Thursday , May 2 2024

ሓደጋ

ኣብ ሩባ ጋንጅስ፡ ሬሳታት የንሳፍፉ

ብርክት ዝበሉ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሬሳታት፡ ኣብ ሩባ ጋንጀስ፡ ህንዲ፡ ከንሳፍፉ ከም እተራእዩ ተገሊጹ። ኣቐድም ኣቢሎም፡ ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ሬሳታት፡ ኣብ ክልል ቢሃር ጥቓ ወረዳ ቢክሳር ኣብ ዝርከብ ሩባ ከንሳፍፉ ተረኺቢም ኔሮም እዮም። በዓል መዚ እቲ ከባቢ፡ ማንጋል ፕራሳድ ሲንግ፡ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ሓለፍቲ እቲ ከባቢ፡ ንጉዳይ እዞም ሬሳታት ኣመልኪቶም፡ ካበይ ይመጽኡ ምህላዎምን ክንደይ ከም ዝበጽሑብ ኣብ ምጽራይ ምህላዎም” ገሊጹ’ሎ። እዞም ሬሳታት፡ …

Read More »

ሓረስቶት ትግራይ፡ መሬቶም ከይሓርሱ፡ ተኸልኪሎም ተባሂሉ

ሓረስቶት ትግራይ፡ መሬቶም ንኸይሓርሱ ኮነ ኢልካ ዕንቅፋት ይግበር ምህላዉ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓልመዚ ኣቃሊዑ። ንሱ እዚ ዝግበር ዘሎ እንድሕሪ ቀጺሉ ህዝቢ ትግራይ ንዝያዳ ጥሜት ክቃላዕ እዩ ኢሉ። ምክትል ሓላፊ ግዜያዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣበበ ገብረሂወት፡ ምስ ተሌቪዥን ትግራይ፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ እዞም ብስም ምኽባር ሕጊ ዝተዋፈሩ ሓይልታት፡ ዘርኢ ናብ ሓረስቶት ከይበጽሕ ምእንቲ፡ መንገዲ ከም ዝዓጸዉን፡ ሓረስቶት ናብ ማሕረስ ከይወፍሩ ይኽልከሉ ምህላዎምን ወሲኹ …

Read More »

ድሕሪ ምዕናው ሓጹር ቓዛ፡ ቴል ኣቪቭ፡ ብቦምባ ተደብዲባ

ኣብ ቓዛ ዝርከብ ሓጹር፡ ብመጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምዕናዉ፡ ዕጡቓት ፍልስጤማውያን ናብ ከተማ እስራኤል፡ ቴል ኣቪቭ፡ 130 ሮኬታት ከም ዝተኰሱ ገሊጾም። ነበርቲ ቓዛ፡ ካብቲ ቦታ ክግዕዙ ድሕሪ ዝመጾም ሓበሬታ፡ ኣብ ናይ ሰዓት ፍልልይ እቲ ሓጹር፡ ክዓኑ ከም እተገብረ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ሰራዊት እስራኤል ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተተኰሰ ሮኬታት ግብረ መልሲ ንምሃብ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ዕጡቓት ፍልስጤም የጥቅዕ ምህላዉ እዩ …

Read More »

ሃገረ ኖርወይ፡ ኣብ ስኩተር ምጉርባት ትእግድ

  ካብ 18 ግንቦት ጀምሩ፡ ሃገረ ኖርወይ፡ ኣብ ስኩተር ምጉርባት ብሕጊ ኩልኩልን ምዃኑ ከምዘፍለጠትን ነዚ ሕጊ ዝጠሓሰ ሰብ ድማ ክሳብ 3 ሽሕ ክሩን ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ከምዝብየነሉ ምዃኑ ኣፍሊጣ ኣላ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ህቡብነት ስኩተራት፡ እናለዓለ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን፡ ንኣገባብ ኣጠቓቕመአን ብዝምልከት ግን ዓበይቲ ብድሆታት የጋጥሙ ኣለዉ ክብል ሚኒስተር መጓዓዝያ ኖርወይ፡ ክኑት ኣርሊድ ሃራይደ፡ ኣብ …

Read More »

ዒራቕ: “ፕራንክ ግብረሽበራ” ኣብ ተሌቪዥን ከይቀርብ ትእግድ

ኣብ ዒራቕ ዝተፈነዋ ክልተ ኣዝየን ኣዘራረብቲ ናይ ተሌቪዥን ምርኢታት እየን ናብዚ ውሳነ ኣብጺሐን ዘለዋ። ኣብዘን ናይ ፕራንክ ምርኢታት: ነፍሰ ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ሰባት: ጭውያ እናፈጸሙ እዮም ዝዋስኡ። ኣብ ሓንቲ ካብዘን ናይ ፕራንክ ተዋስኦታት: ሓንቲ ሰበይቲ ናይ ሓሶት ተፈንጃሪ ዕጣቕ ምስ ኣሰሩላ ብስንባደ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ከም ዝወደቐት: ንኣብነት ቀሪቡ’ሎ። ኣብ ካልእ ምርኢት ፕራንክ ድማ: ኣህጒራዊ ተጻዋታይ ኲዕሶ እግሪ ዒራቕ: ዓላ ምሓዊ: …

Read More »

ኣብ የመን ብዝተኸስተ ሓያል ዝናብ፡ ሞትን ዕንወትን ኣጋጢሙ

ኣብ የመን ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ብርክት ዝበሉ ሰባት ምሟቶም፡ ኣብ ህንጻን ትሕተ ቕርጽን እታ ሃገር ድማ ከቢድ ዕንወት ከም ዝወረደ ቢቢሲ ሓቢሩ። በዚ ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ዝጀመረ ውሕጅን ዝናብን ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ኣዝዩ ብምሕያሉ፡ ኣሽሓት ስድራቤታት ብኣሉታ ተጸልየን ኣለዋ። ብሰንበት ጥራይ፡ ኣብቲ መንግስቲ ዝቘጻጻሮ ምብራቓዊ ኣውራጃ ሓድረሞት ከተማ ታሪም፡ ኣርባዕተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ናይ 167 ስድራቤታት መንበሪ …

Read More »

ባቡር መክሲኮ ተሓምሺሻ፥ 23 ሰባት ሞይቶም።

  ትማል ሰኑይ ከባቢ ሰዓት 10 ድ/ቀ ኣብ መክሲኮ ሲቲ ባብር ከተማ ብምሕምሻሻ ብውሕዱ 23 ሰባት ምሟቶምን ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ድማ ኣካላዊ ማህሰይቲ ከም ዝወረዶምን ሰብመዚ እታ ከተማ ገሊጾም። ካብዞም ግዳያት ህጻናት ከም ዝርከብዎም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ኣባላት መድሕን ሬሳታታ ኣብ ምልላይ ተዋፊሮም ምህላዎም ኣመልኪቱ። ኣብ ትሕቲ እታ ዝጸደፈት ባቡር ኣብ ውሽጢ መኪና ዝነበረ ሰብ ብህይወቱ ወጺኡ ናብ ሆስፒታል እናተወስደ ሓዊስካ …

Read More »

ርእሰ ከተማ ናይጀርያ፡ ኣብ ተጠንቀቕ ኣላ ተባሂሉ

ሓይልታት ፖሊስ ናይጀርያ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ኣቡጃ፡ ናይ ፈረስን ሞቶርሳይክልን ቃፍላይ ብምውፋር ነቲ ጂሃዳውያን ኣብታ ከተማ ከውርድዎ እዮም ተባሂሉ ተሰጊኡ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ተጠንቀቕ ኮይኑ ይሕሉ ኣሎ ተባሂሉ። ኣፈኛ ፖሊስ ናይጀርያ፡ መርየም ዩሱፍ፡ እዚ ወፍሪ ፖሊስ ስለያዊ ሓበሬታ ንምእካብ ምዃኑ ብምሕባር ዜጋታት ከይርበሹ ኣተሓሳሲባ’ላ። “ኣብ ኲጀታትን ዝተፈላለየ ቅርጻ መሬትን እታ ከተማ፡ ሓለዋ ፖሊስ፡ ክዋፈር እዩ። ግብረ ሽበራውያን ንምዕጋት …

Read More »

መጣበቒ (super glue)፡ ብጌጋ ከም ፈውሲ ዓይኒ ተጠቂሞምሉ

ሓደ ብሰብ ተኣላይ ዝኾነ ሕሙም፡ ፈውሲ ዓይኒ ንኽገብር፡ ንኣላይኡ ምስ ሓተተ፡ እቲ ኣላይ፡ ካብቲ ተመዛዚ ብጌጋ መጣበቒ (ኮላ) ኣውጺኡ ኣብ ዓይኒ እቲ ሕሙም ከምዘንጠበ ጋዜጣ ስሞላንድ ፖስተን ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ሓደጋ፡ ኣብ ስሞላንድ (Småland) እትርከብ ቲንግስሪድ (Tingsryd) ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ተኣላይ ሕሙም፡ ነቲ ዘጋጠሞ ጉድኣትን …

Read More »

ሓድሽ ድልድል ዮቶቦሪ፡ ከቢድ ጉድለት ተረኺብዎ

ኣብ ልዕሊ ፈለግ ዮታ (Göta River) ተዘርጊሑ ዝርከብ ሓድሽ ድልድል ዮቶቦሪ፡ ከቢድ ናይ ንድፊ ጉድለት ስለ ዝተረኽቦ፡ ካብቲ ተመዲቡ ዝነበረ ናይ መኽፈቲ ግዚኡ፡ ክናዋሕ ከምዝኸኣለ ጋዜጣ ዮቶቦሪ ፖስተን ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ሓደ ካብቶም ነቲ ድልድል ተሰኪሞም ዘለዉ ዓንድታት፡ ቅርጹ ከምዝቐየረን፡ እዚ ምልክት ድማ፡ እቲ ድልድል፡ መካይንን ኣውቶቡሳትን ክስከም ከምዘይክእል ዝሕብር ብምዃኑ፡ ካብቲ ተመዲብዎ ዝነበረ ናይ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com