Friday , May 17 2024

ካብዝን ካብትን

ምምሕዳር ዮምትላንድ፡ ናይ መጀመርያ በረድ ናይዚ ወቕቲ ተአንግድ

ሎሚ ንግሆ፡ ኣብ ምምሕዳር ዮምትላንድ ዝርከብ ከባቢ ስቶርሊየን (Storlien)፡ 1 ሴንቲ ሜትር ቀጻላ ዘለዎ ናይ መጀመርያ በረድ ናይዚ ወቕቲ፡ ከምተራእየ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ምምሕዳር ሄሪዳለን ዝርከብ ከባቢ ተንዳለን (Tänndalen) ውን በረድ ከምዝወረደ ተሓቢሩ። በረድ ብምውራዱ ሑጉሳት ኢና፡ ንክረምቲ ውን ክንዳለወሉ ኢና ክብል ኣካያዲ ስራሕ ናይ ሓንቲ ኣብ ተንዳለን እትርከብ መደበር መንሸራተቲ በረድ፡ ራስሞስ ቤንት፡ ሓቢሩ።  

Read More »

ገደብ ግዜ ክለሰ ሓሳባዊ ፈተና፡ መምርሒ ፍቓድ መኪና፡ ተናዊሑ

ገደብ ግዜ ክለሰ ሓሳባዊ ፈተና መምርሒ ፍቓድ መኪና (teoriprov) ክሳብ ወርሒ መስከረም ናይ ዝቕጽል ዓመት ከምዝተናወሐን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ እቲ ገደብ ግዜ፡ ክሳብ ወርሒ መስከረም ናይዚ ዓመት’ዚ ከምዝናዋሕ ተገይሩ ምንባሩ ይዝከር ክብል  ምምሕዳር በዓል መዚ መጓዓዝያ ገሊጹ ክብል TT ሓቢሩ። ጠንቂ ናይዚ ምንዋሕ፡ በዓል መዚ መጓዓዝያ፡ ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኮሮና፡ ንብዝሒ ፈተናታት ምዝዋር መኪና ብምጉዳሉ እዩ። …

Read More »

ባየርን ሙኒክ ተዓዋቲት ዋንጫ ሱፐር ካፕ ኮይና

ብ ኣሰልጣኒ ሃንስ ፍልክስ እትእለ ጎብለል ቻምፒዮን ሊግ ዝኾነ ባየር ሙኒኽ ትማሊ ምሽት ብደረጃ  ኤዉሮፓ መን ጎብለል ከነ ማለት ዋንጫ ሱፐር ካፕ ትማሊ ምሽት ምስ ተዓዋቲት ዩሮፓ ሊግ ዝኾነ ሴቪያ ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ ብ 2-1 ብምዕዋታ ሎሚ ዓመት ብድምር ኣርባዕተ ዋናጩ ብምሕፋስ ንግስቲ ኤውሮጳ ኮይና። ሸቶታት ባየር ሙኒኽ ልዮን ጎርተዝካ ኣብ 34 ደቒቅ ከምእውን ኣብ ተወሳኺ 104 ደቒቅ ካብ ጃቨር …

Read More »

ኣብ ክሮኖፎግደን ዝተመዝገቡ ተለቃሕቲ ቊጽሮም እናወሰኸ ምምጽኡ ተገሊጹ።

ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ክሮኖፎግደን (Kronofogden) ተመዝጊቦም ዘለዉ ጉዳያት ብ 11.5% ምውሳኹ ተፈሊጡ። ምስ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ብምውድዳር፡ ቁጽሪ ናይቶም ዘይተኽፍሉ ዕዳታትን መጠን ልቓሕን፡ ናይዚ እዋን፡ ዝዓበየ ምዃኑ ሬድዮ ሽውደን ሎሚ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ሓቢሩ። ምስ ስሉጥነት ዲጂታላዊ ኣገባብ፡ መጠን ተለቃሕቲ እናወሰኽ ምምጽኡ ሓላፊት ናይቲ ክፍሊ፡ ሬቤካ ኡማን፡ ገሊጻ። ኣብ ፈለማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይዚ …

Read More »

ቆጸራ ፍጻሜ ቶኽሲ፡ ንሓንቲ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ፍርህን ጭንቀት የእትይዋ

ኣብ ምምሕዳር ሺል (Kil) እትርከብ ቤት ትምህርቲ ሳነሩድስኩላን (Sannerudsskolan)፡ ኣብ መንደቕ ናይ ሽቓቕ፡ ንጽባሕ ዓርቢ ዕለት 25 መስከረም፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ትምህርቲ ናይ ቶኽሲ ፍጻሜ ክህሉ እዩ ዝብል ጽሑፍ ትማሊ ኣብ እዋን ምሳሕ ከምተረኽበን፡ እቲ ጉዳይ ብዕቱብ ተታሒዙ ከምዘሎን ሓላፊ’ታ ቤት ትምህርቲ፡ ፓትሪክ ባክማን ን SVT ሓቢሩ። ምምሕዳር’ታ ቤት ትምህርቲ፡ ነቲ ፍጻሜ ኣመልኪታ ንፖሊስ ከምዝሓበረን፡ ፖሊስ ናብቲ ቦታ ፍጻሜ ድሕሪ …

Read More »

ንድሕነት ህጻናት ሓደገኛ ዝኾኑ መጻወቲ ኣቕሑ ካብ ዕዳጋታት ተሳሒቦም

ሽወደናዊ ኤጀንሲ ኣህለኽቲ፡ ንድሕነት ህጻናት ሓደገኛ ዝኾኑ መጻወቲ ኣቕሑ ካብ ዕዳጋታት ከምዝሰሓበ ተፈሊጡ። እቲ ኤጀንሲያ፡ ን15 ናይ ትሕቲ 3 ዓመት ዝኾኑ ህጻናት መጻወቲ ኣቕሑ ድሕሪ ምምርማር፡ 4 መጻወቲታት፡ ንድሕነት ህጻናት ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ምዃኖም ተረጋጊጹ። መካይን፡ ሳንዱቕ ናይ ሙዚቃ ዘለዎም ምስሊ እንስሳታት፡ ሓደ ካብ ገጸ ባህርያት ፊልሚታት ዲዝኒ ዝለበሰ መጻወቲን ዓንኬላዊ መጻወቲታት ዝኣመሰሉ መጻወቲ ኣቕሑ ምዃኖም ኣፍሊጡ። እዞም መጻወቲ ኣቕሑ፡ …

Read More »

ንሽልማት ብሉጽ ተጻዋታይ ኤውሮጳ

ሑርያት ን ቡልጽ ተጻዋይ ኤውሮጳ ብጀካ ኬቪን ዴብሬየን – ማንችስተር ሲቲ ካብ ፕሪመር ሊግ ዝተረፉ ሮበር ሌቫንዶቭስኪ ን ማኑዌል ኑዌር – ካብ ባየር ሙኒክ ቡንድስ ሊጋ።

Read More »

ሕርያ ንቡልጽ ኣሰልጣኒ ኤውሮፓ

ውድድር ን ቡልጽ ኣሰልጣኒ ኤውሮጳ ብ ጀርመናውያን ኣስልጠንቲ ዝተዓብለለ ኮይኑ፣ ንሳቶም ድማ ን ሊቨርፑል ድሕሪ 30 ዓመታት ተዓዋቲት ፕሪመርሊግ ክትዓተር ዝኽኣላ የርገን ግሎቭ፣ ሃንስ ፍሊክስ ንክለብ ባየር ሙንኽ ብዓብላልነት ጎብለል ቡንድሊጋን ቻምፒዮን ሊግን ክተከውን ዝመርሓ፣ ከምእውን ጁልየስ ነግልስማን ን ክለብ ኣርቢ ሊዝበግ ንመጀምርያ ግዜ ተሳታፊት ቻምፒኦን ሊግ ኣብ ርእሲ ምኻናን ስጋብ ፍርቂ ፈጻሜ ብምብጻሕ ተዛካሪት ጋንታ ብምስራሕን ዝነኣሰ ኣሰጣኒ ናብዚ …

Read More »

ብቕዓት መምህራና ናይተን ንወጻእተኛታት ዝመሃሩለን ቤት ትምህርታት ትሑት ምዃኑ፡ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ

ኣብተን ወጻእተኛታት ወይ ድማ ወለዶም ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ተማሃሮ፡ ዝመሃሩለን ቤት ትምህርታት  ዝምህሩ መማህራን፡ ምስተን ካልኦት ቤት ትምህርታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ትሑት ደረጃ ብቕዓት ከምዘለዎም ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘካየዶ መርመራ ይሕብሩ። ሰኪና ዝተባህለት ተማሃሪት ብዛዕባ ናይ ሻምናይ ክፍሊ ቋንቋ ሽወደን መምህራ ኣመልኪታ፡ ብቕዕቲ ከምዘይኮነት ትገልጽ። በዚ ኣገባብ፡ ተማሃሮ፡ ምዕሩይ ዝኾነ ናይ ፍልጠት መኣዲ ክረኽቡ ስለዘይክእሉ፡ ርትዓዊ ኣይኮነን ትብል። መርመራ …

Read More »

እማመ ኢቫ ዮሃንሰን፡ ኣብ ጉዳያት ናብ ኤውሮፓ ዝፈልሱ ስደተኛታት

ኮሚሽነር ውሽጣዊ ጉዳያት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኾነት ሽወደናዊት ኢቫ ዮሃንሰን፡ ንጉዳይ ፖሊሲ ናብ ኤውሮፓ ዝፈልሱ ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ሎሚ፡ እማመኣ ኣቕሪባ። እቲ ዘቕረበቶ እማመ፡ ሰለስተ መሰረታውያን ነጥብታት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ሕቶ ዑቕባ ዝተነጽጉ ሰባት ብቕልጡፍ ናብ መቦቀል ሃገሮም ከም ዝምለሱ ምግባር፡ ሕቶ ዑቕባ ኣብ ቀዳመይቲ ኤውሮፓዊት ሃገር ክኸውን ዝግድድ፡ ስምምዕ ዳብሊን ክስረዝ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ምትሕብባር ክህሉ ዝግድድ መስርሕ ክህሉ ዝብሉ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com