርዱ ድሕሪ ምግባር፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com