Thursday , May 9 2024

ባህሊ

ሎቨንን ሊንድን ምስ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ተራኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪንን ሓላፊት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝኾነት ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ሽወደን፡ ኣማንዳ ሊንድ ትማሊ ዓርቢ ብመንገዲ ኣገልግሎት ቪድዮ ኣቢሎም ምስ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወከልቲ ሃይማኖታት ክርስትና፡ እስልምና፡ ኣይሁድን ቡድሃን ከምዝተራኸቡ ተሓቢሩ። ዕላማ ናይቲ ርክብ፡ ኩነታት ተኸተልቲ እዘን ሃይማኖታት ንምፍላጥን ኣብዚ ሽወደን ተሕልፎ ዘላ ሕማቕ ግዜ ድማ ሓለፍቲ ሃይማኖታት ንሰባት ተስፋ ኣብ ምሃብን ምርግጋእን ጸላዊ ተረኦም ንኸበርክቱ ዝዓለመ ምዃኑ …

Read More »

Swedish News in tigrigna -ዜና ሽወደን ብትግርኛ 18 መጋቢት 2020

Read More »

ገለ ኣረኣእያታት ሽወደን ኣብ ጉዳይ ጀንደር ንድሕሪት ክምለሱ ምጅማሮም ተገሊጹ።

ሽወደን ብ ጒዳይ ማዕርነት ጾታ ኣብ ሊጋት ዝለዓለ ቦታ ከም ዘለዋ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝምቡል ኣጣማምታ ዘለዎም ሰባት እናበዝሑ ይመጹ ምህላዎም ተመልኪቱ። ሓደ ን 80% ቊጽሪ ህዝቢ ዓለም ዝውክላ ሃገራት ብምትኳር ካብ ዓመታት 2004-2009 ድሒሩ’ውን ካብ 2010-2014 ኣብ ዘሎ ዓመታት ሓድሽ ጸብጻብ ዘቕረበ ፕሮግራም ልምዓት ሃገራት ዝተባህለ ትካል ሽወደን ዝምቡልን ኣሉታዊን ኣጣምታ ብዛዕባ ደቀንስትዮ ዝወሰኸለን ሃገራት እያ …

Read More »

ተጸዋዊርካ ምንባር፣ እቶም “ብዘይካይ ካልእ ኩሉ ግጉይ” እዩ ዝብል እምነት ዘይብሎም ሰባት ናይ ምጽውዋር ባህሊ ከማዕብሉ ኣይሽገሩን እዮመ ኣሌክሳንደር ቼስ።

ሕድሕድካ ተጸዋዊርካ ምንባር ብቐሊሉ ዝርከብ ጭውነት ኣይኮነን፡፡ እንተኾነ ግና ከም ማንም ካልእ ማሕበራዊ ልምዲታት ተጸዋዊርካ ምንባር እውን ናይ ባዕሉ ደረት ኣለዎ፡፡ ኵሉ ሰብ ባህ ኢልዎ ይነብሮ (ይስዕቦ) ማለት”ውን ኣይኮነን፡፡ ኤ.ሲ. ግሬይሊንግ ዝተባህለ ተጣባቒ ሰብኣውነትን ፈላስፋን ብዛዕባ ተጸዋዊርካ ምንባር ኣመልኪቱ ዝጸሓፎ ዓንቀጽ እነሆ፡፡ ኣብ ማድሪድ (ሰፔይን) ከባቢ ካዛ ደ ካምፖ ዝርከባ ኣመናዝር ዘዘውትራኦ ናብ ዕርቃን ገጹ ዝዛዘወ ኣላብሳ ዘቘጥዖ ኣዛዚ ፖሊስ …

Read More »

ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ሓድሽ ማእከል ኖቤል ተኸፊቱ።

፡ትካል ኖቤል ምስ ምምሕዳር ስቶክሆም ኣብ ዝገበሮ ስምምዕ ሓድሽ ማእከል ኖቤል ዕላዊ ጌሩ’ሎ። እዚ ድማ ንሽወደን ተወሳኺ ምንጪ ኣታዊ ቱሪዝም ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሊጹ’ሎ። እቲ ቅዲም ቦታን ናይቲ መበቈላዊ ማእከል ኖቤል ኣብ ከባቢ ባህላዊ ማእከል ኰይኑ ቅድሚ ሕጂ ቊጥዐ ኣለዓዒሉን ኣብ ቤትፍርዲ ድማ ተማጐትቲ ብምስዓር ውዱቕ ከም ዝገበርዎ ይዝከር እዩ። ብዓርቢ መዓልቲ ምክትል ከንቲባ ውጥን ከተማ ስቶክሆልም ዯኣኪም ላርሰንን ዳይረክተር …

Read More »

ካናዳ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ንምቕባል ዘኽእላ ፕሮግራም ምዝርጋሓ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ካናዳ ማርኮ መንደሲኖ እዩ ነዚ ውጥን ካናዳ ዕላዊ ጌሩ ዘሎ። ንሱ ብሰንኪ ምእራግ ወለዶን ትሑት መጠን ወሊድን ኣጋጢሙ ንዘሎ ናይ ሽቕለት ጋግ ንምምላእ እዚ ፕሮግራም ይዝርጋሕ ምህላዉ ድማ ገሊጹ’ሎ። እዚ ፕሮግራም መኣስ ከም ዝጅምር እኳ ኣይጠቐሰን። መንግስቲ ካናዳ ብምኽንያት ጡረታ ኣብ 2030 ትሽዓተ ሚልዮን ዜጋታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኾኑ እዮም ክብል ሓቢሩ’ሎ። ኣብ 2018 ካናዳ 310 ሽሕ ኣብ …

Read More »

ምምሕዳር ቤተመዘክር ቫሳ ዓመት ምሉእ ክፉት ክኸውን ምውሳኑ ተገሊጹ።

ምምሕዳር ህቡብ ቤተመዘክር ስቶክሆልም ቫሳ ሙዜት ዓመት ምሉእ ክፉት ክኸውን እዩ። እዚ ምስቲ ዝጸንሐ ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ ዕጹው ምንባሩ ብምምላካት እዩ ከም ሓድሽ ውሳነ ዝውሰድ ዘሎ። ዳይረክተር እዚ ቤተመዘክር ሊሳ ማንሰን እዚ ኣብ ዡርጋርደን ዝርከብ መዓጹ ኣብ መዓልቲ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ከይተረፈ ንበጻሕቲ ክፉት ክኸውን እዩ። ካልኦት ፍሉጣት ኣብያተ መዘክር ሽወደን እንተላይ ኒርዲስካ፥ ኣባሙሴትን ስካንሳን ዓመት ምሉእ ማዕጾኦም ርሑው …

Read More »

ርሑስ ሓዱሽ ዓመት 2020 ንኹሉና!ካብ ኣዳላውቲ ኣልኮምፒስ ትግርኛ።

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም ናይ መበል 16 ክፍለ-ዘመን መርከብ ተረኺቡ።

ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ኲዕታ ተመራመርቲ ስነጥንቲ ኣብ ስቶክሆልም ኣስከሬን ሓንቲ ዓባይ መርከብ ምርካቦም ተገሊጹ። ንኣስከሬን እታ መርከብ ዝመርመሩ ሳይንቲስት ሽወደን እዛ መርከብ ናይ 16 ክፍለዘመን እያ ኔራ ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ። ዕንጸይቲ እታ መርከብ ብምምርማር ድማ ኣብ ሃልሲንግላን ዝተሃንጸት ከም ዝኾነት መደምደምታኦም ሂቦም ኣለዉ። “ኣብ ውሽጢ እዛ መርከብ ሳናቲም፥ ስርሓት ካይላን ንእሽቶ ብካይላ እተሰርሐት ኲዕሶ ህጻንን ከም ዝረኸቡ ድማ ተመራማሪ …

Read More »

ጸጋማዊ ሰልፊ ብምኽንያት ልደትን ሓድሽ ዓመትን ነገራዊ ውህብቶ ክኸፍል ምዃኑ ተገሊጹ።

ብመሰረት እማመ እዚ ሰልፊ ማሕበራዊ ደገፍ ዝረኽቡ ዘበሉ ብውሑዱ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ክሳብ 2000 ክሮና ሽወደን ክወስዱ እዮም። “ኲሎም ወለዲ ናይ ልደት ህያብን ኣብዚ መዓልቲ ጽቡቕ ግዜ ከሕልፉን ኢና ንደሊ” ክብል ጆናስ ኮስታስተድ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ’ሎ። ኣብ 2017 260 ሽሕ ዝኾኑ ተቐበልቲ ማሕበራዊ ሓገዝ ምንባሮምን 36 ሚእታዊት ካብዚኣቶም ን ዓሰርተ ኣዋርሕን ልዕሊኡን ክቕበሉ ምጽንሖን ይፍለጥ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com