Wednesday , May 15 2024

ዜና

ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ዜግነት ንዘሎ ሕጊ ክትርሮ ምዃኑ ቃል ይኣቱ።

ሽወደናዊ ዜግነት ንዝሓቱ ሰባት ናይ ቋንቋ ፍልጠቶም ዝዕቅን መርመራ ክወሃቦም ምዃኑ እውን ገሊጹ’ሎ። እዚ ውሳነ ሊበራላዊ ሰልፊ ንዝሓለፋ 16 ዓመታት ክደፍኣሉ ዝጸንሐ ሓሳብ እዩ። ሕጂ እዚ ብልፍንቲ ሶሻል ዲሞክራትስን ሓምላይ ሰልፊታት ዝቘመ መንግስቲ ናይ በጀት ሕቶኡ ብሊበራላዊ ሰልፊ ድጋፍ መታን ክረክብ እዚ ዝተገልጸ ለውጢ ፖሊሲ ዝተኣታተወሉ መስርሕ መርመራ ከበግስ እዩ። ኣባል ሊበራላዊ ሰልፊ ባይቶ Gulan Avci ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ …

Read More »

ኣብ ዒራቕ ኣሽሓት ስድራቤታት ብግብረሽበራዊ ጒጅለ ዳዕሽ ተሓዪሮም ምህላዎም ተገሊጹ።

ነዞም ስድራቤታት ካብ ሕብረተሰብ ምንጻል ኣብኡ ንዝዓብዩ ቆልዑ ብፍላይ ግዳይ ብምግባር ኣሰር ኣቦታቶም ንኽስዕቡ ዝገብር እዩ ይብሉ ወሃብቲ ርእይቶ። እዚ ንጥንታዊ ስርዓት ስፓርታ ዝመስል ጥቕጣቕ ሕጊታት ዝመልኦ ዶራን መዓስከር ጎማ መኪና ዘንከባልሉ ህጻናት ብመሽጐራጉር ቴንዳታት ሕልኽልኽ ክብሉ ብብዝሒ ይረኣዩሉ። ብዙሓት ካብዚኣቶም ሓመድ ዝመስሉ ኮይኖም ቈርበቶም ዝሓፈወ እዩ። ነበርቱ ካብ ቀጽሪ መዓስከር ተወዝ ክብሉ፡ ሰብ ክበጽሖም ይኹን ሞባይል ክጥቀሙ ኣይፍቀደሎምን እዩ። …

Read More »

ሓንቲ ሰበይቲ ናጽላ ብምጥፋኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ።

እዛ ሰበይቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ካብ መውዓሊ ህጻናት ዮተበሪ ናጽላ ክወጽእ ጌራ’ያ ብዝብል እያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ ዘላ። እታ ሰበይቲ ነዚ እኳ እንተተኣመነት ነቲ ካሮሴላ (barnvagn) ጥራይ እየ ደልየ ኔረ፥ ጸኒሐ እየ ቆልዓ ከም ዘለዎ ርእየ” ኢላ። ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ገበን ካብ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል ናብ ዘይሕጋዊ ምሕያር ዝብል ስያመ ኣሰጋጊርዎ’ሎ። ዓቓቢ ሕጊ Hedvig Lundblad ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ “ነዚ …

Read More »

ገስጋስ ማንቸስተር ዩናይትድ ንቕድሚት ይምርሽ!

ድሕሪ ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ሶልሻየር ማን ዩናይትድ ኣብ 8 ተኸታታሊ ጸወታ ብሙልእ ነጥቢ ዕዮ ገዛ ትዛዝም። ትማሊ ምሸት ናብ ሰሜን ለንደን ተጛዒዛ ምስ ኣርሰናል ዝገጠመት ማን ዩናይትድ ብ ናይ 3ብ1 ዓወት ኣመዝጊባ ናብ ዝቕጽል 5ይ ዙርያ ውድድር ኤፍ.ኤ.ካብ ሓሊፋ። ነዚ ዓወት ዘመዝገበት ትማሊ ምሸት ብፍሉይ ደሚቑ ዘምሰየ ሉካኩ ዝሃንደሰን ክልት ኩዓሳሱ ሳንቼዝን ሊንጋርድ እታ ሳልሰይቲ ድማ ተቀይሩ ዝኣተወ ማርሻል ብዘመዝገብዎን ሸቶታት …

Read More »

ዜናታት ስዊድን ብትግርኛ 25 ጥሪ 2019

Read More »

ሓደ ኣቦ 2 ደቁ ድሕሪ ምቕታሉ ነፍሰ ቕትለት ፈጺሙ።

ብመሰረት ጸብጻብ ጋዜጣ Expressen እዚ ኣብ Sala ዝቕመጥ ሰብኣይ ክልተ ደቁ ድሕሪ ምቕታል እዩ ነፍሰ-ቕትለት ፈጺሙ። እቲ ሰብኣይ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ብትግሃት ይሳተፍ ከምዝነበረ፥ ቅድሚ ነፍሰቕትለት ምፍጻሙ ከኣ ቅድሚ ምሟቱ እንታይ ከም ዝገበረ ኣብ ፌይስቡክ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ፈንዩ’ሎ። ፖሊስ ካብ ምምሕዳር ከተማ sala ድሕሪ ዝመጾም ጻውዒት እቲ ፍጻመ ክዉን ምዃኑ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ሬሳ ሓደ ሓምሳታት …

Read More »

መጻኢ ዕድል ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስርሓት ኣብ ሕቶ ምልክት ይኣትው።

ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ውድባት ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስርሓት(Arbetsformedlingen) ብሓያሎ ስራሕ ኣብ ምንዳይ ዝዋፈራ ናእሽቱ ኩባንያታት ክትካእ ምኻኑ ተፈሊጡ። እዚ ትካል “ስራሕ ንዘይብሎም ሰባት ብዙሕ ኣይሓገዘን” ዝብል ተሪር ነቐፌታ ድሕሪ ምእንጋዱ ኣብ መንጐ ሰልፊታት ሶሻል ዲሞክራትስ (S) ሓምላይ (MP) ማእከላይ (C) ከምኡ’ውን ሊበራላዊ (L) ሰልፍታት ነዚ ትካል ዳግማይ ንምህናጽ ስምምዕ ተበጺሑ’ሎ። ኣባል ባይቶ ማእከላዊ ሰልፊ Martin Adahl “ኣገልግሎት …

Read More »

TELIA ሰራሕተኛታት ከሰናብት እዩ።

ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ከባንያታት ቴለኮምኒኬሽን ሽወደን ዝኾነ Telia ብሰንኪ ዋሕዲ ኣታዊ ሰራሕተኛታት ከሰናብት ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ። ምስ ናይ ዓሚ 3.9 ቢልዮን ክሮነር ብምውድዳር ናይ ሎም ዘበን ኣታዊኡ 1.7 ቢልዮን ካብ ትጽቢቱ ኣዝዩ ዝወሓደ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ዋና ኣመሓዳሪ Teila ዝኾነ Johan Denellind “ትካላዊ ቅርጺና ዳግማይ ክንሰርዖ ኢና፥ እዚ ማለት ድማ ብዘይካ ውሑዳት ሰራሕተኛታትን ኣማኸርትን ካልኦት ክሰናበቱ እዮም” ኢሉ ኣሎ።። ክንደይ ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታት …

Read More »

ተሓላቒ ፍትሒ ጒዳይ ጾታዊ ዓመጽ Fittja ኣይርእይን እየ ምባሉ ተገሊጹ።

ተሓላቒ ፍትሒ ብጒጅለ ኮይኖም ኣብ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ጾታዊ ዓመጽ ናይ ዝፈጸሙን ፖሊስ ዝምርምሮን ዘሎ ጒዳይ ኢዱ ከም ዘየእትወሉ ገሊጹ። እቲ ትካል” እዚ ንፖሊስ ጥራይ ዝምልከት ጒዳይ እዩ” ኢሉ’ሎ። ነሓሰ 2016 ሓንቲ ጓለንስተይቲ ብዙሓት ደቂተባዕትዮ ኣብ Fittja ደቡብ ስቶክሆልም ብሓንሳብ ኮይኖም ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕለይ ፈጺሞም ዝብል ጥርዓን ናብ ፖሊስ ኣቕሪባ ኔራ። እቲ መርመራ ግና ግዚኡ ስለ ዘሕለፈ እቶም ኣብ መስርሕ …

Read More »

ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ብተመን ትንከስ።

ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ኣብ ቤት ኣዝማዳ ኣብ ሽቓቕ ብተመን ከም እተንኽሰት ገናሕቲ ተመን ኣውስትራልያ ምግላጾም ቢቢሲ ጸብጺቡ። 59 ዝዕድሜኣ ሄለን ሪቻርድስ ዕድላ ጸቢቑ መርዛም ብዘይኮነ ተመን ኣያ ተነኺሳ። ገናሕቲ ተመን ከምዚ ንሄለን ዝነኸሳ ሜትሮን ፈረቓን ዝንውሓቱ ካርፔት ኣትማን ተባሂሎም ዝፍለጡ ዓሌት ኣብ እዋን ውዑይ ክሊማ ማይ ክደልይ ናብ ባኞ ከም ዝኣትዉ ብምግላጽ ሰባት ጥንቃቐ ክገብሩ ተላብዮም ኣለዉ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com