Thursday , May 16 2024

ዜና

ኣብ ኡጋንዳ ናይ ሕብረጾታውያን LGBT ማእከል ተኸፊቱ

ሽወደናዊ ኣቀናባሪ ሙዚቃ ረይንቦው ራዮትስ፡ ፐተር ቫለንበርይን ብጾቱን ኣብ ኡጋንዳ ናይ መጀመርያ ማእከል ሕብረተጾታውያን ኪኽፍቱ መዲቦም ኣለዉ። ሽሕኳ ካብ መንግስቲ ኡጋንዳ ተቓውሞ እንተ ኣጋጠሞም፡ እቲ ምኽፋት ግን ኣብዚ መጀመርያ ዓመትዚ ኪካየድ ኣዩ። ናይ ኡጋንዳ ሚኒስተር ስነምግባርን ርዝነትን፡ ሳይሞን ሎኮዶ፡ ኣብቲ ምስ ጋርድያን ጋዜጣ ዝገበሮ ዝርርብ ኣብ ኡጋንዳ ሕብረጾታውነት ከም ዘይፍቀድ ገሊጹ። ከም ገበን ከም ዚቝጸር እውን ሓቢሩ። – ነዞም ኣብ …

Read More »

ኣብ ካሊክስ እተጎዛዘየ ኣካል ሰብ ተረኺቡ

ሮቡዕ ንግሆ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ማእከላይ ካሊክስ እተቖራረጸ ኣካላት ሰብ ተረኺቡ፡ ምርመራ ድማ ይካየደሉ ኣሎ። ኣብ መንጎ ቱላርን ካሊክስን ዘሎ ቦታ እዩ እቲ ክፋላት ኣካል ሰብ እተረኽበ። ሓበሬታ ዝሃበ ድማ እቲ ዝረኣዮ ሰብ እዩ። እቲ ቅትለት ብምጕዝዛይ እዩ ተኻዪዱ፡ እቲ ግዳይ ድማ ወድተባዕታይ እዩ። ፖሊስ ካብቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሰብ ተወሳኺ ሓበሬታ ይደልዩ ኣለዉ። እቲ ምርመራ ድማ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ …

Read More »

ግጥም ኣልክላሲኮ ብዘይ ከዋኽብቲ

ዝሓለፉ ቀዳም ባርሳ ኣንጻር ሰቭያ ኣብዝነብረ ግጥም ንኾኸብ ተጻዋታያ ልዮንሊ መሲ ናይ ኢድ ማህሰይቲ ንዝመጽእ 3 ሰሙናት ክትከስሮ እያ። ማድሪድ ድማ ብወገና ኣብ ክራማት ን ኾኸብ ተጻዋታይ ክርስትያኖ ሮናንዶ ናብ ኢጣልያዊት ክለብ ጁቬንቱስ ብምስዳዳ እያ እዘን ክልተ ክለባት ስጳኛን ዓለምናን  ክራከባ። እዚ ብደረጃ ዓለም ተባሃግን ካብ ዓበይቲ ናይ ደርብ ግጥም ዝኮነ ኤል ክላስኮ ብዘይ እዞም ጎባልል ተጻውቲ ዓለምና ዝኮነ መስን …

Read More »

ኡዝያን ቦልት ናብ ኩዕሶ እግሪ የምርሕ

ኣብ ውድድር ናይ ሓጺር ርሕቀት ኣትለትክስ ብዙሕ ቅያ ዝሰርሔ ጀማይካዊ ኡዝያን ቦልት ናብ ውድድር ኩዑስ እግሪ ተቐልቒሉ። ኣብ ዓይኒ ማልታዊት ክለብ ኣትዩ ዝጸንሔ ተዓዋቲ 8  ኣይ ኦሎፒክ ወርቂ መዳልያታት ዝኮነ ወዲ 32 ዓመት ቦልት ምስ ኣውስራልያዊ ክለብ ሴንትራል ኮስት ማሪነር እዩ ፈርምኡ ኣንቢሩ ዘሉ። እዚ ኣብ 2017 ጠቅሊሉ ካብ ኣትለክስ ዝተፋነወ ቦልት ኣብ ኩዕሶ እግሪ እውን ዝጽግሞ ከምዘይብሎም እዩ ዝገልጽ …

Read More »

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፥ ንምእሳር ሓደ ሽወደናዊ ኣብ ቱርኪ የረጋግጽ  

ብመሰረት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ሓደ ኣብ ቨስትራ ዮተላንድ ዚቕመጥ ወዲ 45 ዓመት ሽወደናዊ ኣብ ዲያርካቢር እትበሃል ከተማ ደቡብ ቱርኪ ተኣሲሩ ኣሎ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቆንሱል ሽወደን ካብ ሰበስልጣን ቱርኪ ሓበሬታ ይእክብ ኣሎ፡ ማለት ስለምንታይ እቲ ሰብ ከም እተኣስረ። ብመሰረት ሰበስልጣን ቱርኪ፡ እቲ ሽወደናዊ እተኣስረሉ ምኽንያት ምስቲ PKK እተባህለ ግንባር ሓርነት ኩርድ ስለ እተሓባበረ እዩ። ንሱ ኣብቲ ኣኼባኦም ከም እተረኽበ …

Read More »

ኣብ ፕላስቲክ ተዓሺገን እተደርበያ ደማሙ

ኣብ ስካራ እተባህለ ቦታ፡ ክልተ ጥዑያት ደማሙ ኣብ ፈስታል ተዓሺገን ተደርብየን ተረኺበን። እዚ ድማ ኣብቲ ሕብረተሰብ ሓያል ግብረመልሲ ፈጢሩ። እዚ ፍጻመዚ ብሓደ ኣኽላባቱ ዘዛውር ዝነበረ ሰብ እዩ ተሓቢሩ። እተን ደማሙ ኣብ ናይ ስተንሁም ገዛ ደማሙ ተዓቝበን ኣለዋ። – ብጥዕናአን እየን ዘለዋ፡ ቀልጢፍና ኢና ረኺብናየን፡ ትብል ኤቫ ሀልክቪስት ኣካያዲት ገዛ ደማሙ። ሓንቲ 8-10 ኣዋርሕ ዝዕድመኣ ክትከውን ከላ እታ ካልአይቲ ድማ ኣስታት 8 …

Read More »

ካብ ኣብ ቤትትምህርቲ፡ ኣብ ገዛ ኪውዕሉ ዚመርጹ ተማሃሮ

ኣብ ኤስኪልቱና መባእታዊ ቤትትህርቲ 400 ተማሃሮ ትምህርቲ ኣብኵሮም። ስለዚ እቲ ኮሙን ነቲ ጸገም ብዕቱብ መገዲ ይርእዮ ኣሎ። ኤማ ላሾን ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ናይ ኤስኪልቱና ፍሪቲድስሁስ መራሒት ፕሮጀክት ኮይና ሰሪሓ እያ። ኣብኡ ንገለ ተማሃሮ ኣዘራሪባ። ንሳቶም ከም ዚብሉ፡ እቲ ጸገም ኣብ መለስተኛን ኣብ 2ይ ደረጃን እዩ ጀሚሩ። ግን ኣነ ዝገርመኒ ከመይ ኢሎም ክንድዚ ዝኣኽሉ ተመሃሮ ካብ ትምህርቲ የብክሩ፡ ትምህርቲ ግዴታ ምዃኑ …

Read More »

እቲ ንመንበሪ ፍቓድ ዚምልከት ግዜያዊ ሕጊ ብናይ ሚግረሽን ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ተጣሒሱ።

ብመሰረት ማዕከን ዜና ሚግረሽን፡ ኣብዚ እዋንዚ መብዛሕትኦም ሲርያውያን ምስ ስድራቤቶም ንኪራኸቡ ኪፍቀደሎም እዩ። ሓደ ቅድሚ ሕዳር 25-2015 ንዕቝባ ኣመልኪቱ ዝነበረ ሲርያዊ ዜጋ፡ እዚ ግዜያዊ ሕጊ ኣብ 2019 ምስ ወደቐ፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ኪወሃቦ ይኽእል እዩ። እዚ በቲ ናይ ሚግረሽን ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እዩ ኣብዚ ቀረባ ግዜ እተወሰነ። ብመሰረት ማዕከን ዜና ሚግረሽን፡ እዚ ንግዜያዊ መንበሪ ፍቓድ ዚምልከት ግዜያዊ ሕጊ ዚቕጽል ኣይመስልን። ግን …

Read More »

ስቨርየ ደሞክራተራዊ ስተፋን ቦርይ ኣብቲ ናይ ሆርቢ ቤትምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣቦመንበርነት ከም ሕጹይ ኮይኑ ኣይኪቐርብን እዩ

ስቨርየ ደሞክራተራዊ ስተፋን ቦርይ ኣብቲ ናይ ሆርቢ ቤትምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣቦመንበርነት ከም ሕጹይ ኮይኑ ኣይኪቐርብን እዩ፡ ምኽንያቱ ድማ እቲ መድያ ኣብ ልዕሊኡ ብዘለዎ ኣረኣእያ እዩ። ስተፋን ቦርግ ኣብ ፈይስቡክ ንሕብረጾታውያን (LGBT) ብምንሻዉ ተነቒፉ እዩ። ንሱ ኣብቲ ዚጽሕፎ ርእይቶታት ናይ ጸዓዱ ስልጣን ከም ዚደሊ ይረአ ኣሎ። “እቲ ናባይ ዝቐንዐ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዚረአ ዘሎ ነቐፌታ ኣብቲ ናይ ሆርቢ ምርጫ ነቲ ሰልፊ …

Read More »

ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን  ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኤርትራዉያን ነበርቲ ዝተፈላለየ ከተማታት ሽወደን ብዕለት 20 ጥቅምቲ 2018 ኣብ ከተማ ያቭለ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እቲ ብኣዳላውነት ብስዊድናዊ ማሕበር ኣሲል ኮሜቴን ምጥርናፍ ስድራቤት ብዝብል መጸውዒ ናይ ዝተጠርነፉ ስድራቤታት ተወከልቲ ኮሜቴን ብሓባር ዝተዳለወ ሰልፊ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ብዝሒ ተሳታፋይ ከምዝነበሮን ተፈሊጡ። ተሳተፍቲ ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ተግባር ውዒሉ ዘሎ ግዝያዊ ሕጊ ናይ ሚግረሽን ንዝሳዓበ ስድራቤታዊ ምፍልላይን እሱ ዘከተሎ ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጥታትን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com