Friday , May 17 2024

ዜና

ኣኽበርቲ ሕጊ ኢራን፡ ዮሃን ፍሎደሩስ ብሞት ክቕጻዕ ይሓቱ

ኣብ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሽወደናዊ ዜጋ ዮሃን ፍሎደረስ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ትማሊ ሰንበት ተዛዚሙ። ኣኽበርቲ ሕጊ ዝለዓለ መቕጻዕቲ ማለት ናይ ሞት ፍርዲ ክብየኖ ይጽዕሩ ኣለዉ። ፍሎደረስ ምስ እስራኤል ኣንጻር ኢራን ውዲት ፈጺሙ ተባሂሉ እዩ ክሲ ቀሪቡሉ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ማእሰርቱ ዘይሕጋዊ ምዃኑን ክፍታሕን ክጽውዕ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።

Read More »

ዘሕጋዊ ሰደድ መካይን ምስ ኣህጉራውያን ጉጅለታት ዓሎቕ ዝተኣሳሰር እዩ ተባሂሉ

ብዘይሕጋዊ ካብ ሽወደን ናብ ናይጀርያ ዘገልገላ መካይን ኣብ ምልኣኽ ዝተዋፈሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ኣህጉራዊ መርበባት ዓሎቕ እውን ከም ዝነጥፉ ተሓቢሩ። ዘገልገላ መካይን ሽወደን ናብቲ ብብዝሒ ዝጥለባሉ ዘለዋ ዕዳጋ ናይጀርያ ንምልኣኽ ዝግበር መስርሓት ክትከታተል ዝጸንሐት ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን፥ ብፍላይ ዕብይ ዝበሉ ሰባት ግዳያት እዚ ዕሎቕ ይኾኑ ምህላዎም ኣጣሊላ’ላ። ሓንቲ ካብዞም ግዳያት ዮሃን ኢንግሪድ ብፍቕራዊ ዓሎቕ ሚልዮናት ክሮና ኣብ ልዕሊ …

Read More »

ንምድላው ኲናትን ቅልውላውን ዝሕብር ብሮሹር ሎሚ ዓመት ክዕደል እዩ

ቅልውላው ወይ ውግእ እንተተኸሲቱ እንታይ ንግበር ብዝብል እተዳለወ ብሮሹር ኣብዚ ጽድያ ብሓድሽ መልክዕ ናብ ኩለን ስድራቤታት ሽወደን ብፖስታ ክለኣኽ እዩ። ብዘይካዚ ኤጀንሲ ሲቪላዊ ቅድመ ምድላው ሓደጋታት ሽወደን (MSB) ኣብ ዝመጽእ ጥቅምቲ ንኽቐርብ ዝተዳለወ እዋናዊ ፓምፍሌት ኣብ ምስንዳእ ኣሎ ክትብል ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። እቲ ትሕዝቶ ምስቲ ሽወደን ኣባልነት ኔቶ ድሕሪ ምዃና ዝህሉ ልዑል ጸጥታዊ ኩነታት ዝያዳ ብዝሰማማዕ ኣገባብ ዝተዳለወ …

Read More »

ኣብ ሶርያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያሎ ይሞቱ

ኣብ ሶርያ ኣብ ወሰን ከተማ ደማስቆ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሓያሎ ድማ ምቚሳሎም ይሕብራ’ለዋ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሓደ ነቚጣ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ከም እተኸስተ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣፈኛ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ብዛዕባ እቲ ፍንጀራ ብ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ምስ ንዝቐረበሉ ሕቶ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ’ሎ። ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዮርዳኖስ ብዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተደብደበ መደበር፡ …

Read More »

ሕጹይ ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ስታብ፡ ንኒኒስቶ ክትክእ እዩ ዝብል ግምታት ይዓቢ

ሕጹይ ፕረዚደንት ሃገራዊ ጥምረት ፊንላንድ ኣሌክሳንደር ስታብ፡ ንፕረዚደንት ሳውሊ ኒኒስቶ ንምትካእ ዓብዪ ተስፋ ከም ዘለዎ ብ YLE ዝተኻየደ ዳህሳስ ርእይቶ ህዝቢ ኣቃሊዑ። ደገፍ ስታብ ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ብኣርባዕተ ሚእታዊት ብምጒዳል ናብ 27% ወሪዱ’ኳ እንተነበረ፥ ንኻልኣይ ወርሒ ብተኸታታሊ 23% ዘምጽአን ናይ ቀረባ መወዳድርቱን ንዝኾነ ፔካ ሃቪስቶ ቀዲሙ ይርከብ ኣሎ። ጁሲ ሃላ-ኣሆ፡ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ናይቲ ጎስጓስ ዝያዳ ዕዉት ድፍኢት ከምዝገበረ፡ ተፈታውነቱ …

Read More »

ገበነኛታት ናብ ዕዳጋ ናይጀርያ ዝኾና መካይን ንምርካብ ሓበሬታ ይሽምቱ

ገበነኛታትን ኣብቲ ናብ ናይጀርያ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ሰደድ መካይን ብድሕሪ መጋረጃ ዝእዝዙ ዘለዉ ሰባትን፡ ኣብ ሽወደን ንዝርከቡ ምዝጉባት ወነንቲ መካይን ብምርካብን መካይኖም ክሸጡ ምድፍፋእን ይቕጽልሉ ምህላዎም፡ ካብዚ ሃሊፎም እውን ካብ ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን ውልቃዊ መረዳእታ ይገዝኡ ከምዘለዉ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እቲ ሓበሬታ ናብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣታዊ ዘለወን ኣረጊት መካይን ረኺብካ ንምስግጋር ይውዕል ምህላው እታ ሬድዮ ኣጣሊላ’ላ።

Read More »

ሳዕቤናት መጥቃዕቲ ሃከር (hacker)ይቕጽል

ኣብ ስርዓተ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ፊንላንዳዊ ትካል Tietoevry ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ራንሶምዌር” ክሳብ ሕጂ ፍታሕ ዘይምርካቡ፡ ሳዕቤናቱ ድማ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ከም ዘሎ ተፈሊጡ። “ዛጊት ምሉእ ስፍሓቱ ዘይንፈልጦ ከቢድ ጒዳይ ንገጥም ከምዘለና ርዱእ’ዩ” ይብል ሚኒስተር ሲቪል ምክልኻል ካርል-ኦስካር ቦህሊን። እቲ መጥቃዕቲ ምኽንያት ምዕጻው ብዙሓት ኩባንያታትን መንግስታዊ ትካላትን ኮይኑ’ሎ። ሓደ ካብዞም ሃስያ ዝወረዶም ኣሰራርሓታት እቲ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝጥቀሙሉ ስርዓተ ዕደላ …

Read More »

ኤርዶጋን ንሰነድ ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ከቲሙ

ቱርክ፥ ዝሓለፈ ሓሙስ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ብወግዒ ከምዘጽደቐቶ፥ ፕረዚደንት እታ ሃገር ረሲፕ ጠይብ ዔርዶጋን ከኣ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ነቲ ናይ ደገፍ ሰነድ ምኽታሙ፥ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢራ። በዚ ድማ፥ ሕጂ ሃንጋሪ ንምጽንባር ሽወደን ናብ ኔቶ ዘየረጋገጸት እንኮ ኣባል እቲ ውድብ ኮይና ትቕጽል ኣላ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ ቱርክ ነቲ ሕቶ ኣባልነት ምጽዳቓ ብሓጎስ ብምቕባል፡ ኣብ ማሕበራዊ …

Read More »

ናይጀርያ፥ ርእሰ ከተማ ካብ ኣቡጃ ናብ ሌጎስ ንምግዓዝ ዝኾነ መደብ ከም ዘይብላ ትገልጽ

ፕረዚደንት ናይጀርያ ቦላ ቲኑቡ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካብ ኣቡጃ ናብ ሌጎስ ንምግዓዝ ዝኾነ መደብ ከምዘይብሉ ሓቢሩ። እቲ ፕረዚደንትነት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ወረታት ዘጋውሑ ዘለዉ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ድሕሪ ምውቃስ፡ ሓቅነት የብሉን ኢሉ። እቲ ወረ ኣመሓዳሪ ሌጎስ ነበር ቲኑቡ ዝሓለፈ ግንቦት ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ እዩ ጀሚሩ። ትካል መዓርፎ ነፈርትን ክፍሊ ማእከላይ ባንክን ናብ ሌጎስ ይግዕዙ ከምዘለዉ ድሕሪ ምግላጹ ከኣ እቲ ጒዳይ ኣዘራራቢ …

Read More »

ፊንላንድ፡ ሽዱሽተ ሕጹያት ፕረዚደንት እንግሊዝኛ እናጎልሐ ምምጽኡ ይቃወሙ።

ሽዱሽተ ሕጹያት ፕረዚደንት ፊንላንድ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ፊንላንድ ርኡይ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ቀጻሊ ዝንባለ እንግሊዝኛ ብሙሉእ ድምጺ ተቓውሞኦም ምስምዖም ኣብዚ ቀረባ እዋን ብ Oma kieli ry ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። እቶም ሕጹያት ሚካ ኣልቶላ፡ ሳሪ ኤሳያ፡ ፔካ ሃቪስቶ፡ ጁሲ ሃላ-ኣሆ፡ ሃሪ ሃርኪሞን ኦሊ ረንን፡ ብዛዕባ ተራ እንግሊዝኛ ኣብ ሕብረተሰብ ፊንላንድ፡ ብፍላይ ኣብ ትምህርቲ መንግስታውን ውልቃውን ኣገልግሎታት ንዝቐረበሎም ተኸታተልቲ ሕቶታት መልሲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com