Thursday , May 2 2024

ዜና

መጥቃዕቲ ሳይበር ኣብ ኣገልግሎት ሲነማ ኣሉታዊ ተጽዕኖኡ ኣንቢሩ

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ስንበት ኣብ ሽወደን ኣብ ዝርከብ ትካል ሶፍትዌርን ወሃቢ ማእከል ኣገልግሎት ዳታን ሓበሬታን ቲየቶቭሪ ዝኾነ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ራንሶምዌር” ሓያሎ ኩባንያታት ኣብ ጸገም ምህላወን ተገሊጹ። ሓደ ካብቶም ዝተጎድኡ ትካላት ንግዲ ዝኾነ ሰንሰለት ሲነማ ፊልምስታደን፡ ብኢንተርነት ኣቢሉ ምዝገባ ከካይድ ይዂን ካርድ ማሽናቱ ክጥቀም ብዘይምኽኣሉ፡ ክፍሊት ስዊሽ ክጥቀም ምግዳዱ ተፈሊጡ። ገለ ዞባዊ ምምሕዳራትን ከተማታትን እውን በዚ ብኣሉታ ተጸልየን ምህላወን ሬድዮ ሽወደን …

Read More »

ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብተን ንመኽሰብ ዘይሰርሓ ክሊኒካት ኣገልግሎት ይረኽቡ’ለዉ

መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ሽወደናዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ክሊኒክ “ዶክተርስ ኦቭ ዘ ዎርልድ” ኣገልግሎት ይረኽቡ ኣለዉ ። ዓሚ ክሊኒካቶም ኣስታት 1900 ሰብ ከም ዝረኣያ እዚ ድማ – ምስቲ ኣብ 2022 ዝነበረ እንክወዳደር ብ 30% ዝዛይድ ምዃኑ ተፈሊጡ። ብዙሓት ሕሙማት ክረኽብዎ ዝግባእ ህዝባዊ ክንክን ጥዕና ይኽልከሉ ከምዘለዉ ሓያሎ ትካላት ይገልጻ’ለዋ። ካልኦት ድማ ናብ ሰብመኢ ከይስትለሙ ብምስጋእ ክንክን ካብ …

Read More »

ኣበል ዩክሬናውያን ኣይክውስኽን እዩ ተባሂሉ

መንግስቲ ንዩክሬናውያን ስደተኛታት ዝወሃብ መዓልታዊ ኣበል ከምዘይውስኽ፥ ኣብ ክንድኡ ዩክሬናውያን ኣብ መዝገብ ህዝቢ ንኽኣትዉ ነቲ መስርሕ ከቀላጥፍ ድሌት ከም ዘለዎ ተገሊጹ። እዚ ድማ ንዩክሬናውያን ዝያዳ ተበጻሕነት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና፡ ማሕበራዊ ውሕስነት፥ ሓገዝ ኤጀንሲ ሽቕለትን ገለ ካልእ ጥቕምታትን ክህቦም እዩ ክትብል ሚንስተር ኢኒግሬሽን ማርያ ማልመ ስተነጋድ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ርግጽ’ዩ፡ እዚ ንውሕ ዝበለ ሕጋዊ መስርሕ ዝሓትት ብምዃኑ ግዜ ክወስድ ይኽእል …

Read More »

ህቦብላ ኢሻ ንሽወደን ኣጥቂዑ

ትካል ክሊማ ሽወደን ኣስታት ን ህቦብላ ኢሻ ምኽንያት ብምግባር 30 መጠንቀቕታታት ኩነታት ኣየር ኣውጺኡ፡፡ ህቦብላ ኢሻ ናብ ሽወደን ከቢድ ዝናብ፡ ህቦብላን ዕልቕልቕን ሒዙ ምምጽኡ እቲ ትካል ኣጠንቂቑ’ሎ። እዚ ህቦብላ ዘምጽኦ ዕልቕልቕ፣ ብርቱዕ ንፋስ፣ መሸንቦባን በረድን ዝበዝሖ ጽርግያታትን ድሮ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ንህዝባዊ መጓዓዝያ ጸገም ፈጢሩ’ሎ። እዚ ህቦብላ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር–ስኮርና–ብርክት ዝበለ ጒዕዞ ባቡርን ኣውቶቡሳትን ንኽስረዝ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ። …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መዲያ 23 ጥሪ 2024

Read More »

ኣላሜትሳ፡ እስራኤል ካብ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ክትግለል ጸዊዓ፡

ኣባል ባይቶ ሓምለዋይ ሰልፊ ፊንላንድ ኣልቪይና ኣላሜትሳ ምስ ሙዜቀኛታት ፊንላንድ ብምሕባር፡ እስራኤል ካብ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ክትግለል ጸዊዓ፡፡ እዚ ውሳነ ፊንላንድን ሃገራዊ ትካላ YLEን ኣብ ፈነወ ሕብረት ኤውሮጳ (EBU) ጽልዋ ናይ ምግባር ዓቕሚ ከምዘለዎም ኣላሜትሳ ገሊጻ’ላ። እዚ መግለጺ ኣላሜትሳ ዝወጸ ትካል ‘ሴቭ ዘ ቺልድረን’፥ ክሳብ መወዳእታ 2023 ኣብ ቓዛ ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ 100 ህጻናት ብደብዳብ እስራኤል ይቕተሉ ከምዘለዉ ዝሕብር ሓበሬታ …

Read More »

ባይቶ ጀርመን ድርብ ዜግነት ፍቑድ ክኸውን ኣጽዲቑ

ኣባላት ባይቶ ጀርመን ትማሊ ዓርቢ ኣብ ሕግታት ዜግነት እታ ሃገር ሰፊሕ ጽገና ምግባሮም ተገሊጹ። እዞም ኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃብዎ ድምጺ ድርብ ዜግነት ክፍቀድ ንርዕመተ ዜግነት (ናቹራላይዜሽን) ዝወሃብ ረቛሒታት መንበሪ ኸኣ ቅልል ዝበለ ክኸውን መንገዲ ጸሪጉ’ሎ። ወጻእተኛታት ብዙሕ ውጥረት ዝመልአን ክልተ ዓመታት ድሕሪ ምሕላፎም፡ መንግስቲ ንሕግታት ዜግነትን ርዕመትን ናቹራላይዜሽንን ዝዓለመ ኣዝዩ ኣገዳሲ እማመ ኣጽዲቑ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ቡንደስታግ ዝተኻየደ ካልኣይን …

Read More »

ሽወደናዊ ማርከስ ዋንድት ካብ ጠፈር ብርቱዕ ሓጎስ ይስማዓኒ’ሎ

ማርከስ ዋንድት ናብ ጠፈር ተወንጪፉ ናብ ዓለምለኻዊ መደበር ህዋ ገጹ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ሽወደናዊ ፓይለት ነፋሪት ኲናት ድሕሪ ናይ ተስዓ ደቓይቕ በረራ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ርክብ፡ እታ ‘ፋልኮን 9’ ዝተሰምየት ሮኬት ካብ ፍሎሪዳ ክትውንጨፍ ከላ ብዘርኣየቶ ቅልጣፈን ፍጥነትን ምግራምን ሓጎስን ከም እተሰምዖ፡ ኣብ ጠፈር ምህላው ዝስምዓካ ስምዒት ድማ ‘ብርቱዕ ሓጎስ” ክብል ገሊጽዎ’ሎ። ሰራሕተኛታት ‘ስፔስኤክስ’ ሰንበት ንግሆ ሰዓት 11.15 ኣብ ኣህጒራዊ …

Read More »

ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራትስ 'ብምኽንያት ምጒዳል እምነት’ ንኤምኢፒ ካብ ድምጺ ምርጫ ኤውሮጳ ኣውሪዶሞ።

ኣባል ሰልፊ ባይቶ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ሳራ ስካይተዳል፡ ሰልፋ ምጒዳል ተኣማምነት ዝብል ምኽንያት ብምልዓል ካብ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ተኣልያ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ክርስትያን ዲሞክራትስ ላዕለዋይ ሕጹይ ዝነበረ ስካይተዳል፡ ብዛዕባ ጒዳያት ዕድል ስራሕ ኣመልኪቱ ምስ ሰልፊ ዲሞክራሲ ሽወደን ርክብ ከምዝነበረ ኣባል እቲ ሰልፊ ዝኾነ ሓደ ሚኒስተር ገሊጹ’ሎ። ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ድምጺ ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራሲ …

Read More »

ሓድሽ ውሳነ ቤት ፍርዲ ንቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ሰብ ኣካዳሚ የቃልሎ

ካብ 2021 ኣትሒዙ ኣብ ሽወደን መመልከቲ ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ዘእተዉ ሰባት ብውሕዱ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ሽወደን ብገንዘብ ገዛእ ርእሶም ክኽእሉ ምዃኖም መርትዖ ከቕርቡ ክሕተቱ ጸኒሖም ኣለዉ። እዚ ድማ ንተማሃሮ መዓርግ ዶክተርነት (ፒኤችዲን) ተመራመርቲ ፖስትዶክን ቀወምቲ ነበርቲ ክኾኑ ኣጸጋሚ ገይርዎ’ሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ ኣካዳሚያዊ ዕዮ ክንድኡ ዝኣክል ንውሓት ዘለዎ ውዕላት ሳሕቲ ጥራይ ስለዝፍጸሙ እዩ። እንተኾነ ግና ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com