Thursday , May 2 2024

ካብዝን ካብትን

ናይ ትምህርቲ ስእሊ ንኽሳኣል፡ እታ ኣብ ክሳዱ ኣንጠልጢልዋ ዝነበረ መስቀል ንኸውጸኣ ተገዲዱ

ሓደ ወዲ 15 ዓመት ተማሃራይ፡ ናይ ትምህርቲ ስእሊ ንኽሰኣል፡ ኣብ ክሳዱ ኣንጥልጢልዋ ዝነበረ መስቀል ንኸውጻኣ ከምተገደደ፡ ኣንጻር ጉዳያት ዓሌትነት ዝጣበቕ ተሓላቕ ፍትሒ ገሊጹ። እታ ሰኣሊት፡ ናይ ትምህርቲ ስእሊ ንኽትሳኣል፡ እታ ኣብ ክሳድካ ዘላ መስቀል ኣውጽኣያ ኢላትኒ፡ ኣነ ውን ከምቲ ዝበለትኒ ጌረ ክብል እቲ ህጻን ከምዝሓበረ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ። ነቲ ጉዳይ ኣመልኪታ፡ እቲ ኩነት ክኸውን ዘይግበኦ እዩ ነይሩ፡ እንተኾነ …

Read More »

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ፡ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ገዲፋ፡ ናብ ሃገራ ተመሊሳ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ፡ ሳና ማሪን፡ ምስ ድሒራ ብኮሮና ቫይረስ ከም ተለኽፈት ዝፈለጠት ሰብ ተራኺባ ስለዝነበረት፡ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ገዲፋ፡ ናብ ሃገራ ተመሊሳ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ገሊጹ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድን ዴኒማርክን ኣቐዲመን፡ ነቲ ብኣካል ተረኺብካ ዝካየድ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ተቛዊመን ምንባረን ይዝከር። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዴኒማርክ፡ ሚት ፍሬድሪክሰን፡ ምስቶም ኣብ ብሮክሲል ዝርከቡ ዴኒማርካውያን ጋዜጠኛታት ዝገበረቶ ርክብ፡ …

Read More »

ፖሊስ ማልመ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣጽዋር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ የእትዮ

ትማሊ ሓሙስ ምሸት፡ ፖሊስ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ሄስትሆገን (Hästhagen) ዝርከብ መንበሪ ገዛ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣጽዋር ረኺቡ ክብል SVT ኣመሓላሊፉ። ናይ ተፍቲሽ  ስርሒት ንኸነካይድ ዘገደደና፡ እቲ ካብ ሓደ፡ ኣብ ትሕቲ መርመራ ፖሊስ ዝርከብ ሰብ፡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ እዩ ክትብል ወሃቢት ቃል ፖሊስ፡ ኢቭሊና ኦልሰን ሓቢራ። ብርክት ዝበላ ኣሃዱታት ፖሊስ፡ ካብ ከባቢ ሰዓት 5 ናይ ምሸት ጀሚረን፡ ኣብቲ ከባቢ ተፍቲሽ ከካይዳ ድሕሪ ምምሳይ፡ …

Read More »

ንዋጋታት ክዳውንትን ጫማታትን ዝውስኽ ሓድሽ እማመ ክፍሊት ግብሪ ቀሪቡ

ብስም ክፍሊት ግብሪ ኬሚካላዊ ባእታ ዝፍለጥ፡ ኣብ ልዕሊ ክዳውንትን ጫማታትን ዝብየን ሓድሽ እማመ ክፍሊት ግብሪ ንኽትግበር፡ መንግስቲ፡ ርእይትኡ ኣቕሪቡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ክዳውንትን ጫማታትን ዝውሰኽ መርዛም ኬሚካላዊ ባእታ ንምውጋድን ሃላኽነት ናይቶም ከምዚ ዓይነት ኬሚካል ዘለዎም ፍርያት ንምንካይን ዝዓለመ እዩ። ኩባንያታት መፍረ ክዳውንቲ ብወገኖም፡ እዚ ሓድሽ እማመ ክፍሊት ግብሪ፡ ንዓመታዊ ወጻኢታትና ዝውስኽ ስለዝኾነ፡ ንዋጋታት ናይቲ ፍርያት ከዛይዶ እዩ ክብሉ ከምዝሓበሩ …

Read More »

ኣብ ጽርግያ (ሃይ ወይ) ዝተወልደት ዕሸል

ጓሎም ንዳኒኤል ፔሪን ሶፍያ ዮሃንሶንን ዝኾነት፡ ኢዛቤላ ዝተባህለት ዕሸል፡ ናብ ዓለም ንኽትመጽእ ዝተሃወኸት ክትመስል፡ ወለዳ ናብ ሆስፒታል ቅድሚ ምብጽሖም፡ ኣብቲ ብE22 ዝፍለጥ ጽርግያ (ሃይወይ)፡ ጩራ ጸሓይ ክትርኢ ክኢላ ክብል መርበብ ሓበሬታ SVT ሓቢሩ። እቲ ዝነበረ ኩነታት፡ ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ዝፈጥር እዩ ኔሩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ናይ ታሕጓስ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ናይ ተርባጽን ፍርህን ስምዒታት ዝተፈጥረሉ ህሞት እዩ ኔሩ ክብል ዳኒኤል …

Read More »

ኣብ ማእከል ስቶክሆሎም፡ ሓንቲ መዐሸጊ መኪና (Parking) ንመሸጣ ቀሪባ

ኣብ ሶደርማልም፡ ስቶክሆሎም፡ ዝርከብ መዐሸጊ መኪና ንመሸጣ ብ 1,050,000 ክሮን ከምዝቐረበ ተሓቢሩ። እቲ መዐሸጊ መኪና ኣብ ሓደ ኣብ ሶደርማልም ዝተዶኮነ ጋራጅ ከምዝርከብ ተፈሊጡ። ዋጋ ናይቲ መዐሸጊ መኪና፡ ምስ ኩነታት ዕዳጋ ዝተሓሓዝ እዩ። እንተኾነ፡ ንኸምዚ ዓይነት ዕድጊ፡ ካብ ባንክ ልቓሕ ክትረኽበሉ ኣይከኣልን እዩ ክብል ነቲ ጉዳይ መሸጣ ዝከታተል መንጎኛ ገሊጹ። ቅድሚ ሕጂ፡ ዓሰርት ዝኾና መዐሸጊ መካይን ብሒሳብ 1 ሚልዮን ክሮን ንሓደ …

Read More »

ስደተኛታት ንምሕጋዝ ግዚኡን ጉልበቱን ዘወፈየ ሽወደናዊ ጥሮተኛ

ላርሽ ሎራን ኣንደርሶን ዝተባህለ ኣብ ባንክሪድ (Bankeryd) ዝነብር ሽወደናዊ ጥሮተኛ፡ ንስደተኛታት ንምሕጋዝ፡ ግዚኡን ጉልበቱን ዘወፊ ዘሎ እዩ። ኣብ ዓመተ 2015 ንዝመጹ ብዙሓት ስደተኛታት ዝሓገዘ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ሓንቲ ኡዝበኪስታናዊት ስድራ ቤት ናብቲ ሓደጋ ከጓንፋ ይኽእል እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ፡ ሃገረ ኣፍጋኒስታን፡ ንኸይትምለስ ብምሉእ ዓቕሙ ዝቃለስ ዘሎ እዩ ክብል ተለቪዥን ሽወደን ኣቃሊሑ። እዛ ኣብ ቫርናሞ (Varnamo) እትርከብ ኡዝበኪስታናዊት ስድራ ቤት፡ …

Read More »

ፖለቲካውያን ሰልፍታት ምስ መንግስቲ ንኸይተሓባበራ ምውሳነን፡ ዘሕዝን ስጉምቲ እዩ ይብል ሎቬን

ኣብ እዋን ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ንኣተሓሕዛ ጉዳይ ለበዳ ኮሮና ብዝምልከት፡ ስትራተጂ ንምሕንጻጽ፡ ምስ ኩሎም ፖለቲካውያን ወገናት ዝርርብ ብምክያዱን ኣብ ስምምዕ ምብጽሑን፡ ንዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ሽወደን ዘንጸባረቐሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ገሊጹ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ እዋን፡ ገለ ፖለቲካውያን ሰልፍታት፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝነበሮም እምነትን ምስ መንግስቲ ዝነበሮም ናይ ምትሕብባር መንፈስን ከጉድሉ ክርኢ …

Read More »

H&M፡ ዝኣረገ ክዳውንቲ ናብ ሓድሽ ክዳውንቲ ዝልውጥ ሓድሽ ኣገባብ ምሂዙ

ኣብ ድሮትኒንጋታን (Drottninggatan) ስቶክሆሎም ዝርከብ ቤት መሸጣ ክዳውንቲ H & M፡ ካብ ሎሚ ዕለት 13/10/2020 ጀሚሩ፡ ዝኣረጉ ክዳውንቲ ከም እንደገና ኣብ ጥቕሚ ከምዝውዕሉ ዝገብር ኣገልግሎት ከምዝጀመረ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ገሊጹ። ዝኣረጉ ክዳውንቲ ምስ ተቐበለ፡ ሓጺቡ፡ ብሕብሮምን ዓይነቶምን ፈልዩ ድሕሪ ምጥሓኑ፡ ፈቲጉ፡ ናብ ፈትሊ ብምቕያር ዝኾነ ዓይነት ቀመማት ከይሓወሰ ከምእንደገና ክዳን ክሰርሖም ይኽእል። መጠን ብዝሒ ናይቶም ዝተቐበሎም ክዳውንቲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ …

Read More »

ብናይ ውልቂ ነፋሪት መጺኦም፡ ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት

ብዓርቢ ዕለት 9/10/2020 ሓንቲ ናይ ውልቂ ነፋሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሙዩኒክ ዓሊባ። ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብዙሓትን ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝመጻ ነፈርቲ ከምዘአንግን ንቡር እኳ እንተኾነ፡ ናይዛ ነፋሪት’ዚኣ ዛንታ ግን ፍልይ ዝበለ እዩ። እዛ ነፋሪት፡ ኣርባዕተ ኣባላት ናይ ሓደ ዒራቓዊት ዲፕሎማሰኛ ስድራ ቤት ሒዛ እያ ዓሊባ። እታ ስድራቤት፡ ብወዲ 49 ዓመት ኣቦ፡ ጓል 44 ዓመት ኣደ፡ ወዲ 12 ዓመት ውሉድን ጓል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com