Sunday , April 28 2024

ባህሊ

ኣሸንዳ፡ ኣዋልድ ኣብ ሜዳ!

ኣብ እዋን ኣሸንዳ ኣዋልድ ነጻነተን ዝእውጃሉ መልክዐን ንደገ ዘውጽኣሉ፡ ባህላዊ ቁጠባዊን ማሕበራዊ ትሕዝቶታት ዘለዎ ባህሊ እዩ። በዓል ኣሸንዳ ካብ ዘበነ ንግስና ሃጸይ ካልብ ኣትሒዙ ከምዝተጀመረ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትይን ይግልጹ ። በብዓመቱ ካብ ወርሒ ነሓሰ ዝኸበር በዓል ኣሸንዳ ኧኣዋልድ ምሉእ ናጽነተተተን ዝጎናጸፉሉ ። ኣሸንዳ ዘይድህሰስ ሓድጊ ዓለም ኮይኑ ኣብ መዝገብ ” UNESCO” ንኸምዝገብ ይስራሕ ኣሎ ። ኣሸንዳ ሃይማኖታዊ መሰረት ዝለበሰ በዓል’ዩ …

Read More »

ሓናኻት ዲኹም?

ሓፋራት ሓያሎ ማሕበራዊ ጸገማት’ዩ ዘጓንፎም። ንኸዕልሉን ምስ ሓደስቲ ሰባት ንኽላለዩን ይጽገሙ። በዚ ድማ፡ ብሕትዋትን ንጹላትን ኰይኖም ይተርፉ። ናይ ምዝማድን ምስትውዓልን ጸገማት’ውን የርእዩ’ዮም። ኣብ ጥቕኦም ሰብ እንተሎ፡ ብግቡእ ክሓስቡን ክዝክሩን ኣይክእሉን። ኣቐዲሞም ዝሓሰብዎ ነገር እንተሎ ድማ ህልም ኢሉ ይጠፍኦም። ናይ ምዝራብ ዓቕሚ የጒድሉ – ስለ ዝሓፍሩ ድማ ዝሑላት ይመስሉ። ብዓይኒ ካልኦት ሰባት ዕቡያትን ዘይግዱሳትን መሲሎም ስለ ዝርኣዩ ሓያሎ ጸገማት የጓንፎም።  ኣብ’ዘን …

Read More »

ኣእምሮኣዊ ናይ ጥዕና ጸገም እንተድኣ ኣጓኒፈ እንታይ ክገብር እኽእል?

ናይ ስድራ ቤት ሕይወት ውልቃዊ ኩነታትን ስራሕ ካብ እዋን ናብ እዋን ኣጸጋሚ ነገር ብምፋጣር ናይ ኣእምሮ ሕማም ንኣብነት ጭንቀት ብጣዕሚ ዝተለመደ ጸገም እዩ ።ኣብ ሕይወት እንዳሃለወ ካብ ሰለስተ ሰባት እቲ ሓደ እዚ ጸገም ከጋጥሞ ይክእልዩ። ተከታታሊ ናይ ሰቃይ ስሜዒት ጭንቀት የምጸእ እዩ። ንኣብነት ወይድማ ንነዊሕ እዋት ዝለመሰ ሰብ ክሓዝን ይክእልዩ። መብዛሕቲኡ እዋን ብዘይ ሓገዝ በዓል ሞያ እዚ ሕማም ከነሽንፋ ኣይንክእልንኢና። …

Read More »

መሰላትን ግቡኣትን

ኵሎም ሰባት ሰብኣዊ መሰላት ኣሎዎም። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ወነንቲ መሰላት እዮም። መንግስቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባር፡ ምክልኻልን ምትብባዕን ሓላፍነት ኣሎዎ። ስለዚ መንግስቲ ተሰካሚ ሓላፍነት ናይቶም ሰብኣዊ መሰላት እዩ። እንተኾነ ግን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባር፡ ምክልኻልን ምትብባዕን ግዴታ ናይ መንግስቲ ጥራይ ኣይኮነን። ነፍስ ወከፍ ውልቀ ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰብኣዊ ፍጡራት ሓላፍነት ኣሎዎ። እዚ ብተግባር፡ ሓደ ሰብ ጨሪሹ ነቲ ናቱ ሰብኣዊ …

Read More »

ሓይሊ ቃላትና…

ቃላት ብርቱዕ ሓይሊ ኣለዎም። ለባማትን መስተውዓልትን እንክምስሉ “ረቂቕ ኣጽዋር” እዮም ዝብልዎም። ምኽንያቱ፡ ቃላትና እንተ ደሊና ሰባት ንቐትለሉ እንተ ደሊና ሰብ ንሰርሓሉ። እቲ ሓቂ ከምዚ እናኾነ ግን፣ መብዛሕትና ነቶም ካብ ኣፍና እነውጽኦም ቃላት ፍጹም ኣይንሓስበሎምን ኣይንጥንቀቐሎምን ኢና። ምናልባት ኣብ ሓደ መዓልቲ እነውጽኦም ቃላት እንተ ንጽሕፎም – መብዛሕትኦም ብዘይተገዳስነትን ምሕሳብን ዘውጻእናዮምን ብዙሕ ዘይጠቕሙን ኮይኖም ምጸንሑና። ልክዕ ከምቲ ንሕና ንኻልኦት፣ ብተመሳሳሊ’ውን ንዓና ብካልኦት …

Read More »

ሊባኖሳዊት ሃይፋ ዋህቤ ተዓዋቲት ባህላዊ ፈስቲቫል ዮተበሪ ኮይና!!

ሊባኖሳዊት ኮኾብ ሃይፋ ዋህቤ ኣብ ናይ ሎም ዓመት ፈስቲቫል ቀንዲ ዕድምቲ ክትከውን እያ። “ሽቶኣዊ ወፍሪ ብምግባር ካብ ህዝቢ ዓረብ ንመጀምርታ ግዜ ሰባት ክንስሕብ ክኢልና ኣሎና” ክብል ዳይረክተር እቲ ስርሒት ታሶ ስራቨልደስ ንቴለቪዥን ሽወደን ሓቢሩ። እዚ ዓረባዊት ኮኾብ ንተኸታታሊ ሓሙሽተ ዓመታት ዝሳተፉሉ ዘለዉ ፈስቲቫል እዩ። እዚ ፈስቲቫል ብዙሓት ሓደስቲ መጻእቲ ዝሳተፉሉ ኮይኑ ማሕበረ ኮም ዓረብ ሽወደንን ሽወደናውያንን ይጽንብልዎ። ብመሰረት ዳህሳስ ባህላዊ …

Read More »

መዓልቲ ናይ መቦቆላውያን ሰባት

ኣብ ዓለም ኣብ ሕድሕድ ክፉል ዓለም ኣስታት 370 ምልየን መቦቆላውያን ሰባት ኣለዉ ከምኡውን  370-500  ምልየን  ቋንቋታት ። እንተኾነ ግን ሃለዋቶም ኣብ ሕቶ ምልክት እዩ ። በብ ክልተ ሰሙን፡ ሓደ መቦቆላዊ ቋንቋ ይጠፍእ ኣሉ። ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ ክብርታትን ባህልን መቦቆላውይን ማሕበበረሰብ ንቕሓት ብምፍጣር ንሚልዩናት፡ ብልጽግትን ተብሃጊትን ዓለም ምፍጣር ይከኣል እዩ ኢሉ ይኣምን።

Read More »

ምኽላእ ዓንቐር

ዓንቐር ብናይ ባህላውን ሕክምናውን ብመጥባሕቲ ምስትኽላእ ምኽላእ ዓንቐር ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዓንቐር እንታይ እዩ ስርሓ? ዓንቕር ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ኣብ መስርሕ ምውሓጥ መግቢ ትጻወት።ዓንቐር ኩሉ ግዜ መግብን መስተን ብቐጥታ ኣብ ሻምብቖታት ስርዓተ ምሕቓቕ መግቢ ወይ ጎሮሮ ከምዝወረደን ከምኡውን ሻምብቖታት ስርዓተ ምስትንፋስ ከየላገሰ ከምዝሓለፈ ተረጋግጽ ኣካል እያ።ብተወሳኺውን ዓንቐር ኣብ እንዛረበሉ ድምጺ ተራ ኣለዋ። ምኽንያት ምኽላእ ዓንቐር: ኣብ ከም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኣመሰላ ሃገራት …

Read More »

ታሪኻውያን ቦታታት ኣፍሪቃ

ሓንቲ ካብ ክፍሊ ዓለምና ዝኾነት ኣፍሪቃ፡ ብኣዝዮም ሰሓብቲ ፍጥረታትን ባህርያዊ ጸጋታትን ዝመልአት እያ። ንበጻሕቲ ዝስሕቡ ታሪኻውያን ቦታታት እውን ይርከቡዋ። እዞም ዝስዕቡ ታሪኻውያንን መሰጥትን ቦታታት ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ዝርከቡ እዮም፦ ተብስ፦ ሓንቲ ካብተን ጥንታዊ ኣቕሓ ዝርከበን ከተማታት እያ። እዛ ናይ ጥንቲ ኣቚሑን ቅርስታትን ዝርከባ ከተማ፡ ካብ 2081-1939 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ መበል 11 ስርወ መንግስቲ ግብጺ ካብ ዝነበረ ግዜ ኣትሒዙ ዝነበረ …

Read More »

ጸወታ ንቖልዑ

ጸወታ ምጽዋት ክንብል ከለና ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝሓቑፍ ኮይኑ ዕላምኡ ድማ ምዝንጋዕ ንምፍጣር እዩ። ጸወታ ምስ ህጻናት ምጽዋት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ ብዙሕ ዕላማታት ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ ገለ ካብኡ ንምጥቃስ ድማ • እሕምሮ ንምንቕቓሕ • ሓድሽ ጥበብ ብምቕሳም ርእሰ ምትእምማን የዕብይ • ማሕበራዊ ጥበባት ተማዕብል • ስምዒታትካ ንደገ ምውጻእን ጸቕጢን ብዝሒ ጸዓትን ምንካይን ሓደሓደ ጸወታታት ናይ ህጻናት ናይ ምስትውዓል ዓቕሚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com