Thursday , May 2 2024

ካብዝን ካብትን

ሓንቲ ሰበይቲ፡ ንገንዘባዊ ምትላል ተቓሊዓ . . . . . . ባንክ ድማ፡ ክሕሳ ኣይከፍልን’የ ይብል

መይ ብሬት ዝተባህለት ጓል 80 ዓመት ሰበይቲ፡ ብሓደ ሰራሕተኛ ናይ ባንክ እየ ኢሉ ዝደወለላ ሰብ፡ ንገንዘባዊ ምትላል ከምዝተቓልዐትን፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ እዛ ጓል 80 ዓመት፡ 900 ሽሕ ክሮን ከምዝኸሰረት (ከም ተሰርቀት) ተፈሊጡ። መጠን ብመንገዲ ቴሌፎን ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዝካየዱ ናይ ምትላል ተርእዮታት፡ እናበዝሑ ይመጹ ምህላዎም ዝፍለጥ  እዩ። ምኽንያቱ፡ መብዛሕትኦም ኣረጋውያን፡ ዲጂታላዊ መስርሕ ናይ ባንክ ይኽተሉ ስለዘለዉ እዮም። ኣብ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት፡ …

Read More »

ንስደተኛታት ዝኽፈቱ ዕድላት ናይ ስራሕ፡ እኹላት ከምዘይኮኑ ጸብጻባት ሓቢሮም

ናይ ስደተኛታት፡ ሕሉፍ ናይ ስራሕ ተመክሮታትን ብቛንቋ ሽወደን ዝውሰድዎ ስልጠናታትን፡ ስራሕ ንምርካብ ኣብ ዝኽፈቱ ዕድላት፡ ዓቢ ጽልዋ ከምዘይብሎም ንጋዜጣ ዳጊኒዝ ኔሂተር ዘቕረቦ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር ሬድዮ ኢኮት (IKOT) ኣቃሊሑ። እቲ ጸብጻብ፡ ብሰለስተ ኣብ ትካል ንግዳዊ መጽናዕቲ (IFN) ዝሰርሑ ናይ ቁጠባ ክኢላታት፡ ንኹነታት ካብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝመጹ ስደተኛታት ድሕሪ ዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ዝተጻሕፈ እዩ። መባእታዊ ደሞዝ ናይ ትሑት ደረጃ ስራሕ ክጎድል፡ …

Read More »

ሽወደን፡ ዝለዓለ መጠን ግዳያት ዕጸ-ፋርስ ኣለዋ ተባሂሉ

ብመሰረት ጸብጻብ ኤጀንሲ ምክልኻል ዕጸ-ፋርስ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ሽወደን፡ ብሰንኪ ዕጸ-ፋርስ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሮም ብተዛማዲ ዝበዝሐ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኤስቶንያ ዝበዝሑ ግዳያት ከም ዝነበርዋ ዘዘኻኸረ እቲ ጸብጻብ፡ ሽወደን፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ካብ ሓደ ሚልዮን ሰባት፡ 81 ከም ዝሞቱ እዚ ድማ ምስ ማእከላይ ገምጋም ግዳያት ሕብረት ኣውሮፓ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝዛይድ ምዃኑ ተፈሊጡ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ። መጠነ …

Read More »

ዝተፈላለያ ማሕበራት፡ ናይ 3.5% ወሰኽ ደሞዝ ኣብ ጽላታት ጥዕና፡ ድሕነትን ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርትን ክግበር ጸዊዐን

ማሕበር ኣስራሕቲ ምምሕዳራትን ምምሕዳራት ከተማን (Kommunal)፡ ነቶም ኣብ ጽላታት ኣሃዱ ጥዕና፥ ትምህርቲን ክንክን ሽማግለታትን ዝሰርሑ ኣባላት ናይ 3.5% ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም፡ ሰባት፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ዘጥፍእዎ ናይ ትጽቢት ግዜ ንሓዋሩ ንኽውገድን ጻውዒት ኣቕሪቦም ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ፕረዚደንት እቲ ማሕበር፡ ቶቢያስ ቦደን፡ እዞም ደሞዝ ክውሰኹ ኣለዎም እንብሎም ዘሎና ሰራሕተኛታት ኮሙን፡ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ኣብ ቀዳማይ መስመር ኮይኖም ክሰርሑ ዝጸንሑ …

Read More »

ኣብ ዴኒማርክ፡ ማስክ ምኽዳን ዝረሰዐ ሽወደናዊ፡ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ተበይንሉ

ህዝባውያን መጓዓዝያታት ዴኒማርክ ክትጥቀም እንከለኻ፡ ማስክ እንተዘይ ጌርካ እንታይ ከምዘጓናፈካ ትፈልጥ’ዶ፧ ንሓደ ሽወደናዊ ሰብኣይ ዘጓነፎ ከም መብርሂ ክኾነና ይኽእል እዩ። ኣብ ሄልሰንዮር፡ ሓደ ኣብ 50ታት ዝዕድሚኡ ሽወደናዊ ሰብኣይ፡ ኣብ ኢዱ ሒዝዋ ዝነበረ ማስክ ከይተኸደና ረሲዕዋ ብምጽንሑ፡ ተቖጸጻርቲ ምስ ረኣየ ተኸዲንዋ። ይኹን እምበር፡ እቶም ተቖጻጸርቲ፡ ከይተኸደና ምጽንሑ ስለዝረኣዩ፡ ጥሕሰት መምርሒታት ኮሮና ፈጺምካ ኢሎም ሓበርዎ። እቲ ሽወደናዊ ሰብኣይ፡ ማስክ ብዘይምኽዳኑ፡ ክሳብ 3200 …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ፣ከይደቀስኩ ዝሓለምክዎ ባህጊ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦምቐዳማይ ክፋል እቲ ፍጻመ ልክዕ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። እዋኑ ሄለን ኣብ ታኼላ ሓጐስ ተሸሚማ ንዓለም ኣይትጽረኒ ዝበለትሉ እዋን’ዩ። ኣብ እዋን ለይቲ ወትሩ እትሓልሞ፡ ብቐትሩ ድማ እትብህጐ ናይ ወትሩ ባህጋ፡ እዋኑ ኣኺሉ ናብ ናይ መዛዘሚ ፍጻመ እናተቓረበ ይኸይድ ብምንባሩ፡ ከም’ታ ወርሒ እቲኣ ገይራ ብሓጎስ ዘሕለፈቶ ግዜ ውሑድ’ዩ። እቲ ዘይጭበጥ ዝመስላ ዝነበረ ባህጊ ክትውንኖ ብምቕራባ።ነቲ ናይ ሓጐስ ፍጻመ ኣብ ሎሚ ኮይና …

Read More »

ገለ ኣስተንትኖ ብዛዕባ ጥልመት

“ሰብ መወዳእታኡ ንገዛእ ሕልናኡ እዩ ዝጠልም”ዮሴፍ ኮንራድ ክሕደት ንኽህሉ ኣቐዲሙ ዝተነብረ እምነት ክህሉ ግድነት እዩ። ሓደ ሰብ ንብጻዩ፥ ስድራኡ፡ ሕብረተሰቡ ወይ ኣሚኑ ጠሊሙ ክበሃል እንተኾይኑ ንነፍሲ-ወከፍ እዞም ዝተዘርዘሩ ባእታታት ገለ ግዴታ ከም ዘለዎ እንተስ ዝተጻሕፈ ያታዊ ወይ ብሕልና ዝተነብረ ውዕል ክህሉ ኣለዎ። ብጻይነት፥ ሓዳርን ዜግነትን ረዚን ትርጒም ከም ዝህልዎም ዝገብር ብመሰረቱ እዚ ብሕልና ዝኽተም ውዕል (ኪዳን) እዩ።እቲ ብጥልመት ዝፈርስ ‘ኪዳን’ …

Read More »

ክታበት ህጻናት፡ ኣብ ሽወደን፡ ብዝለዓለ ደረጃ ይሳለጥ ምህላዉ ተገሊጹ

ሽወደናዊ ፕሮግራም ክታበት ህጻናት፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና እውን ይሳለጥ ምህላዉ፡ ብበዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ዝቐረበ ትንታነ ሓቢሩ። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ህጻናት እንተ ዘይተኸቲቦም ክስዕብ ብዛዕባ ዝኽእል ሓደገኛ ኩነታት ኣመልኪቱ ከምዘጠንቀቐ ዝዝከር እዩ። ኣብ ሽወደን፡ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና እናሃለወ፡ ክታበት ህጻናት ብጽቡቕ ይሳለጥ ምህላዉ TT ሓቢሩ። ኣብ መበል 18 ወርሒ ዕድሜኦም፡ ህጻናት ናይ ንፍዮን ካልእን ክታበት ይቕበሉ ምህላዎም ተገሊጹ። እቶም ኣብ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ማሕበራዊ ውሕስነት ዝጸንሐ ምትእምማን፡ ብሰንኪ ክፍሊት መልዕሎ፡ የንቆልቅል

ብሓሶት ዘመድካ ምሟቱ ምሕባር ወይ ግዒዝካ እናሃለኻ ዘይምሕባርን ዝኣመሰሉ ኣብ ናይ ክፍሊት መልዕሎ ዝግበሩ ዓሎቓት፡ ዓመታዊ ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ክሮና ክሳራ ዘስዕቡ ዘለዉ ልሙዳት ኣገባባት ምትላል እዮም። በዓልመዚ መልዕሎ (ጥሮታ) በዚ ምኽንያት ኣገባብ ክፍሊት መልዕሎ፡ ከጸንክሮ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ SVT ሓቢሩ። ሓላፊ ክፍሊ ፍርያምነት እቲ በዓልመዚ፡ ማግነስ ሮዲን፡ እዞም ዓሎቐኛታት እንድሕር ብኸምዚ ቀጺሎም ኣብ ክንዲ ናይ ምሉእ ህይወቶም ክፍሊት መልዕሎ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ክዉንነትን ጽላሎቱን (Reality and its shadow)

ኣማኑኤል ሳህለ ወድሰብ መጀመርያ ኣብዚ ዓለም ምስ ተቐልቀለ፡ ሃዳናይን ኣካባይ ቋርፍን እዩ ነይሩ (hunter gatherer)። ኣብ ምህዳን፡ ሰለስተ ነገራት እዮም ዚዋስኡ፤ እቲ ሃዳናይ፡ እቲ ዝህደን፡ እቲ ንምህዳን ዘገልግል መሳርያ። ሃዳናይ ኲናቱ ሒዙ ናብ መሮር ይጓዓዝ። ኣብኡ ድማ ርሕቕ ኢሉ ሳዕሩ ዚግህጽ ዓጋዜን ይርኢ። ኲናቱ ይውርውረሉ። ኵናት ኣብ ከብዲ ዓጋዜን ይኣቱ። ዓጋዜን ይመውት። ሃዳናይ ድማ ድራሩ ተሰኪሙ ንበዓቱ ይኣቱ። ንሱን ደቁን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com