Saturday , May 18 2024

ውህደት

ኣብ ኣዋጣሪ እዋን ክሮና ቫይረስ ክግበሩ ዝግብኦም ነገራት

Read More »

Swedish News in tigrigna -ዜና ሽወደን ብትግርኛ 01 ሚያዚያ 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ኣርእስታት ዜና፡ 1. መንግስቲ ሽወደን ሓድሽ ናይ ምንቅስቕሳትን ምእካብን ዝምልከት መምርሕን ምኽርን ኣዉጺኡ። 2. ሃገራዊ ቁጠባ ሽወደን ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ ከቢድ ፈተነ ከጋጥሞ እዩ ተባሂሉ። መደባትና ብሰፊሕ ንምክትታልን ከምኡ እዉን፣ ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ።

Read More »

ቊጠባ ሽወደን ታሪኻዊ እተባህለ ምንቑልቛል ከጋጥሞ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ቊጠባ ሽወደን ብ 4% ክሽምረርን መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 9% ክድይብ ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ሚኒስተር ፋይናንስ ማግዳሊን ኣንደርሰን ብሰሉስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ብዓለም ለኸ ይዂን ሃገር ደረጃ ቊጠባዊ ምንቊልቋል ምህላዉን ናይ ቀረብን ጠለብን ሰንሰለት እንዳተበታተኸ ምምጽኡን ኣመልኪታ። ካብዚ ቊጠባዊ ሽግር ንምድሓን ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል እውን ተመልኪቱ።

Read More »

ሽወደን ዝያዳ መርመራ ኮሮና ክትገብር ትደሊ።

ዝያዳ መርመራ ቡዙሕ ወጻእታትን ዝያዳ ስራሕ ከም ዘድሊ እካ እንተኮነ። ክኢላ ለበዳ ሕማም ኣንደርስ ቴግኔል ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 10 ሽሕ ሰባት መርመራ እዚ ቫይረስ ከም እተገብረሎም ዝፍለጥ እዩ። መንግስቲ ዝያዳ ሰባት ክምርመሩ ከም ዘለዎም ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ እንተኾነ ግና ሚኒስተር ጥዕናን ማሕበራዊ ጒዳያትን ሌና ህልግረን እዚ ኣገባብ ቅኑዕ ኣይኰነን ነቶም ዝምልከቶም ዝበልናዮም ጥራይ ሸቶ ክንገብር ይግባኣና ኢላ።

Read More »

መንግስቲ፡ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ተወሳኺ ናይ ክሮና ቫይረስ መርመራታት ንኸካይድ ሓላፍነት ክወሃቦ’ዩ።

ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ተወሳኺ መርመራታት ክሮና ቫይረስ ንኸካይድ ብመንግስቲ ሓላፍነት ከወሃቦ ምዃኑ መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ኦልፍ ክሪስቶርሾን ሓቢሩ። ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝሰርሑ እቶም ቀዳሞት መርመራ ዝካየደሎም ክፋል እዮም። ስዒቡ ድማ ንብዙሓት ዝሽፍን መርመራታት ክካየድ ምዃኑ ክሪስቶርሾን ሎሚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ዝገበሮ ዝርርብ ንመርበብ ሓበሬታ ሽወደን TT ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። እዚ መስርሕ ናይ ቅምሶ መርመራ ቅድሚ ሳምንታት ክትግበር ዝነበሮ …

Read More »

ሃገራዊ ስትራቴጂ ምምርማር ኮሮና ኣብ ሓካይም ኣቶኪሩ ከም ዝጅምር ይሕብር።

ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና መንግስቲ ሃገራዊ ስትራቴጂ መርመራ ኮሮና ከዳሉ ከም ዝግባእ ትማሊ ብሰሉስ ሓቢሩ’ሎ።፡ እዚ ዝኸውን ዘሎ መራሕቲ ሰልፊታት ኣብ ባይቶ ድሕሪ ምርኻቦም ኮይኑ ኡልፍ ክሪኣተርሰን ነቲ ዜና ናብ ኣገልግሎት ዜና TT ክባጻሕ ምግባሩ ተፈሊጡ። ንሱን ከምዝሓበሮ ሰልፊ ቬኒስተርን ሞድራትናን ዝያዳ መርመራ ንክግበር ድፍኢት ይገብሩ ምህላዎም ድማ ኣመልኪቱ። ሰባት ናይ ፋስጋ ጒዕዞ ካብ ምግባር ክቚጠቡ ድም ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ኣብ ሽወደን ተወሰኽቲ …

Read More »

መንግስቲ፡ ናብ እንዳ መእለይ ዓበይቲ ዝግበር ምብጻሕ ብወግዒ ከልኪሉ።

ብ ሰኑይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኣብ ኣኼባ መንግስቲ ዘመሓላለፎ ውሳነ፡ ናብ ኩሎም ኣብ ሃገርና ዝርከቡ መናበይ ዓበይቲ ዝግበር ዝጸንሐ ምብጻሕ ከምዝተኸልከለ ይዝከር፡ ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ ድማ ንትግባረኡ ኣመልኪቱ ካብ ጽባሕ ረቡዕ ዝጅምር ምዃኑ ኢሉ ከምዝተዛረበ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ኢዛቤላ ሎቪን ሓቢራ። ቅድሚ ሕጂ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ምብጻሕ ከምዘየድሊ መንግስቲ ሓቢሩ ከምዝነበረን፡ ገለ ምምሕዳራት ውን ናብ እንዳ መናበይ …

Read More »

ሰለስተ ሓካይምን ክልተ ተሓጋገዝቲ ሓኪምን ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።

ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከብ ሆስፒታል Sodersjukhuset ዝሰርሑ ሰለስተ ሓካይምን ክልተ ተሓጋገዝቲ ሓኪምን ኣብ ትሕቲ ኣሃዱ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል’ቲ ሆስፒታል ዝርከቡ ብሓገዝ ማሽን ዘስተንፍሱ ዘለዉ ኮይኖም፡ ሓደ ካብኣቶም ናይ ምምሕያሽ ምልክታት የርኢ ስለዘሎ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብቲ ዝፎኸሰ ኣሃዱ ክሰጋገር ተስፋ ንገብር ክትብል ዝለዓለት ሓኪም’ቲ ሆስፒታል፡ ክላራ ስትሮምቢሪ፡ ንተለቪዥን ሽወደን ሓቢራ። ክሳብ ሕጂ ክንደይ ካብ ኣባላት ኣገልግሎት ጥዕና ብቫይሮስ ክሮና ተለኺፎም ከምዘለዉ …

Read More »

ክፍሊ ትራፊክ፡ ንመደብ ክለሰ ሓሳባዊ መርመራ ምዝዋር መኪና ናብ 4 ግንቦት የሰጋግሮ።

ሓደስቲ ንክለሰ ሓሳባዊ መርመራ ምዝዋር መኪና ዓይነታት A፡ B፡ BE፡ AM ን ተሳሓብቲ መካይንን ዝቐርቡ ሰባት ካብ 23 መጋቢት ክሳብ 4 ግንቦት ምዝገባ ደው ከምዝበለን እቶም ተመዝጊቦም ቆጸራ ዝሓዙ ግን ክሳብ ሓድሽ ሓበሬታ ብደብዳቤ ዘይመጾም እቲ መደብ ከምዘለዎ ከምዝቕጽል ተሓቢሩ። ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ቤት ጽሕፈት ግን ንኹሎም ክለሰ ሓሳባዊ መርመራ ንኽገብሩ ቆጸራ ዝለዎም ከይተረፈ ካብ 23 መጋቢት ክሳብ 30 ሚያዝያ …

Read More »

ኣብ ኣገልግሎት ማእሰርቲ ናይ መጀመርያ ግዳይ ኮሮናቫይረስ ተረኺቡ።

ኣብ ኣገልግሎት ማእሰርቲ ናይ መጀመርታ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ተራእዩ ክብል ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። እዚ ቫይረስ ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ክፍሊ ጸጥታ ከም እተራእየ ጆርጊን ካብ ክፍሊ ተሃድሶ ሰሜን ገሊጹ። ካልኦት ሒደት ስባት እውን ምልክታት እዚ ሕማም የርእዩ ከም ዘለዉን ክምርመሩ ከም ዝግብኦምን ተመልኪቱ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com