Sunday , May 19 2024

ዜና

ኣብ ሽወደን፡ ቅልጡፍን ኣሉታውን ምዕባለ መልከፍቲ ኮሮና ይረአ ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት ብናህሪ ይውስኽ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ቁጽሪ ናይቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሰባት ውን ይውስኽ ምህላዉ ተፈሊጡ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቅልጡፍን ኣሉታውን ምዕባለታት መልከፍቲ ኮሮና ይረአ ኣሎ ክትብል ኣብ ሃገራዊ  ቤት ምኽሪ ጥዕና፡ ሓላፊት ክፍሊ ምድላው ንህጹጽ እዋናት ዝኾነት፡ ጅዋና ሳንድዋል፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ 167 ሕሙማት …

Read More »

መንግስቲ ፡ መምርሒታት ማስክ ምኽዳን ዘይምእዋጁ፡ ብተቛወምቲ ሰልፍታት ሽወደን፡ መብርሂ ክህበሉ ይሕተት

መንግስቲ ሽወደን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ መምርሒታት ምኽዳን ማስክ፡ ዘይምእዋጁ፡ ብተቛወምቲ ዝኾኑ ሰልፍታት፡ ዓቃባውያንን  ክሪሲ ዲሞክራትናን፡ መብርሂ ንኽህበሉ ሕቶ ከምዝቐረበሉ ተፈሊጡ። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ንምኽዳን ማስክ ኣመልኪቱ፡ ንሽወደን፡ ምኽሪ ከምዝለገሰላ ይፍለጥ። ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት፡ ማስክ ምኽዳን፡ ግዴታ እዩ። ኣብ ሽወደን፡ ገለ ኣካላት፡ ማስክ ምኽዳን ኣገዳስነት የብሉን ኣለዉ። ስለዚ፡ መንግስቲ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ሓፈሻዊ መብርሂ ክህብ ይግባእ ክብል ሓላፊ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ …

Read More »

ሽወደን፡ መድሃኒት ክታበት ካብ ኩባንያ ፋይዘር (Pfizer) ክትገዝእ ምዃና ተሰማሚዓ

ሽወደን ምስ ኤውሮፓዊ ሕብረት ብምዃን፡ ካብ ኩባንያታት ፍይዘርን ባዮኤንቴክን መድሃኒት ክታበት ክገዝኣ ከምተሰማምዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ብመሰረት ስምምዕ፡ ሽወደን፡ ን2.3 ሚልዮን ዝኾኑ ልዕሊ 65 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ሰባት፡ ዝኣክል 4.5 ሚልዮን መድሃኒት ክታበት ክትገዝእ ምዃና ተፈሊጡ። ከም ዝፍለጥ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኩባንያታት ፋይዘርን ባዮኤንተክን፡ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ በጺሑ ዘሎ ኣድማዕነቱ 90% ዝኾነ ክታበት ከምዘፍረዩ …

Read More »

ኣብ ቤት ትምህርታት፡ ሒጃብ፡ ምኽዳን ዝኽልክል ውሳኔ፡ ብቤት ፍርዲ ተነጺጉ

ምምሕዳራት ከተማ ስኩዩርፕን ስታፋንስቶርፕን (Skurup and Staffanstorp)፡ ኣቐድም ኣቢለን፡ ኣብ ምምሕዳራተን ኣብ ዝርከባ ቤት ትምህርታት፡ ሒጃብ ተኸዲንካ ምምጻእ፡ ኩልኩል ምዃኑ ወሲነን ምንባረን ይዝከር። ቤት ፍርዲ ምምሕዳራት፡ ነዚ ውሳኔ ከጽንዖ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ሰሉስ ከምዚ ክብል ውሳኔኡ ኣመሓላሊፉ። እዘን ምምሕዳራት ከተማ፡ ኣብ ቤት ትምህርታት፡ ሒጃብ ንክኽልክላ፡ ሕጋዊ መሰል ስለዘይብለን፡ እቲ ዘመሓላለፈኦ ውሳኔ፡ ዝተነጽገ እዩ ኢሉ ከምዝወሰነ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። …

Read More »

ኣብ ትካላት H&M ድሕሪ ዝተራእየ ዓሌታዊ ምፍልላይ፡ ሚኒስተር፡ ብፍጹም ቅቡል ኣይኮነን ትብል

ኣብ ትካላት H&M፡ ዓሌታዊ ምፍልላይ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ቪድዮ ብጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ምስ ተዘርገሐ፡ ሚኒስተር ጾታዊ ማዕርነት፡ ኦሳ ሊንድሆገን፡ (ሚልዮፓርትያት) በቲ ዝረኣየቶ ብጣዕሚ ከምዝተተንከፈት ገሊጻ። ኣንጻር ዓሌታዊ ምፍልላይ ዝቐንዐ ሕጊ ኣለና፡ ኣስራሕቲ ድማ፡ ሓላፍነት ናይቲ ብኣባላቶም ኣብ ልዕሊ ዓማዊል ዝፍጸም ዓሌታዊ ምፍልላይ፡ ክስከሙ ከምዝግባእ ገሊጻ። ዝኾነት ኩባንያ፡ ዓማዊላ ዓሌታዊ ምፍልላይ እንተድኣ ኣጋጢምዎም፡ ክትቅጻዕ ከምዝግባእን ዝኾነ ዓሌታዊ ምፍልላይ ዘጋጠሞ ዓሚል ድማ ናብ …

Read More »

ሽወደን፡ ማስክ ንምኽዳን ዝግድድ መምርሒታት ንኸተታኣታቱ፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ጸዊዑ

ሽወደን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምንካይ፡ መምርሒታት ምኽዳን ማስክ ከተተኣታቱ፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ጸዊዑ። ኩለን ምልባዕ ለበዳ ኮሮና ኣጥቂዕወን ዘሎ ሃገራት፡ መምርሒታት ምኽዳን ማስክ ክኽተላ ይግባእ ክብል ሓላፊ ክፍሊ ቅልውላው’ቲ ውድብ፡ ማይክ ራያን፡ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መገለጺ ሓቢሩ ክብል ኤክስፕረሰን ኣቃሊሑ። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና፡ ሽወደን ዝተኸተለቶ ኣገባብ፡ ብዕቱብ ይከታተሎ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ትማሊ ስኑይ፡ ሽወደን ዝተኣታተወቶም ሕጊታት …

Read More »

ሰራሕተኛታት መናበይ ዓበይቲ፡ ምልክታት ከየርኣዩ፡ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም

ኮሌጅ ካሮሊንስካ ዝገበሮ መባእታዊ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ 5% ካብቶም ኣብ ሸውዓተ መናበይ ዓበይቲ ዝሰርሑ ኣባላት፡ ብቫይረስ ኮሮና ከም እተለኽፉ ተገሊጹ። ካብ ዝሓለፈ ግንቦይ ጀሚሩ፡ ተመራመርቲ ኮለጅ ካሮሊንስካ፡ ኣብ ልዕሊ 3000 ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከባ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ መርመራ ኮሮና ከምዘካየደ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ መጠን ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ፡ ሰራሕተኛታት መናበይ ዓበይቲ፡ ብናህሪ ምውሳኹ ከም ተፈልጠን፡ …

Read More »

ጀርመን፡ ንመምርሒታት ኮሮና ኣብ ምትግባር ብምድንጓያ . . . . . መርከል ቁጠዐኣ ትገልጽ

መራሕቲ ምምሕዳራት መንግስታት ጀርመን፡ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት ዘድልዩ ተወሰኽቲ መምርሒታት ክሳብ ሕዳር 25 ክትግበሩ ዘይምዃኖም ብምሕባር፡ ቻንስለር ጀርመን ኣንግላ መርከል፡ ነቲ ውሳኔ ብትሪ ከምትቃወሞ ገሊጻ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ። ነዚ ቫይረስ፡ መዓልታዊ፡ ምቅላስ ኣገዳሲ እዩ ክትብል፡ መርከል፡  ኣገልግሎት ዜና ሮይቴርስ ሓቢራ። ብፍላይ ኣብ ከም በርሊን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት፡ እቲ ለበዳ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ይመጽእ …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ሕማም ኮቪድ-19፡ ሳልሳይ ጠንቂ ሞት ኮይኑ ተሰሪዑ

ክሳብ መፋርቕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ሕማም ኮቪድ-19፡ ሳልሳይ ብብዝሒ ሰባት ዝቐተለ ሕማም ኮይኑ ምጽንሑ ክፍሊ ማሕበራዊ ድሕነት ሽወደን፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ፡ ሕማም ልቢ ኮይኑ ካልኣይ ድማ ሕማም መንሽሮ እዩ። እቲ ክፍሊ ኣብ ዘውጽኦ ፍርቂ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ካብ ባሕቲ ጥሪ ክሳብ መወዳእታ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራይ፡ ክሳብ 51534 ዝኾኑ ሰባት ምሟቶም ገሊጹ ክብል ኣገልግሎት …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 16 November 2020

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com