Saturday , May 11 2024

ዜና

ተሪ ሄንሪ ናብ ክለብ ሞናኮ የምርሕ

ክለብ ሞናኮ ተዓዋቲት ሊግ 1 ፈረንሳ 2017 ንፍርቂ ፍጻሜ ውድድር ቻምፒዮን ሊግ ዝበጽሔትን ጋንታ ዝነበረት ዓባይ ክለብ ኮይና፣ ኣብዚ ውድድር ወቕቲ ግን ብቕዓታ ብምውርራዱን ካብ 9 ጸወታታት 6 ነጥቢ ብምምዝጋብ ን ክልተ ክለባት ቀዲማ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ሰሌዳ ተቐሚጣ ትርከብ። እዚ ድማ ኣኻይድቲ እንታ ጋንታ ክጻወርዎ ብዘይምኽኣሎም ን ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ሊዮናርዶ ጃርዲም ብምብራር ምስ ፍርያት እዛ ጋንታ ዝኾነን ኣብ …

Read More »

እንኮ  ፈታሕ ጸገም ማድሪድ ብ ሃዛርድ ዶ ይፍታሕ ይከውን

ጋንታ ሪያል ማድሪድ ድሕሪ ምግዳፍ 5 ኮኾብ ተጻዋታይ ዓለምና ሮናልዶን ኣሰጣኒ ዘዳንን ኣብዚ ዘልናዮ ናይ ውድድር ውቕቲ ተደጋጋሚ ነጥቢ ብምጥፋእ ኣብ ቅልውላው ትርከብ። እዚ ድማ ን ኣካየድቲ ዛ ጋንታን ደገፍቲ እዛ ክለብን ኣብ ሻቅሎት ሸሚምዎም ይርከብ። እዛ ጋንታ ዓወት ካብ ዝሕረማ 5 ጸወታታት ሸቶ ካብ ዘይተመዝግብ ድማ ኣስታት 6 ሰዓትን 49 ደቂቅን ኣሕሊፋ ትርከብ ብመሰረት ደጋፊት እዛ ጋንታ ዝኾነ ጋዜጣ …

Read More »

ንመንግስቲ ዘታለለት ጉዳመኛ ሰበይቲ

64 ዝዕድመኣ ሰበይቲ ካብቲ ናይ ደንማርክ ቤትጽሕፈት ህጻናት ማሕበረሰብን 111 ሚልዮን ናይ ዳንማርክ ክሩኑር ኣታሊላ ወሲዳ። ሕጂ ኣብ ኩሉ ዓለም ትድለ ኣላ፡ ይሕብር እቲ ቤትጽሕፈት ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኡ። እዚ ገበንዚ ከም ኣዚዩ ከቢድ ወንጀል ኮይኑ እዩ ናብቲ ኣኽባር ሕጊ እተሓበረ። ብመሰረት ምርመራ ፖሊስ፡ እዚ ናይ ምትላል ፍጻመ ካብ 2002 ክሳዕ 2018 እዩ ቀጺሉ፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ እዛ ጉዳመኛ ሰበይቲ ነቲ …

Read More »

ሕ.መ ነቲ ናይ ካሾጊ ጉዳይ ኪምርምሮ ይደሊ

ናይ ሕ.መ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ቱርክን ስዑዲ ዓረብን ንጉዳይ ናይቲ ሰሙን ይገብር ኣብቲ ኣብ ኢስታንቡል፥ ቱርኪ፡  ዚርከብ ቆንሱል ስዑዲ ዓረብ ምስ ኣተወ ደሃዩ ዝጠፍአ ተቓዋማይ ጀማል ካሹጊ ኪምርመር ይደሊ። ካሾጊ ክሳዕ ሕጂ ብህይወቱ ምህላዉ የጠራጥር። ብመሰረት ቱርካዊ ተጣባቒ፡ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ዕድል ተጠቒማ እያ ነዚ ዚህውኻ ዝነበረ ጋዜጠኛ ዝቐተለቶ። እቲ ብዛዕባኡ ዚብሃል ዘሎ ኩሉ ሓቂ እንተ ደኣ ኾይኑ፡ እዚ ብሓቂ …

Read More »

ሃገር ሽወደን 5000 ናይ ክዎታ ዕቝበኛታት ንኽትወስድ ትውስን

ካብ 1990 ጀሚሩ እቲ ዝለዓለ ክዎታ ሎሚ ዓመት እዩ። ኣብ 2018 ሃገር ሽወደን ክሳዕ 5000 ስደተኛታት ክትቅበል እያ። እቲ ስራሕ ከምቲ እተመደቦ ይካየድ ኣሎ። ክሳዕ ሕጂ እቲ ቝጽሪ ናብ 4000 በጺሑ ኣሎ፡ ክሳዕ ሕዳር ድማ ናብ 5000 ኪበጽሕ እዩ። ከምቲ ሚግረሽን ኣቐዲሙ ዝበሎ ሃገር ሽወደን ንምቕባል ክዎታ ስደተኛታት ብዚምልከት ኣብ ዓለም ሳልሰይቲ እያ። እቲ ክዎታ ኣብዘን ክልተ ዓመታት ካብ 1900 …

Read More »

መስኪናይ ህጻን!

ሓደ ሰብኣይ ንሓደ ሰለስተ ዓመት ዝዕድመኡ ህጻን ቀቲሉ፡ ይሕብር GT። እቲ ህጻን ምስ ብርቱዕ መውቃዕትን መጕዳእትን እዩ ዝሓለፈ ሰሉስ ናብ ስካራቦርይ ሆስፒታል ዝመጸ፡ ኣማስያኡ ድማ ሞይቱ። ብመሰረት ወብሳይት ፖሊስ፡ እቲ ቀታሊ ነታ ኣደቲ ዝሞተ ህጻን ይፈልጣ እዩ።  

Read More »

ኣብ መላእ ዓለም ሕማም ኣእምሮ ይሰፍን ኣሎ

ኣብ መላእ ዓለም ቍጽሪ ናይቶም ብሕማም ኣእምሮ ዚሳቐዩ ይልዕል ኣሎ። ኣብ መንጎ 2010-2030 ዘሎ ግዜ፡ እዚ ጸገምዚ ነቲ ዓውለማዊ ቁጠባ 16 ቢልዮን ዶላር ኪሳራ ከምጽኣሉ እዩ፡ ማለት ኣስታት 145 000 ሚልያርድ ክሩነር። ካብቲ እተባህለ ብዝሒ ገንዘብ፡ ንሕክምናን ንመድሃኒትን ዚሃልኽ ወጻኢታት እዩ። እዚ ቀጥታዊ ኪኸውን ከሎ፡ ዘይቀጥታዊ መገዲ ድማ ጸገማት ፍርያትን፡ ናይ ማሕበራዊ መነባብሮ ሓገዛትን መጠን ኣባላት ፖሊስን ክብ ኪብል እዩ፡ …

Read More »

ዮተብሪ: ግዳይ መጥቃዕቲ ካራ ሞይቱ

እቲ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ማእከል ዮተብሪ ብኻራ እተወግአ ወዲ 20 ዓመት ዝኾነ ሰብኣይ ከም ዝዓረፈ ዮተቦሪ-ፖስተን ሓቢሩ። ሓደ 45 ዝዕድመኡ ሰብ ብጥርጠራ ተታሒዙ ኣሎ። እቲ ግዳይ ኣብ መገዲ እዩ ተጠቒዑ። ብድሕርዚ እቲ ኣጥቃዒ ናብ ሓንቲ እትጎዓዝ ዝነበረት ናይ ከተማ ባቡር ኣትዩ ነቲ ዘዋሪ ኣፈራሪሁዎ። እቲ ዘዋሪ ምስ ሓየሎ ግን ወሪዱ ናብ ኖርድስታን ማእከል ዕዳጋ ኣትዩ። ኣብቲ ዕዳጋ ንብዙሓት ሰባት ኣሰንቢዱ፡ …

Read More »

ናይ ኣፍሪቃ ብዕድመ ዝነኣሰ ቢልዮነር ተጨውዩ

ናይ ኣፍሪቃ ብዕድመ ዝነኣሰ ቢልዮነር፡ መሓመድ ደዊይ፡ ኣብታ ናይ ታንዛንያ ዝዓበየት ከተማ ዳር ኤስ ሳላም ብዕጡቓት ሰባት ከም እተጨውየ ዞባዊ ጸብጻባት ይሕብሩ። ብመሰረት ናይቲ ሃገር ኣመሓዳሪ፡ ፖል ማኮንዳ፡ ደዊይ በቶም ኣብ ክልተ ማኪና ኮይኖም ዝመጹን ኣብ ኣየር ዝተኮሱን ሰባት እዩ ተጨውዩ። እቲ 43 ዓመት ዝዕድመኡ መሓመድ ደዊ፡ ወናኒ ናይቲ 24000 ሰራሕተኛታት ዘለዎን ኣብ 12 ሃገራት ኣፍሪቃ ቢዚነስ ዘካይድን METL Group …

Read More »

ኣቦ ይኽሰስ – ንገዛእ ጓሉ 350 ግዜ ብምግሳሱ

ሓደ 50 ዝዕድመኡ ሰብኣይ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመት ንጓሉ ብውሑዱ 350 ግዜ ስለ እተጋሰሳ ኣብ ናይ ካርማሽ ወረዳ ቤትፍርዲ ተኸሲሱ ኣሎ ይሕብር ባሮመተርን። እቲ ኣስታት200 ግበረስጋ ጌና ጓሉ 18 ዓመት ከይመልአት ማለት 14 ዕድመ ከለዋ እዩ ተፈጺሙ። ብድሕርዚ እቲ ግብረስጋ ንሰለስተ ዓመታት ቀጺሉ፡ ብድምሩ ድማ ብመሰረት ክሲ፡ ኣስታት 150 ምግሳስ ኣካዪዱ ማለት እዩ. ብዛዕባቲ ጓሉ ጌና 18 ከይመልአት ከላ ምስኣ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com