Thursday , May 2 2024

ካብዝን ካብትን

ኣብ ከተማ ዮተቦሪ፡ ብሰንኪ ናይ ቅትለት መልእኽቲ ዘስዓቦ ስግኣት፡ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ተዓጽያ

ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ተጠቃሚ ኢንስተግራም፡ ኣንጻር ሓንቲ ኣብ ከተማ ዮተቦሪ እትርከብ ኢንተርናሽናል ቤት ትምህርቲ (ISGR)፡ ናይ ቅትለት ፈተነ ከካይዱ ምዃኑ ድሕሪ ምጽሓፉ፡ እታ ቤት ትምህርቲ ን800 ተማሃሮኦ ኣብ ቤቶም ንኽጸንሑ ሎሚ ከምዝሓበረት ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። ምምሕዳር’ታ ቤት ትምህርቲ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ኣመልኪታ፡ ንፖሊስ ከምዝሓበረን፡ ነቲ ጉዳይ ንምክትታል ድማ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ ከምዘሎን ተፈሊጡ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ፡ ከምዚ ዓይነት ናይ ምፍርራህ መልእኽቲ፡ …

Read More »

ኤውሮፓዊ እማመ ስደት፡ ንሓተቲ ዑቕባ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከእቱ ዝኽእል ውሳነ እዩ ተባሂሉ

ኣብ ኤውሮፓዊ እማመ ስደት ተጠቒሱ ከምዘሎ፡ ንሕቶ ዑቕበኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት፡ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ምምላስ ዝብል ነጥቢ፡ ንኽትግበር፡ እቶም ስደተኛታት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ (ማእሰርቲ) ክጸንሑ ዘገድድ መስርሕ ክሓልፉ እዮም። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ፡ ቅቡል ኣይኮነን፡ ክብሉ ብርክት ዝበሉ ሽወደናውያን ክኢላታት ከምዝተዛረቡ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እቲ ሓድሽ እማመ ከምዝሕብሮ፡ ሓደ ስደተኛ፡ ኣብ ዶባት ኤውሮፓዊ ሕብረት መጺኡ ሕቶ ዑቕባ ምስ ዘቕርብ፡ ኣብ ውሽጢ …

Read More »

ስፖቲፍያ (Spotify)፡ ንደርፍታት፡ ብትሕዝቶ ግጥምታቶም ደሊኻ ክትረኽቦት ዘኽእል ሓድሽ ኣገልግሎት ጀሚሩ

እዚ ሓድሽ ኣገልግሎት፡ ነቶም ስም ኣርቲስት ወይ ስም ደርፊ ዘይፈልጡ ሰባት፡ ብገለ ካብ ትሕዝቶ ግጥማ ጽሒፎም ነታ ደርፊ ክረኽብዋ ዘኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ቤት መስተ፡ መዘናግዒ ቦታታትን ካልእን፡ ደስ ዝብሎም ደርፊ ይሰምዑ’ሞ፡ ስም ናይታ ደርፊ ስለዘይፈልጡ ግን ንምርካባ ክሽገሩ ክትርኢ ንቡር እዩ ጸኒሑ። ምስ ምትእትታው ናይዚ ሓድሽ ኣገልግሎት ግን እዞም ዝነበሩ ጸገማት ክፍትሑ ምዃኖም ስፖትፋይ ሓቢሩ። እዚ ሓድሽ ኣገልግሎት፡ …

Read More »

ኡልፍ ክሪስቸንስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን፡ ልዑል ተኽእሎታት ኣለዎ

ኣብ ተሌቪዥን ሽወደን ከም ተንታኒት ፖለቲካ ኮይና እትሰርሕ ኤልሳቤጥ ማርሙቸን፡ ኣቦ መንበር ዓቃባዊ ሰልፊ ኡልፍ ክሪስቸንስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ምዃን ዕድሉ ዓብዩ ምህላዉ እንተኾነ ግና ንምጽንባሉ ክህወኽ ከም ዘይብሉ ገሊጻ። ዝቕጽል ባይቶኣዎ ምርጫ ሽወደን፡ ከም ኣብ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ዝግበር ረፈረንዱም ዝመስል እዩ ዝበለ፡ ክሪስቸንስ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰልፍታት ሚልዮፓርትየትን ሶሻል ዲሞክራትናን ዝተገብረ ስምምዕ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ኣመልኪቱ ክምዝገለጾ ሓቢሩ። ክሪስቸንስ፡ ጽምብላት …

Read More »

ሓቀኛ ዛንታ፣ከይደቐስኲ ዝሓለምክዎ ባህጊ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦምካልኣይን መወዳእታን ክፋል “እንድዒ ጓለይ እዚ ቅልጥፍ ኢልካ ትገብሮ ነገራት፡ መወዳእታኡ ሳዕቤን ኣለዎ። ንስኺ ድማ ክትጥቀቒ ኣለኪ” ዕትብ ኢላ ተዛረበታ።“በሊ ከይትቕየምኒ እምበር፡ ኣነ’ስ መታን ክኣምንኒ ውዒለዮ’የ። ደጋጊሙ ምስ ለመነኒ ከይከስሮ ብምባል ውዒለዮ፡” እቲ ሓቂ ተናስሓትላ።“ክኸውን ኣይነበሮን ሄለን! ግና ዝፈሰሰ ስለዘይሕፈስ፡ ኣብ ፍታሕ ጥራይ ነድህብ ሕጂ። ቀልጢፍኪ ወድኣለይ በልዮ። ንሱ’ዩ እቲ ዝሓሸ እምበር፡ ኣብ ዘይጭበጥ ሕልሚ ተህተፍትፊ ከይትህልዊ’ዩ ፍርሐይ። ባህጊ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፡ ፈተናን እምነትን ተስፋን (Trials, faith and hope)

ኣማኑኤል ሳህለ ኩሉ ሓላፋይ እዩ፡ ትዕግስቲ ጥራይ ይሃሉኻ፡ ዚብል ሰብ ብዙሕ እዩ። ኣብዚ ምኽርዚ ክልተ ሕቶታት ኪለዓሉ ይኽእሉ፤ ኩሉ ሓላፋይ እዩ ክንብል ከሎና፡ እንታይ ማለትና ኢና? ዘይሓልፍ ፈተና ኸኣ ኣሎ እኮዩ፡ ማለት ክሳዕ መቓብርካ ደድሕሬኻ ዚስዕብ ፈተናን መከራን። ትዕግስቲ ክንብል ከሎናኸ ነቲ ናይ እተፈላለዩ ሰባት ናይ ተጻዋርነት ተኽእሎ ኣብ ግምት ኣእቲናዮ ዲና? ደረጃታት ተጻዋርነት ሰብ እተፈላለየ ምዃኑ ንፈልጥ ዲና? ናይ …

Read More »

ትምህርቲ ቛንቛ ሽወደን SFI፣ En insändare SFI D ብ መም ሃገር ተክላይ

Read More »

ብጸሊም ንዘስርሑ ወገናት ንምርካብ፡ ፖሊስ፡ ናይ ምፍታሽ ስርሒት ኣካይዱ

ፖሊስ ምስ ካልኦት መንግስታውያን ትካላት ብምትሕብባር፡ ኣብ ልዕሊ 100 ኣብ ስካራቦሪ ዝርከባ ኩባንያታት ኣንጻር ዝካየዱ ናይ ምትላል መስርሕን ዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣሰራርሓን ዝዓለመ ተፍቲሽ ከምዘካየደ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ፖሊስ፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኩባንያ፡ 14 ዝበጽሑ ዘይሕጋውያን ሰራሕተኛታት (ብጸሊም ዝሰርሑ) ከምዝረኸበ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ፍጻሜ፡ ኣቓልቦ ክግበረሉ ዘለዎ ነገር እዩ ክብል ሓላፊ ናይቲ ስርሒት፡ ሞርጋን ቲርኒንግ፡ ሓቢሩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ፡ ነተን …

Read More »

ሽወደን ብ ሸቶ ኣለክሳንደር ኢሳቕ ተሓጊዛ ትዕወት

ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ትማሊ ምሸት ካብ ሃገራ ወጻኢ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሩስያ ዝነብራ ናይ ምሕዝነት ጸወታ ብ ዓወት 2ብ 1 ተዓዊታ። ኣብቲ ካብ መፈለምትኡ ኣብ መስመር ምጥቃዕ ን ኣለክሳንደር ኢሳቅ ኣሰልፋ ዝጀመረቶ ግጥም፣ገና ኣብ መበል 21 ደቂቅ ካብ ኣለክሳንደር ዝረኸበታ ሸቶ ተሓጊዛ እያ ንዕረፍቲ መሪሓ ወጺኣ። ኣብዚ ግጥም ብዙሓት ንኣሽቱ ተስፋ ዘለዎምን ተጻወቲ ዝተሰለፉሉ ጸወታ፣ ሸወደን እንተድኣ ዕድል ሂባቶም መጻኢ …

Read More »

ኣውሮፓዊ ሕብረት፡ ንእማመታት ኢሚግሬሽን ክዝቲ ጀሚሩ

ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ኣውሮፓዊ ሕብረት፡  ነቲ ብሽወደናዊት ኮሚሽነር ዑቕባን ውሽጣዊ ጉዳያትን፡ ኤልቫ ዮሃንሶን ዝቐረበ እማመ ኢሚግሬሽን ንምዝታይ ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ በልጄም፡ ብራስለስ፡ ከም እተረኽቡ ተፈሊጡ። ዮሃንሶን፡ ብዛዕባ ዘቕረበቶ እማመ ኣመልኪታ፡ ተሳተፍቲ ወገናት ክሰማምዕሉ ተስፋ ከም ዘለዋ ገሊጻ ክብል ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ዋላ’ኳ ኩለን ሃገራትን ባይቶታትን ሓደ ዓይነት ኣጠማምታ ክህልወን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት እንተዘይብለይ፡ ንዘቕርቦ እማመ ክቕበላ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com