Monday , April 29 2024

ሓደጋ

ሶርያ፡ ካብ ሓደ ትካል ዝፈሰሰ ነዳዲ፡ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ይብክል

ካብ ሓደ ኣብ ሶርያ ዝርከብ ትካል ናብ ማእከላይ ባሕሪ ዝፈሰሰ ነዳዲ፡ ናብ ደሴታዊት ሃገሮም ከይልሕዂ ንምቊጽጻር፡ ሰብመዚ ቆጵሮስ፡ ብተጠንቀቕ ይከታተሉ ምህላዎም ተገሊጹ። ካብ ትካል መጻረዪ ድፍድፍ ነዳዲ ባንያስ ዝፈሰሰ፡ ናብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ምልሓኹ፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሶርያ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዘን ክገልጻ ጸኒሐን ኣለዋ። እዚ ዝለሓዀ ነዳዲ፡ ካብ ገማግም ሶርያ ኣትሒዙ ብወገን ምዕራብ ናብ ደሴታዊት ሃገረ ቆጵሮስ ይንቀሳቐስ ምህላዉ …

Read More »

ህቦብላ Ida፡ ዓቢ ዕንወት ኣስዒቡ

ኣብ ሉዊዝያና (ደቡባዊ ክፋል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ) ብዝተኸስተ ኢዳ ዝተሰምየ ህቦብላ፡ ዓቢ ዕንወት ከም ዝወረደ ተገሊጹ። ዝዓበየ ክፋል እታ ስቴት (እንተላይ እታ ብሙዚቃ ጃዝ እትፍለጥ ኒው ኣርሊስን) ብሰንኪ እቲ ህቦብላ ብማይ ኣዕለቕሊቐን ብዘይ ኤሌክትሪካዊ ጸዓት ምትራፈን እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ጎደቦ ሉዊዝያና ኣብ ዝኾነት ሉሲደል፡ ብሰንኪ እቲ ህቦብላ ሓደ ሃይወይ ዓንዩ’ሎ። እዚ ዕንወት ብዝፈጠሮ ጒድጓድ፡ መካይን ኣብ ሓደጋ ኣትየን፡ ብውሕዱ ክልተ …

Read More »

ብርቱዕ ዕልቕልቕ ክህሉ ከምዝኽእል፡ መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ

ትማሊ ለይቲ፡ ኣብ ምምሕዳር ያቭለቦሪ ብዝዘነበ ከቢድ ዝናብ፡ ዕልቕልቕ ፈጢሩ ምህላዉን ብዙሓት ህንጻታትን ጽርግያታት ውን ብማይ ተዋሒጦም ከምዘለዉን ብፍላይ ድማ እቶም ትሕቲ ገለርያታት ዝሓልፉ ጽርግያታት፡ ኣብ ብርቱዕ ዕልቕልቕ ከምዝርከቡን  P4 Gävleborg ሓቢሩ ክብል ተተ ኣቃሊሑ። ተቐማጦ እቲ ከባቢ፡ ኣብ ገዝኦም ንኽጸንሑ፡ ኣገልግሎት ህጹጽ ረዲኤት ያቭለ፡ ሓቢሩ ከምዘሎ፡ እታ ጋዜጣ ገሊጻ። ኣገልግሎት ህጹጽ ረዲኤት፡ ነቶም ብቐዳምነት ዝሰርዖም ህንጻታት፡ ብፖምፓታት እናተጠቀመ፡ ማይ …

Read More »

ኣብ ሃይቲ፡ ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ልዕሊ 1200 ሰባት ሞይቶም

ብቐዳም መዓልቲ፡ ኣብ ሃገረ ሃይቲ ብሰንኪ ዘጋጠመ 7.2 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ 1297 ሰባት ከምዝሞቱን 5700 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉን ናይ ውሽጢ ሃገር ማዕከናት ዜና ገሊጸን ክብል ተተ ሓቢሩ። በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያናት፡ ሆቴላት፡ ሆስፒታላትን ገዛውትን ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረደ ተገሊጹ። ደቡባዊ ምዕራብ ሃይቲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ለስ ካየስ፡  እቲ ዝለዓለ ጉድኣት ዝወረዶ ኣከባቢ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

Read More »

ኣብ ቱርኪ፡ ብሰንኪ ዝናብ፡ 70 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ከባቢ ጸሊም ባሕሪ፡ ሰሜን ቱርኪ፡ ብሰብኪ ዝናብ፡ ብዙሓት ከተማታት፡ ጽርግያታት፡ ህንጻታትን ድልድላትን ከምዝፈረሱን ብውሑዱ ድማ 70 ሰባት ምሟቶምን 47 ሰባት ድማ ተሳኢኖም ከምዘለው EFE ዝተባህለ ማዕከን ዜና ከምዝገለጸ፡ ተተ ሓቢሩ። መብዛሕትኦም ግዳያት ኮይኖም ዘለዉ፡ ካብታ ኣብ መንጎ ኣንካራን ጸሊም ባሕርን እትርከብ ምምሕዳር ካስታሞኑ፡ ከምዝኾኑ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣስታት 40 ዓድታት፡ ብዘይ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ከምዘለዋ፡ ኣብ ገሊአን ድማ ኣገልግሎት ማይ ኣቋሪጹ …

Read More »

ከተማታት ቱርኪ ብውሕጅ የዕለቕልቓ

ኣብ ሰሜን ቱርኪ ኣውራጃ ካስታሞኑ ብዝተኸስተ ውሕጅ ብውሕዱ 27 ሰባት ምሟቶም ሚኒስትሪ ሓደጋታት እታ ሃገር ገሊጹ።   ብዘይካ ካስታማኑ ኣውራጃታ ባርቲን ሲነፕን ብላክ ሲን ተጸልየን ኣለዋ ተባሂሉ። በዚ ሓደጋ ድልድላትን መንገድታትን ምዕናዉን ናይ መድሕን ዕዮ ብሄሊኮፕተር ይሳለጥ ምህላውን ተሓቢሩ። ኣብ ከተማታት ብርቱዕ ውሕጅ ብጎደናታት ክገማዳሕ ብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ተራእዩ ኣሎ።   ኣብ ሰሜን ቱርኪ ብፍላይ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ዝህልወሉ …

Read More »

ኣብ ደሴት ኤቪያ፡ ጩራ ተስፋ ተራእዩ

ኣብ ግሪኽ፡ ብርክት ዝበሉ ጫካታትን መሬትን ብባርዕ ኣብ ዝቃጸለሉ ዘሎ እዋን ኣብ ደሴት ኤቪያ ዘሎ ኲነታት ክመሓየሽ እዩ ዝብል ተስፋ ምህላዉ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ናይ ባርዕ ግንባራት ብዘገመታ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ይኣቱ ኣሎ ክልብ፡ ከንቲባ ናይታ ብባርዕ ኣጸቢቓ እተሃስየት ደሴት ኤቪያ ዝኾነ፡ ዮኒስ ኮንትዝያስ ሓቢሩ። ሰማይ ብትኪ ባርዕ ተሸፊኑ ምርኣይ ዘሕዝን እኳ እንተኾነ ሕጂ ግና እዚ …

Read More »

ህንዲ . . . ብመንደርጋሕ፡ ክልተ ሰባት ይሞቱ

ኣብ ህንዲ፡ ክልል ሂማሻል ፕራደሽ፡ ብዘጋጠመ ምንሽርታት ምድሪን ምውዳቕ መንደራጋሕን፡ ብውሕዱ፡ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ዓሰርተታት ዝኾኑ ድማ ብ ፍርስራስ ኣእማን ተጸቒጦም ኣለዉ። ካብ ጎቦ ብዝወረደ ዓበይቲ ኣእማን ንሓንቲ ኣውቶቡስ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝሸፈና መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም ኣለዉ። ፖሊስ እቲ ከባቢ ናይ መድሕን ስራሕ ጀሚሮም ምህላዎም ን ሰብመዚ ፖሊስ ብምጥቃስ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። ኣብ ህንዲ ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ኣብ …

Read More »

ኣብ ሆስፒታል ኮቪድ፡ መስመር ኦክስጂን ብምፍንጃሩ፡ ትሽዓተ ሰባት ሞይቶም

ትማሊ ሶኑይ፡ ኣብ ሩስያዊት ከተማ ቭላዲካቭካዝ ( Vladikavkaz) ኣብ እትርከብ ሆስፒታል፡ ብትሕቲ መሬት ዝተዘርገሐ መስመራት ኦክስጂን ብምፍንጃሩ፡ ካብቶም ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝነበሩ 71 ሕሙማት ኮቪድ ዝኾኑ ሰባት፡ 9 ከምዝሞቱ በዓል መዚ ጥዕና እቲ ከበቢ ንማዕከን ዜና ታስ ዝሃቦ መግለጺ ምርኩስ ብምግባር፡ ተተ፡ ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ናይ ኦክስጂን ገንእታት ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝተላእከ ተፈሊጡ ኣሎ። ሰራሕተኛታት ጥዕና ድማ፡ …

Read More »

ኣልጀርያ፥ ብባርዕ ጫካ ኣርባዕተ ሰባት ይሞቱ።

ኣብታ ብጎቦታት እተኸበት ዞባ ካቢልያ (ኣልጀርያ) ብዝተኸስተ ባርዕ ጫካ፡ ኣርባዕተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሰለስተ ካልኦት ድማ ቆሲሎም ኣለዉ። ካቢልያ ካብ ርእሰ ከተማ ኣልጀርያ፡ ኣልጀርስ፡ ብወገን ምብራቕ እትርከብ ዞባ እያ። ብመሰረት ጸብጻባት ሚድያታት መንግስቲ ኣብ ኣይት-የኒ ክልተ ሰባት፡ ሓደ ኣብ ዩክሬን ካልእ ከኣ ኣብ ኣዛዝጋ በቲ ባርዕ ሞይቶም ኣለዉ። ተቐማጦ እቲ ከባቢ፡ ብስንባደ ካብቲ ከባቢ፡ ብእግሮም እናሃደሙ ዘርኢ ስእሊታትን ቪድዮን ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com