Monday , May 20 2024

ጥዕና

ምትካኽ ሽጋራን ሽሻን

ሽሻ ሽሻ ኣብ ንስሕበሉ እዋን ምስኡ ትምባኾ ክንስሕብ ንኽእል ኢና። ነቲ ትኪ ጣዕሙ ኮነ ሽትኡ ንምቅያር ዝተፈላለዩ ጥረነግራት ንጥቀም ኢና፡ ከምኡ’ውን ሓሺሽ ክንገብረሉ ይክኣል። ሽሻ ኣብ ጥዕናና ዘውርዶ ጉድኣት ምስቲ ብምትካኽ ሽጋራ ዝወርደና ጉድኣት ክነጻጸር ከሎ ማዕረ’ዩ። ሽሻ ንነዊሕ ግዜ ስለንስሕቦ እቲ ካብኡ ዝርከብ ትኪ ብ40 ዕጽፊ ካብ ናይ ምትካኽ ሽጋራ ይበዝሕ። ካብ ሽሻ ብብዝሒ ካርቦን ሞኖክሳይድ ዝብሃል ጋዝ ይወጽእ። …

Read More »

ጉንፋዕ

ጉንፋዕ ማለት ልሙድ ተርእዮ ኾይኑ ነድሪ ልፋጫዊ ቀጸላ ናይ ኣፍንጫ ፡ልዕሊ ሰርኖ ኣፍንጫና ዝርከብ ሻምብቆታት ላዕለዋይ ክፋል ስርዓተ ምስትንፋስ ከምኡውን ጎሮሮና የጠቃልል። ልፋጫዊ ቀጸላ እንተደኣ ነድሪ ገይሩልና ፡ይሓብጥ እሞ ብዙሕ ንፋጥ ወይ ጸረርታ ከነውጽእ ንኽእል። ኣፍንጫና ክዓጽወና ወይ ክዕፍነና ይኽእል።ልፋጫዊ ቀጸላ ቁጥዔ/ነድሪ ጌሩ ማለት ምህንጣስ ወይ ብዙሕ የስዕለና ማለት እዩ።ቃንዛ ጎሮሮ፡ድምጽና ይቕየር(ናይ ድምጺ ሳጹን እንተነዲሩ )፡እንሓንሳብ ውን ቃንዛ እዝኒ ክገብረልና …

Read More »

ካርቦሃይድረይት

ካርቦሃይድረይት ኣብ ንምገቦ መግቢ ይርከብ። ንሶም ከኣ ሽኮር፡ ስታርችን ጽሕግን። ኣካላትና ካብ ሽኮርን ጽሕግን ሓይሊ ይረክብ። ዝተመጣጠነ መግቢ ምስ ንበልዕ ካብ 40-70% ሓይሊ ካብ ካርቦሃይድረይት ንረኽቦ። ዝተፈላለዩ ዓይነት ካርቦሃይድረይት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ ቀልጢፎም ናብ ኣካላትና ዝምጸዩን ቀስ ኢሎም ዝምጸዩን ኢዮም። እቶም ቀስ ኢሎም ዝምጸዩ ካርቦሃይድረይት ንኣካላትና ብዙሕን ንዝተናውሐ ግዜን ሓይሊይህብዎ። ኣብነት ክኾኑና ዝኽእሉ ከኣ ካብ ዘይተነፈየ ሓርጭ ዝስርሑ ሕብስታት፡ፓስታ፡ ቡልጉር፡ …

Read More »

ክፍሊ ኣካላትካ ምውፋይ፡

ኣብ ሽወደን፡ ዓመታዊ፡ ኣስታት 700 ዝኾኑ ከቢድ ሕማም ዝሓመሙ ሰባት፡ ሓደ ወይ ዝያዳ ክፋላት ኣካላት ወድሰብ ይውሃቦም። ንኣብነት ኩሊትን ልብን ማለት’ዩ። እዚ ድማ፡ ካብ ወሃቢ ናብ ተቐባሊ ብምስግጋር ይትግበር። ይኹን’ምበር፡ እቲ ብወፈያ ዝርከብ ብዝሒ ኣካላት ሰብ ኣይኣክልን እዩ። ስለዚ፡ ብዙሓት ሕሙማን፡ ብሰንኪ ምጽባይ ወይ ድማ እቲ ዘድልዮም ክፍሊ ኣካላት ስለ ዘይርከብ ይሞቱ። ሓደ ውልቀ ሰብ፡ ክመውት ከሎ፡ ክፍሊ ኣካላቱ እንታይ …

Read More »

ክንክን ኣእጋርን ሕማም ሽኮርን!!

ብሕማም ሽኮር ዝተጠቓዕካ ግዳይ ምስ እትኸውን፡ ብሓያሎ ጸገማት ናይ ኣእጋር፡ ንኣብነት ቁስሊ፡ ክትሳቐ ትኽእል ኢኻ። ሓካይም ከም ዘመልክትዎ፡ ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት፡ ብመጉዳእቲ መትንታትን ሻምብቆታት ደምን ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ። እዚ፡ ንረኽሲ ቆርበትን ካልእ ቁስልን ዝተቓልዑ ይገብሮም። ኣብ ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት፡ ዙረት ደም ናይ ምድንጓይ ባህሪ የርኢ እዩ። በዚ እቲ ቆሲሉ ዘሎ ክፍሊ ሰብነት ቀልጢፉ ክሓዊ ኣይክእልን። ምስ …

Read More »

ኮሌስትሮል እንታይ ማለትዩ ?

ኮሌስትሮል ስብሒ ዝኾነ ባእታ ወይ ጥረ ነገር እዩ።ኣካላትና ወሃዮታት፡ሆርሞናትን ሞትን ንኽሰርሕ ኮሌስትሮል ይጥቀም።ኮሌስትሮል ኣብ ጸላም ከብድና እዩ ምስራሕ።ብተወሳኺ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ እንምገቦም ዓይነት መግቢ ንረኽቦ። ምልክታት ልዑል ኮሌስትሮል  ልዑል ኮሌስትሮል ሕማም ኣይኮነን ከምኡውን ልዑል ኮሌስትሮል ምህላው ንባዕሉ ዝኾነ ምልክታት/ጥርዓናት ኣየርእየናን እዩ። እንተድኣ ንነዊሕ ዓመታት መጠን ኮሌስትሮል ኣብ ደምና ልዑል ኮይኑ ፡ ብሒ/ኮሌስትሮል ኣብ መናድቕ ሰራውር ደምና ይእከብ። ከምውጽኢቱ ድማ ሻምብቕታት …

Read More »

ጸጸር ናይ ኩሊት ማለት እንታይ ማለት እዩ

ጸጸር ናይ ኩሊት ማለት እንታይ ማለት እዩ ? ምስ ሽንቲ ኩሉ ግዜ ርስሓት ይወጹ።እንተድኣ እዞም ርስሓት ብግቡእ ወይድማ ሙሉእ ብሙሉእ እንተዘይሓቂቆም ኣብ ክፋል ኩሊትና ክሪስታላዊ ወይ ጸጸር ይገብሩ። እዚ ድማ ጸጸር ናይ ኩሊት ኢልና ንሰምዮ። ንኣሽቱ ጸጸር ናይ ኩሊት እንሓንሳብ ምስ ሽንቲ ክወጹ ይኽእሉ እንሓንሳብውን ኣብ ሻምብቆታት ናይ ሽንቲ ተላሒጎም ይተርፉ ።እዚ ድማ ቃንዛ ጸጸር ኩሊት ከላዑሉልና ይኽእሉ።ጸጸር ናይ ኩሊት …

Read More »

ፍረታት

ሓደ እኹል ሰብ ብውሕዱ 2 ወይ ድማ 200 ግራም ፍራታት ንመዓልቲ ክምገብ ይግባእ። ክምዚ ምስ ዝምገብ ብስብሒ ዝስዕብ ሕማማት፡ መንሽሮ መዓናጡ፡ ሕማም ሽኮር ናይ ምሕማም ተኽእሎ ብጣዕሚ ይትሕት። ካልእ ዓይነት ፍረታት መሪጽና ምስ እንምገብ ውን ዘድልየና መኣዛታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብ ታሕቲ ንሓደ መዓልቲ እኹል ዝኾነ ፍረታት ንርአ ምኽሪ ዝያዳ ፍሩታ ንኽንምገብ ፍሩታ ብቐሊሉ ክርከብና ክብላዕን ይከኣል ባናና ወይ ድማ …

Read More »

ተምላስ ኣብ ዓበይቲ

ዝተበላሸወ ( ዝተበከለ) መግቢ ወይ መስተ እንተዳኣ ወሲድካ መብዛሕትኡ ግዜ ተምላስ ይገብረልካ ። ከምኡውን ብባክተሪያታት ዝተለኽፈ መግብታት ውን ተንምላስ ከምጽኣልካ ይኽእል ኢዩ ። ተምላስ ኣብ እተምልሰሉ ግዜ እቲ ኣቀዲምካ ወሲድካዮ ዝነበርካ መግቢ ወይ መስተ ከምኡውን ብተወሳኺ ካብ ጨጎራኻ ኣሲድ (መጺጽ) ነገር ብሓንሳብ ኣኪብካ ንደገ ተውጽኦ (ትተፍኦ ) ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ተምላስ ቅድሚ ምምላስካ ብዕግርግር ኣቢሉ ኢዩ ዝጅምረካ ። ብተወሳኺ …

Read More »

ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ህጻናትን ኣባጽሕን ንምሕጋዝ 900 ሚልዮን ክሮነር ይስላዕ!!

ሓላፊ ሰልፊ ሰንትራል ኣነ ሎወ ኣብ ዝሓበሮቶ ምስ መራሒ መንግስቲ ኣብዚ ዝቕጽል ዓመት ን ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ህጻናትን ኣባጽሕን ንምሕጋዝ ከምዝተሰማምዑ ሓቢሩ። እዚ ሓላፊ ወሲኹ ነዚ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘሎዎም ንምሕጋዝ ባጀት መንግስቲ ዓመታዊ ብ 300 ሚልዮን ክሮነር  ክብ ከምዝበሉ ይገልጽ። ብመስረቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብ ባይፖላር ዲሶርደር ዝተባህለ ሕማም ኣእምሮ ዝተጠቕዑ ብዝሒ ዓመታዊ ካብ 10 ናይ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com