Saturday , May 4 2024

ሃርሞኒ ሬድዮ

ኣብ ዝመጻ መዓልታት ቅልውላው ዩክሬይን ክጋደድ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝመጻ ሒደት መዓልታት ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዩክሬይን መሊሱ ከም ዝጋደድ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ሀንስ ስቶለንበርግ ኣጠንቂቑ። “ቊጽሪ ዝቕተሉ ሲቪላውያን እናበዝሐ እኳ እንተመጸ ህዝቢ ዩክሬይን ብጽንዓትን ትብዓትን ቃልሶም ይቕጽሉ ኣለዉ፡ እንተኾነ ግና ኣብ ዝቕጽላ መዓልታት እዚ ኲነታት ኣዝዩ ክብእስ ይኽእል እዩ” ክብል ስቶለንበርግ ምስ ጀርመናዊት ጋዜጣ ቬልት ኣም ሶንታግ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ። ቪላድሚር ፑቲን ኲናት ደው ኣቢሉ ኲሎም ሓይልታቱ …

Read More »

ምስ ሩስያ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ን ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ከም ዝዓብለሎ ተገሊጹ።

ሎሚ ዝቐጸለ ክትዓት ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ብሰንኪቲ ብተጻብኦ ሩስያ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ጸጥታ ኣውሮጳ ዝተደረኸ ምዃኑ ተገሊጹ። ነቲ ክትዓት ብመደረ ዝኸፈተት ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ ተጻብኦታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ፍጹም ተቐባልነት የብሎምን ድሕሪ ምባል ጸጥታን ምርግጋእን ሽወደን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ጒዳይ ዘይምዃኑ ኣስሚራትሉ። ሽወደን ምስ ረብሓ ሃገራ ብዝሰማማዕ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ናይ ምቕራጽ መሰል ከም …

Read More »

ኖርዌይ፥ ቀታሊ ቲያ ሃልቮርሰን 20 ዓመት ተፈሪዱ።

ኣብ ሳንደፍዮርድ 47 ዝዕድሜኡ ሰብኣይ ን ጓል 31 ዓመት ቲያ ሃልቮርሰን ብራቮልድ ብምቕታሉ ን 20 ዓመት ማእሰርቲ ከም እተፈርደ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ሰብኣይ ብዘይካዚ ክሳብ 250 ሽሕ ክሮና ዝግመት ካሕሳን ክኸፍል እዩ ተባሂሉ። እቲ ሰብኣይ ነዚ ቅትለት ከም ዘይፈጸሞ ክኽሕድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ቤት ፍርዲ ኣግደር ግና ነቲ ገበን ከም ዝወዓሎ መርትዖታት ብምቕራብ ብይኑ ኣመሓላሊፉ’ሎ። እዚ ገበን ቅትለት ብኣዝዩ ኢሰብኣዊ …

Read More »

ኖርዌጃውያን ናይ ዊንተር በዓላት ኣብ ውሽጢ ሃገር ከሕልፉ ይደልዩ።

15% ኖርዌጃውያን ጥራይ በዓላት ዊብተር ካብ ሃገር ወጻኢ ከሕልፉ ከም ዝደልዩ Response Analyze ን ፍረምቲድ ብምውካል ኣብ ዘካየዶ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብ ኖርዌይን ኣውሮጳን መምርሒታት ኮቪድ ቀጺሉ እኳ እንተሃለወ 85% ኖርዌጃውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም በዓላት ዊንተር ከሕልፉ ድሌት ከም ዘለዎም ገሊጾም ኣለዉ። ኣብዚ መጽናዕቲ ን 230 ሽሕ ሰባት ቃለመሕትት ከም ዘካየደ ዝገለጸ እቲ መጽናዕቲ 5% ናብ ውዕይ ዝበለ ኲነታት …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ ረድዮ-16-02-22

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com