Thursday , May 16 2024

ምክልኻል ኮረና

መንግስቲ ተወሳኺ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ቈልዑ ንዘልዉዎም ስድራ ክገብር እዩ።

መንግስቲ ቈልዑ ንዘልዉዎም ስድራ ዝገብሮ ዝነበረ ፋይናንሳዊ ሓገዝ መንበሪ (bostadsbidrag) ብ 25% ክውስኸሉ እዩ ተባሂሉ። እዚ ብማእከላይን ሊበራላውን ሰልፊታት ደገፍ ዝረኸበ ሓሳብ ኮይኑ መንግስቱ ቆልዑ ንዘለዎም ስድራቤት ናይ መንበሪ ሓገዝ ክገብር ምዃኑ ኤኮት ሓቢሩ’ሎ። “ከም ዝፍለጥ ሰንኮፍ ፋይናንሳዊ ኲነታት ዘለዎም ስድራቤታት ዝዓበየ ብድሆኦም ወጻኢታት መንበሪ ገዛ እዩ” ክብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ድሕነት ኣርዳላን ቻካራቢ ገሊጹ። መንግስቲ ወጢንዎ ዘሎ ናይ ኣባይቲ ሓገዝ …

Read More »

ሚኒስተር ፋይናንስ፡ መንግስቲ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ዝተኸስቱ ወጻኢታት ምምሕዳራት ከተማ ክሽፍን እዩ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ማግዳሊና ኣንደርሰን መንግስቲ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ዝመጸ ፋይናንሳዊ ሃጓፍ ምምሕዳራት ከተማ ክመልእ ምዃኑ ሎሚ ኣረጋጊጻ። ካብቶም ክምልኡ ተባሂሎም ዘለዉ ጽላታት ክንክን ጥዕና ብቐንዱ እዩ። እዚ ይዂንምበር ንዝመጽእ ዓመት ዝኾነ ተወሳኺ ሓገዛት ከም ዘይግበር ኣስሚራትሉ’ላ። ” ንዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ኢና ንከታተሎ ዘሎና። ገና ኣይበጻሕናዮን ስለዘሎና ብዛዕባ 2021 ካብ ምዝራብ ክንቊጠብ ኢና” ክትብል ንኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሓቢራ’ላ። ብማእከላይን ሊበራላይን ሰልፊታት …

Read More »

መንግስቲ ምእካብ ህዝቢ ንምውጋድ ን ህዝባዊ መጓዓዝያ ናይ ሰለስተ ሚልዮን ሓገዝ ክገብር እዩ።

መንግስቲ ብማእከላይን ሊበራልን ሰልፊ እናተደገፈ ን ጽላት መጓዓዝያ ናይ 3 ቢልዮን ክሮና ክገብር ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና TT ተገሊጹ።፡ እዚ ድጎማ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ዝተኸስተ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ንምሽፋን ከገልግል እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ብምኽንያት እዚ ለበዳ መዓልታዊ ፍሰት ተጓዓዝቲ ምንካዩን ካብ ጽላት መጓዓዝያ ዝርከብ ዝነበረ ግብሪ ምጒዳሉን ዝፍለጥ እዩ።” ክትብል ሚኒስተር ኣከባቢ ኢሳቤላ ሉፊን ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብሪሃ። እዚ ይዂንምበር ሰብመዚ …

Read More »

ምብራቓዊ ክፋል ዮተበሪ ብፍላይ ብለበዳ ኮሮና ከም እተጠቕዐ ተገሊጹ።

ንፈለማ እዋን ዝወጹ ኣሃዛት ከም ዘመልክትዎ ኣብ ኣብ ቫስትራ ኣውራጃ ጉታላንድ ለበዳ እቲ ቫይረስ እኳ እንተንቈልቈለ ምብራቓዊ ዮተበሪ ግና ብፍላይ ይጥቃዕ ምህላዉ ኣመልኪቶም። ቫስትራ ጁታላንድ 30 ሽሕ ዝኾኑ ክልከፉዋ እንከለዉ ኣብ ቀረባ እዋን እዚ መልከፍቲ ምንቊልቋሉ ሓላፊ ምቊጽጻር እዚ ለበዳ ቶማስ ዋልፐሪ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት ዝጸንሑ ጸብጻባት ዝበዝሑ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቶትበሪ እኳ እንተጸንሐ …

Read More »

ሰራሕተኛታት ካሮሊንስካ ኮሮና ቫይረስ እናሃለዎም እውን ምስራሕ ይቕጽሉ ኣለዉ ተባሂሉ።

ንጹር ምልክታት ኮሮና ዘየርእዩ ሰራሕተኛታት ክሰርሑ ይሕተቱ ምህላዎም ውሽጣዊ ሰነዳት ሆስፒታል ካቶሎንስካ ብምጥቃስ SVT ሓቢሩ። እዚ ሰነድ ናብ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ከም እተላእከን ከም ኣካል ናይቲ መጽናዕቲ ድማ ሳምፕላት ከም እተወስደሎም ተገሊጹ። እቲ ሕማም ከም ዘለዎም እተነግሮም ሰራሕተኛታት ናብ ቤቶም ክምለሱን እቶም ምልክታት ድሕሪ ምቕሃሞም ተመሊሶም ክሰርሑ ይሕበሩ ምህላዎምእቲ ሰነድ ኣቃሊዑ’ሎ። ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ሰራሕተኛታት እዚ ስጒምቲ ” ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ …

Read More »

በዓልመዚ ጥዕና ስቶክሆልም ሽማግለታት ንምክልኻል ንጹር መምርሒ ይጠልብ።

ሰብመዚ ከተማ ስቶክሆልም ሽማግለታት ንምክልኻል ንጹር ናይ ሕጊ መምርሒ ከም ዘድልዮ ንበዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሓቲቱ። ለበዳ ኮሮና ምስቲ ዝነበሮ ብምንጽጻር ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቕነ ዘገምታ ምርኣዩ ተፈሊጡ’ሎ። “እዞም ሰብመዚ ንጹር ሓበሬታ ክቕርቡ ዘይምኽኣሎም ዓቢ ጒድለት እዩ” ክብል ከንቲባ እታ ከተማ ኣና ገርልመር ሎሚ ንኣገልግሎት ዜና TT ሓቢራ። በዓልመዚ ጥዕና ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሽማግለታት ማስክ ክወድዩ ከም ዘለዎም ድማ …

Read More »

መንግስቲ ብ ኣገባብ ኣመራምራ ኮቪድ-19 ከምዘይዓገበ ገሊጹ።

መንግስቲ ኣብ ዞባታት ዝካየድ ዘሎ መርመራ ኮቪድ-19ን ዝኸዶ ዘሎ ፍጥነትን ዘገምተኛ ብምዃኑ እቲ ፍጥነት ክውስኽ ይግባእ ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሌና ሃሊንገር ምልባዋ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ሃሊንግረን ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሎሚ 29 ሽሕ መርመራ ምክያዶምን እዚ ድማ ምስቲ ዝድለ ዝወሓደ ምዃኑን ሓቢራ’ላ። መንግስቲን በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕናን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ መፋርቕ ግንቦት ኣብ ሰሙን ልዕሊ 100ሽሕ ሰባት …

Read More »

ፍልስፍና ኣብ እዋን ኮቪድ-19።

ፈላስፋታት ብግብሪ ኣብ ቅድመ ግንባር ምምካት ለበዳ ኮሮና ተሰሊፎም ከይረኣዩና ይኽእሉ እዮም፥ ይዂን’ምበር ዝጻወትዎ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎም። ኣብ እዋን ጸበባ ፍልስፍና ገለ እትብሎ ነገር ይህልዋ እዩ። ለበዳ ኮሮና ንዓለምና ኣጨኒቕዋ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ብፍላይ ጥበብ ፍልስፍና” ስቶይሲዝም” ዝያዳ ኣገዳስነት ረኺቡ’ሎ። ” ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝኾኑ ነገራት እንከጋጥመካ ምጭናቕ ኣቋርጽ” ዝብል ኣባህላ ሰነካ እታ ልምድቲ መትከል እያ። ሃይማኖተኛታት ብወገኖም ” ኦ …

Read More »

ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝእለዩ ሰባት ቁጽሮም ይጎድል።

ቅልውላው ኮሮና ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ 1672 ሰባት ኣብ ትሕቲ ኣሃዱ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ተኣልዩም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ንፈለማ ግዜ 481 ሰባት ጥራይ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣሃዱ ይእለዩ ከምዘለዉ ኣብ ምምሕዳር እቲ ኣሃዱ ሓላፊት ህጹጽ ረዲኤት ዝኾነት ታሃ ኣሌክሰንደርሾን ሓቢራ። ዝርገሐ ለበዳ ናይ ምጭባጥ ምልክት የርኢ’ኳ እንተሃለወ እቲ ቅልውላው ግን ኣይተወደአን። እቶም ኣብ ኣሃዱ ጽዑቕ ምክትታል ተሪፎም ዘለዉ ሰባት ውን …

Read More »

ሰልፊ ሰንተር ንኣረጋውያን ዚምልከት ንጹር መምርሒ ይደልዩ።

ሰልፊ ሰንተር፡ ኣረጋውያን ከመይ ገይሮም ኮሮና ከይለኸፎምም ምስ ቤተሰቦምን ብጾቶምንኪራኸቡ ከም ዚኽእሉ መምርሒ ኪህብ ነቲ ወኪል ህዝባዊ ክንክን ጥዕና ኪሓቶ ሙዃኑ ይሕብር። ምክትል ሓላፊ ሰንተር ፓርቲ ኣንደሽ ዮንሶን ንራድዮ ሽወደን ከም ዝበሎ፡ እቲ ማሕበራዊ በይናውነት ንኣረጋውያን ካልእ ዘይተደልየ ሕማማት ከስዕበሎም ይኽእል እዩ።ንሱ ነቶም 70ን ካብኡ ንላዕሊ ዝዕድመኦም ሰባት ኣብ ግዜ ለበዳ ዘካይዱዎ ማሕበራዊ ርክባት ብዚምልከት፡ ንጹር መምርሒታት ኪወሃቦ ይደሊ፡ ይብል።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com