Saturday , May 18 2024

ውህደት

ሚኒስተር ዕዳጋ ዕዮ ሽወደን ቤትጽሕፈታ ብሰንኪ ባጀት ተቓወምቲ ምንቊልቋሉ ገሊጻ!!

ሚኒስተር ዕዳጋ ዕዮ ሽወደን Elva Johansson ንስራሕ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሰንኮፍ ባጀት ዓቃባውያምን ክርስትያን ዴሞክራስን ዘሰዓቦ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ መንግስታ ንዝመጽእ ኣመት ካልእ ባጀት ክስልዕ ምዃኑ ኣሚታ’ላ። እታ ሚኒስተር ሎሚ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ኣብ ቤትጽሕፈት ዕዮ ዝተጻዕነ ምጒዳል ባጀት ክሳብ 3 ቢልዮን ክሮነር ከም ዝበጽሕን እዚ ድማ ኣዝዩ ገዚፍ ኣሃዝ ምዃኑን ኣመልኪታ’ላ። ቤትጽሕፈት ዕዮ ብምኽንያት ምጒዳል ባጀት …

Read More »

1800 ሰራሕተኛታት ከም እተሰጒ ተረጋጊጹ።

ብመሰረት ውሽጣዊ መግለጺ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ዕዮ 1800 ሰራሕተኛታት ከም እተሰጒ ተረጋጊጹ። ብመሰረት ብዙሓት መራኸቢ ብዙሓን ዝተቐባበላሉ ውሽጣዊ መግለጺ 1600 ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ተሰናቢቶም ኣለዉ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሽወደን 200 ካልኦት ሰራሕተኛታት ከኣ ኣብ ኣብዝመጽእ ክልተ ሳምንቲ ናይ መሰናበቲ ደብዳቤ ክቕበሉ እዮም። ብመሰረት ኣርባዕቲኦም ሰልፊታት ዝበጽሕዎ ስምምዕ ኣብ ወርሒ ጥሪ’ዚ ዓመት ቤትጽሕፈት ዕዮ 4500 ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ክስጐጉ ምዃኖም ሓቢሮም ኔሮም …

Read More »

Swedish News on Tigrigna – ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 21 ግንቦት 2019

Read More »

መሐንበሲ ቦታታት ሽወደን ምምሕያሽ ኣርእዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት መምዘኒ ብቕዓታት ኣውሮጳዊ ሕብረት መሐንበሲ ቦታታት ሽወደን ምምሕያሽ ኣርእዩ ተባሂሉ። ሽወደን ብመምዘኒ ብቕዓትን ድሕነትን መካናት መሐንበሲ ዝሓሸት ሃገር እያ ክብል ብሰብመዚ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ካብ 436 ቦታታት መሐንበሲ 410 ዝኸውን ኣዝዩ ብሉጽ፥ ጽቡቕ ወይ ኣዕጋቢ ተባሂሉ ክምደብ እንከሎ ካብ ናይ ዓሚ ብኽልተ ሚእታዊት ክብ ዝበለ ውጽኢት ምርኣዩ ኸኣ ተገሊጹ’ሎ።፡ ብመሰረት ጸብጻባት በዓልመዚ ማይን ባሕርን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት …

Read More »

ብሰሪ ንእሽቶ ምምሕዳራዊ ጌጋ ንሱን ስድራኡን ተባሪሩ።፡

ሓሙሽተ ዝርእሱ ሰራሕተኛ ብሰሪ ዝሰርሖ ንእሽቶ ጌጋ ካብ ሽወደን ክባረር ከም እተኣዘዘ ተፈሊጡ። እዚ Gentian Hoksa ዝስሙ ካብ 2013 ጀሚሩ ኣብ Småland ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣልባንያዊ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ናይ ስራሕ ውዕሉ ከናውሑሉ ንዘቕረቦ ሕቶ ምንጻጎም ከም ዘሰንበዶ ገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ንሱን ስድራኡን ብህጹጽ ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣፍሊጦሞም ኣለዉ። “እቲ ዘስርሓኒ ኩባንያ ፋይናንሳዊ ጸገም ስለዝነበሮ ናይ ዕረፍተይ ደሞዝ ኣብ ግዚኡ ኣይከፈለንን” ክብል Huxa …

Read More »

ኣሳንጅ ዳግማይ ተኸሲሱ።

ሓደ ሰሙን ይገብር ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ኣሳንጅ ብ 2010 ተኸፊቱ ዝነበረ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ዳግማይ ምብርባር ምጅማሮም ገሊጾም ኔሮም። ሕጂ ኣብዚ ጒዳይ ሓድሽ ምዕባለ ተኸሲቱ’ሎ። ብሰኑይ ንግሆ ቤት-ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ኣሳንጅ ኣብ ዘይብሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ናብ ቤት-ፍርዲ ኣውራጃ ኣፕሳላ ኣብ ዝተላእከ ጻውዒት “እዚ ሰብ በዚ ድዩ በቲ ካብ ተሓታትነትን ፍርዲን ከምልጥ የብሉን” ዝብል …

Read More »

ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብ

ካብ መርበብ ሓበሬታ በዓል መዚ ኢመግረሽንFamiljeåterförening – tigrinska ስድራኻ ናብ ሽወደን መጺኦም ምስኻ ንኽቕመጡ ዘሎካ ዕድል፤ በቲ ዝተዋህበካ መቐመጢ-ፍቓድን፤ ናይ ዑቕባነት-ደረጃ ዓይነትን ዝተመስረተ እዩ። ምስ ስድራኻ ዳግመ-ምትእኽኻብ ክትገብር እንተ ተፈቒዱልካ፤ እቲ ”ነብስኻ ናይ ምንባይ ጠለብ” (försörjningskrav) ይምልከተካ እዩ። ዋላኳ ንስኻ መቐመጢ-ፍቓድ ረኺብካ እንተዄንካ፤ ስድራቤትካ ናባኻ ናብ ሽወደን መጺኦም ንኽቕመጡ ዘሎዎም ዕድል፤ ርጉጽ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ። እንተደኣ ቀዋሚ ዝዀነ መቐመጢ-ፍቓድ ረኺብካ …

Read More »

ኣውሮጳዊ ሕብረት ንሽወደን ኣጠንቂቑ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ሽወደን ካብ ማዕከን AMIF ሓደ ቢልዮን ክሮነር ከተውጽእ ኣጠንቂቑ’ሎ። እዚ ዝመጸ ሽወደን ካብቲ ዝግባእ ንታሕቲ ገንዘብ ንስደተኛታት ሓተትቲ ዕቚባን ትጥቀም ኣላ ብዝብል እዩ። ብመሰረት ጋዜጣ Dagens Nyheter ኣውሮጳዊ ሕብረት 3 ቢልዮን ክሮነር ንስደተኛታትን ሓተትቲን ዕቚባን ኣብ ሽወደን ንምድጋፍ ወጻኢ ጌሩ’ሎ። ክሳብ ሕጂ ግና ሽወደን ሓደ ሲሶ ናይዚ ገንዘብ (26% ጥራይ) እያ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕል ጌራ ዘላ ይብል …

Read More »

ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ንምቅዋም ኣብ 8 ከተማታት ሽወደን ሰልፊ ተጌሩ።

ቀዳም 18 ግንቦት ሰዓት 1 ድሕሪ ቐትሪ “Bensinupproret 2.0” ዝተባህለ ናይ ፈለማይ ናይ ፌይስቡክ ጒጅለ ንናህሪ ዋጋ ነዳዲ ብምቅዋም ምጒዳል ክግበር ጸዊዑ። ቀዳማይ ሚኒስተር Stephane Leuven ነቲ ሰልፊ ከም ዝርድኦ ብምጥቃስ እቲ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ምስ ቀረጽ ዘራኽብ የብሉን ኢሉ’ሎ። “ኣነ ንባዕለይ ዕባይ ገጠር እየ። ኣድላይነት መኪና ኸኣ ብግቡእ እርዳእ እየ። ግና ምውሳኽ ቀረጽ ነዳዲ ምስ ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ዝተኣሳሰር …

Read More »

ንካንሰር ዝፍውስ መድሃኒት ተረኺቡ ተባሂሉ።፡

ተመራመርቲ ኣብ ዝመጽእ 10 ዓመታት ንካንሰር ዝፍውስ መድሃኒት ክረኽቡ ምዃኖም ይገልጹ ኣለዉ። ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ትካል ምርምር ካንሰር ነዞም ጸረ ካንሰር መድሃኒታት ንምድላው ናይ 75 ሚልዮን ፓውንድ ወፍሪ ከም ዘድሊ ገሊጾም ኣለዉ። ኣካያዲ ናይዚ ትካል ፖል ዋክማን ሓደ ካብቲ ካንሰር ንምጥፋእ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ዝጸንሐ ናይቲ ሕማም ኣፋውስ ናይ ምልማድ ተኽእሎ እዩ ይብል። ይኹን’ምበር እዚ ሓድሽ መድሃኒት ካብዚ ብዝተፈልየ ፍቱን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com