Saturday , May 18 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ኦስሎ፡ ፋስ ሒዙ ዝንቀሳቐስ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

ኣብ ኦሶሎ ቶርሾቭፓርከን፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሓለዋ ብምኽታል ፖሊስ ዳህሳስ ድሕሪ ምክያድ፡ ፋስ ሒዙ ይንቀሳቐስ ንዝነበረ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። ኣብቲ ኣጸድ ዝዘናግዑ ዝነበሩ ሰባት ፋስ ሒዙ ዝንቀሳቐስ ሰብ ብምርኣዮም ስግኣት ከም ዝሓዞም ፖሊስ ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ጽሒፎም ኣለዉ። ፖሊስ ነቲ ሰብኣይ ክቈጻጸርዎ ምስ ፈተኑ ብብሽክለታ ክሃድም እኳ እንተፈተነ ተታሒዙ ናብ ቤት ማሕቡስ ከም እተላእከ ኖርወይ ቱደይ …

Read More »

ኣብዚ ሳመር ካብ ዝቦቚሉ መርዛማት ቃንጥሻ ክጥንቀቑ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

እዚ ወቕቲ ኣብ ሽወደን ቃንጥሻ ዝቦቚለሉን ሰባት ክንዲ ዝደልዩዎ ቃንጥሻ ካብ ጫካ ዝምእርሩሉ ግዜ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰባት ካብ መርዛማት ቃንጥሻ ክጥንቀቑ ጻውዒት ቀሪቡ። ዓመት መጸ ካብ 1000-2000 ዝኣኽሉ ሰባት፡ መርዛማት ቃንጥሻ ብምብላዕ ከም ዝሓሙ ማእከል ሓበሬታ መርዚታት ሽወደን ይሕብር። ሰባት ጥዑያት እናመሰሎም ነቶም መርዛማት ቃንጥሻ ከይበልዑ ክጥንቀቑ ከም ዝግባእ፡ ኣብቲ ማእከል ክኢላ ስነ-መድሃኒት ፒተር ሁልተን ወሲኹ ኣጠንቂቑ’ሎ።  

Read More »

ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ምውሳኽ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን፡ ማእከላይ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ትማል ሰኑይ 5 ክሮናን 77 ሳንቲምን ን ኪሎዋት ኣወር ምንባሩ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዚ መጠን ዋጋ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝነበረ ብምሕላፍ ዝለዓለ ተባሂሉ ተመዝጊቡ’ሎ። ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝጸንሐ ውሱን ናይ ምትሕልላፍ ዓቕሚ፡ ትሑት መፍረ ጸዓት፡ ከምኡውን ልዑል ዋጋ ጸዓት ኣውሮጳ ናይዚ ክስተት ምኽንያታት እዮም ክብል፡ ኣብ ትካል ምምኻር ጸዓት “መርሊን ኤንድ …

Read More »

ኖርወይ፡ ወራሲት ዓራት ልእልቲ ሜት-ማሪት ብ ኮሮና ተታሒዛ።

ወራሲት ዓራት ኖርወይ ማቴ-ማሪት ብኮሮና ከም እተለኽፈት ቤተ ንጉስ ብቀዳም ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እታ ልእልቲ ቀሊል ምልክታት እቲ ሕማም ተርኢ ምህላዋ እቲ ቤተ ንጒስ ሓቢሩ’ሎ። ወራሲት ዓራት ማቴ-ማሪት ኣብ ጥቅምቲ 2018 ሕዱር ሕማም ሳንቡእ ከም ዘለዋ ገሊጻ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ ሕማም ኮሮና ነዚ ዝጸንሓ ሰንኮፍ ጥዕና ከጋድዶ ከም ዝኽእል ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ። በዓልቤታ ወራስ ዓራት ልኡል ሃኮን ኣብ …

Read More »

ኣብዚ ሳመር ኣብ ሆስፒታላት ሽግራት ዓቕሚ ሰብ ጎሊሑ ተራእዩ።

ምስ ዝሓለፈ ሳመር ብምውድዳር፡ ኣብዛ ሳመር ኣብ ዓበይቲ ሆስፒታላት ዝርከቡ ዝበዝሑ ዓራውቲ ብተሓከምቲ ስለ እተታሕዙ ሕጽረት ዓቕሚ ሰብ ጎሊሑ ከም እተራእየ፡ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘካየደቶ ዳህሳስ ኣመልኪታ። ቅድሚ ሳመር ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናይ ዓቕሚ ሰብ ጒዳይ ምፍታሕ ኣሸጋሪ ስለ ዝኸውን ዝበዝሓ ዞባታት ነቶም ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ዝወዘፉ ሓካይም ተወሳኺ ካሕሳ ክህባ ምውሳነን ገሊጸን ኣለዋ። ሒደት ሓካይም ጥራይ ዕረፍቲ ሳመር ይወስዱ …

Read More »

ኣብ ኖርወይ ዕቚር ሃብቲ ጸዓት ጸሓይ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ኣብ ኖርወይ፡ ካብ ጸሓይ ዝርከብ ናይ ኣስታት 200 ቴራዋት ዕቚር ተኽእሎ ፍርያት ጸዓት ምህላዉ ማልታይኮንሳልት ገሊጹ። እዚ መጠን ዕጽፊ ናይቲ እታ ሃገር ካብ ማይን ንፋስን እትረኽቦ ጠቕላላ ፍርያት ጸዓት እዩ። ኣብ ኖርወይ ገና ዘይተዳህሰሰ ገዚፍ ዕቚር ጸሓያዊ ጸዓት ምህላዉ፡ ኣብ ክላስተር ጸዓት ጸሓይ ካርታ ኣብ ምድላው ዝሰርሕ ብሾርን ቶሩድ ን መደበር ዜና ኖርወይ (NRK) ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ኖርወይ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል …

Read More »

ወሰኽ ዋጋ ጸዓት ሻቕላ ከም ዝፈጠረሎም ኣፍረይቲ መግቢ ገሊጾም።

ቅድሚ ኣየትን ዊንተርን ተኸሲቱ ዘሎ ልዑል ወሰኽ ጸዓት ኤለትሪክ ን ኣፍረይቲ መግቢ ከም ዘሻቐሎም ን ፈደረሽን መግቢ ሸወደን ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ኣብ ዝሓለፈ ኣየት ሓሙሽተ ዕጽፊ ምውሳኹ፡ ንመኽሰብ ኲባንያኦም ኣዝዩ ጸልዩዎ ምህላዉ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኲባንያ ምስንካት ሕብስቲ ፓገን ኣንደርሽ ካርልሰን የርንዳል ገሊጹ’ሎ። መንግስቲ ነተን ልዑል ወጻኢ ጸዓት ዘለወን ስድራቤታትን ኲባንያታትን ክዓድየን ሰልፊታት ፖለቲካ ሽወደን እማመ …

Read More »

ጒዳይ መሬት ኣብ ሕቶ ክሊማ ዕንቅፋት ይኸውን ምህላዉ ተሓቢሩ።

ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ከተማ፡ ከም ብርቱዕ ዝናብ ንዝመሰሉ ጽንኲር ክሊማዊ ለውጢታት ንምልምማድ ዘኽእል ስራሕ ይዓማ ምህላወን፡ እንተኾነ ግና እዘን ምምሕዳራት ነዚ መምርሒታት ኣብ ካልኦት ምምሕዳራት ከተማ ኮነ ወነንቲ መሬት ከተግብራ ዘይፍቀደለን ምዃኑ ብድሆ ፈጢሩ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዚ ዕማም፡ ፍሉጥ ዶብ ምምሕዳራት ከተማ ሰጊሩ ንስፍሕ ዝበለ ከባቢን ወንነቲ መሬትን ዝዝርጋሕ ምስ ዝኸውን፡ ሽግራት የጋጥሞ ኣሎ ክትብል፡ ኣብ ኤጀንሲ ክሊማ …

Read More »

ኣብ ወፍሪ ምረጹኒ ማሕበራዊ ሚድያ ነቲ ያታዊ ኣገባብ ይትክኦ ኣሎ ተባሂሉ።

ተወዳደርቲ ሰልፊታት ሽወደን፡ ምስ ምቕራብ ናይቲ ኣብ 11 መስከረም ዝካየድ ምርጫ ሽወደን ናይ ምረጹኒ ወፍረን ዘካይዳሉ ኣገባብ ኣቓልቦ ይስሕብ ምህላዉ፡ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዘን ሰልፊታት ብኸመይ እየን ፖሊሲታተን ምስ ህዝቢ ዘፋልጣ ዘለዋ ዝብል ሕቶ ንምፍታሽ፡ እታ ሬድዮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ መምህር ስትራቴጅያዊ ርክባት ከምኡ’ውን ተመራማሪ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ምስ ዝኾነ ኒልስ ጉስታፍሰን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት፡ ሰልፊታት ፖለቲካ ንማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ይጥቀማ …

Read More »

ኖርወይ፡ 12% ካብ ደቀንስትዮ ተመሃሮ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ ጸቕጢ ከም ዝግበረለን ተፈሊጡ።

ኣብ ኖርወይ 12% ካብ ደቀንስትዮ ተመሃሮ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ፡ ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ ጸቕጢ ከም ዝግበረለን ሓደ ሓድሽ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ብተወሳኺ 3% ደቂተባዕትዮ፡ ን መጽናዕቲ ዳህሳስ መንእሰያት ከምዚ ዝበለ ዘሕዝን ተመኲሮ ከም ዘሕለፉ ምግላጾም “ሴክስ ኦግ ፖሊቲክ” እተባህለ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ’ሎ። 20% ደቀንስትዮን 8% ደቂ-ተባዕትዮን ብዘይድሌቶም ጾታዊ ምትንዃይ ከም እተፈጸሞም፡ እቲ ጸብጻብ ኣቐሚጡ’ሎ። “ብደረጃ ሃገር 9.4% ካብ ደቀንስትዮ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com