Thursday , May 16 2024

ዜና

ቫተንፋል ዓማዊሉ ካሕሳ ክቕበሉ ምዃኖም ገሊጹ ተዛሪቡ።

ኣብ ኣፕሳላ ዘለዉ ዓማዊሉ ብሰንኪ ዝተኸስተ ህቦብላ ኣገልግሎት ማይን ኤለትሪክን ተኣጓጒሉዎም ኣብ ሆቴልን ኣብያተ መግብን ዘየድሊ ወጻኢ ንዘፍሰሱ ዓማዊሉ ካሕሳ ክቕበሉ ምዃኖም ገሊጹ ቫተንፋል ተዛሪቡ። ናይቲ ኩባንያ በዓልመዚ መራኸቢ ብዙሃን ሚካኤል ቡርነር እዞም ዝተሃስዩ ሰባት ዝከሓሱሉ መምርሒ ምህላዉ ግና እዚ በበይኑ ክግበር ምዃኑ ገሊጹ። እዞም ዝተሃስዩ ሰባት መጀመርታ ኣገልግሎት ዓማዊል ብምውካስ ዘፍሰስዎ ወጻኢታት ብዝርዝር ክሕበሩ ኣለዎም ። “ዝተገዘአ ባተሪ፥ መውዓዪ …

Read More »

ደሃይ መስርሕ ምስግጋር ተጻወቲ!

ኣብዚ መወዳእታ ዓመት 2018/19 ምስ ክለብ ኣርሰናል ኩንትራቱ ዘብቅዕ ኣሮን ራምሲ ናብ ክለብ ጁቬንቱስ ንክሰጋገር መስርሕ ወዲኡ ክትብል ስካይ ስፖርት ገሊጻ። ራምሲ ድሕሪ ናይ 11 ዓመት ጻንሖት ምስ ክለብ ኣርሰናል ሕጂ ቅድመ ውዕል ኩንትራት ብምፍራም ን ሰሙን 170,00 ፓውንድ እንዳተከፍለ ን 4 ዓመታት ክጻወት እዩ። ክለብ ኣርሰናል ን ዳኒ ሱዋሬዝ ንምስግጋር ምስ ክለብ ባርሰሎና ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሔት ይንገር ኣሎ። እዚ …

Read More »

ዜናታት ስዊድን ብትግርኛ 01 ጥሪ 2019

Read More »

ሓደጋ ምንሽርታት በረድ ኣብ ሽወደን ይቕጽል ።

ሓደጋ ምንሽርታት በረድ ኣብ ሽወደን ዓርቢ መዓልቲ’ውን ከም እተራእየን ፈለማ ብማእከል ምክትታል ግጉው በረድ እተዋህበ መጠንቀቕታ ኣብ ቦትኡ ምህላዉን ማእከል ሜትሮሎጂ ሽወደን ሓቢሩ። እዚ መጠንቀቕታ ዝሽፍኖም ዞባታት ኣውራጃ ኦስተርጎትላንድ ሶደርማላንድ ይቨልሁፕሪ ዳላርናን ቨስተርቩርላንድ እየን። እቲ ማእከል ከም ዝሓበሮ ምንሃል መሬት ዝኽሰት ዝናብ ኣብ ዝሑል ግጉው በረድ እንክሃርም እዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ገሊኡ ቦታታት ሙቐት ልዕሊ ዜሮ ብምዃኑ ናይ ምንሽርታት ሓደጋ …

Read More »

ውድድር ንምዕታር ዋንጫ ፕሪመር ሊግ መመሊሱ ይደምቅ!

ትማሊ ክለብ ሊቨርፑል ኣብ ሜዳ ኢትሓድ ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ ብ ቀንዲ መታሃላለኽታ ክለብ ማንቸስተር ሲቲ 2 ብ 1 ብምስዓር ኩዕዞ ዘይተሳዕርነት 21 ጸወታ ተገቲኡ። እዚ ድማ ኣብ ዓመተ 2017/18 ውድድር ወቕቲ ዘይተሳዕርነት ማንቸስተር ሲቲ 22 ጸወታ ብ ሊቨርፑል ደው ከምዝበለ ዝዝከር ኮይኑ ማንቸስተር ስቲ ሕነኣ ዝፈደየትሉ ኣጋጣሚ እዩ ኮይኑ። ኣሰልጣኒ ፐፔ ጋርዴላ ከምዝተዛረቦ ኣብዚ ግጥም ብሉጽ ጸወታ ብምርኣይ ንዝነበርና ፍልልይ …

Read More »

ስተፋነ ሉፈንን ኡልፍ ክሪስተርሰን ብዛዕባ ምቛም ሓድሽ መንግስቲ ንኣፈኛ ባይቶ ኣንድርያስ ኖርሊን ሓድሽ ጸብጻብ ምቕራቦም ተገሊጹ።

ሓላፊ ሰልፊ ዴሳዊ ዴሞክራሲ ስተፋነ ሉፈን ከምኡ’ውን ኣቦመንበር ዓቃባዊ ሰልፊ ኡልፍ ክሪስተርሰን ብዛዕባ ምቛም ሓድሽ መንግስቲ ንኣፈኛ ባይቶ ኣንድርያስ ኖርሊን ሓድሽ ጸብጻብ ምቕራቦም ተገሊጹ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ዛጊት ናብ ጠረጴዛ ዝቐረበ ዝኾነ ድሉው ናይ ዘተ ውጥን የለን። እዞም ሰልፊታት ቀዳማይ ጸብጻቦም ዝሓለፈ ዓመት 28 ታሕሳስ እዮም ኣቕሪቦም ። ኣብቲ ዕለት ኖርሊን ምስ ክልቲኣቶም ሕጹያት ብምዝርራብ ክልቲኣቶም ሰልፊታት ብዛዕባ ቅልውላው …

Read More »

ቮልቮ ባህሪ ዘወርቲ መካይን ብዕምቈት ንምርዳእ ዝሕግዝ ካሜራ ኣብ ሓደስቲ መካይን ክልቅብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቀንዲ ሰራሕ መካይን ሽወደን ቮልቮ፥ ባህሪ ዘወርቲ መካይን ብዕምቈት ንምርዳእ መታን ክሕግዞ ብምባል ኣብ ዝሰርሐን ሓደስቲ መካይን ካሜራ ክልቅብ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ኩባንያ ከም ዝገለጾ እዘን ካሜራታት ኣዝየን ምዕቡላት፡ ብሌን ኣዒንቲ ዘዋር መኪና ብምዕዛብ ጥዕናዊ ጸገም ዝምርምራ: በዚ መርመራ ጥዕናዊ ጸገም እንተኣለልየን ናብ ኣባል ስድራቤት ወይ ሆስፒታል ጻውዒት ከም ዝገብራ ኮይነን እየን ተሰሪሐን። ምስ ስማርት ፎንን ካልእ ናውትን ብምውድዳር እዘን …

Read More »

ነዊሕ ሰዓታት ዝድቅስ ዶክተር ካብ ስርሑ ክስጐግ ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ ተዋሂቡ።

ላዕለዋይ ምክትታል ጥዕና ሽወደን ኣብ ቫርምላንድ ዝሰርሕ ዶክተር ነዊሕ ሰዓታት ናይ ምድቃስ ዝንባለ ስለዘርኣየ ናይ ስራሕ ፍቓዱ ክሰሓብ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። ኒያ ቬርምላንድ ከምዚ ጸብጺባቶ’ላ። ብመሰረት እታ ጋዜጣ እቲ ዶክተር ሰለስተ ናይ ፈተነ ዓመታት ኣሕሊፉ ብቑዕ ሞያዊ ክእለት ኣለዎ ተባሂሉ ከም እተገምገመ እንተኾነ ግና ካብ ዝሓለፈ ጽድያ ጀሚሩ ሕሙማት ይቕበል ዘይምህላዉ ተፈሊጡ። ኮሚተ ጥዕና እቲ ምስሓብ ፍቓድ ስራሕ እዚ ዶክተር ተሪፉ …

Read More »

ኖርበርተን: እቲ ዝበዝሐ መጠን ሞት ሕማም ልቢ ዘመዝገበት ዞባ ስዊድን ኮይና ።

መጠነ ሞት ሕማም ልቢ ኖርበርተን ኣብ ዓመተ 2017 ኣብ ሽወደን ዘጋጠሙ ናይ ሞት ሓደጋታት ዝበዝሐ እጃም ከም ዝወስድ፡ ብሊንክ ድማ ካልኣይ ደረጃ ከምትሕዝ ተገሊጹ። እቲ ዝተሓተ መጠን ሞት ኣብ ኣውራጃ ኣፕሳላ ዝተመዝገበ ኮይኑ ካብ ብለኪን ብ 40 ሚእታዊት ከም ዝንእስ ተገምጊሙ። ” ዞባዊ ፍልልያት ኣብ ከምኒ ክብደት ኣካላት፥ ምትካኽ ሽጋራ፡ ልምዲ ምንቅስቓስን ጭንቀትን ዝኣመሰሉ ኣገባባት መንበሮ ተራ ኣለዎም” ትብል መምህር …

Read More »

ቚጽሪ ናይቶም ብሓደጋ ባቡር ዴንማርክ ዝሞቱ ሰባት ሸሞንተ በጺሑ።

እዚ ሓበሬታ ፖሊስ ዴንማርክ ካብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ ተረኺቡ። እታ ባቡር ብረቡዕ ንደሴታት ዴንማርክ ዘራኽብ ድልድል ባልትርቦን እናሰገረት እዩ ተኸሲቱ። በዓልመዚ ፖሊስ ዴንማርክ ኣርነ ግሩም “ካልኦት ክልተ ፖሊስ እውን ሞይቶም ኣለዉ” ክብል ገሊጹ። እቲ ሓደጋ ንግሆ 7፡30 ሓደ ፉርጎ ብኻልእ ሸነኽ ተፈንዩ ምስታ ባቡር ብምግጫዉ እዩ ተኸሲቱ። ብመሰረት ትማል እተፈነወ ኣፈናዊ ኣሃዝ ሽዱሽተ ምሟቶምን 16 ኸኣ ብፈኲስ ምቚሳሎምን ተገሊጹ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com