Friday , May 17 2024

ሓደጋ

ሓደጋ ባርዕ ኣብ ሱንድስቫል

ኣብ ሱንድስቫል፡ ሓደ ህንጻ፡ ብሓደጋ ባርዕ ከም ዝተሎቕመጸ ጋዜጣ ሱንድስቫል ቲድኒን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ባርዕ፡ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ህንጻ (ቦሎፎን) ከም ዝተላበዐ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ፡ ፖሊስ ካልእን ኣብቲ ቦታ ከምዝተረኽቡ እቲ ጋዜጣ ሓቢሩ። ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ብዝምልከት ግን ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን።

Read More »

ኣብ መስመር E 20፡ ሓደጋ መካይን ኣጋጢሙ

ሎሚ ሰኑይ ንግሆ፡ ኣብ መንጎ ፊነረያ ን ላክሶን ( Finnerödja and Laxå) ዝርከብ መስመር E 20፡ ብርክት ዝበላ መካይን ሓደጋ ከምዝፈጸማ፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ብርክት ዝበላ ናይ ጽዕነት መካይንን ናእሽቱ መካይንን ኣካል ናይቲ ሓደጋ ምንባረን፡ ፖሊስ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ሓቢሩ። ድሕሪ ሰዓት 9 ናይ ንግሆ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ናይ ፖሊስ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ገሊጹ። መስመር E 20 …

Read More »

ሓደጋ ባርዕ ኣብ ሓውሲ ከተማ ሙርየርቭ

ኣብ ጥቓ ምምሕዳር ከተማ ካሊክስ (kalix) እተርከብ ሓውሲ ከተማ ሙርየርቭ (Morjärv)፡ ኣብ ሓደ ጋራጅ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ፡ 200 ብመካይን ዝሰሓቡ ተንቀሳቓሲ ኣባይት ከምዝተቓጸለ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ፖሊስ ናይቲ ከባቢ፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 5፡00 ወጋሕታ፡ ሓበሬታ ከምዝበጸሖን ኣብቲ ቦታ ፍጻሜ ምስ በጽሐ ድማ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ ኣባይቶም ንኸይወጹን ማዕጾታትን መሳኹትን ክዓጽዉ ክብል ድሕሪ ሓደ ሰዓት፡ …

Read More »

ሓደጋ ነትጒ፡ ኣብ ማእከል ስቶክሆሎም

ኣብ ሓደ ኣብ ማእከል ስቶክሆሎም ዝርከብ ናይ ንብረት ትካል፡ ነትጒ ብምግጣሙ፡ ፖሊስ ኣብ ከባቢ ሰዓት 8:20 ቅ.ቐ. ሓበሬታ ከምዝመጾን ንጠንቂ ናይቲ ነትጒ ብዝምልከት ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘየለ፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ፖሊስ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ትካላትን ናይ ንግዲ ቦታታትን ብምኻድ፡ ሓበሬታታት ንምእካብ፡ ይሓትት ከምዘሎ ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ካሜራታት ይፍትሽ ከምዘሎን ብመንገዲ ወሃብ ቃል ፖሊስ ስቶክሆሎም፡ ፔር ፋሃልስትሮም፡ …

Read More »

ዘይተፈልጠ ነገር፡ ኣብ እንዳ መዐደል ነዳዲ (Gas Station) ተረኺቡ

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ስቶክሆሎም፡ ሪንክቢ፡ ዝርከብ እንዳ መዐደል ነዳዲ፡ ኣብ ጥቓ ሓንቲ መኪና፡ ዘይተፈልጠ ነገር ከምዝተረኽበ፡ ወሃቢት ቃል ፖሊስ፡ ኦላ ኦስተርሊንግ፡ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሓ። ከባቢ መዐደል ነዳዲ፡ ብምልኡ ከምተሓጽረን ናብ ኡልቭስንዳቬገን ( Ulvsundavägen) ዝወስድ መንገዲ ውን ከምዝተቕየረን ፖሊስ ሓቢሩ።    ብዛዕባ እቲ ዘይተፈልጠ ነገር፡ ፖሊስ፡ ሎሚ ዓርቢ፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 14፡00፡ ሓበሬታ ከምዝመጾ ተፈሊጡ።

Read More »

ብሰንኪ ሃድን፡ ሓራምዝ፡ ናብ ደረት ምጽናት ይበጽሑ

ብሰንኪ ንግድ ስኒ ሓርማዝን ምብዳም ኣከባቢን፡ ሓራምዝ፡ ናብ ደረት ምጽናት በጺሖም ምህላዎም ኣብ ቢቢሲ ወኪል ዜናታት ሳየንስ ቪክቶርያ ጊል ጸብጺባ። ብመሰረት ኣህጒራዊ ሕብረት ዕቀባ ተፈጥሮ፡ ዝሃቦ ሓድሽ ሓበሬታ፡ ሓራምዝ ጫካን ሳቫናን ኣፍሪቃ ዓብዪ ሓደጋ ምጽናት የንጸላልዎም ኣሎ ክብል ገሊጹ። ኣቐዲሙ ሓራምዝ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ቀይሕ ምልከት (ምልክት ሓደጋ) ኣትዮም ምጽንሖን ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ 415 ሽሕ ሓራምዝ ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ይግመት። …

Read More »

ብሓደጋ መካይን፡ ሽዱሽተ ሰባት፡ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም

ካብ ምምሕዳር ከተማ ኑራ (Nora) ውጽእ ኢልካ ኣብ ይቶርፕ (Gyttorp) ዝተባህለ ከባቢ፡ ኣብ መንጎ ሓንቲ ዓባይ ናይ ጽዕነትን ክልተ ናእሽቱ መካይንን ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሽዱሽተ ሰባት፡ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ፡ ፖሊስ እቲ ከባቢ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣቃሊሑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብመሰረት ጸብጻባት ፖሊስ፡ እቶም ሰባት ብኸቢድ ተሃስዮም ምህላዎም ን na.se ሓቢሩ። መራሕ ዓባይ መኪና፡ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኣመራርሓ መኪናን ኣብ ልዕሊ …

Read More »

ካብ ማእከል መፍረ ዝሞለቑ ሓራግጽ፡ ስግኣት ይፈጥሩ።

ካብ ማእከል መፍረ ዘምለጡ ሓራግጽ ዞባ ምፑማላንጋ (ደቡብ ኣፍሪቃ) ንተቐማጦ ከተማ ሄዚቪው ዓብይ ስግኣት ፈጢሮም ኣለዉ ክትብል ቢቢሲ ሓቢራ። እዞም ለመምቲ፡ ኣብ ከባቢ ዋይት ሪቨርን ሓጽቢን ከባቢኡን ኣለዉ ተባሂሉ ከም ዝሕሰብ ናይቲ ሃገር ተሌቪዥን SABC ሓቢሩ’ሎ። ብውሑዱ 50 ዝኾኑ ዛጊት ናብ ቦትኦም ክምለሱ ተጌሩ ከም ዘሎ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ። ተቐማጦ ሄዚቪው ኣብ ከቢድ ፍርሂ ኣትዮም ምህላዎም ነቲ መደበር ተሌቪዥን …

Read More »

ብሓደጋ ባርዕ፡ መዓስከር ስደተኛታት ሌስቦስ፡ ዝተኸሰሱ፡ ተፈሪዶም

ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒ፡ ኣብ ደሴት ሞርያ፡ ግሪኽ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት፡ ሌስቦስ፡ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ብዙሓት ስድራ ቤታት ዝርከብዎም፡ ኣስታት 13 ሽሕ ስደተኛታት፡ ኣብ ቃልዕ ከም ዝቕመጡ ኮይኖም እዩም። ነቲ ናይ ባርዕ ሓደጋ ዘሳወሩ ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ፡ ክልተ ደቂ 17 ዓመት ኣፍጋኒስታናውያን መንእሰያት፡ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ከም ተፈርዱ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ሕጋዊ ሓገዝ ዝህብ፡ ሕጋዊ …

Read More »

ስደተኛታት ጽዒና ካብ ቱኒዝያ ዝተበገሰት ጃልባ ብምጥሓላ፡ 39 ሰባት ሞይቶም

ካብ ገማግም ሃገረ ቱኒዝያ ቁሩብ ምስ ረሓቓ፡ ክልተ፡ ስደተኛታት ጽዒነን ዘንሳፍፋ ዝነበራ ጃላቡ ብምጥሓለን፡ ካብቶም ኣብ ልዕሊአን ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሰባት፡ ህጻናት ዝርከብዎም 39 ሰባት ከምዝሞቱን ክሳብ ሕጂ 165 ሰባት ከምዘድሓኑን፡ መስርሕ ምድሓን ይቕጽል ከምዘሎን ሚኒስተር ምክልኻል ቱኒዝያ ሓቢሩ። እዘን ዝበዝሑ ዜጋታት ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ፡ ኣፍሪቃ፡ (sub-Saharan Africa) ዝኾኑ ስደተኛታት ጽዒነን ዝጓዓዛ ዝነበራ ጀላቡ፡ ትማሊ ናብ ሰሉስ ዘውግሕ ለይቲ ካብ ቱኒዝያ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com