Tuesday , May 21 2024

ምክልኻል ኮረና

መንግስቲን መሻርኽቲ ሰልፊታትን ናይ 15 ቢልዮን ክሮነር ሓድሽ እማመ ኣቕሪቦም።

ካብቶም ብዙሓት በዚ እማመ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ዝተኸስተ ልዑል መጠን ሽቕለት ኣልቦነትን ካሕሳኡን ክኾኑ እዮም። ” ብመሰረት እዚ እማመ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ዝግበረሎም ሰባት እናበዝሑ እዮም ክኸዱ” ክብል ሚኒስተር ፋይናንስ ሚኒስተር ማግዳሊን ኣንደርሰን። እዚ ወሰኽ ካብ 760 ክሳብ 1000 ክሮና ኣብ መዓልቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ተመልኪቱ። እዚ ወሰኽ ግዜያዊ ኰይኑ ካብ ሰነ 2020 ክሳብ ጥሪ 2021 ክጸንሕ እዩ። ናይ መጸበዪ …

Read More »

ስቶክሆልም ተራ ሽማግለታት ብምዕዛዝ ምልባዕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ምዕጋት ተዓዊታ ተባሂሉ።

ዋና ኣማኻሪ ሕማማት ለበዳ ኣንደርስ ቲግኔል ኣብ ኣባይቲ ሽማግለታት ዝኽሰት ምልባዕ ለበዳ ብምግታእ ዝወሰደቶ ስጒምቲ ከም ኣብነት ክውሰድ ዝግብኦ እዩ ኢሉ። ” ብፍላይ ድማ መሰረታዊ ጽሬትን ኣሰራርሓ ምምካንን በቲ ዝድለ መጠን እናሰራሕናሉ ክንቅጽል ኢና” ክብል ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብሪሁ’ሎ። ሕጂ ኣብ ኣባይቲ ሽማግለታት ስቶክሆልም ዘሎ ዝወሓደ መጠን ለበዳ ናይዚ ዝተወስደ ስጒምቲ ኣዎንታዊ ውጽኢት እዩ ድማ ኢሉ። ዳይረክተር ኣውራጃዊን ቆንስል …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም ወርቂ ክብሪ ዋጋ የርኢ።

ኲነታቶም ከውሕሱ ዝንቀሳሳቐሱ ዘለዉ ኣውፈርቲ ዋጋ ወርቂ ንዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ተራእዩ ናብ ዘይፈልጦ ወሰኽ ዋጋ ከርኢ ምግባሮም ተፈሊጡ። ወርቂ ከም ህያብ ምግዛእ ልሙድ ምስ ምዃኑ ኣብ ሳመር ዝህሉ መርዓን ናይ መመረቕታ ስነስርዓትን ናብ ወሰኽ ዋጋ ወርቂ ክወስዱ ምዃኖም ገለ ኣመታት እኳ እንተነበረ ምስ ምምጻእ ቅልውላው ኮሮናን ፍርሂ ምንቊልቋል ባጤራን ግና እዚ ወሰኽ ናብ ዝለዓለ ጠር በጺሑ ይርከብ ኣሎ ተባሂሉ።

Read More »

ናይ ሽወደን ዕዳጋ ስራሕ፡ ኣብ ታሪኹ እቲ ኣዚዩ ዝጸንከረ ቀውሲ የጋጥሞ።

ሚኒስተር ዕዮ ኤቫ ኖርድማርክ፡ ኣብ ሽወደን ብዝሒ ስራሕ ኣልቦነትን ምድስካልን ኣጸጋጋሚ ኩነታት ፈጢሩ ከም ዘሎ ገሊጻ። ኣብዚ ግዚ እቲ ቤትጽሕፈት ዕዮ ካብ መጋቢት 1 ጀሚሩ ተወሰኽቲ 122,000 ስራሕ-ኣልቦ ከም ዝመዝገበ ሓቢሩ።  “እቲ ድስከላ ኣብ ወርሒ መጋቢት 42,000 ነይሩ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ 268000፡ እዚ ድማ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ ትብል ኖርድማርክ። ኣብ 1992 እቲ ዝለዓለ 22,000 እዩ ነሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ …

Read More »

ባዕላዊ መመርመሪ ኮሮና ኣብ ዕዳጋታት ንኸይሽየጥ በዓል መዚ መድሃኒት ሽወደን ከልኪሉ።

ኩባንያ ዛንድሴል (Zandcell)፡ ንባዕላዊ ወይ ብገዛእ ነብስኻ ዝግበር መመርመሪ ኮሮና ኣመልኪታ ምውዕዋዕን መሸጣን ንኸይተካይድ ብበዓል መዚ መድሃኒት ሽወደን መጠንቀቕታ ተዋሂብዋ። ኩባንያ ዛንድሴል፡ ብዛዕባ ሕክምናዊ ብቕዓት ናይዚ ፍርያት ዝገልጽ ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ ሰነድ ስለዘየቕረበት፡ ኣብ ዕዳጋ ሽወደን ክዝርጋሕ ከምዘይግበኦ ኣማኻሪ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ፒር ኔስተር፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል TT ኣቃሊሑ። በዓል መዚ መድሃኒት ሽወደን ክሳብ ሕጂ ካብ ሽዱሽተ ዘይውሕዱ …

Read More »

ሽወደናውያን ተመራመርቲ ተስፋ ዘለዎ ናይ ኮሮና መድሃኒት ኣብ ምምዕባል ይሳተፉ።

ኣብ ካናዳ ዝመደበሮም ተመራመርቲ ጸረ ኮሮና ቫይረስ ዝኾነ መድሃኒት ኣብ ምድላው ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ምርምር ኣብ ዓመተ 2003 ኣብ እዋን ለበዳ ሳርስ ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምቁጽጻር ሕማም ሳርስ እቲ መጽናዕቲ ኣቋሪጹ ምጽንሑን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ጸረ ኮሮና መድሃኒት ኮይኑ ንኸገልግል ዝምዕብል ዘሎ እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ እቶም ካናዳውያን ተመራመርቲ ACE2 ዝስሙ ናይ ወዲ ሰብ ዓይነት ፕሮቲን ኣብ ላቦራቶሪ ብምድላዎም ነቲ …

Read More »

6% ካብ ኣባላት ሆስትፒታል ካሮለኒስካ ብኮሮና ከምዝተለኽፉ ተሓቢሩ።

ዝኾነ ዓይነት ምልክታት ሕማም ዘየርኣዩ 6% ካብ ኣባላት ሓለዋ ጥዕና ሆስፒታል ካሮለኒስካ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም ከምዝተረኽቡ ሓዲሽ መጽናዕቲ ከም ዝሓበረ P4 Stockholm ኣፍሊጡ። ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ኮይኖም ዝኾነ ምልክታት ሕማም ዘይብሎም ኣባላት ኣለውና። እዚ ድማ ዘይተጸበናዮን ዘደንጹ ውጽኢትን ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ካሮለኒስካ መምህር ስነ-ለበዳ ዝኾነ ዪዋኪም ዲንልነር ገሊጹ። ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ሓቀኛ ዝርጋሐ ለበዳ ቫይረስ ንምፍላጥ ዘኽእል ኣገባባት ንኸተኣታቱን ቀዳማይ …

Read More »

ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ 10% ካብ ነበርቲ ስቶክሆሎም ብኮሮና ተለኺፎም ከምዝነበሩ ተፈሊጡ።

ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ ኣብ ዝተገብረ ኣጋጣሚ (Random) ናይ ጸረ-ነፍሳት መርመራታት፡ 10% ካብ ነበርቲ ስቶክሆሎም ብኮሮና ተለኺፎም ከምዝነበሩ ጸብጻባት ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሮም ክብል ራድዮ ሽወደን ኣመሓላሊፉ። እዞም ብኮሮና ተለኺፎም ከምዝነበሩ ዝተፈልጡ ሰባት ኣቐድም ኣቢሎም ኣብ ከባቢ ወርሒ መጋቢት ተለኺፎም ዝነበሩ’ሞ ጸረ-ነፍሳት ዘማዕበሉ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣብ KTH ተሓጋጋዚ መምህር ዝኾነ ኒኮላስ ሮክሲድ ሓቢሩ። ቅድሚ በዓል ፋሲካ ዝነበረ ግዜያት ካብቶም ኣብ ካሮለኒስካን …

Read More »

ብሕማም ኮቪድ-19 ተጠቒዖም ዝነበሩ 10 ኣረጋውያን ሓውዮም።

ቀንዲ ግዳያት ናይ ቫይረስ ኮሮና ዝኾኑ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ Gnosjo ዝነብሩ ኣረጋውያን ምሉእ ብምሉእ ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ከምዝሓወዩ ሓላፊ እቲ ትካል ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ዝኾነ ዓይነት ምልክታት ናይ ሕማም ከምዘየርኣዩ ኣብቲ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ሓላፊ ኦፐረሸን ዝኾነ ብወል ሲሞንሰን ሓቢሩ። ኣብ መላእ ሽወደን እቶም ቀንዲ ግዳያት ቫይረስ ኮሮና ሽማግለታት ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ። ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ Gnosjo …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም መጠነ ሞት ኮሮና ይንኪ ኣሎ።

እቲ ህቦብላ ንፋስ ግን ይቕጽል ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ብዝሒ ናይቶም ብኮሮና ዝሞቱ ሰባት ክጎድል ከምተራእየን ናይቲ ሕማም ህቦብላ ንፋስ ግን ይቕጽል ከምዘሎን ሓላፊ ጥዕና ስቶክሆልም፡ ቢዮሪን ኤሪክሰን፡ ክምዘረጋገጾ TT ሓቢሩ። ኤሪክሰን፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንሕማም ኮቪድ-19፡ ብህቦብላ ንፋስ ከምዘመሳስሎ ይዝከር። ህቦብላ ኮሮና ብምሉእ ሓይሉ እዩ ነፊሱ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ህቦብላ ንፋስ ብከፊል ይዝሕል ከምዘሎን እዚ ግን ዝቑጸር ኣይኮነን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com