Saturday , May 18 2024

ውህደት

ሽወደን ኣብ 2020 ን ጽልኢ ኣይሁድነት ዝዝቲ ዋዕላ ከተእንግድ እያ!!

ሽወደን ኣብ 2020 ኣብ ጽልኢ ኣይሁድነት ዝዝቲ ኣህጒራዊ ዋዕላ ከተእንግድ እያ። እዚ ዋዕላ ጥቅምቲ 27 ከምኡ’ውን 28 2020 ዝካየድ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስተፋን ሎቨን ብሰኑይ ሓቢሩ። ንሱ ምስ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ጸረ ኣይሁድነት ኣብ ሽወደንን ዓለምን እናዓበየ ምምጽኡ ገሊጹ። እዚ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ማልሞ እዩ ክካየድ። እዚ ድማ ምስ ምጽንባል መበል 20 ዓመት …

Read More »

ኣብ ውሽጢ 4 ወርሒ 30000 ሰባት ናይ ሽወደን ዜግነት የመልክቱ።

ኢመግረሽንስቨርከት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከምዝሓበሮ ኣብ ውሽጢ 4 ወርሒ ማለት ካብ ጥሪ ከሳብ ሚያዝያ 2019 ኣብ ዘሎ ግዝየ 30000 ሰባት ናይ ሽወደን ዜግነት ከምዘመልከቱን ካብዚኦም ድማ 5014 ዜግነት ከምዝወሰዱን ተገሊጹ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ናይ ዜግነት ክፍሊ ተመልኪቱ ክፉት ዘሎ ጉዳያት ብዝሒ ድማ 87551 ምኻኑ ተፈሊጡ። ካብቶም ዝተወሰኖሎም ጉዳያት እቶም 88 % ዜግነት ከምዝረኽቡ ብተወሳኺ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ከምዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ …

Read More »

በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ዝበዝሑ ግዜያዊ ፍቓድ ዝነበሮም ከናውሑ እዮም ኢሉ!!

በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ዝበዝሑ ግዜያዊ ፍቓድ ዝነበሮም ከናውሑ እዮም ኢሉ!!  ዝበዝሑ ኣብ ቀረባ እዋን ግዜኦም ዝሓልፎም ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ ክሕደሱ እዮም ክብል Magnus Bengstton ኣፍሊጡ ክብል ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሓቢሩ’ሎ። ክሳብ 300 ሽሕ ዝበጽሑ ግዚያዊ ፍቃድ ዝጸንሖም ኣብዚ ዓመት ክናውሑ ትጽቢት ከምዘሎን ካብኣቶም ድማ 14 ሽሕ ሶርያውያን 4200 ኣፍጋንስታውያን ከምእውን ውሑድ ኣሻሓት ቁጽሮም ኤርትራውያን ሶማልን ዒራቕን ይርከብዎም።

Read More »

ኣገዳሲ ሓበሬታ

ብ online ቆጸራ ምሓዝ ንግዚኡ ደው ከምዘበለ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሓቢሩ። በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ዲጂታላዊ ናይ መወከሲ ብልሓት የዳሉ። ክሳብ መወዳእታ እዛ ዓመት ናብ 30 ሽሕ ዝጽግዑ ሰባት ብ ዲጂታላዊ ናይ መወከሲ ብልሓታት ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪኦም ከናውሑ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታኡ ኣቢሎም ኣመልከትቲ ብቐጥታ ብዲጂታላዊ ኣገባብ ሕቶኦም ዘቕርቡሉ ብልሓት እናዳለወ ይርከብ። ኣብዚ ናይ መሰጋገሪ እዋናት ግና …

Read More »

ኣዝዩ ሓደገኛ ዓሌት መለግለጋይ ዓሳ ( ጀሊፊሽ) ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሽወደን ተራእዩ !!

እዚ ዓሌት መለግለጋይ ዓሳ መልመስቲን ምድኻም ህዋሳትን ከስዕብ ከም ዝኽእል ብምሕባር ሰባት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ካብ ምሕንባስ ንግዚኡ ክቚጠቡ ተመራመርቲ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። እንተኾነ እዚ መለግለጋይ ዓሳ መኣስ ካብቲ ቦታ ክእለ ምዃኑ ዛጊት ንጹር ግዜ ኣየቐመጡን ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮተበሪ ተመራማራይ ዓሳታት Thomas Dahlgren። ዝሓለፈ ዓመት እዚ ዓሳ ኣብ እተራእየሉ ገማግም ዝሓንበሱ ሰባት ኣብ ጥዕናኦም ከቢድ ሳዕቤናት ምውራዱ ተገሊጹ’ሎ። እዚ ዓይነት …

Read More »

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሽወደን ዛጊት ብዘይ ኣምባሳደር ምህላዉ ተገሊጹ።

ኮሚተ ወጻኢ ጒዳያት ሰኔት ትማል ረቡዕ ንሕጹይ ትራምፕ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሽወደን ቢልዮኔር ኬን ሀርሊ ድምጺ ሂቡ። ኤምባሲ ኣመሪካ ብዘይ ኣምባሳደር ክዓዪ ካብ ዝጸንሐ 28 ዓመታት ሓሊፎም ኣለዉ። ሓደ መዝነት ንኽንድዚ ዝኣክል ንውሓት ግዜ ባዶ ክጸንሕ ኣብ ታሪኽ ዲፕሎማሲ ፋልማይ እዩ ክትብል ተሌቪዥን ሽውደን ገሊጻ’ላ። ድሕሪ ምምጻእ ፕረዚደንት ትራምፕ ሓደስቲ ኣምባሳደራት ናብ ኮፐንሃገን ስቶክሆልምን እኳ እንተተረቚሑ ንኽልተ ዓመትን መንፈቕን ኣብ …

Read More »

ጓሎም ብጥምየት ብምስቓዮም ተፈሪዶም።

እቲ ብዙሕ ናይ ሚድያ ምልዕዓል ፈጢሩ ዝጸንሐ ጒዳይ ናይዞም ጓሎም ብጥምየት ብምስቓይ እተኸሱ ወለዲ ሎሚ ፍርዲ ተዋሂብዎ። እቶም ወለዲ ኣብ ልዕሊ 2 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓሎም ከምዚ ዝበለ ናይ ጥምየት ገበን ብምፍጻሞም ንሰለሰተ ኣዋርሕ ክእሰሩ ተበይንሎም ኣሎ። እንተኾነ ድሮ ካብ ዝኽሰሱ ጀሚሮም ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ብምጽናሖም 60 ሽሕ ክሮነር ካሕሳ ነታ ህጻን ክኸፍሉ ተቐጺዖም ኣለዉ። ዳኛ Per Norden እዚ “ንህይወት …

Read More »

ውሳኔ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ንስድራቤት ኣፍጋን ይመቅል።

ቦርድ ኢሚግሬሽን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳነ ንኣቦን ክልተ ደቁን (ሓዲኦም ወዲ ሓሙሽተ ወርሒ ኮይኑ ኣብ ሽወደን እዩ ዝውለድ) ክሰጒግ እንከሎ ንኣደ’ቶም ደቂ ግና ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ ሽወደን ሂቡ’ሎ። ኣደ’ቶም ቆልዑ 20 ዝዕድሜኣ ኣፍጋናዊት ጃቫሄር ረዛይ ብኣዋጅ ላዕለዋይ ትምህርቲ ግዜያዊ መንበሪ ፍቓድ ምርካባ ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሃን ሽወደን የመልክቱ። እቲ ሕጊ ንገለ መንእሰያት ሓተትቲ ዕቚባ ትምህርቶም ንኽዛዝሙ ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ …

Read More »

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ኣብ ጒዳይ ዕዮ ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኡ!!

ሓደ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ግዜያዊ ስራሕ ተዋፊሩ ጸኒሑ ፍቓድ መንበሪ እንድሕሪ ተኸሊኡ ንሽወደን ክለቅቕ ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ 7 ዓመት ንስራሕ ከመልክት እውን ኣይፍቀዶን እዩ። እዚ ማለት እዚ ፍቓድ ስርሑ ምሕዳስ እተኸልኤ ወጻእተኛ ናብ ሽወደን ተመሊሱ ናይ ስራሕ ፍቓድ ከመልክት ብውሕዱ ሰለስተ ዓመታት ክጽበ ኣለዎ ማለት እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ተወከሱ። https://shorten.alkompis.se/8qsk2

Read More »

መጠንቀቅታ ካብ ትካል ሜትሮሎጂ ስዊድን (SMHI)

ኣብ ከባቢ ቫርምላንድ ትነብሩ ሰባት ኣብቲ ከባቢ ክሳብ 36 ሚሚ ዝዓቀኑ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝናብ ንሎሚ ሓሙስ 23 ግንቦት 2019 ክዘንብ ምካኑን እዚ ኸኣ ዕልቅልቅ ከኸትል ከምዝኽእል ካብ ትካል ሜትሮሎጂ ስዊድን (SMHI)ሓቢሩ ስለዘሎ ኣብቲ ከባቢ ትነብሩ ጥንቃቐ ክትገብሩ ንሕብር።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com