Friday , May 17 2024

ዜና

ገስጋስ ማንቸስተር ዩናይትድ ንቕድሚት ይምርሽ!

ድሕሪ ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ሶልሻየር ማን ዩናይትድ ኣብ 8 ተኸታታሊ ጸወታ ብሙልእ ነጥቢ ዕዮ ገዛ ትዛዝም። ትማሊ ምሸት ናብ ሰሜን ለንደን ተጛዒዛ ምስ ኣርሰናል ዝገጠመት ማን ዩናይትድ ብ ናይ 3ብ1 ዓወት ኣመዝጊባ ናብ ዝቕጽል 5ይ ዙርያ ውድድር ኤፍ.ኤ.ካብ ሓሊፋ። ነዚ ዓወት ዘመዝገበት ትማሊ ምሸት ብፍሉይ ደሚቑ ዘምሰየ ሉካኩ ዝሃንደሰን ክልት ኩዓሳሱ ሳንቼዝን ሊንጋርድ እታ ሳልሰይቲ ድማ ተቀይሩ ዝኣተወ ማርሻል ብዘመዝገብዎን ሸቶታት …

Read More »

ዜናታት ስዊድን ብትግርኛ 25 ጥሪ 2019

Read More »

ሓደ ኣቦ 2 ደቁ ድሕሪ ምቕታሉ ነፍሰ ቕትለት ፈጺሙ።

ብመሰረት ጸብጻብ ጋዜጣ Expressen እዚ ኣብ Sala ዝቕመጥ ሰብኣይ ክልተ ደቁ ድሕሪ ምቕታል እዩ ነፍሰ-ቕትለት ፈጺሙ። እቲ ሰብኣይ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ብትግሃት ይሳተፍ ከምዝነበረ፥ ቅድሚ ነፍሰቕትለት ምፍጻሙ ከኣ ቅድሚ ምሟቱ እንታይ ከም ዝገበረ ኣብ ፌይስቡክ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ፈንዩ’ሎ። ፖሊስ ካብ ምምሕዳር ከተማ sala ድሕሪ ዝመጾም ጻውዒት እቲ ፍጻመ ክዉን ምዃኑ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ሬሳ ሓደ ሓምሳታት …

Read More »

መጻኢ ዕድል ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስርሓት ኣብ ሕቶ ምልክት ይኣትው።

ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ውድባት ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስርሓት(Arbetsformedlingen) ብሓያሎ ስራሕ ኣብ ምንዳይ ዝዋፈራ ናእሽቱ ኩባንያታት ክትካእ ምኻኑ ተፈሊጡ። እዚ ትካል “ስራሕ ንዘይብሎም ሰባት ብዙሕ ኣይሓገዘን” ዝብል ተሪር ነቐፌታ ድሕሪ ምእንጋዱ ኣብ መንጐ ሰልፊታት ሶሻል ዲሞክራትስ (S) ሓምላይ (MP) ማእከላይ (C) ከምኡ’ውን ሊበራላዊ (L) ሰልፍታት ነዚ ትካል ዳግማይ ንምህናጽ ስምምዕ ተበጺሑ’ሎ። ኣባል ባይቶ ማእከላዊ ሰልፊ Martin Adahl “ኣገልግሎት …

Read More »

TELIA ሰራሕተኛታት ከሰናብት እዩ።

ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ከባንያታት ቴለኮምኒኬሽን ሽወደን ዝኾነ Telia ብሰንኪ ዋሕዲ ኣታዊ ሰራሕተኛታት ከሰናብት ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ። ምስ ናይ ዓሚ 3.9 ቢልዮን ክሮነር ብምውድዳር ናይ ሎም ዘበን ኣታዊኡ 1.7 ቢልዮን ካብ ትጽቢቱ ኣዝዩ ዝወሓደ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ዋና ኣመሓዳሪ Teila ዝኾነ Johan Denellind “ትካላዊ ቅርጺና ዳግማይ ክንሰርዖ ኢና፥ እዚ ማለት ድማ ብዘይካ ውሑዳት ሰራሕተኛታትን ኣማኸርትን ካልኦት ክሰናበቱ እዮም” ኢሉ ኣሎ።። ክንደይ ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታት …

Read More »

ተሓላቒ ፍትሒ ጒዳይ ጾታዊ ዓመጽ Fittja ኣይርእይን እየ ምባሉ ተገሊጹ።

ተሓላቒ ፍትሒ ብጒጅለ ኮይኖም ኣብ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ጾታዊ ዓመጽ ናይ ዝፈጸሙን ፖሊስ ዝምርምሮን ዘሎ ጒዳይ ኢዱ ከም ዘየእትወሉ ገሊጹ። እቲ ትካል” እዚ ንፖሊስ ጥራይ ዝምልከት ጒዳይ እዩ” ኢሉ’ሎ። ነሓሰ 2016 ሓንቲ ጓለንስተይቲ ብዙሓት ደቂተባዕትዮ ኣብ Fittja ደቡብ ስቶክሆልም ብሓንሳብ ኮይኖም ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕለይ ፈጺሞም ዝብል ጥርዓን ናብ ፖሊስ ኣቕሪባ ኔራ። እቲ መርመራ ግና ግዚኡ ስለ ዘሕለፈ እቶም ኣብ መስርሕ …

Read More »

ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ብተመን ትንከስ።

ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ኣብ ቤት ኣዝማዳ ኣብ ሽቓቕ ብተመን ከም እተንኽሰት ገናሕቲ ተመን ኣውስትራልያ ምግላጾም ቢቢሲ ጸብጺቡ። 59 ዝዕድሜኣ ሄለን ሪቻርድስ ዕድላ ጸቢቑ መርዛም ብዘይኮነ ተመን ኣያ ተነኺሳ። ገናሕቲ ተመን ከምዚ ንሄለን ዝነኸሳ ሜትሮን ፈረቓን ዝንውሓቱ ካርፔት ኣትማን ተባሂሎም ዝፍለጡ ዓሌት ኣብ እዋን ውዑይ ክሊማ ማይ ክደልይ ናብ ባኞ ከም ዝኣትዉ ብምግላጽ ሰባት ጥንቃቐ ክገብሩ ተላብዮም ኣለዉ።

Read More »

ብሪጣንያ ኣብ 1913 ተዓዋቲት ishockey (ቃርሳ በረድ) ኣውሮጳ እያ ኔራ።

ድሕሪ ምብራዕ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ኣብ ግዜ ሓጋይ ዝካየድ ስፖርታዊ ጸወታታት ካብ ምድሪ ገጽ ግዝኣት ብሪጣንያ ጠፊኡ። ሕጂ ድሕሪ ሚእቲ ዓመት ጋንታ (ishockey) ቃርሳ በረድ ብሪጣንያ ኣብ ዓለማዊ ግጥም ንምውድዳር ዳግማይ ኣብ ሽወደን ተረኺባ’ላ። Credit: GB Bandy Federation. ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን ሽወደናውያን ኣብ ምብርባር ጸወታ (ishockey) ቃርሳ በረድ ዕዙዝ ተራ እናተጻወቱ ይርከቡ።

Read More »

inspektonen for vård och Omsorg (IVO) ንወሃብቲ ኦንላይን ኣገልግሎት ሕክምና ንምምርማር ምንቃዱ ተገሊጹ።

ኣብ ኦንላይን ኣገልግሎት ክንክን ዝህባ ኩባንያታት ንዝቐርበለን ክሲ ክቡር ዋጋ ትሑት ብቕዓትን ጸጥታዊ ሻቕላን ንምምርማር inspektonen for vard och Omsorg (IVO) ምንቃዱ ተገሊጹ። ብመሰረት Jonkoing ከምኡ’ውን Sormland ዘቕረብዎ ኣሃዛት ኦንላይን ናይ ዶክተር ኣገልግሎት ልዕሊ ርብዒ ቢልዮን ክሮነር እዩ። ዝዓበየ ኦንላይን ኩባንያ ጥዕና ዝኾነ doktor 24 ነዚ ብሓጎስ ተቐቢልዎ’ሎ። እዚ ኩባንያ ተገልገልቲ ብፍሉይ ኣፕሊኬሽን እናተጠቕሙ ምስ ዶክተር ብቐጥታ ክዛረቡሉ ዝኽእሉ ኣገልግሎት …

Read More »

በራድካ እንታይ ትመስል?

እቲ ኣስተምሃሪ ኣብ ቅድሚ ተማሃሮኡ ደው ኢሉ፡ ናይ ስልጠና ኣቕሑ ሒዙ ቅድሚ ዘረባ ምጅማሩ፡ ሓንቲ ጥርሓ ዝኾነት ዓባይ በራድ ኣምጺኡ ብዓበይቲ ኣእማን ኪመልኣ ጀሚሩ። ብድሕርዚ ነቶም ተማሃሮኡ ሕቶ ኣቕሪቡሎም። – እዛ በራድ ከም ዝመልአት ትርእዩዋዶ ኣሎኹም? ንሳቶም ድማ ኣወንታዊ መልሲ ሂቦም። ብድሕርዚ፡ ሓንቲ ብጸጸር ዝመልአት ንእሽቶ ሸሓኒ ኣምጺኡ ነቲ ጸጸር ኣብታ በራድ ኣፍሲሱዎ፡ ነታ በራድ ድማ ብሓይሊ ኣነቓኒቑዋ፡ እቲ ጸጸር …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com