Thursday , May 2 2024

ሓደጋ

ማሊ: ብሓደጋ መኪና: 41 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ዛምቦጉ ማእከላይ ማሊ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 41 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 33 ድማ ምሟቶም ተገሊጹ። ካብቶም ብጽኑዕ ዝቖሰሉ ሓደ ዕሸል ከም ዝርከቦም ሚኒስተር ትራንስፖርት እታ ሃገር ገሊጹ’ሎ። እዚ ብሰሉስ ዘጋጠመ ሓደጋ ጠንቁ ከም ዘይፍለጥ፥ እንተኾነ ግና ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብን ግመን መንገዲ ብንጹር ይረአ ከም ዘይነበረ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ተጓዓዝቲ ገሊጾም። ኣብ ማሊ ብሰንኪ ሕማቕ ጽርግያታት ሓደጋ መካይን ኣዘውቲሩ ከም ዝኽሰት …

Read More »

ኣብ ኒጀር ብዝተኸስተ ብርቱዕ ዝናብ፡ 35 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ምዕራባ ኣፍሪቃዊት፡ ሃገር ኒጀር፡ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብ፡ 35 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 26 ሽሕ ድማ ብዘይቤት ምትራፎም ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ካብዞም መወትቲ፡ እቶም 20 ሰባት፡ ኣብ ልዕሊኦም ብዝፈረሰ ኣባይቲ፡ እቶም 15 ድማ ኣብ ውሕጅ ጥሒሎም ምሟቶም ጸብጻባት ገሊጾም። ብጠቕላላ 2500 መንበሪ ኣባይትን ከምኡ ውን መሳጊድን ኣብያተ ትምህርትን ዝርከብዎም 50 ህንጻታት ውን በቲ ብርቱዕ ዝናብ …

Read More »

ብሰንኪ ዕልቕልቕ፡ መጓዓዝያ ባቡር፡ ኣቋሪጹ

ኣብ መንጎ ስቶልዳለንን ሃለፎርስ ዘሎ መስመር መንገዲ ባቡር፡ ብሰንኪ ዕልቕልቕ ዘጋጠመ ስለ ዝተበላሸወ፡ ካብ ዮቶቦሪ ክሳብ ፋሉና ዝነበረ ምንቅስቓ ናይ ባቡር ኣቋሪጹ ከምዘሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ንጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ምርኩስ ብምግባር ሓቢሩ። እቲ ምቁራጽ ናይ ባቡር ጉዕዞ፡ ክሳብ ሎሚ ዓርቢ ሰዓት 3 ናይ ምሸት ክጸንሕ ከምዝኽእል እቲ ሬድዮ ሓቢሩ ኣሎ።  

Read More »

ልዕሊ 57 ካብ ገማግም ሊብያ ዝተበገሱ ሰባት፡ ጥሒሎም

ካብ ርእሲ ከተማ ሊብያ፡ ትሪፖሊ፡ 120 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ካብ እትርከብ ወደብ ኾምስ፡ ናብ ኤውሮፓ ንምስጋር ዝሃቀኑ ሰባት ሒዛ ዝተበገሰት ጃልባ፡ ርሑቕ ከይከደት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ስለዘጋጠማ፡ ከም ሳዕቤኑ፡ ልዕሊ 57 ሰባት ምሟቶም፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ክፍለጥ’ኳ እንተዘይከኣለ፡ ከምቲ ኣብ ዝበዝሓ ጀላቡ ዝረአ፡ ብቕዓት …

Read More »

ኦርንኾልድስቪክ (Örnsköldsvik)፡ ሽዱሽተ ሄክታር ዝስፍሓቱ ጫካ ብባርዕ ይህሞኽ

  ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኦርንኾልድስቪክ፡ ኣብ ጥቓ ብዮርና (Björna) ዝርከብ ቀላይ ፍሬትሻርነን (Frättjärnen)፡ ዘሎ ክሳብ 6 ሄክታር ዝፍሓቱ ጫካ ብሓዊ ክቃጸል ከምዝጀመረ፡ ማእከል መድሕን ቬስተርኖርላንድ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ዝተኸስተ ባርዕ ሓዊ፡ ካብ መንበሪ ቦታታት ዝረሓቐን ናይ ምስፍሕፋሕ ዓቕሙ ዝተሓተን ብምዃኑ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝፈጥሮ ስግኣት ከምዘየለ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢሮም። ኣብ ምጥፋእ ናይቲ …

Read More »

ሃገረ ጣልያን፡ ሓገዝ ሓቲታ

ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ ሳርዲንያ፡ ዓዲ ጥልያን፡ ዝተኸስተ ባርዕ ሓዊ፡ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ብምምጽኡ፡ መንግስቲ ጥልያን፡ ካብ ካልኦት ኤውሮጳውያን ሃገራት፡ ናይ መጥፋእቲ ሓዊ ነፈርቲ፡ ሓገዝ ከምዝሓተተት ሮይተርስ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ብሰንኪ እቲ ዝተኸስተ ባርዕ፡ 400 ሰባት ካብ ኣባይቶም ክለቁ’ኳ እንተ ተገደዱ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ ሓደጋ ግን ክሳብ ሕጂ ከምዘየለ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ባርዕ፡ …

Read More »

ቻይና፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ዝሰዓበ ዕልቕልቕ፡ 12 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ማእከላይ ቻይና፡ ብዝተኸስተ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝናብ ዘስዓቦ ዕልቕልቕ፡ 12 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት 100 ሽሕ ዝኾኑ ድማ ካብ ኣባይቶም ክግዕዙ ከም እተገደዱ ተገሊጹ። ኣብ ማእከላይ ቻይና፡ ኣውራጃ ሄናን፡ ዝርከባ ልዕሊ ደርዘን ከተማታት እንተላይ ርእሰ ከተማኣ፡ ዠንግዡ፡ በዚ ብርቱዕ ዝናብ ተጸልየን ምህላወን ተፈሊጡ። ዝናብ ክሳብ ደረት እኹል ሰብ ከም ዝበጽሐ ብሰፊሑ ዝዝርግሑ ዘለዉ ስእሊታት ማሕበራዊ ሚድያ የረድኡ። ፕረዚደንት ቻይና፡ ዢ …

Read More »

ኬንያ፡ ናይ ነዳዲ ገንኢ ብምፍንጃሩ፡ 30 ሰባት ሞይቶም

ኣብታ ካብ ናይሮቢ ብሸነኽ ሰሜን ምዕራብ 200 ማይል ርሒቓ እትርከብ ማላንጋ ብዘጋጠመ ምፍንጃር ገንኢ፡ 30 ሰባት ከም ዝሞቱን 20 ዝኾኑ ድማ ከቢድ ኣካላዊ ቃጸሎ ከም ዘጓነፎም ተገሊጹ። እቲ ገንኢ ምስ ተገምጠለ፡ ሰባት ነቲ ዝልሕዂ ዝነበረ ነዳዲ ክርእዩ እክብ ምስ በሉ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት እቲ ባርዕ ከም እተኸስተ ተገሊጹ። ብርቱዕ ነትጒ ሰሚዕና ካብ ድቃስና ምስ ተበራበርና ዓብዪ ባርዕ ንሰማይ ክዓርግ ርእየ” ይብል …

Read More »

ዳምቤሪ፡ ጭካነ ዝመለኦ ተግባር እዩ ክብል ንፍጻሜ ቶኽሲ ኮኒንዎ

እቲ ብቀዳም ምሸት፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሁዲንየ፡ ከባቢ ፍለሚንስቤሪ፡ ዘጋጠመ ገበናዊ ፍጻሜ ቶኽሲ፡ ኣብቲ ንጹሃን ህጻናት ዝጻወትሉን ዝንቀሳቐስሉን ኣከባቢ ብምፍጻሙ፡ ዘይሓላፍነታውን ጨካንን ተግባር እዩ ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚኪኤል ዳምቤሪ፡ ድሕሪ’ቲ ሓደ ኣብ መዋእለ ህጻናትን ሓደ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ክልተ ናእሽቱ ህጻናት፡ ግዳይ ዝኾንዎ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ፍጻሜ፡ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ነይሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሓሳባትናን …

Read More »

ህንዳዊ ሳኣላይ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተቐቲሉ

ተሸላሚ ፑሊትዘር ዝኾነ ህንዳዊ፡ ደኒሽ ሲዲቂ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ከም እተቐትለ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ገሊጹ። ወዲ 41 ዓለት ደኒሽ ንዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ሰኣላይ ሮይተርስ ምንባሩ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዜናዊ ስእሊታት ከዳሉ ኣብ ተልእኾ እናህለወ ምሟቱ ኣረጋጊጹ። ንሱ ጥቓ ዶብ ፓኪስታን ኣብ እትርከብ ዓዲ ብጒጅለ ጣሊባን ብዝተገብረ ድብያ እዩ ተቐቲሉ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ክንደይ ካልኦት ሰባት ምሟቶም ኣይተሓበረን። ኣብ ሙምባይ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com