Wednesday , May 15 2024

ዜና

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሽወደን ኣብ ኣጽዋር ሶርያ ፍርዲ ክግበር ይጽውዕ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሽወደን Mikhail Damberg ሽወደናዊ ዜግነት ዘለዎም ወተሃደራት ዳዕሽ ኣብ ዝተማረዂሉ ቦታ ክፍረዱን ናብ ሽወደን ከይምለሱን ጸዊዑ። እዚ ዝበሃል ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብሰንበት ድሕሪ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ እዩ። ንሱ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ንእተማረኹ ወተሃደራት ዳዕሽ እንድሕር ክፈርዳ ድሉዋት ዘይኮና ናጻ ክለቆም ምዃኑ ምጥንቃቑ ይዝከር። እዚ ሚኒስተር እዞም ምሩኻት ናብ ሽወደን ክምለሱ ድሌት ከም ዘይብሉ ገሊጹ’ሎ። …

Read More »

ፖለቲካን ፍልስፍናን ቀዳማይ ክፋል ብናስሮቪች

ሰብ ማሕበራዊ እንስሳ እዩ ክበሃል ብተደጋጋሚ ሰሚዕና ኣሎና፡፡ እዚ ማለት ሰብ ንበይኑ ተነጺሉ ህላዌኡ ከውሕስን ክሰርርን ኣይክእልን እዩ ማለት እዩ፡፡ እንተኾነ ግና ሰብ ስሱዕን ንውልቀይ ብሃሊን እውን እዩ፡፡ ነዚ ክልተ ተጻራሪ ባህርያት ጸይሩ እዩ ዝነብር፡፡ብዘይ ካልኦት ሰባት ክነብር ኣይኽእልን፤ ይኹን”ምበር ንስለ ካልኦት ብምባል ውልቃዊ ባህጉን ሸውሃቱን ክጥንጥን እውን ፍቓደኛ ኣይኸውንን፡፡ እዚ መስረታዊ ባህሪ ወዲሰብ እዩ፡፡ ኣድላይነት ፖለቲካ ካብዚ እዩ ዝብገስ፡፡ …

Read More »

ኣብ ኣፕሳላ ሓደ ሰብ ብጥይት ተቐቲሉ።

ኣብ ክሊ ዕድመ ስሳታት ዝርከብ ሰብኣይ ብቐዳም ብጥይት ከም እተቐትለ ይንገር ኣሎ። ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ናይ Slavsta ሓደጋ ቀዳም ለይቲ ኣብ ከባቢ ሰዓት 23 እዮም ተነጊሮም.። ኣብቲ ቦታ ምስበጽሑ ሓደ ኣብ ስሳታት ዝርከብ ሰብኣይ ብጥይት ተወቒዑ ረኺቦም። ብኣምቡላንሳ ናብ ኣካዳሚክ ሇስፒታል እኳ እንተተወስደ ህይወቱ ክድሕን ኣይከኣለን። ፖሊስ ኣብቲ ቅትለት ኣፈናዊ መርመራ ጌሮም ኣለዉ። ዛጊት ዝተታሕዘ ይኹን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ …

Read More »

ብግበረሽበራ እተኸሰሱ ሰለስተ ሰባት ናጻ ከም እተለቁ ተገሊጹ።

እቶም ኣብ ሽወደን ግበረሽበራ ክትፍጽሙ ውዲት ኣሊምኩም ብዝብል ብኣኽባር ሕጊ እተኸሰሱ ሰለስተ ሰባት እኹል መርትዖ ኣይተረኽቦምን ብዝብል ናጻ ከም እተለቁ ተገሊጹ። ኣኽባር ሕጊ ምስ ዳዕሽ ርክብ ከም ዘለዎም ዘመልክት ናይ ሞባይል መልእኽቲን ኣብ ኣባይቶም እተረኽበ ዝተፈላለየ ኬሚካላትን ከም መርትዖ ብምቅራብ ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣሊሞም ብዝብል እዩ ከሲስዎም ጸኒሑ። እንተኾነ ግና ነፍሲወከፍ እዚ መርትዖ ብጠበቓታት ከም ዘይእኹል ኮይኑ ብምፍሻሉ …

Read More »

ሃገራት ኣውሮጳ ንኣማኢት ሚሊሻ ዳዕሽ ናብ ቤትፍርዲ ከቕርባ ትራምፕ ጸዊዑ።

ፕረሲደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንብሪጣንያ ፈረንሳይ ጀርመንን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ነዞም ልዕሊ 800 ዝኾኑ ኣብ ሶርያ እተማረኹ ወተሃደራት ዳዕሽ ናብ ፍርዲ ከቕርባ ጸዊዑ’ሎ። “መንግስቲ ዳዕሽ ክወድቕ ዝተረፎ የብሉን። እቲ ካልእ ኣማራጺ ጽቡቕ ኣይመስለንን” ክብል ኣብ ዝለኣኾ ትዊተር ገሊጹ። “እንተዘይኮይኑ ግና ኣመሪካ ነዞም ሚሊሻ ክትለቆም ክትግደድ እያ” ድማ ኢሉ። ወኪል ጸጥታ ሽወደን ብወገኑ ኣብ ሶርያ ብዙሓት ናይ ሽወደን …

Read More »

ኣፍራስ ሀርፐስ ብዝተባህለ ሕማም ቈርበት ዝስዕብ ቫይረስ ከም እተጠቕዑ ተገሊጹ::

ኣብ ሰለስተ ጋጻት ስቶክሆልምን ኣፕሳላን ዝርከቡ ኣፍራስ ሀርፐስ ብዝተባህለ ሕማም ቈርበት ዝስዕብ ቫይረስ ከም እተጠቕዑ ተገሊጹ። እዚ ኢኳይን ሄርፐስ ቫይረስ ታይፕ ዋን ዝበሃል ቫይረስ ምብርዓን ጥንሲን ሞትን ኣፍራስ ከስዕብ ከም ዝኽእል ይንገረሉ። እዚ ኲነታት ኣዝዩ ጽንኲር ምዃኑን ሃገራዊ ሕክምና እንስሳ ሽወደን ካብዞም እተበከሉ ጋጻት ክርሕቁን ክሳብ ውሸባ እዞም ኣፍራስ ዝግበር ናብኣቶም ካብ ምቅራብ ክቚጠቡን ወኪል መንግስቲ Karin Bergström ኣፍሊጣ’ላ። ምስዚ …

Read More »

ኮምዩናት ክብሪ ስድራቤት ገበንን ናይ ኣስገዳድ መርዓን ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣለወን ተባሂሉ።

ኣብ ሽወደን ከባብያዊ ምምሕዳራት ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝወረድ ናይ ክብሪ ስድራቤት ገበንን ናይ ኣስገዳድ መርዓን ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣለወን። እንተኾነ ግና ብመሰረት ሪውድዮ ሽወደን ሓያሎ ካብዞም ምምሕዳራት ነዚ እተጠቕሰ ገበናት ደው ከብሉ ይረኣዩ የለዉን። እቲ ዳህሳስ 31 ቈልዑ ንመርዓ ናብ ወጻኢ ሃገር ከም እተላእካን እዘን ምምሕዳራት ከተማ ካብዚ 13 ሚእታዊት ጥራይ ክከታተላ ምኽኣለን ከም መርትዖ ኣቕሪባቶ’ላ።

Read More »

ኢንግሊዛውያን ኣብ ስዊድን ሻቅሎት ይኣትዎም።

ብሪጣንያዊ ዜጋ ማሊ ማክሌን ብሪጣንያ ብዘይውዕል ካብ ኣባልነት ኣውሮጳዊ ሕብረት እንተስሒባ ንእኡን ካልኦት 28 ሽሕ ብሪጣንያውያን እንታይ ክገንፎም ከም ዝኽእል ካብ መንግስቲ ሽወደን ግልጺ መልእኽቲ ከም ዝጽበ ኣፍሊጡ። ባይቶ ብሪጣንያ ናይ ምስሓብ ስምምዕ ከውጽእ በዚ ድማ ናይ ክልተ ዓመት ናይ መሰጋገሪ እዋን ክህሉ እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ መንግስቲ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ሽወደን ኣብ መጋቢት ህጹጽ ለውጢ ክህሉ እዩ፥ ወይ’ውን …

Read More »

ንኻልኣይ ግዜ ዝወሃብ ዘሎ ኣገዳሲ ሓበሬታ ዜግነት ስዊድን ንተመልክቱ ሰባት

በዓል መዚ ኢመግረሽን ናይ ስዊድን ዜግነት ንምርካብ ዘመልክት ሰብ መንነቱ ከረጋግጽ ከምዘለዎ ከምዝጠልቡ ርዱእ እዩ። Migrationsverket እቲ በዓል መዚ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ መዓልቱ ዝሓለፎ እሞ ዘይተሓደሰ ፓስፖርትውን ከምናይ መንነት መረጋገጺ ክቐርብ ከምዝኽእል ሓቢሩ ስለዘሎ እቶም ተመሳሳሊ ጉዳይ ዘለኩም ተጠቀምቲ እዚ ዕድል ክትኮኑ ንሕብር። ኣልኮምፒስ ትግርኛ

Read More »

ብዋጋ መግቢ መጺእና እተን ዝበለጻ ከተማታት ሽወደን እኒመን እየን?

ኣብ ዋጋ መግቢ ካብ ድኳን ናብ ድኳን ፍልልይ ኣሎዶ? ነዚ ንምፍላጥ ውድብ ጡረተኛታት እወደን ኣብ ከባቢ 700 ድኳናት መጽናዕቲ ተጌሩ ኔሩ። ብመሰረት እቲ ዳህሳስ ኣብ ዱካን ዝሽየጥ ዘንቢል መኣዲ 100 ክሮነር ኣብ ካልእ ድማ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ብ 142 ክሮነር እዩ። ብመሰረት እቲ ዳህሳስ ካብ ዓበይቲ ድኳናት ናእሽቱ ድኳናት ብዝያዳ ከም ዝኸብራን ኣተን ዝሓሰራ ኣብ Värmland ዝርከባ ክኾና እንከለዋ እቲ ዝኸበረ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com