Friday , May 17 2024

ካብዝን ካብትን

ሽወደናዊ ሓኪም፡ ቅድሚ ውጽኢት መርመራ ምፍላጡ፡ ካብ ኮሮና ነጻ ዝብል ምስክር ወረቐት ይጽሕፍ

ኣብ ዮተቦሪ እትርከብ ሕክምና ኣስኪም (Askim) ዝሰርሕ ሓኪም፡ ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ክህብ ምጽንሑ ተለቪዥን ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ሕክምና ዝሰርሑ ሓካይም፡ ቅድሚ ውጽኢት መርመራ ቫይረስ ምቕባሎም፡ ምስክር ወረቐት ክጽሕፉ ኣይግባእን እዩ ክትብል ኣብ ቤት ጽሕፈት ምክትታል ጥዕና ሓላፊት ዝኾነት ማሪ ኣን ላርሲን፡ ገሊጻ። ብዙሓት ሃገራት ዓለምና፡ ንዝመጹ ኣጋይሽ፡ ካብ ኮሮና ነጻ ምዃኖም ዝሕብር ምስክር ወረቐት ከምዝሓታ ይፍለጥ። …

Read More »

ቻይና. . . ኩባንያ ሁዋዊ ካብ ጨረታ 5G ብምኽልካላ፡ ኣብ ልዕሊ ኩባንያታት ሽወደን፡ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ’ዩ

መንግስቲ ሽወደን፡ ንኩባንያታት ሁዋዊን ዚ.ቲ.ኢ. ን ኣብ ጨረታ ናይ 5G ንኸይሳተፉ ምኽልካሉ፡ ነተን ኣብ ቻይና ዝርከባ ኩባንያታት ሽወደን ብኣሉታ ክጸልወን ስለዝኾነ፡ ውሳኔኡ ክልውጥ ኣዘኻኺሩ ክብል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ቻይና ኣጠንቂቑ ክብል ሬድዮ ሽወደን፡ ንጸብጻባት ሮይተርዝ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣቃሊሑ።   በዓል መዚ ኣገልግሎት ፖስታን መራኸቢታትን ሽወደን፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ንቻይናውያን ኩባንያታት ሁዋውን ዚቲኢን፡ ብጸጥታዊ ዓይኒ ጠሚቱ፡ ኣብ መስርሕ ጨረታ 5G ንኸይሳተፋ …

Read More »

ፖሊስ ሊንሾፒን፡ ገበናት ንምክልኻል፡ ሰብ ኣልቦ በረርቲ (ድሮን) ክጥቀም ጀሚሩ

ፖሊስ ሊንሾፒን፡ ገበናት ንምክልኻልን ጸጥታ ከባቢ ንምውሓስን፡ ኣብ ሰማያት ከባቢ ዂድን (Ryd) ዂይቶርፕን (Skäggetorp) ን24 ሰዓታት፡ ካሜራታት ዝዓጠቓ ሰብ ኣልቦ በረርቲ ክጥቀም ወሲኑ ኣሎ። እዚ ውሳነ፡ ካብ 19/10/2020 ክሳብ 18/01/2021 ዕድመ ዘለዎ ምዃኑ፡ ፖሊስ፡ ኣብ ኤሌክትሮኒካዊ ገጻቱ ሓቢሩ። ቀዳማይ ዕላማ ናይዚ ውሳኔ፡ ፖሊስ፡ ንመበገስን መራገፍን ናይቲ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝንቀሳቐስ ዕጸ-ፋርስ ንምክትታል እዩ። እዚ ሓድሽ ውሳኔ፡ መመላእታ ናይቲ ነካይዶ ዘለና …

Read More »

ውድድራት ቻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮፓ

ትማሊ ምሸት፡ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውድድራት ቻምፕዮንስ ሊግ፡ ብፍላይ ኣብ መንጎ ፒ.ኤስ.ጂ ን ማንቸስተር ዩናይትድ ዝተገብረ ጸወታ ኣዝዩ ተሃራፍን ደስ ዘብልን ኮይኑ ኣምስዩ። ንዩናይትድ ሓለቓ ጋንታ ኮይኑ ዝመርሐ፡ ፖርቱጋላዊ ቡሩኖ ፈርናንደስ፡ ፍጹም ቅላዕ ረኺቡ ናብ ሸቶ ቐይርዋ። ዩናይትድ ብሓደ ሸቶ ክትመርሕ ከምዘይጸንሐት ሸቶ ከቑጽረላ እትጽበዮ ኣጥቃዒኣ፡ ኣንቶንዮ ማርሻል፡ ብኣንጻሩ ናብ ገዛእ ልዳቱ ሸቶ ስለዘቑጸረ 1 ብ 1 ተመዓራርዮም። ይኹን እምበር …

Read More »

ሽወደን፡ ንቻይናውያን ኩባንያታት ሁዋዊን (Huawei) ዚቲኢን (ZTE) ኣፍደጊኣ ትዓጹ

ኣገልግሎት ፖስታን መራኸቢታትን ሽወደን፡ ንመርበብ 5G ሽወደን ተባሂሉ ናይ ቻይናውያን ኩባንያታት፡ ሁዋዊን (Huawei) ዚቲኢን (ZTE) ፍርያት፡ ኣብ ኣገልግሎት ንኸይውዕል ከምዘጠንቀቐ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። ኣገልግሎት ፖስታን መራኸቢታትን ሽወደን፡ ንመርበብ 5G ሽወደን ብዝምልከት፡ ካብ ዕለት 10/11/2020 ጀሚሩ ን10 መዓልታት ዝጸንሕ፡ ቀዳማይ ጨረታ ከካይድ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። ብሓይልታት ምክልኻልን ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ሽወደንን (SAPO) ምስ ጸጥታዊ ኩነታት ሽወደን ዝተሓሓዝ  ዝቐረበ ገምጋም …

Read More »

ፖሊስ፡ ከም ዕምባባታት (ፍዮሪ) ዝሸጡ ተመሲሎም ዘደናግሩ ሰረቕቲ፡ ተጠንቀቑ ይብል

ማሕበረሰብ ሽወደን፡ ካብቶም ካብ ሰብኣውያን ማሕበራት ከም ዝተላእኩ ተመሲሎም፡ ናብ ገዛውቲ እናዞሩ፡ ዕምባባታት ዝሸጡ ሰረቕቲ ክጥንቀቁ ከምዝግባእ ፖሊስ ሽወደን ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። ነዞም ሸያጦ፡ ኣብ ገዝኦም ተቐቢሎም ዕምባባታት ኣብ ዝገዘእሉ እዋን፡ መስርሕ ምዕዳግ ዕምባባታት፡ ብስርቂ ከምተዛዘመ ብዙሓት ሰባት ሓቢሮም ክብል፡ ፖሊስ፡ ኣብ ኤሌክትሮኒካዊ መስመር ሓበሬትኡ ገሊጹ። እዞም ሰረቕቲ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብምንቅስቓስ ነቲ ገበናዊ ፍጻሜኦም …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ድልድል ኦረሱንድ ዝርከብ መስመራት ጉዕዞ ባቡራት ስርሑ ጀሚሩ

ሎሚ ንግሆ፡ ብሰንኪ ኣብ ናይ ባቡር ምልክታት ዝተፈጥረ ብልሽት፡ ጉዕዞታት ናይ ባቡር ኣቋሪጹ ምርፋዱ ይፍለጥ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ዝነበረ ብልሽት ተጸጊኑ ከምዘሎን፡ ምንቅስቓስ ናይ ባቡር ድማ ናብ ንቡር ኩነታት ተመሊሱ ኣሎ ክብል በዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። ብሰንኪ ኣቐዲሙ  ዘጋጠመ ብልሽት፡ ንዝቕጽል ሓጺር እዋን፡ ናይ ጉዕዞ ምዱኑጋያት ክህሉ እዩ ክብል እቲ በዓል መዚ …

Read More »

40% ካብቶም ሓደስቲ ናብ ሽወደን ዝመጹ መንእሰያት ናይ ድቃስን ኣትክሮን ጸገማት ኣለዎም

ኣስታት 40% ካብቶም ሓደስቲ ናብ ሽወደን ዝመጹ መንእሰያት፡ ብሕማቕ ተዘክሮታት፡ ዋሕዲ ድቃስን ናይ ኣትክሮ ጸገማትን ከምዝሳቐዩ፡ ኣብ ኮሌጅ ቀይሕ መስቀል ዝርከቡ ተመራመርቲ ዘካየድዎ ሓዲሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ከምዚ ዓይነት ምልክታት ድማ፡ ድሕሪ ኣሰቃቒ (ኣሰምባዲ) ኩነት ዝፍጠር ዘይምርግጋእ (Posttraumatisk stressyndrom) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ኣብቶም ካብ ኣፍጋኒስታትን ብዘይ ስድረኦም ዝመጹ መንእሰይት፡ ጎሊሑ ዝረአ እዩ ክብል እቲ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ከም ዝጠቐሰ፡ መርበብ ሓበሬታ ተተ …

Read More »

ከተማ ዮንሾፒን፡ ብዘይ ውዑይ ማይን መውዓይ ገዛውትን

ሎሚ ሰኑይ ንግሆ ብሰንኪ ኣብ መደበር ፖምፓ ብዘጋጠመ ብልሽት፡ ኣብ ከተማ ዮንሾፒን ዝርከብ ኣገልግሎት ውዑይ ማይን መውዓይ ገዛውትን ኣቋሪጹ ከምዘሎ፡ ብሰንኪ’ዚ ድማ ኣስታት 30 ሽሕ ዝኾኑ ተቐማጦ’ታ ከተማ ተጸልዮም ምህላዎም መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። እቲ ብልሽት ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ከምዘጋጠመን፡ ንምጽጋኑ ድማ ሰዓታት ክወስድ ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

Read More »

መሰረታውያን ደፋእቲ ሓይልታት (Evolutionary Forces)

ኣማኑኤል ሳህለ ኩሉ ፍጥረት፡ ዚረአ ይኹን ዘይረአ፡ ቀጻሊ ዚኽተሎ ሕግታትን ኣገባባትን ኣለዎ። ካብኡ ምልጋስ ጸገማት ስለ ዘኸትል ከኣ፡ እዚ ሕግታትዚ ከም ሓቂ ኪውሰድ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዚ እቲ ተግባር ካብ ሕጊ ወጻኢ ዚኸይድ ዘሎ ይመስል። ተጋግዩ ክንብሎ ግን ኣይንኽእልን። ንዓና ብዘይርደኣና ተወሳኺ ሕግታት ኪምራሕ ይኽእል እዩ። ገለ ፍጻመታት ጸኒሑ ማለት ኣእምሮ ሰብ ምስ ማዕበለ ኪግለጽ ዘለዎ ሓቂ እዩ። ፊዚካውን ከሚካላውን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com