Monday , April 29 2024

ምክልኻል ኮረና

ክኢላ፡ ሽወደን ንኻልኣይ ግዜ ከጓንፋ ዝኽእል ዓቢ ዝኾነ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣይክህሉን እዩ።

ሽወደን፡ ብመጠኑ ዝነኣሰ እንተዘይኮይኑ ንኻልኣይ ግዜ ከጓንፋ ዝኽእል ዓቢ ዝኾነ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣይክህሉን እዩ ክትብል ኣብ ካሮሊኒስካ ሓላፊት ጨንፈር ጸረ ለበዳ ዝኾነት ሓኪም፡ ሱ ኣሊማን፡ ገምጋማታ ከምዝገለጸት SVT ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ሃገራት ዓለምና ነቲ ክጥቀማሉ ዝጸናሓ ናይ ምርጋጥ ኣገባብ የፍኩሳ ኣብ ዘለዋሉ እዋን፡ ንኻልኣይ ግዜ ብለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንኸይጥቃዓ ኣብ ዓቢ ስግኣት ኣለዋ። እዘን ሃገራት እዚኣተን …

Read More »

ሉፊን፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኮሮና እንቃለሰሉ ፖሊሲ ንኽንምርምር ኮሚሽን ነጣይስ ኣሎና።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቲፈን ሉፊን መንግስቱ ቅድሚ ሳመር ምእታዉ ከበዳ ኮሮና እትምርምር ሃገራዊ ኮሚተ ከጣይስ ምዃኑ ሓቢሩ። እዛ ኮሚተ ፖሊሲ ሽወደን ኣብ ምምካት ለበዳ ኮሮና እትምርምር እያ። መንግስቲ ኣብ ኲሉ ጽፍሕታት፥ ሚኒስትሪታት፥ ቤት ጽሕፈታት ሰብመዚ፥ ምምሕዳራት ከተማ፥ ባይቶን ኲሉ ኣካላት መንግስቲን ዝጸንሖ ኣታሕዛ ብመንፊት እዛ መማዪት ኮሚሽን ክሓልፍ ምዃኑ ድማ ገሊጹ። ኣቐዲሙ መንግስቲ ሽወደን ኩለንትናዊ ገምግማ እተካይድ ኮሚተ ከተጣይስ ከም …

Read More »

ኣብ ሽወደን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና የንቈልቊል ኣሎ ተባሂሉ።

ኣብ ሽወደን ምስፍሕፋሕ ኮሮና ኣዝዩ ልዑል እኳ እንተሎ ኣብ ዝሓለፋ ቀረባ ሳምንታት ምንቊልቋል ከም ዘርኣየ ንጥዕና ሽወደን ኣመልኪቱ ዳታ ካብ ዝእክብ ትካል CSS ክፍለጥ ተኻኢሉ። መጠን ዝልከፉ ሰባት ኣብ ዝበዝሑ ዞባታት ምንቊልቋሉ ዝገለጸ ሓላፊ እቲ መጽናዕቲ ፖል ፍራንክስ እዩ። ድሕሪ ትንሳኤ ብፍላይ ርኡይ ምንቊልቋል ተለከፍቲ ከም እተመዝገበን ድማ ተመልኪቱ። ኣብዚ መጽናዕቲ 172 ሽሕ ሰባት ብወለንታ ምስታፎምን ነቲ ኣፕሊኬሽን ብዛዕባ ጥዕናኦም …

Read More »

መንግስቲ ኣብ ጒዳይ ኮቪድ-19 ክኽተሎ ዝጸንሐ ስትራቴጂ ክቕይር ሰልፊ ሰንተር ጸዊዑ።

ሰልፊ ሰንተር መንግስቲ ኣካይዱ ኣብ ኣታሕዛ ኮቪድ-19 ክቕይሮ ይግባእ ብምባል ዝሓሰቦ 5 ውጥናትን ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝያዳ መርመራ ክግበርን እማመ ኣቕሪቡ። እዚ ሰልፊ ሕጊታት ብባይቶ ንምሕላፍ ብደረጃ ዞባ ዝያዳ ተዓጻጻፍነትን ከም ዘድልዮ ድማ ሓቢሩ’ሎ። ፖለቲካውያን ሰልፊታት ብሓፈሻ ንመንግስቲን ናይ ኮሮና ቫይረስ ስትራቴጂኡን ክድግፋ እኳ እንተጽንሓ ገሊአን የድሓርሕራ ምህላወን ድማ ተመልኪቱ። ንኣብነት ብዓርቢ ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ምስ ሰልፍታት ክርስትያናዊ ዴሞክራሲን ሞደራትናን ብምዃን …

Read More »

ደንማርክን ኖርወይን ንሽወደን ብምፍላይ ዶባተን ይኸፍታ።

ደንማርክን ኖርወይን ካብ ዕለት 15/06/2020 ጀሚረን ካብን ናብን ሃገራተን ናይ መገሻ መስመራተን ክኸፍታ ተሰማሚዐን። ሽወደን ግን ኣብዚ ስምምዕ እትውቲ ከምዘይኮነት TT ሓቢሩ።   ሽወደን ኣብዚ ስምምዕ እትውቲ ዘይምዃና ብሰንኪ ኣብዘን ሃገራት ዝተራእየ ፍልልይ ናይ ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምዃኑ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ደኒማርክ፡ ሚት ፍረድሪክሰን፡ ሓቢራ። ምስ ጎረቤትና ዝኾነት ሽወደን፡ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት መፍትሒ ንምርካብ ቀጻሊ ዝኾነ ርክባት ንገብር ኣለና ክትብል …

Read More »

3.5% ስቶክሆልማውያን ኣፈናዊ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ከም ዘለዎም ይዛረቡ።

160 ሽሕ ዝኾኑ ነባሮ ሽወደን ነቲ ብ ሉንድ ዩንቨርሲቲ ዝተዳለወ ኣፕሊኬሽን መጸብጸቢ ምልክታት ኮቪድ-19 ካብ ኢንተርነት ዳውንሎድ ምግባሮምን ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ደቒቕ ገዛእ ርእሶም ብምፍታሽ ምልክታት እዚ ቫይረስ እንተለዎም ንገዛእ ርእሶም ክምርምሩን ዝገብር እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን 3.5% ስቶክሆልማውያን ኣፈናዊ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ከም ዘለዎም ዝግመት ኮይኑ ኣብ ዞባ ስኮነ ዝበሉ ቦታታት እቲ ኣሃዝ ዝወሓደ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ክፍሊ ጀነቲክስ ከምኡ’ውን …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን መርመራ ኮሮና ዘገም ብምባሉ ምሕዛኑ ገሊጹ።

“እዚ ኣብ መንጐ መንግስትን ዞባታትን ምንባብ ዘይምህላዉ ዘመልክት እዩ” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሉፊን ሎሚ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ገሊጹ’ሎ። ንሱ ኣብዚ እዋን ሓጋይ ብዛዕባ ዝህሉ ዕድላት ጒዕዞ ሕቶ ከም ዝቐረበሉን ነዚ ኣመልኪቱ ምስ ሃገራት ኖርዲክ ኣብ ምዝርራብ ምህላዉን ገሊጹ’ሎ። “ቊጽሪ ሞት እንድሕሪ ርኢና ዝበዝሑ እቶም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝተጓዕዙ ዘይኮነኑ ኣብ ኣባይቲ መእለዪ ዝናበሩ ሽማግለታት ሙኻኖም ይገልጽ። ኣብ …

Read More »

ሽወደን ነቲ ብኣውሮጳዊ ኮሚሽን ን ኮቪድ-19 ዝምልከት እማመ ትነጽጎ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ንዝሰዓበ ቊጠባዊ ቅልውላው ንምሕዋይ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ናይ 750 ቢልዮን ዮሮ እማመ ምቕራቡ ተፈሊጡ። እዚ እማመ ብፈረንሳን ጀርመንን ዝተደገፈ ኮይኑ ተግባራዊ ንኽኸውን ናይ ኲለን ኣባላት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ድምጺ እወታ ከም ዘድልዮ፥ እንተኾነ ግና ሽወደን ድሮ ነጺጋቶ ምህላዋ ተመልኪቱ። ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት ሽወደን ሃንስ ዳህልግረን እዚ ብረቡዕ ቀትሪ ዝወጸ እማመ ተቐባልነት ከም ዘይብሉን ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ክንዲ ኣብ …

Read More »

90% ካብቶም ሽወደናውያን ግዳያት ሞት ቫይረስ ኮሮና ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ሽማግለታት እዮም ተባሂሉ።

90% ካብቶም ሽወደናውያን ግዳያት ሞት ቫይረስ ኮሮና ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ሽማግለታት እዮም ኔሮም። ካብዚኣቶም እቶም 49% ኣብ መናበዪ ሽማግለታት ዝቕመጡ 25% ከኣ ኣብ መናበዪ ዝእለዩ ዝነበሩ እዮም ክብል ኣሃዝ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ኣመልኪቱ። እዞም ካብ ወርሓ ግንቦት ኣትሒዞም ደጊሞም እተኸለሱ ኣሃዛት መጠነ ሞት ሽማግለታት እናወሰኸ ክውስኽ ምጽንሑ ገሊጻ ላ። ንኣብነት ኣብ 6 ግንቦት 45.6% ኣብ 25 ግንቦት ከኣ 48.8% …

Read More »

ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ሽወደን ንቴግኔል ይነቕፍ።

ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ሽወደን ነቲ ዋና ኣማኻሪ ሕማማት ለበዳ መንግስቲ ሽወደን ኣንደርስ ቲግኔል ኣብ ሬድዮ ሽወደን ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ኣመልኪቱ ብትሪ ነቒፍዎ። “ኲሎም ካብ ዶባት ሃገርና ወጻኢ ዘለዉ ኣህዛብ ኣብ ጎድኒ ህዝብና ክኾኑ እዩ ዝግብኦም ኔሩ” ክብል እቲ ኣምባሳደር ጠቒሱ።፡ ኣምባሳደር ማርዮ ኮስፒቶ ቲግኔል ብ 24 ግንቦት ምስ P1 ንዝገበሮ ቃለመሕትት ብምንቃፍ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ ጽሑፉ ኣስፊሩ’ሎ። ኣብቲ ቃለ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com