Friday , May 3 2024

ኮረና ቫይረስ

November, 2021

  • 8 November

    ኣብተን ዝያዳ መርመራ ኮቪድ ዘካየዳ ምምሕዳራት፡ ዝዋሓደ መጠን ሞት ተራእዩ

    ኣብ ሽወደን፡ እተን ዝለዓለ መጠን መርመራ ኮቪድ-19 ዘካየዳ ምምሕዳራት፡ ዝወሓደ መጠን ሞት ከም ዝተራእየን፡ ካብ ኮሚሽን ኮሮና ዝተረኽቡ ጸብጻባት ብምጥቃስ፡ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብዘን ዝተፈላለዩ ክሊ ዕድመታትን ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎ ምምሕዳራት፡ መጠን ምስፍሕፋሕ ኮቪድ-19፡ ክበዝሕ እኳ እንተተራእየ፡ መጠን ሞት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዝሒ ናይቶም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝሓቱ ዘለዉ ሰባት፡ ውሑድ ምዃኑ ይፍለጥ። ትሑት መጠን ክታበት ዘካየዳ …

  • 7 November

    ላትቪያ . . . . ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ካብ ስራሕ ክስጎጉ እዮም

    ብመሰረት ባይቶ ሃገረ ላትቪያ ዘጽደቖ ሓድሽ ሕጊ፡ ካብ ዕለት 15 ሕዳር ጀሚረን፡ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ኩባንያታት፡ ንዘይተኸትቡ ኣባላተን ካብ ስራሕ ከባርራሉ ዝኽእላ ስልጣን ከምዝረኸባ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሃገረ ላትቪያ፡ ሓንቲ ካብተን ብለበዳ ኮቪድ-19 ብኸቢድ ዝተጠቕዓ ሃገራትን፡ ብሰንኪ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና እታ ሃገር ዝተፈጥረ ልዑል ጸቕጢ፡ ካብ ካልኦት ኤውሮጳውያን ሃገራት ሓገዝ ዝሓተት ሃገር እያ። 61% ካብ ልዕሊ ዕድመ …

  • 6 November

    ጀርመን . . . መጠን መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ክብረ ወሰን ሒዙ

    ካብ ዕለት 18 ታሕሳስ 2020፡ ኣብ ጀርመን፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ዝለዓለ መጠን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ዝተመዝገበሉ ግዜ፡ ትማሊ ሓሙስ ምንባሩን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ 33,949 ሰባት ከምዝተለኽፉን በዓል መዚ ተመሓላለፍቲ ሕማማት እታ ሃገር ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዝተመዝገበ ቁጽሪ መልከፍቲ፡ 33,777 ምንባሩ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ብቐጻሊ ክውስኽ …

  • 6 November

    ሃገረ ዴኒማርክ፡ ቀይድታት ኮቪድ-19፡ ከተተኣታቱ ይግባእ

    ሃገረ ዴኒማርክ፡ ነቶም ዘልዓለቶም መምርሒታት ኮቪድ-19 ከም እንደገና ከተተኣታትዎም ከም ዝግባእ፡ ኣማኻሪ በዓል መዚ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ሶረን ብሮስትሮም፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ውሳኔ፡ ኣብ ኢድ ፖለቲከኛታት ስለዝኾነ፡ ጻውዒተይ ነቶም ፖለቲከኛታት እዩ ክብል፡ ብሮስትሩም፡ ምስ ዴኒማርካዊ tv2 ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ። ሃገረ ዴኒማርክ፡ ክሳብ ዕለት 01 መስከረም ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት …

  • 5 November

    ዓዲ እንግሊዝ፡ ጸረ ኮቪድ-19 ዝኾነ ከኒና፡ ኣፍቂዳ

    ሃገረ እንግሊዝ፡ እታ ቀዳመይቲ ጸረ ኮቪድ-19 ዝኾነ ብኩባንያ መርክ (Merck) ዝፈረየ ከኒና፡ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕል ፍቓድ ዝሃበት ሃገር ኮይና ከምዘላን እዚ ድማ፡ ናይ ፈለማ ጸረ ኮቪድ-19 ዝኾነ ዓይነት ከኒና ምዃኑ እዩ ዝንገር ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ብ ሞልኑፒራቪር (Molnupiravir) ዝፍለጥ ዓይነት ከኒና፡ ንልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባትን ብሓድሽ ጅር ክጥቅዑ ተኽእሎታት ዘለዎም ጥራይ ዝወሃብ እዩ። እዚ …

  • 5 November

    WHO: ኣውሮጳ ዳግማይ ማእከል ምስፍሕፋሕ ኮቪድ: ትኸውን ኣላ

    ቊጽሪ ሓደስቲ ሕሙማት ኮሮና እናወሰኸ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣውሮጳ ዳግማይ ምእከል ኮቪድ-19 ትኸውን ኣላ ክብል ኣጠንቂቑ’ሎ። ኣህጒር ኣውሮጳ ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ለካቲት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ክሞቱ ይኽእሉ እዮም ክብል ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ሃንስ ክሉግ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣፍሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሰባት ክታበት ክንድቲ ዝግባእ ይወስዱ ብዘይምህላዎም እዩ ክብል …

  • 5 November

    ሓድሽ ማዕበል ኮቪድ-19፡ ኣብ ሽወደን

    ኣብ ሽወደን፡ መልከፍቲ ኮቪድ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ እኳ እንተተፈልጠ፡ መጠን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ግን ብሰንኪ ዝተኻየደ ጽቡቕ ሸፈነ ክታበት፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ እዋን ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝተሓተ ከምዘሎን፡ ይኹን እምበር፡ ኣብ ሓድሽ ማዕበል ለበዳ ኮቪድ ከምዘለና ዝሕብሩ ምልክታት ግን ኣለዉ ክብል፡ ኣማኻሪ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ኣብ ጉዳይ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንደሽ ተግነል፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ፡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ …

  • 5 November

    ሰሙናዊ ጸብጻብ መልከፍቲ ኮቪድ-19

    ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ ዝተኸትቡ ሰባት፡ 7,261,439 በጺሑ ከምዘሎን፡ እዚ ማለት ድማ፡  85.0% ካብ መላእ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሽወደን ምዃኑ፡ መዛግብቲ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ክታበት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም 81.1% ዝኾኑ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ማለት፡ 6,919,724 ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም። ኣብ መላእ ሽወደን፡ 1,176,269 ሰባት፡ ብኮቪድ-19 …

  • 5 November

    ክታበት ጸረ ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ፡ ክጅመር እዩ

    ካብ ዕለት 9 ሕዳር ጀሚሩ፡ ክታበት ጸረ ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ ክጅመር ምዃኑ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ምጅማር ናይቲ መደብ፡ ብቐዳምነት ዝኽተቡ፡ እቶም ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብ፡ ነፍሰ ጾራት፡ ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባትን ሕማም ልብን ሕማም ሳምቡእን ዘለዎም ሰባት ክኾኑ እዮም። ካብ ዕለት 22 ሕዳር ንደሓር ድማ፡ ነቶም ብቐረባ …

  • 4 November

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንክታበት ኮቫክሲን፡ ኣፍልጦ ሂቡ

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ከም ናይ ህጹጽ እዋን ክታበት ንኸገልግል፡ ንፍርያት ህንዳዊ ኩባንያ ባሃራታ ቢዮቴክ ዝኾነ ክታበት ኮቫክሲን፡ ኣፍልጦ ከምዝሃቦ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። በዚ ድማ፡ ክታበት ኮቫክሲን፡ መበል ሻሙናይ ክታበት፡ ብውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣፍልጦ ዝረኸበ ኮይኑ ኣሎ። ንህጹጽ እዋን ተባሂሎም ብውድብ ጥዕና ዓለም ተፈላጥነት ዝረኸቡ ክታበታት፡ ንቀረብ ናይቶም ቀንዲ ጸረ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዝኾኑ ክታበታት ዘስፍሕ እዩ ክትብል …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com