Thursday , May 2 2024

ሓደጋ

ብሰንኪ ዕልቕልቕ፡ ኣብ ጀርመን፡ ብውሕዱ 80 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ጀርመን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕልቕልቕ ብምኽሳቱ፡ ብውሕዱ 80 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣማኢት ደሃዮም ከም ዘይተፈልጠን ተገሊጹ። ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ብዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ፡ መሊኦም ዝፈሰሱ ወሓይዝ ነቲ ከባቢ ዓብዪ ዕንወት ኣስዒቦምሉ ኣለዉ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ ጀርመን፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣውራጃታት ራይንላንድ-ፓላቲነትን ራይን-ዋስትፋልያን ብብርቱዕ ተሃስየን ከምዘለዋ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ገሊጹ። ኣብ በልጁም፡ ብሰንኪ ተመሳሳሊ ዕልቕልቕ፡ ብውሕዱ 12 …

Read More »

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ማእሰርቲ ዙማ፡ ዓቢ ናዕቢ ኣኸቲሉ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንማእሰርቲ ጃኮብ ዙማ፡ ስዒቡ ብዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ብውሕዱ 72 ሰባት ምሟቶም ቢቢሲ ሓቢራ። ዱኳናት ዝዝርፉን ዘቃጽሉን ናዕበኛታት፡ ምስ ፖሊስ ኣብ ጎነጽ ዝመልኦ ግርጭት ኣትዮም ምህላዎም ድማ ተገሊጹ። ትማል ሰሉስ ጥራይ፡ ኣብ ስዌቶ፡ ኣብ ዝነበረ ዘረፋ ብዝተኽስተ ጽቕጥቅጥ፡ ዓሰርተ ሰባት ምሟቶም ዝዝከር እዩ። ሓንቲ ኣደ እትነብረሉ ህንጻ፡ ብናዕበኛታት ብምቅጻሉ ጓላ ካብ ላዕላዋይ ደርቢ ናብ ታሕቲ ዘለዉ ሰባት እናደርበየት …

Read More »

ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጥሜት ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ

ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ስዒቡ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ብሰንኪቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ ጥሜት ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ። ትግራይ ብሰንኪ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ብውሕዱ 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ጥሜት ምህላዎም ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ። ብዘይካ’ዚ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ንናይ ወጻኢ ረድኤትን ሓገዝን ክፉታት ክኾኑ ጸቕጢ ይገብር ምህላዉ ተመልኪቱ’ሎ። ኣብ ትግራይ፡ ህጹጽ ሓገዝ እንድሕሪ ክኣቱ ዘይተጌሩ፡ ከምቲ ኣብ …

Read More »

ኣብ ምዕራብ ኣመሪካ፡ ሓደጋ ባርዕ ተኸሲቱ

ኣብ ምዕራብ ኣመሪካ፡ ኣብ ብርክት ዝበለ ቦታታት፡ ብሰንኪ ልዑል መጠን ሙቐትን ነቕጽን ሓያል ባርዕ ከም እተኸስተ ተገሊጺ። ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓደጋ ንምቁጽጻር፡ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ክሳብ ዕማሞም ዝውድኡ ተቐማጦ እቲ ከባቢ፡ ካብቲ ቦታ ክግዕዙ ተነጊርዎም ኣሎ። ኣብ ካሊፎርኒያ ብሰንኪ ምቊራጽ መስመር ጸዓት፡ ተቐማጦ እታ ከተማ፡ ጸዓት ክጥቀሙ ከም ዘይከኣሉ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ’ሎ። ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኣብ ኣሪዞና፡ ክልተ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ፡ …

Read More »

ማእከል ጥዕና፡ ንሓደ ሕሙም፡ ዘይ ናቱ መድሃኒት ክህብ ምጽንሑ ተፈሊጡ

ብሕማም መንሽሮ ዝተጠቕዐ፡ ነባሪ ሄልሲንግላንድ (Hälsingland) ዝኾነ ሰብኣይ፡ ካብታ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝረኽበላ ዝነበረ ማእከል ጥዕና፡ ንዓመታት፡ ጌጋ መድሃኒት ክወሃቦ ከምዝጸንሐ ምምሕዳር ያቭልቦሪ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ሌክስ ማሪያ፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ሰብኣይ፡ ኣብ መስመር ናይ ሽንቱ፡ ቃጸሎን ቃንዛን ተሰሚዕዎ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ናብቲ ማእከል ጥዕና ብምኻድ፡ ናይ ሽንቲ መርመራ ከምዝገበረ ይፍለጥ። ኣብቲ ሽንቲ ዝተራእዩ ባክተርያ’ኳ እንተ ዘይነበሩ፡ …

Read More »

ሓደጋ ባርዕ ኣብ ኒሾፒን

ሎሚ ሮቡዕ፡ ከባቢ ሰዓት 4 ወጋሕታ፡ ኣብ ኒሾፒን እትርከብ ቤት ትምህርቲ ቪትራ ኩንግስሃገን ሓደጋ ባርዕ ከምዘጋጠመ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ጠንቂ ባርዕ ናይዚ ኣብ 1200 ትርብዒት ሜትሮ ዝተዶከነ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ህንጻ፡ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈልጠን፡ ካብቲ ዝቃጸል ዝነበረ ህንጻ፡ ከቢድ መጠን ትኪ ይወጽእ’ኳ እንተነበረ፡ ናሕሲ ናይቲ ህንጻ ምስ ወደቐ ግን፡ እቲ መጠን ትኪ ከምዝወሓደ ሓላፊ ኣሃዱ ህጹጽ ረድኤት፡ ሄንሪክ …

Read More »

ኣብ ወርሒ ሰነ፡ 23 ሰባት ምጥሓሎም ተነጊሩ

ኣብ ወርሒ ሰነ 2021፡ 23 ሰባት ብሓደጋ ምጥሓል ሂወቶም ከምዝሰኣኑን ምስቲ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ሓደጋታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብሰለስተ ዝወሓደ ምንባሩ፡ ሽወደናዊ ማሕበር መድሕን ሂወት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ካብዞም ናይዚ ዓመት’ዚ ግዳያት፡ እቶም ሰለስተ፡ ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ምንባሮም እቲ ማሕበር ገሊጹ። ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ማሕበር፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ምዕጻው ናይ መሐንበሲ …

Read More »

ብሰንኪ በርቂ፡ ኣብ 130 ቦታታት ሓደጋ ባርዕ ተኸሲቱ

ኣብ ምዕራብ ካናዳ: ዞባ ብሪቲሽ ኮሎምቢያ: ብሰንኪ በርቂ ኣብ 130 ቦታታት ባርዕ ሓዊ ከም እተኸስተ ተገሊጹ። ፈደራላዊ መንግስቲ ካናዳ: ነዚ ባርዕ ንምጥፋእ: ወተሃደራዊ ነፋሪት ክልእኽ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን ተቐማጦ ሊተን: ዓዶም ገዲፎም ምልቃቖም ዝዝከር እዩ። ክሳብ 49.6°C ብምብጻሕ: ዝለዓለ መጠን ሙቐት ዘመዝገበት: ሊተን: ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ብባርዕ ምሉእ ብምሉእ ምዕናዋ ይፍለጥ። እዛ 250 ሰባት ዝቕመጥዋ ገጠር: ካብ …

Read More »

ኣብ ካናዳ፡ ባርዕ ሓዊ ተኸሲቱ

ኣብ ካናዳ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ዘመዝገበት ዓዲ፡ 90% ብባርዕ ከም ዝዓነወት ኣባል ባይቶ ገሊጹ። ኣብዛ ሊቶን እተባህለት ኣብ ዞባ ብሪቲሽ ኮሎምቢያ እትርከብ ዓዲን ትሕተቅርጻኣን ብሰንኪ ባርዕ ሓዊ ሰፊሕ ዕንወት ከም ዝወረዳ፡ ብራድ ቪዝ፡ ገሊጹ’ሎ። ከንቲባ ሊቶን ዣን ፖልደርማን “ብህይወተይ ምውጽአይ ንገዛእ ርእሰይ ከም ዕድለኛ እየ ዝርእያ”። “ሊቶን፡ ብምሉኣ እያ ነዲዳ…ምንም ዝተረፋ የብላን” ኢሉ። ንሱ፡ እቲ ባርዕ ቅድሚ ምኽሳቱ 15 ደቓይቕ …

Read More »

ኣብ ማያሚ (ኣመሪካ): ሓደጋ ምፍራስ መንበሪ ህንጻ: ኣጋጢሙ

ኣብ ሰሜን ማያሚ: 12 ዝደርቢ መንበሪ ህንጻ: ምሉእ ብምሉእ ብምፍራሱን ኣባላት መድሕን: ብህይወት ዝተረፉ ንምርዳእ ኣብ ፍርስራስ እቲ ህንጻ ኣብ ምድላይ ተዋፊሮም ምህላዎም ተገሊጹ። ብውሕዱ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተን 99 ሰባት ዛጊት ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጠን ተሓቢሩ’ሎ። እቶም ናይ መድሕን ኣባላት ክሳብ እዛ ሰዓት ስልጡናት ኣኽላባትን ሶናር ካሜራታትን እናተጠቕሙ ፈተሸኦም ይቕጽልዎ ኣለዉ ኢሉ እቲ ጸብጻብ። እዚ ካብ ዝህነጽ 40 ዓመት ዝገብረ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com