Thursday , May 2 2024

ሓደጋ

ንግስቲ ዙሉ: ዓሪፋ

ድሕሪ ሞት በዓል ቤታ: ንጉስ ጉድዊል ዝወሊትኒ: 65 ዝዕድሜኣ: ማንትፎምቢ: ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግዜያዊት መራሒት ናይቲ ዝዓበየ ብሄር ደቡብ ኣፍሪቃ: ዙሉ: ኮይና ከም እተመዘት ዝዝከር እዩ። “ክቡርነታ ንግስቲ ሽዪወ ማንትፎምቢ ድላሚኒ ዙሉ ሃንደበት ምዕራፋ ብዓቢ ሓዘን ንገልጸልኩም” ክብል ቀዳማይ ሚኒትስር እቲ ንግስነት መስፍን: ማንጎሱቱ ቡተለዚ: ገሊጹ። ቤተሰባ: ብሞታ ኣብ ዓብዪ ስንባደ ከም ዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ንግስቲ ገሊጹ’ሎ። 11 ሚልዮን …

Read More »

እስራኤል: ኣብ ሃይማኖታዊ በዓል ብዘጋጠመ ጽቕጥቅጥ ዓሰርተታት ሰባት ሞይቶም

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እስራኤል: ኣብ ሃይማኖታዊ በዓል ብሰንኪ ዘጋጠመ ጽቕጥቅጥ: ብውሕዱ 44 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ። ኣብዚ ኣብ እግሪ እምባ ሜሮን ዝካየድ: ብ ላግ ብዖሜር: ዝፍለጥ ጽምብል: ካልኦት ዓሰርተታት ሰባት ውን: ኣካላዊ መጒዳእቲ ከም ዘጋጠሞም ኣገልግሎት ሃገራዊ ሓደጋ እስራኤል (ማገን ዴቪድ ኣዶም) ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ: ነዚ ኲነታት ኣዝዩ ዓብዪ ዕንወት እዩ በጺሑና ድሕሪ ምባል: ነቶም ግዳያት ክጽልየሎም ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ። …

Read More »

ኬንያውያን ግዳያት መጥቃዕቲ ኤምባሲ ኣመሪካ መድልዎ ካሕሳ ገጢሙና ይብሉ።

ኬንያዊት ሰራሕተኛ፡ ዳያና ሙቲስያ፡ ቅድሚ 22 ዓመታት ኣብ ኤምባሲ ኣመሪካ ናይሮቢ ብኣልቃዒዳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝቖሰለት እያ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ጒድኣት ዝወረዶም ኣመሪካውያን ካሕሳ ክቕበሉ እንከለዉ ንሳ ግና ምንም ዘይምርካባ ከም ዘጒሃያ ድማ ትገልጽ። እተን ክልተ ምፍንጃራት ከጋጥማ እንከለዋ ብስራሕ ጥቓ እቲ ኤምባሲ እያ ኔራ። በቲ ነትጒ ኣርባዕተ ምስኣ ዝነበሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ንሳ ውኖኣ ኣጥፊኣ ከም ዝወደቐትን ንሕክምና ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ …

Read More »

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት፡ ሃለዋቶም ጠፊኡ

ትማሊ ሮቡዕ፡ ካብ ገማግም ትሪፖሊ፡ ሊብያ፡ ከምዝተበገሳ ዝንገረለን፡ ሓንቲ፡ 130 ሰባት ዝጸዓነት ናይ ጎማ ጃልባ፡ ሓንቲ፡ 40 ሰባት ዝጸዓነት ናይ ዕንጨይቲ ጃልባን ሓንቲ ዝኾነ ዓይነት መዝገብ ዘይተረኽባ ጃልባን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመን ማዕበል ኣበይ ከምዝኣተዋ ከምዘይተፈልጠ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝነጥፍ ፈረንሳዊ ኣሃዱ ሂወት ኣድሕን ዘዳለዎ ጸብጻብ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ትማሊ ሮቡዕ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ክሳብ 6 ሜትሮ …

Read More »

መራሒ ጫድ እድሪስ ደብዒ ተቐቲሉ

ንሃገረ ጫድ፡ ን 30 ዓመታት ዝመርሐ፡ እድሪስ ደብዒ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጒጅለታት ክቃለስ ምጽንሑን ነዚ ንምስላጥ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እታ ሃገር ብምጒዓዝ ከም ዝፍለጥን ኣልጀዚራ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ የመልክት። ብፍላይ ድማ ዝሓለፈ መጋቢት ቦኮ ሓራም ኣብ ሰራዊት ጫድ ከቢድ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዎም እድሪስ ናብ ቀላይ ጫድ ብምኻድ ምስ ወተሃደራቱ ክዝቲ ከም እተራእየን እቲ ጸብጻብ ይገልጽ። ኣብ ሓደ ካብዞም ዓውደ ኲናት ድማ …

Read More »

ተቐማጦ ኬፕታውን፡ ብሰንኪ ባርዕ፡ ካብ ወሰናስን’ታ ከተማ ይግዕዙ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፡ ናብ ከተማ ኬፕታውን ብምልሓሙ፡ ሰራሕተኛታት ህጹጽ እዋን ሓደጋ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ 17 ደርቢ ዘለዎም 3 መንበሪ ህንጻታት፡ ዝነበሩ ተቐማጦ ከም ዘግዓዙ ተገሊጹ። እዚ ሓደጋ ባርዕ፡ ብሰንበት ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ብብርቱዕ ንፋስን መሸንቦባን እናተሰነየ ብልዑል ፍጥነት ምልባዑን ናብ ቤተመዘክር ሰሲል ሮድስ ብምብጻሕ ሓንቲ ቤት መግብን ታሪኻዊ ቤት ንባብ ዩኒቨርሲቲ ኬፕታውንን ምዕናዉ ሰብ …

Read More »

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተላበዐ ባርዕ፡ ታሪኻውያን ህንጻታት ይዓንዉ

ኣብቲ ቴብል ማውንተን፡ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኲጀታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ባርዕ፡ ናብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ኬፕታውን ከም ዘስፋሕፍሐን በዚ ድማ ኣማኢት ተመሃሮ ካብቲ ቦታ ክለቁ ከም እተገብረን ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም። እዚ ትማል ሰንበት ጥቓ ቤተ መዘክር ሴሲል ሮደስ ዝተኸስተ ባርዕ ሓዊ፡ ብዘገርም ፍጥነት ከም እተላብዐን ሓደ ቤት መግቢ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘዕነወን ተፈሊጡ። ታሪኻዊ ቤት ንባብ እቲ ዩኒቨርሲቲን ካልኦት ህንጻታትን እውን …

Read More »

ሬሳ ናይ 21 ሰባት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ተረኺቡ

ትማሊ ሓሙስ ዕለት 15/04/2021፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ፡ ስደተኛታት ጽዒና፡ ካብ ቱኒዝያዊት ከተማ ስፋክስ ከም ዝተበገሰት ዝንገረላ ጃልባ፡ ናብ ጣልያናዊት ዴሴት ላምፔዱሳ፡ ኣብ ተምራሓሉ ዝነበረት እዋን፡ ብሰንኪ ዘጋጠማ ሓያል ማዕበል፡ ኣብ ማእከል ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምጥሓላ፡ ካብ ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ስደተኛታት ናይ 21 ሰባት ሬሳ ከምዝተረኽበን፡ እቲ ፈተሻ ቀጻሊ ምህላዉን ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

Read More »

ወራስ ዓራት ዓዲ እንግሊዝ፡ ፊሊፕስ፡ ሞይቱ

በዓል ቤታ ንንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኤሊዛቤት II፡ ወራስ ዓራት ዓዲ እንግሊዝ፡ ፊሊፕስ፡ ሎሚ ዓርቢ፡ ኣብ መበል 99 ዓመት ዕድሚኡ፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፍለየ ወሃብ ቃል ባንኪንግሃም ፓላስ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ንግስቲ ኤሊዛቤት፡ ሎሚ ንግሆ፡ ፊሊፕስ፡ ኣብ ዓራቱ እንከሎ ብሰላም ካብዛ ዓለም ከምዝተፈልየ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ባኪንግሃም ፓላስ፡ ሓቢራ።

Read More »

ኣብ ዳርፉር፡ ቊጽሪ ዝሞቱ ሰባት፡ 132 በጺሑ

ኣብ ዳርፉር፡ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግርጭት፡ ዛጊት 132 ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ኣመሓዳሪ ክልል ምዕራብ ዳርፉር ገሊጹ። መንግስቲ ሱዳን፡ ህይወት ሲቪላውያን ንምሕላው፡ ተወሰኽቲ ሓለዋ ጸጥታ ክልእኽ እየ ብምባል ዝኣተዎ መብጽዓ ከኽብር ዘይምኽኣሉ ኣመሓዳሪ፡ ፋርፉር መሓመድ ዓብደላ ዱማ፡ ገሊጹ’ሎ። ኣባላት መሳሊትን ማሕብረሰብ ዓረብን ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣትሒዞም ኣብ ከተማ ኣልጀኒን፡ ብኸቢድ ብረት እተሰነየ ግጭት ተጸሚዶም ኣለዉ ክብል ካብ ቢቢሲ ኤዲተር ኣፍሪቃ፡ ዊል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com